ድለ

ር.ሊ.ጳ.ን ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይን ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሓባር ጸሎት

ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣብ ዝገብርኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝበጸሖ እወታዊ ደረጃ ንእግዚኣብሔር ብሓባር ንምምስጋንን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክመጽእ ኣብ ዘኽእል ፍትሒ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ፖለቲካ ክረጋጽ ናይ ሓባር ጻውዒት ዘቕረበ ናይ ሓባር ርክብ

ዕለት 9 ሕዳር 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኣሶር ምብራቓዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኵላዊ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ማር ገዋርጊስ ሳልሳይን ኣሰነይቶምን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ተቐቢሎ ግላዊ ርክብን ሌላ ምስ ልኡካንን ምልውዋጥ ገጸ በረኸትን ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ቤተ ጸሎት እመ መድሓኒ ዓለም ናይ ሓባር ጸሎት ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ከምዘዕረጉን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣብ ዝገብርኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዝበጸሖ እወታዊ ደረጃ ንእግዚኣብሔር ብሓባር ንምምስጋንን ከምኡ እውን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክመጽእ ኣብ ዘኽእል ፍትሒ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ፖለቲካ ክረጋጽ ናይ ሓባር ጻውዒት ዘቕረበ ናይ ሓባር ርክብ ከምዘካየዱን፡ ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ገዋርጊስ እቲ ኣብ ምንጐ ክልቴኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ናብ ሓድነት ኣሚተን ዘበገሰኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ ክቕጽል ናይ ሓባር ስምምዕ ከምእተፈራረሙ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ.ን ፓትሪያርክ ገዋርጊስ ሳልሳይን ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ሓባር ጸሎት
10 November 2018, 17:05