ድለ

ሕሜታ ይቀትል! ክርስትያን ዘቦኡ ብሓቅን ብፍቅርን ንእግዚአብሔር ክምስክር ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብዛዕባ ትእዛዛት እግዚአብሔር ዝጀመርዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቅጻል ሎሚ ነታ ‘ብሓሶት ኣይትመስክር’ እትብል ሻምነይቲ ትእዛዝ ብምትንታን ‘ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ኮይና ኣብ ቅልውላው ንነብር ኣሎና ኮይኑ ግን ከም ክርስትያን ተልእኮና ኣብ ኩሉ ተግባራትና እግዚአብሔር ኣቦና ከምዝኾነ ክግለጽ ክነፍቅድ ኣሎና’ ኢሎም።

ቃል ኣምላኽ ‘ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም ኣብ ልዕሊ እምባ ዘላ ኸተማ ክትኵአል ኣይከኣላን እዩ። ንመብራህቲ ኣብ ቤት ንዘለው ምእንቲ ኸተብርህ ኣብ ቀንዴል እምበር ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኣይኮኑን ዜቐምጥዋ። ከምኡ ኸኣ ነቲ ሠና ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኬኽብርዎ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ የንጸባርቕ’ (ማቴ 5.14-16)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርተ ክርስቶስ ንሻምናይ ትእዛዝ እግዚአብሔር ክንምልከት ኢና። ተጻይ ብጻይካ ናይ ሓሶት ምስክር ኣይተዛረብ ከኣ ትብል። ብዛዕባ’ዚ ትእዛዝ እዚ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቊ.2464 ‘ምስ ካልኦት ኣብ እንገብሮ ርክባት ንሓቂ ከይነዘናብል ሻምናይ ትእዛዝ ይኽልክለና።’ እንክብል ይገልጾ። ኣብ ውሽጢ ሓቂ ዘይኮነ ርክብ ክትነብር ከቢድ እዩ ከመይ ነቲ ርክብ ይዕንቅጽ ብዓቢኡ ከኣ ንፍቅሪ ይዕንቅጽ። ሓሶት ኣብ ዘለዎ ፍቅሪ የሎን ፍቅሪ ክህሉ እውን ኣይክእልን። ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ብዛዕባ ዝግበር ርክብ እንክንዛረብ ብዛዕባ ቃላት ጥራይ ኣይኮናን እንዛረብ እንታይ ደኣ ዘርእይዎ ወስታ ዝምባሌኦም ክሳብ ሱቚታኦም ምብኳሮምን ኢና እንዛረብ። ሓደ ወዲሰብ ብኩለንታኡን በቲ ዝገብሮን ይዛረብ። ንሕና ኩልና ወትሩ ኣብ ርክብ ኢና እንርከብ። ብቀጻሊ ስለእንራኸብ ከኣ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ተቀርቂርና ንርከብ።

ንምዃኑ ሓቂ ምዝራብ እንታይ ማለት እዩ! ቅንዕና ንጽሕና ሓቅነት ከ እንታይ ማለት ኮይ ይኸውን! ትክክለኛ ምዃንከ! ከም ሓቁ እኳ እዚ እኹል ኣይኮነን ከመይ ብገርህነት ክትጋገ ይከኣል እዩ ወይውን ኣብ ዝርዝር ትኽክል ኰንካ ነቲ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ክትርድኦ ኣይከኣልን። ሓንሳብ ሓንሳብ ‘ዋእ ኣነስ ነታ ዝተሰማዓትኒ እየ ተዛሪበ’ ክትብል ይከኣል። እው ኮይኑ ግን እዚ ፈጺሙ ናይ ግልኻ ርእይቶ እዩ። ወይውን ‘ኣነ ነታ ዝፈልጣ ሓቂ ብምልእታ ገሊጸ’ ክትብል ይከኣል። እወ ክኸውን ይኽእል ኮይኑ ግን ናይ ሓደ ሰብ ናይ ግሊ ጉዳያት ወይውን ክስተር ዘለዎ ምሥጢር ገሊጽካ ትኸውን። ክንደይ ሕሜታ ንሕብረትና ዘየቚሰለ ወይውን ጥንቃቄን ምሥጢራውነትን ዘድልዮ ግላዊ ጉዳያት ፋሕ ዘይበለ። ስለዝኾነ ከኣ ሕሜታ ይቀትል እዩ፣ ነዚ ከኣ ቅዱስ ያዕቆብ ሓዋርያ ኣብ መልእኽቱ ይብሎ። ሓማዪ ወይውን ሓማዪት ቀተልቲ እዮም። ንካልኦት ይቀትሉ ከመይ መልሓስ ከም ካራ ክቀትል ይኽእል እዩ። ተጠንቀቁ! ሓማዪ ወይውን ሓማዪት ፈጠርቲ ራዕዲ እዮም ምኽንያቱ ከኣ ብመልሓሶም ቦምብ ይድርብዩ ምንም ከምዘይገበሩ ከኣ ሰላሕ ኢሎም ይኸዱ ኮይኑ እታ ዝወርወርዋ ቦምባ ንስም ካልኦት ተጥፍእ። ነዚኣ ኣይትረስዑ ምሕማይ ምቅታል እዩ።

