ድለ

ኣብ ሰላም “ሓደ እኳ ዘይግሉል”፡ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት መገሻ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምያንማርን ባንግላደሽን

እንክምልሱ፡ ዝዀነ ይኹን ኣብ ለውጢ ዝርከቡ መንግስታት ዝፍጽምዎ ኣብ ጭቡጥ ፖሊቲካ ዝቖመ ምርጫታትን ጌጋታቶም እውን እንተዀነ ንሓድሽ መንነት ድልያ መንገዲ ዝኸፍት እዩ ቢልካ ምሕሳብ ብድዐ እዩ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ ይዝከር

ዕለት 26 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ምያንማርን ባንግላደሽን ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዝነቐሉላ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ተዘኪሩ ከምዝወዓለን፡ ኣብተን ክልተ ሃገራት ዘካየድዎ ምብጻሕ ነቲ ኣብተ ኣብተን ክልተ ጐረባብቲ ሃገራትን ዶባተን ብስደተይናታትን ዓሌት ርሆንጊያን ብዝሓለፈ ጽንኩር ታሪኽ ምልኩት ምዃኑ ብቐረባ ተዓዚቦምን ንኩነታት እተን ሃገራት ኣማእኪሎም ዘተን ቃለ ምዕዳንን ከምዝለገሱ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሎሚ እግዚኣብሔር ሮሆንጊያ ዝብል ስም ኣለዎ፡ ዝበልዎ ቃል እግዚኣብሔር ምስቲ ዝሳቐይ ሕዝቢ ከምዝሳቐይን ንማንም ኣብ ስቓይ ዘይሓድግ ምዃኑ ንምዝኽኻር ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ቃል ቅዱስ ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ መራኸቢ ብዙሓን ቀዳሜ ገጽ ተዋሂብዎ ብዙሕ ትንታኔ እውን ከምዝቐረበሉን፡ ሓደ’ኳ ብዛዕባ ሮሆንጊያ ኣብ ዘይዛረበሉ እዋን ዝበልዎ ቃል ብምዃኑ ናይ ብዙሓት መንግስታት ዓይንን እዝንን ዘገረመ እዩ ነሩ፡ ኣብ ባንግላደሽ ርእሰ ከተማ ዳካ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ መራሕቲ ዘካየድዎ ርክብን፡ ንስደተይናታት ዓሌት ሮሆንጊያ፡ ብስም ኵሎም እቶም ዘሰዳድኹምን ዘሳቐይዅምን ስም ይቕረታ እሓትት ከምዝበሉን ኣብቲ ዕርቂ ዝብል መርሕ ቃል ገይሮም ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥

ሓደ’ኳ ዘይግሉል

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምያምናር ተራኺቦም ምስ ናይታ ሃገር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ኣውንግ ሳን ሱ ክዪ ኣብ ዘካይድዎ ዘተ፡ ፖለቲካዊ ጭቡጥነት ከይዲ ብዝብል ምስምስ ምያንማር ኵላዊ መትከላትን ንሱ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ክብርን መንነትን ምኽባር ዝብል ዘጠቓልል ውሳኔ ዕሽሽ ክትብል ጌጋ ምዃኑ ብንጹር ዘመላኸተን ናይ ኵሉ ናጽነት ዘኽብርን ማንም ዘይንጽልን ንኹሉ ውሕስ ዝገብር ስርዓት ደሞክራሲ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ዘመላኸት ርክብ እዩ ኔሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ምምላሶም ኣብ ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ንዘሰንይዎም ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ልዕሊ ኣውንግ ሳን ሱን ኪዩ ኣብ ክውንነት ፖለቲካ ዝብል ኣሰራርሓ ዝኽተላ ብምዃነን ነዚ ዝነቅፍ ዝቐረበሎም ሕቶ፡ እንክምልሱ፡ ዝዀነ ይኹን ኣብ ለውጢ ዝርከቡ መንግስታት ዝፍጽምዎ ኣብ ጭቡጥ ፖሊቲካ ዝቖመ ምርጫታትን ጌጋታቶም እውን እንተዀነ ንሓድሽ መንነት ድልያ መንገዲ ዝኸፍት እዩ ቢልካ ምሕሳብ ብድዐ እዩ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ ይዝከር።

ስልጣናዊ ትምህርቲ ወሰናስናውነትን ደጋውነትን

ማንም ዘየግልል ንዅሉ ዝሓቍፍ ሰላም ዝብል ኣምር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ያንጐን ዓቢይ ካባ ኣየ ማእከል ተረኺቦም ብዙሓት ቡድሃውያን መነኰሳት ኣብ ዝተኣከቡሉን ከምኡ እውን ኣብ ባንግላደሽ ርእሰ ከተማ ኣብ ታጅጋኦን ኣብ ዝርከብ ናይ ማሕበር እናቴ ቅድስት ተረዛ ዘካልኩታ መእለዪ ሕሙማንን ድኻታትን ተረኺቦም ዘቃልሕዎ ሓልዮትን ለውሃት እግዚኣብሔርን ዘረጋግጾ እዩ።

ኣብ ምያንማር ኰነ ደሓር እውን ኣብ ባንግላደሽ ንመላእ ሕዝብን ብፍላይ ንመንእሰይ ወለዶ፡ እቲ ንሓደ ሕዝብን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሰናይን ክፉእን ብዝብል ፈላላይ መናድቕ ዝምርሑ ሃይማኖታት ኣዚዩ ዘንእስ እሽተይ ዝገብር መዳጉኖ ብምልቓቕን ናጻ ብምዃን እቲ ናብ ዕርቂ ዝመርሕ ጭቡጥ ተስፋ ምቕራብ የድሊ፡ ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ኣመለኻኽታ ዘለዉ ኩሉ ምእንጋድን ምቕባልን የድሊ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዝገለጹ ዝዝከር እዩ።

27 November 2018, 17:03