ድለ

ኣምልኾ ጣዖታት የዕንው! እግዚአብሔር ግን ብፍቅሪ ዝመልአ ልቢ ይተኽለልና! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ - ‘ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ። ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዚጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዚጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። ... እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።’ (ገላ 5.16-23)

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንከስተምህሩ ኰፍ ምስ በሉ ብዘይተልመደ መንገዲ ሓደ ሕጻን ክሳብ እቲ ንሶምን ሓለውቶምን ዘለውዎ ብምድያብ ክዛውን ይጅምር ጽንሕ ኢላ ካልእ ሓንቲ ሕጻን ትውሰኾ ኮይኑ ግን ቅዱስነቶም ብትዕግሥቲ ይዕዘቡ ኣብ መንጎ እዚ ኣደ እቲ ሕጻን ፍቃድ ሓቲታ ነቲ ሕጻን ሒዛ ኣብ እግሮም ተምበርኪኻ ገለ ሕሹዅ ትብሎም ቅዱስነቶም ከኣ ንክልቲኦም ባሪኾም የሰናብቱ። ትምህርቶም ክጅምሩ እዮም ብማለት ዝጽበዩ ዝነበሩ ከኣ ካልእ ሃንደበታዊ ትምህርቲ ይቀስሙ። እዚ ቆልዓ ክብሉ ቅዱስነቶም ዘረባ ምስ ጀመሩ ኩሉ እዝኒ ናብኦም ዘንበለ።

“እዚ ሕጻን ክዛረብ ኣይክእልን ዓባስ እዩ! ኮይኑ ግን ክዋሳእ ይኽእል! ሓሳቡ ክገልጽ ይኽእል! ሓንቲ ነገር ብዙሕ ተተሓሳስበኒ ግን ተዓዚበሉ! ነጻ እዩ! ሽሕ’ኳ ዘይስሩዕ ነጻነት እንተኾነ! ኮይኑ ግን ነጻ እዩ! ንዓይ ግን ቀንዲ ዘተሓሳሰበኒ ነገር ግን ኣነ እውን ከምዚ ሕጻን እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ነጻ ድየ ዝብል እዩ! ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከም ሕጻናት ንኹን ክብል እንከሎ ከምቲ ሕጻናት ኣብ ቅድሚ ኣቦኦኦም ዘለዎም ነጻነት ይሃልወና ማለቱ እዩ! ብዝመስለኒ እዚ ሕጻን እዚ ንኩልና ዓቢ ስብከት ኣቅሪቡልና! እግዚአብሔር ማእሰረ ልጓም ልሳኑ ክኸፍተሉ ንጸሊ!”

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ዓሠርቱ ቃላት ንዝገበርናዮ ጒዕዞ እንዛዝመሉ ኮይኑ ነቲ ዝገበርናዮ ኣስተምህሮታት ዘጠቃልል ከምኡውን ነቲ በብግዜኡ ዘንበብናዮ ቃል ኣምላኽ ምስ ዐሠርቱ ቃላት ብምዝማድ በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለጸልና ምሉእ ብርሃን ንምዝኽኻር ዘኽእለና ብዛዕባ እዘን ቅዱስ ጳውሎስ ፍረ መንፈስ ክብል ዝገለጸን መንፈሳውያን ሃረርታታት ክንምልከት ኢና።

ኣብ መባእታ ኣስተንትኖ ዐሠርቱ ቃላት ነቲ እግዚአብሔር ምንም ነገር ካባና ከይሓተተ ፍቅሩን ሓልዮቱን ዝገልጽ ብዙሕ ንዝሃበና መበገሲ ዝኾነና ከም መሠረት ናይቲ ምትእምማንን ተኣዝዞን ርክብ ምስጋና ምዃኑ ተመልኪትና። ንሱ ካብቲ ኣብ ልዕሌና ብዙሕ ሓይሊ ዘለዎም ኣምልኾ ጣዖታት ከየሰሓሕቱና ንኣኡ ንበይኑ ክንእዘዝ ይዕድመና። ከም ሓቑ ከኣ ንጣዖታት ናይዚ ዓለም እዚ ንምምላኽ እንተፈቲና ካብ ኩሉ ባዶሽ ገሮም ናብ ባርነት የእትውና፣ በንጻሩ ዝሃንጸናን ጽንዓት ዝህበናን ከኣ ምስ ክርስቶስ እንገብሮ ርክብ ኮይኑ ካብ ኣቦነት እግዚአብሔር ነቂልና ውሉድ ናይ ምዃን መሰል ይህበና (ኤፈ 3.14-16)

