‘ኣኽብሮ ቅዱስ ቊርባን ኣስፋሕፍሑ’ ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ሽሕ’ኳ ከተማ ቡዳፐስት ምስ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ታሪኻዊ ምትእስሳር እንተለዋ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ግን ምዕብልትን በዓልቲ ብዙሕ ባህልታትን ብምዃና እቲ ብ2020 ዓም ዝግበር ኮንግረስ ነቲ ንወንጌልን ሃይማኖትን ዘወስን ባህሊ ንምልዋጥ ካብ ሕጂ ባህሊ ኣኽብሮ ቅዱስ ቊርባን ከስፋሕፍሑ ኣለዎም። እዚ ከኣ ክንዮ ንምሥጢረ ቅዱስ ቊርባን ምስትንታንን ምስትምሃርን ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ብጭቡጥ ገለ ክግበር ኣለዎ እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቶም ተሳተፍቲ ጉባኤ ምዒዶም።
ኤውሮጳ ሓዲስ ብሥራት ወንጌል ትጽበ ኣላ!
ቅዱስነቶም ምስ ወከልቲ ናይቲ ጉባኤ ሰላምታ ምስ ተለዋወጡ ሃገረ ኤውሮጳ ሎሚ ካብ ማሕበረ ክርስትያን ትጽበዮ ሓዲስ ብሥራት ወንጌል ኮይኑ እዚ ነቲ ሸሚሙ ሒዝዋ ዘሎ ዓለማውነት ዝዓብለሎ ሥልጣኔ ንክትገጥምን ነቲ ሃብታምን ፍሉይን ዝኾነ ታርኽ ክርስትናኣ ብዓውለማነት ክድምስሶን ከህስሶን ዝጽዕር ዘሎ ንክትኸላኸልን ምዃኑ ገሊጾም። ነዚ ንምግባር ከኣ ከም መፍትሒ ዝበልዎ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዝተመሥረተ ኣተሓሳስባ ብምስፍሕፋሕ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዝተመሥረተ ኣተሓሳስባ ምስፍሕፋሕ!
ቅዱስነቶም ኣብ ሕመረት ናይቲ መደብ ብምእታው ‘ንምዃኑ ኮንግረስ ቅዱስ ቊርባን ምብዓል እዚ ከኣ ኣብ ሓንቲ ንወንጌልን ኩሉ ዓይነት ሃይማኖታትን ወሰን ዘትሓዘት ዘመናዊትን ብዙሕ ባህልን እትውንን ከተማ ምብዓሉስ እንታይ ትርጉም ይህልዎ!’ ኢሎም ይሓቱ እሞ ከምዚ ክብሉ ከኣ ይምልሹ።
ኣብቲ ዝተቈርሰ ኅብስቲ ንሕና ኣካላት ክርስቶስ ንኸውን።
ናይ ሎሚ ኤውሮጳ ብሸለልትነት ሓሚማ ብምክፍፋልን ዶባታ ብምዕጻውን ተሰንጢቃ ኣላ። ነዚ ከኣ እቶም ሰንበት ሰንበት ዝሕደሱ ክርስትያን በቲ ዝገብርዎ ቀሊል ዝመስል ግን ሓያል እምነቶም ዝገልጽ ኩሎም ኣሕዋት ምዃኖም ብምግላጽ ብስም ጐይታ ይእከቡ። በዚ ከኣ እቲ ተኣምር ናይ ቅዱስ ቅርባን ይድገም ቃሉ ክሰምዑን ንዝተቈርሰ ሥጋኡን ደሙን ብምቅባል ወላ እታ ዝነኣሰት ማሕበረ ክርስትያን ከይተረፈት ኣካል ክርስቶስ ትኸውን ኣብ ዓለምና ኸኣ መንበረ ታቦት ቅዱስ ቊርባን ትኸውን። በዚኸስ ቅዱስ ቊርባን ከምቲ እንቈርቦን ኣገልግሎትን ምሕረትን እንቅበለሉን ባህሊ ኣኽብሮ ቅዱስ ቊርባን ክውለድ ይከኣል።
ኣብ ቅዱስ ቊርባን ምስ ዘሎ ክርስቶስ ንምውሳእ ምሕጋዝ!
