ድለ

ኣብ ቅድሚ ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾነ ድኽነት ሃብቲ ማሕበረሰባዊ ቅጥዒ ክህልዎ ይግባእ! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፥ ‘ኣሕዋተይ ንሕና ናብ`ዚ ዓለም እዚ ኂዝናዮ ዝመጻና ነገር ሓንቲ እኳ የብልናን። ስለ’ዚ ቀለብናን ክዳንናን እንተረኺብና ይኣኽለና እዩ። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግዳ ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ’ቲ ብዙሕ ዕሽነትን እጥሒሉ ናብ’ቲ ንሰብ ዘዕንዎን ዘጥፍኦን ሃረርታ ሥጋ እዩ ዘውድቆም። ፍቕሪ ገንዘብ ናይ ኵሉ ኽፍኣት ሡር እያ፡ ገብዙኃት በቲ ስዲ ዝኾነ ሃረርታኡ ካብ እምነቶም ዘምበሉ፡ ኣብ ርእስኣቶም’ውን ብርቱዕ ሥቓይ ኣውረዱ።’ 1ጢሞ 6.7-10

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚአብሔር ንዝጀመርናዮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ኣብ’ታ ‘ኣይትስረቅ’ እትብል ሻብዓይቲ ትእዛዝ በጺሕና ኣሎ። ነዚ ትእዛዝ እዚ እንክንሰምዕ ብዛዕባ ምጥፍፋእን ንንብረት ካልኦት ምኽባርን ዝብል ሓሳብ ይቅጀለና። ኣብ ዓለምና ንምጥፍፋእን ንንብረት ካልኦት ምዝራፍን ዘፍቅድ ባህሊ የሎን፣ እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብረት ዘሎና ስምዒት ዘመልክት ኮይኑ ንንብረት ሰባት ንምክልኻል ይደፋፍኣና።

ኮይኑ ግን ናይ`ዛ ትእዛዝ እዚኣ ስፍሕ ዝበለ ሓሳብ ንምርዳእ ንብረት ናይ ምውናን ሓሳብ ብመብራህርሂ ክርስትያናዊ ጥበብ ኣስፍሕ ኣቢልካ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ኣብ ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ናይ ኩሉ ንብረትን ቦታኡን ይዛረብ። እንታይ ማለት ኮን ይኸውን! ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እንታይ ከምዝብል እስከ ንስማዕ፣

ኣብቲ ብዛዕባ ሓባራዊ ዕላማ ሃብትን፤ ግላዊ ንብረትን ዝብል ኣርእስቲ ቊ.2402 ‘ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፤ እግዚኣብሔር ንምድርን ንኹሉ በረኸታን፤ ኪሕልዎ፤ ኪከናኸኖ ብስራሑ ኪቈጻጸሮ፤ ብፍርያቱ ከኣ ኪረብሕን ኪድሰትን ንወድሰብ ሕድሪ ኣረከቦ። ናይ ፍጥረት በረኸትን ሃብትን ኩሉ ንመላእ ዓሌትሰብ ዝተመደበ እዩ። እንተኾነ ብድኽነትን ብናይ ዓመጽ ስግኣትን ክትህሰ እትኽእል ሕይወቶም፤ ውሕስነትን ርግጽነትን ምEንቲ ክትረክብ፤ ምድሪ ኣብ መንጎ ደቂሰባት ዝተመቓቐለት እያ። ናይ ሰባት ናጽነትን ክብረትን ንምውሓስ፤ ነፍስወከፍ ድማ ነኣዑ ኮነ፤ ኣብ ኀልዮቱ ንዚርከቡ፣ ዜድልዮም መሠረታዊ ነገራት
ንኺህልዎም ምእንቲ ኪሕግዝ፤ ንብረት ምውናን ግቡእን ሕጋውን እዩ። ኣብ መንጎ ሰባት ባሕርያዊ ዝኾነ ምትሕግጋዝን ምድንጋጽን ንኺምዕብል ኪሕግዝ ይግባእ’ ይብል። ኣተሓሒዙ ኣብ ቊ.2403 ከኣ ‘ዝተጠርየ፤ ወይ ከኣ ብህያብ ኮነ ብውርሻ ዝተረኽበ፣ ግላዊ ንብረት ናይ ምውናን መሰል፤ ብጥንቱ ብመሠረቱ፤ ምድሪ ንመላእ ዓሌትሰብ ዝተዋህበት ጸጋ እያ፤ ዚብል ሓቂ ኣይፃረርን እዩ። ናይ ሓባር ረብሓ ንኸተማዕብል፤ መሰል ግላዊ ንብረትን፤ ናይ ኣጠቓቕማኣ ብልኃትን ኪሕሎ ዚሓትት’ኳ እንተኾነ፤ ናይ ሃብትን በረኸትን ሓባራዊ ዕላማኡ ጥንታውን መሠረታውን ኮይኑ ይነብር።’ ይብል።