እዚ ከኣ ከምቲ መዝሙረ ዳዊት ዝብሎ `ነፍሰይሲ ብእግዚአብሔር ጥራሕ እያ እተዕርፍ ከመይ ድሕነተይ ካብኡ እዩ’ (62.2) ነቲ ሓቀኛን እውነተኛን ዕረፍቲ ዝኾኑ ናይ በረኸትን ሓርነትን ጒዕዞ የስዕብ።

እዛ ሓራ ዝወጸት ሕይወት እዚኣ ንግላዊ ታሪኽ ሕይወትና ሃንጐፋይ ኢላ ተቀቢላ ምስቲ ካብ ሕጻንነትና ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዝነበርናዮ ሕይወትና ይዓርቆ፣ በዚ ከኣ ብሱላት ክርስትያን ገሩ ኣብ መንባብሮና ንዘጓፉና ሰባትን ኩነታትን ፍትሓዊ ርዝነት ከምእንህብ ይገብረና። ካብቲ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘርኣየና ፍቅሪ ነቂልናኸስን ኣብ ርክብ ምስ ብጻይና ንኣቱ። እዛ ጸዋዕታ እዚ ንጽባቄ ምትእምማንን ልግስን ሓቀኛነትን ትግበር ጸዋዕታ እያ።

ከምዚ ኢልካ ንምንባር ማለት ኣብ ጽባቄ ምትእምማንን ልግስን ሓቅነትን ንክትነብር ግን መንፈስ ቅዱስ ዝሓደረ ሓዲስ ልቢ የድልየና (ሕዝ 11.19፥ 36.26)። እዚ ምቅያር ልቢ ከመይ ኢሉ ይፍጸም ማለት ካብ ኣረጊት ልቢ ናብ ሓዲስ ልቢ ከመይ ኢሉ ይልወጥ ኢልኩም እንተሓተትኩም ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ መንፈስ ቅዱስ ብዝጽግዎ ሓደስቲ ሃረርታታት መንፈስ ቅዱስ (8.6) እዩ፣ ነታ ሓደስቲ ሃረርታታት ትብል ሓረግ ኣስተውዕሉላ፣ ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ እዘን ሓደስቲ ሃረርታታት እዚኤን ፍልይ ብዝበለ መንገዲ በተን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንገዲ ብፅዕና ዘስተምሃሮ (ማቴ 5-48) ምልኣት ዝረኸባ ዐሠርቱ ቃላት ኣቢለን ኣብ ልብና ይዝርኣ፣ ስለዝኾነ ከኣ ብኣስተንትኖ ዐሠርቱ ቃላት እትግለጽ ሕይወት ብነጻ ዝተዓደለት ሓራ ሓቐኛ ዝተባረኸት ዝበሰለት ንሕይወት እትሕሉን እተፍቅርን፡ ተአማኒት ለጋስ ለዋህ እያ፣ ነዚ ኩሉ ከየስተውዓልና ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ንርከብ ማለት እዩ። ዐሠርቱ ቃላት ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ሕይወት ዝፍትሸላ ራጂ እያ። ከምቲ ኣብ መግነዙ ዝገበሮ እዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ልቢ ደቂሰባት ስእሉ ከምዝረኤ ስለዝገብር እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ነተን ናቱ ፍረ ማለት ፍረታት መንፈስ ቅዱስ ወይውን ሃረታታት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልብና እናኣሕደረ ኣብ ብስለት የብጽሖ። ናይ መፈስ ነገራት ሃረር ምባል ነዚ ከኣ ብስጉምቲ መንፈስ ቅዱስ ብቅኒት መንፈስ ቅዱስ ሃረር ክንብሎ ኣሎና።   

ንክርስቶስ እንክንጥምት ጽባቄን ሠናይነትን ሓቅነትን ንርኢ። ሓንቲ ሕይወት ነዚ ነገራት እዚ ሃረር ብእትብለሉ መንገዲ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ይሕግዝ ኣብ ልብና ከኣ ተስፋን እምነትን ፍቅርን የሕድር።