ድራር ጐይታ እንዝክረሉ መሥዋዕተ ቅዳሴኸስ ቅድሚ ዝኣገረ ምሳኡ ክንዋሳእን ክንወሃሃድን የኽእልና ምሳኡ ከኣ እቶም ምእመናና ኣብ ነንሕድሕዶም ከምዝወሃሃዱ ይገብር። ሎሚ ከም ሎሚ ቀንዲ ግድል ናይ ጓሶት ምእመናን ምስቲ ኣብ ቅዱስ ቊርባን ዘሎ ክርስቶስ ንኵኣስኡ ምሳኡ ክነብሩ ከምኡ እውን ምሳኡ ኮይኖም ኣብ ግብረሠናይን ስብከተወንጌልን ንኵ ዋፈሩ ምሕጋዝ እዩ። ኣብ ቅዳሴ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ቅዳሴ ወጻኢ እውን ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባን ብምዝውታር ንርእሲ ካብ ኣካሉ ክፍለዩ ከምዘብሎም ምምሃር ኣዘውቲሮም ክቈርቡን ተልእኮኦም ክፍጽሙን ምጉስጓስ የድሊ ኢሎም።
ካብ ቅዱስ ቊርባን ንኣገልግሎት ሽቅለት ኣልቦን ሕሙማትን ስደተኛታትን
እታ ብቅዱስ ቊርባን እትቅለብ ማሕበረ ክርስትያን ልክዕ ከምቲ መምህራ ኣገልጋሊት ትኸውን ከምቲ ንሱ ሥጋኡን ደሙን በጃ ብዙሃት ዝሃበ ከኣ ኣብ ኣገልግሎት ትዋፈር። ሰንበት ሰንበት ናብ መኣዲ ቃሉን ቅዱስ ቊርባንን እትጋባእ ማሕበረ ክርስትያን ነቲ ኢየሱስ ነእጋር ሓዋርያቱ ዝሓጸቦ ብምዝካር ድኻምን መስቀልን ኣብ ዘለዎ ብምውፋር ክካከፍልዎን ክፍውስዎን ብወንጌል ትሑዛት እዮም።
በዚ ከምዚኸስ እቶም ዝተጠምቁ ዘበሉ ብስም ሥነ ሓሳብ ዘይኮነ ብስም ወንጌል ናይ ድኻታት ኣገልገልቲ ብምዃን ንቃል ወንጌል ናይ ግልን ማሕበራትን መምርሒ ሕጊ ብምግባር ምስቶም ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ሠራዊት ዝኾኑ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብምቅጻል ምስክርነቶም ይህቡ።
ብውቅያኖስ ምሕረት ዝዕንቀጽ ውሒጅ ድኽነት!
ኣብ ዘሎናዮ ዘመንን ባህልን ምሕረት እትብል ቃል ዳርጋ ካብ መዝገበ ቃላት ዓለምና ተሓግሒጋ ዝተኣልየት ትመስል። ነዚኣ ዳግም ኣምጺኡ ሕይወት ዝዘርኣላን ኣብ ገጽ ምድሪ ከም እትርኤ ዝገብርን ከኣ ቅዱስ ቊርባን እዩ።
እዚ ኣብ ከተማ ሊል ብ1881 ዓምፈ ዝጀመረ ኮንግረስ ቅዱስ ቊባን ዳርጋ ድሕሪ 140 ዓመታት ንመበል 52 ግዜ ብዓለምለኸ ደረጃ ይዝከር ኣሎ። እዚ ቅዱስ ቊርባን ሕመረት ቤተክርስትያን ምዃኑ ንምግላጽ እዩ።