ሓልዮት እግዚአብሔር ግን ንኩሉ ብሓደ መስርዕ ማዕረ ገሩ ኣይሰርዖን፣ ስለዝኾነ ከኣ ፍልልይ ኣሎ! ዝተፈላለዩ ኩነታትን ዝተፈላለዩ ባህልታትን ስለዘሎ ነንሕድሕድካ እናተሓለለኻ ንምንባር ይከአል። ዓለምና ንኩልና ዚኣክል ቀዳማዊ ነገራት ንምርግጋጽ ሃብታም ምንጪ አለዋ።  ኮይኑ ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾነ ድኽነት ይነብሩ ኣለው እቲ ብዘይ ቅጥዒ እንጥቀመሎም ምንጪ ከኣ እናነጸፉ ይኸዱ ኣለው። ክንፈልጦ ዘሎናን ኣዳዕዲዕና እንፈልጦን እዛ ዓለምና ሓንቲ እያ ሰብኣውነት እውን ሓንቲ እያ። ሎሚ ከም ሎሚ ሃብቲ ዓለም ብምሉኡ ኣብ ኢድ ውሑዳት ኮይኑ ድኽነት እኳ ደኣ ውርደትን ስቃይን ግን ናይ ብዙሓት ወይውን ኣብዝሓ ናይ ነበርቲ ዓለምና ዕጫ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ዓለምና ጥሜት እንተሎ እኹል ምግቢ ተሳኢኑ ኣይኮነን! እኳ ደኣ ንዕድጋ ምእንቲ ክጥዕም ብዙሕ መግቢ ይጐሓፍን ይዓኑን። እቲ ጐዲሉ ዘሎስ ነጻን ብሩህን ኣሰራርሓ ሃሉ እኹል ምህርቲ ብምርግጋጽን ናይ ምድግጋፍ መርበባት ብምስንዳውን ዝተመዓራረየ ምምቅቃል ምርግጋጽ እዩ። እቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 2404 ‘“ወድሰብ ንፍጡር ነገራት ኪጥቀመሉ ከሎ፤ እቲ ብግቡእ ዚውንኖ ንብረት፣ ነኣዑ ጥራሕ ዝተሓዝአ ዘይኮነስ፤ ልክዕ ከም’ቲ ንሱ ዚጥቀመሉ፣ ካልኦት’ውን ኪረብሑሉ ይኽእሉ ብዚብል መንፈስ ንኻልኦት’ውን ከምዚብጸሖም ኪሓስብ ኣለዎ።” እንክብል ይገልጾ። ዝኾነ ሃብቲ ጽቡቅ እዩ ንክበሃል ማሕበረሰባዊ ጐድኒ ክህልዎ ኣለዎ።

