ድለ

ፍቅሪ እግዚአብሔር ካብ ፍቅሪ ብጻይ ክትፈሊ ምፍታን መደናገሪ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ወትሩ ሰንበት ፍርቂ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናን ሓቢሮም ንዘዕርግዎ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምፍጻም ሰንበት ዕለት 4 ጥቅምቲ 2018 ዓምፈ ኣብ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ‘ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ክልተ ገጽ ናይቲ ኢየሱስ ዘምጸኣልና እንኮ ትእዛዝ እየን። ንእግዚአብሔር ምፍቃር ማለት ስለኡን ስለ እቲ ንሱ ዝፈጠሮን ምንባር ኮይኑ እግዚአብሔር ማለት ከኣ ልግሲ ምሕረት ርክብ እዩ’ ድሕሪ ቢሎም ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከኣ ነቶም ኣብ ግብጺ ብፈጠርቲ ራዕዲ ንዝተቀትሉ ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዘኪሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሰንበት ዘቅረበቶ ቃል ወንጌል ካብ ማር 12.28 ኮይኑ ‘ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ ፥ ካብ ኵለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሐተቶ። ኢየሱስ መለሰ ፥ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ ፥ እስራኤል፡ ስማዕ ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልኤይታ እትመልሳ ድማ ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዓቢ ኽልእ ትእዛዝ የልቦን። እቲ ጸሓፊ ኸኣ ፥ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዚሐርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ፡ በሎ። ኢየሱስ ድማ፡ በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ ፥ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ። ደጊሙ ኺሐቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱሰነቶም ነዚ ቃል ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ‘ክልተ ጐድናታ ፍቅሪ ዝኾና ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ናይ ሓደ ሓዋርያ ክርስቶስ ቀንዲ መለለዪ እየን’ ክብሉ ገሊጾሞ።

ካብ ኩለን ትእዛዛት ቀዳማይ ዝኾነ ትእዛዝ!

እቲ ንኢየሱስ ዝሓተተ ጸሓፊ ብመልሲ ኢየሱስ ዓጊቡ ዝሃቦ ርእይቶ ሕመረት እምነት ማንም እስራኤላዊ ብምርካቡ ነታ ስማዕ እስራኤል እግዚአብሔር እንኮ ጐይታ ኣምላኽ እይ ንዝብል ይደግሞ።

ሓደ ጐይታ ጥራይ ኣሎ እዚ ጐይታ’ዚ ከኣ ናትና ኣምላኽ እዩ። እዚ ማለት ከኣ እግዚአብሔር ኣምላኽና ምሳና ብዘይጥለም ኪዳን ኣፍቂሩና የፍቅረና ከኣ ገና እውን ንዘለዓለም ከፍቅረና እዩ። ካብ’ዚ ምንጪ እዚ ከኣ እቲ ካልኣይ ገጽ ናይ’ዚ ትእዛዝ ዝምንጩ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። እታ ኻልኤይታ እትመልሳ ድማ ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዓቢ ኽልእ ትእዛዝ የልቦን’ ዝብልከስ ንኩሉ የጠቃልል።

ትምህርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ!

ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ዘይፈላለያ ምዃነን ይምህር ናይ ሓንቲ መዳልያ ወይ ሰልዲ ክልተ ገጽ ምዃነን እውን ይገልጽ። ስለምንታይ ንዝብል መልሲ ንክምልስ ከኣ ንእግዚአብሔር እግዚአብሔር ብምዃኑን ስለእቲ ንሱ ዝገብሮን ክነፍቅሮ ከምዘሎና ንሱ ከኣ ውህበትን ምሕረትን ርክብን ከምዝኾነ ይገልስ።

ንእግዚአብሔር ፍቃር ማለት ዕለት ዕለት ንዘሎካ ሓይሊ ኩሉ ናብኡ ምውፋርን ብዘይ ተጉላባ ንብጻይና ንክነገልግል ተሓባበርቱ ምዃንን እዩ። ከምቲ ንሱ መሓሪ ዝኾነ ከኣ ንውስነንት ብጻይና ክንምሕር ብምጽዓር ምስ ብጻይና ናይ ሓድነትን ሕውነትን ሕብረት ንምፍጣር ክንቃለስን እዩ።

መንከ እዩ ብጻየይ!

ቅዱስ ማርቆስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣይምልሳን። ብጻይናኸስ ኩሉ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ዘጓንፈና ሓው ወይ ሓውቲ እዩ። ኣቀዲምካ ብምምራጽ ወይ ብምምዳብ ዝግበር ብጻይ ወንጌላዊ ኣይኮነን። ዝኾነ ማንም ጽጉም ሓገዝና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጐድኒ ኰና ክንሰምዖ ክንረድኦ ክነሰንዮ ኣጆኻ ክንብሎ ኣሎኹልካ ዚዓይነት ናይ ምስናይ ተግባር እዩ እምበር ኣነ ዝመርጽክዎ እንተኾይኑ ኣዚ ክርስትያናዊ ኣይኮነን።

ብኣመለኻኽታ ኢየሱስ ብምርኣይ ነዚ ኣብ ተግባር ክነውዕል እንተጀሚርና ኣብ ጸገም ንዘሎ ብጻይና ጽን ኢልና ንምስማዕን ንምስናይን ወትሩ ስንድዋት ክንከውን ኢና። ጸገማት ብጻይና ብዙሕ መዳያዊ ሓገዛት የድልዮ እታ ቀዳመይቲ ግን ኩነታቱ ክትሳተፍ ኣብ ጐድኑ ክትከውን እዩ።

ንጥሙይ ዝብላዕ ምሃብ ጥራይ እኹል ኣይኮነን!

ቅዱሰንቶም ከም ኣብነት ናይ ሓደ ናይ ጥሜት ጸገም ዘሎዎ ብጻይ ኣብነት የምጽኡ እሞ ዝብላዕ ምሃቡ ጥራይ ዘይኮነ ብፍሕሽው ገጽ ተቂቢልካ ጽን ኢልካ ምስማዑ የድሊ ይብሉ እዚ ከኣ ከምቲ ኣብ ኣባሃህላና ካብ ፍትፍቱ ፊቱ ከምዝበሃል እዩ። ናይ ሎሚ ወንጌልከስ ንጸገማት ድኻታት ንምፍታሕ ንዝግበር ጻዕሪ ጥራይ ዘይኮነ ሕውነታዊ ቅርበት እውን ከምዘድሊ ይምዕደና።

እዚ ጻውዒት እዚ ንማሕበረ ክርስትያናትና እውን ይምልከት። እዘን ማሕበራት እዚኤን ብዙሕ ተበግሶ ብምግባር ኣብ ረድኤት ጥራይ ተሓጺረን ከይተርፋ እንታይ ደኣ ቅርበቶም ክገልጻ ኣለወን። ነዘን ማበራት ክርስትያና ዘንጸላልወን ሓደጋ ከምዝመስለኒ ናይ ረድኤት ማእከላት ኮይነን ከምቲ ክርስትናና ዝምህሮ ቅርበትን ምስናይን ዝጐደለን ኮይነን ኣለዋ።

ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ፈጺመን ዘይፈላለያ እየን!

ንፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ፈላሊኻ ክትርኢ ምፍታን መደናገሪ ሓሳብ ስለዝኾነ ካብዚ ንጠንቀቅ። ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ነዚ ብሩህ ትምህርቲ ሕይወት ዝኾነ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ ንምቅባሉን ኣብ ሕይወትና ንምምስካር ትርደኣና ክብሉ ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

04 November 2018, 16:25