በዚ ከምዚ ኸስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕጊ ኦሪት ምልኣት ክህቦ እምበር ክስዕሮ ኣይመጸን ንዝብል ትርጉሙ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ከኣ ንከዕብዮ ኣብ ብስለት ንከብጽሖ ሕጊ መንፈስ ክገብሮ ከመይ ዝቀደመ ሕጊ ሥጋ እዩ ነሩ ስለዝኾነ ከኣ ትእዛዛትን ነዚ ኣይትግበር ዝብል ክልከላትን ነሮም ነዚ ከኣ ኢየሱስ ብመንፈስ ይልውጦ እቲ ሕጊ ሕይወት ይለብስ (ዮሓ6,63፡ ኤፈ 2,15)። እዛ ሕጊ እዚኣ ከም ቀደማ ሕጊ ዘይኮነስ ሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ እያ! ስለዝኾነት ከኣ ተፍቅር ንዝጠፍእና ተናድየና ትምሕረና ተጸናንዓና። ኮታስ ነታ ብሓጢኣት ምኽንያት ንእግዚአብሔር ብዘይምእዛዛ ጠፊኣ ንዝነበረት ክርስቶስ ብሥጋኡ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ ምስ ኣቦና ዝነበረና ውህደት ዳግም ይህበና። በዚ ከምዚ ከኣ እታ ቃል ንቃላ እንህባ ኣሉታዊ መግለጺ ትእዛዛት እግዚአብሔር ማለት ኣይትስረቅ ኣይትጽረፍ ኣይትቅተል ዝብል ናብ ኣዎንታዊ መግሊጺ ፍቅሪ እግዚአብሔር ይልወት እሞ ኣብ ልበይ ንካልኦት ቦታ ከሰናዱን ኣዎንታዊ ሃረርታ ዝዘርኡ ፍረታት መንፈስን እቅበል። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብሎ ምልኣተ ሕጊ ‘ንኦሪት ክምልኦ እምበር ክስዕሮ ኣይመጻእኩን` ዝብሎ እዚ እዩ።

ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ብምምጻእ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዐሠርቱ ቃላት ኩነኔ ምዃኑ የቋርጽ (ሮሜ 8.1) ሓቀኛ መንገዲ ሓቂ ሕይወት ደቂሰባት ኮይኑ ናብ ሃረርታ ምፍቃር ይልወጥ። ኣብዚ እዩ እምበኣር ሃረርታ ሠናይ ነገር ኣብ ልብና ዝውለድ ሠናይ ነገር ንክትገብር ናይ ታሕጓስ ሃረርታ ናይ ሰላም ሃረርታ ልቢ ናይ ምዕባይ ሃረርታ ሠናይ ነገር ናይ ምምናይ ሃረርታ ናይ ሕያውነትን ተኣማንነትን ትሕትናን ምግታእ ርእስን ሃረርታ ይውለድ። ካብዚ ግዜ እዚ እቲ ኣይፋል ዝነበረ ናብ እወ ዝብል ኣዎንታዊ ዝንባሌ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝኽፈት ልቢ ይሰግር።

ንክርስቶስ ኣብ ዐሠርቱ ቃላት ሃሰስ ምባሉኸስ ጥቅሙ እዚ እዩ። በዚ ከኣ ልብና ፍቅሪ ጸኒሱ ንሥራሕ ኢየሱስ ክርስቶስ ንክኽፈት ይሰናዶ። ወዲሰብ ከምቲ ክርስቶስ ዝደልዮ ክነብር ምስ ጀመረ ናይ ድሕነት ማዕጾ ይኸፍት እግዚአብሔር ኣቦና ለጋስ ስለዝኾነ እምበር ባዕሉስ ክበጽሓ እምበይምኸኣለን። ሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ.2560 ዝብሎ ከኣ ‘እግዚአብሔር ንሕና ናቱ ጽምኢ ምእንቲ ክህልወና ጽምኢ ኣለዎ’ ይብል።

ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ዝብሉ ንሰብ ዘርክሶ እንተደኣ ክፉእ ሃረርታ ናይ ልቡ ኮይኑ (ማቴ 15,18-20) መንፈስ ከኣ ኣብ ልብና ነቲ ቅዱስ ሃረርታ የፍስስ እዚኦም ከኣ ናይ ሓዲስ ሕይወት ዘርኢ እዮም (1ዮሓ 3,9)። እዚ ሓዲስ ሕይወት እዚ ምስ ሓደ ሕጊ  ብዘይዕጸፍ ዘይሰዓር ሓይሊ ዝተታሓሓዘ ዘይኮነስ መንፈስ እግዚአብሔር ባዕሉ እዩ ንክመርሓና ዝጅምርን ክሳብ ፍረ ነፍሪ ዝሕግዘናን፣ እዚ ከኣ ደስ ብዘብል ውህደት ናይ ፍቁራት ምዃንና ታሕጓስን ስለዘፍቀረና ንሱ ዝህልዎ ደስታን እዩ። ክልተ ታሕጓሳት ይራኸባ ሓጐስ እግዚኣአብሔር ስለፍቀረና ሓጐስና ከኣ ስለዝተፈቀርና እዩ።

ንዓና ንክርስትያንከስ ዐሠርቱ ቃላት ትርጉመን እዚ እዩ። ንክርስቶስ ኣብ ልብና ንክንቅበሎ ልብና ንክንከፍስ ምስትንታነን በዚ ኣቢልና ከኣ ሠናይ ምንዮቱ ክንቅበል መንፈስ ቅዱስ ንክንቅበል እዩ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
28 November 2018, 18:50