በዚ ኣመለኻኽታኸስ ናይ’ታ ‘ኣይትስረቅ’ እትብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ኣዎንታዊ ትርጉሙ ክንርዳእ ንኽእል። ኣብ ላዕሊ ዝተመልከትናዮ ትምህርቲ ክርስቶስ ቀጺሉ ‘ናይ ዝኾነ ይኹን ንብረት ወይ ጥሪት ዋና ምዃን ማለት፤ ናይ’ቲ ብኀልዮት-ኣምላኽ ዝተዘርግሐ ሓላውን ኣመሓዳርን ምዃን እዩ።’ እንክብል የብርሆ። ካባና ማንም ሰብ ናይ ንብረት ፍጹም ዋና ኣይኮነን ኣመሓዳሪ እዩ። ንብረትና እዩ ኢልና እንዛረቦኸስ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እዩ። ምናልባት ሓደ እንተኾነ ኣነ ብኩሉ ሃብታም እየ ክብል ይኽእል ንሕና ከኣ እዚ መዝነት ወይ ሓላፍነት እዩ። ክንዮ ሓልዮት እግዚአብሔር ዝሕሰብ ንብረት ክሕደት እዩ። ዋናን ዓዳልን እግዚአብሔር ጥራይ እዩ። ስለዚ እቲ ዝተቀበለ ክህብ ክኽእል ኣለዎ፣ እታ ቀንዲ መምዘኒትከስ እዚኣ እያ እንተስ ብሕማቅ እንተስ ብጽቡቅ ኣብ ምምሕዳር ሃብቲ እዩ ዝውሰን። ኣለዎ ዝበሃል ወኒኑ ዝበሃል ክህብ ዝኽእል እዩ። ምሃብ እንተደኣ ፈሊጠ ክፉት እየ በዚኸስ በቲ ዘሎኒ ጥራይ ዘይኮነ ብልግሲ እውን ሃብታም ኮይነ ማለት እዩ። ልግሲ ቀንዲ ዘድልየሉ ምኽንያት ኩልና ኣብቲ ሓባራዊ ሃብቲ ንክንሳተፍ ንሃብትና ሂብና ክንክእል ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ ንሓደ ነገር ነጻ ኰይነ ክህብ እተዘይክኢለ ኣነ ዘይኮንኩ ወናኒ እቲ ነገር እዩ ወኒኑ ዘሎ ኣብ ልዕለይ ሓይሊ ኣለዎ ማለት እዩ ኣነ ባርያ ኮይነ ማለት እዩ። ንብረት ናይ ምጥራይ ምውናንን ዕላማ ንክትሕልዎን ከምቲ ናይ ምክሊት ምሳሌ ንክተባዝሖን ብልግሲ ከኣ ንክትጥቀመሉን ኮይኑ በዚ ኣብ ፍቅርን ኣብ ሓርነትን ትዓቢ።

ክርስቶስ ባዕሉ እግዚአብሔር ክንሱ ኣብ’ቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ማዕርነት ኣይተኣሠረን ንኵሉ ቀንጢጡ ደርበዮ።ባዶ ኰነ። ይብለና ፊል 2.6-7 በዚ ከኣ ብድኽነቱ ንዓና ኣሃብቲሙና 2ቆሮ 8.9። ደቂሰባት ብዙሕ ክህልዎም ሃነፍነፍ እንክብሉ እግዚአብሔር ግን ገዛእ ርእሱ ድኻ ብምግባር የድሕኖ። እቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቅለ ንኩሎም ዝኸውን ክንገርን ክግመትን ዘይከኣል ዋጋ ነቲ ‘ብምሕረት ሃብታም ዝኾነ’ ኤፈ2.4 ያዕ 5.11 እግዚአብሔር ኣቡኡ ካሕሳ ከፈለ። ሃብታማት ዝገብረናኸስ ንብረትን ገንዘብን ዘይኮነ ፍቅሪ እዩ። ብዙሕ ግዜ ነቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ‘ሰይጣን ብጅባ ይኣቱ’ ዝብል ምስላ ንሰምዖ። መጀመርያ ብፍቅሪ ገንዘብ ይጅምር ደሓን ብጥሜት ናይ ምውናን ካብኡ ሕልፍ ኢሉ ከኣ ከንቱነት ይመጽእ። ኣነ ሃብታም እየ እናበልካ ከኣ ውዳሴ ከንቱ ትዛረብ። ኣብ መወዳእታ ርእስኻ ሓፍ ምባልን ትዕቢትን ይስዕብ። ሰይጣንከስ ከምዚ ገሩ እዩ ኣባና ዝሰርሕ። እታ መእተዊት በሪ ግን ጅባታትና እየን።

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ጐይታና ኢየሱስ ዳግም ትርጉም ናይታ ‘ኣይትስረቅ’ እትብል ትእዛዝ ብምሉእ ትርጉም ቃል ኣምላኽ ገሩ ይገልጸልና። እዚ ከኣ በቲ ዘሎካ ንብረት ተጠቂምካ ኣፍቅር ይብለና። በዚ ከኣ ሕይወትካ ዝበለጸት ትኸውን ንብረትካ ከኣ ውህበት ይኸውን። ከመይ ሕይወት ንክተፍቅር እምበር ንክትውንን ኣይተዋህበትካን። እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
07 November 2018, 15:25