እሞኸ ደኣ! እታ ሓቅስ እንታይ እያ! እዚኣ ሕቶ እዚኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ፍርዱ እንከሎ ጲላጦስ ከኣ ንሻሙናይ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ እናውዓለ እንከሎ ዝሓተታ ሕቶ እያ (ዮሓ 18.38)። ስለዝኾነ ከኣ እተን ‘ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ናይ ሓሶት ምስክር ኣይተቅርብ’ ዝብላ ብመሠረተን ናይ ቤትፍርዲ ቃላት እየን። ወንጌላውያን ንዛንታ ኢየሱስ ኣብ ሕማማትን ሞትን ትንሣኤን የጠቃልላኦ። እዚ ከኣ ናይ ሓደ ፍርዲ ጉዕዞን ኣብ መወዳእታ ነቲ ፍርዲ ኣብ ግብሪ ምውዓሉን የመልክት።

ኢየሱስ ብጲላጦስ ምስ ተሓተ ‘ኣነ ንሓቂ ክምስክር ተወሊደ ምእንቲ እዚ ከኣ ናብ ዓለም መጺኤ ኣሎኹ’ (ዮሓ 28.37)እታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሕማማቱን ብሞቱን ዝሃባ ምስክርነት ከኣ እዚኣ እያ። ማርቆስ ወንጌላዊ ‘እቲ ኣብ መንጽር ኢየሱስ ቆይሙ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ ኣማውታኡ ምስ ተመልከት ‘እዚ ሰብ እዚስ ብሓቂ ወዲ እግዚአብሔር ነይሩ’ በለ’ (15.39) እንክብል የዘንቱ። እወ ብሓቂ ቅኑዕ ሰብ ነበረ ወትሩ ብቅንዕና ምስ ተመላለሰ እዩ። በዚ ኣመዋውታ እዚ ከኣ ኢየሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ምሕረት ዝመልኦን ተኣማኒ ፍቅሩን ይገልጸሉ።

ሓቂኸስ ኣብ ኢየሱስ ብኣካሉ ምሉእ ብምሉኡ ትግለጽ (ዮሓ 14.6) ኣብ ኣነባብራኡን ኣመዋውታኡን እዚ ከኣ ምስቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ናይ ዝነበሮ ርክብ ፍረ እዩ። እዛ ከም ደቂ እግዚእብሔር  ምንባር እዚኣ እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሰኤ ክርስቶስ ንዓናውን መንፈስ ቅዱስ ብምልኣኽ ይዕድለና መንፈስ ቅዱስ ከኣ መንፈስ ሓቂ ኮይኑ ኣቦ ኣባ ኢልና ንክንጽውዕ ንልባትና ይምስክር (ሮሜ 8.16)።

ኣብ ዝኾነ ሰብኣዊ ተግባር ደቂሰባት ነዛ ሓቂ እዚኣ ወይ ይቅበሉ ወይውን ይነጽጉ። ካብ ናኣሽቱ ዕለታዊ ተግባራት ክሳብ እቶም ዝለዓሉ ዓቢ ሥራሕ ዚሓቱ ምርጫታት። ኮይኑ ኩሉ ሓደ ዓይነት ሥነ ሞገት እዩ። እዚ ከኣ ካብ ሕጻንነትና ጀሚሮም ወለድናን ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ሓሶት ኣይትዛረቡ እናበሉ ዝምህሩና እዩ።

እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ቃላትናን ምርጫታትናን ኣየናይ ተግባር ናይ ክርስትናና ይምስክሩ! ቢልና ንሕተት! ኣነ ምስክር ሓቂ ድየ ወይስ መደናገሪ ሓቂ ሒዘ ዝሕሱ! ኢልናስከ ንንርእስና ንሕተት።  ንሕና ክርስትያን ፍሉያት ፍጥረት ኣይኮናን። ኮይኑ ግን ደቂ እቲ ሕያዋያን ቃሉ ዘይጠልምን ኣብ ልብታቶም ከኣ ፍቅሪ ኣሕዋት ዝዕድልን ሰማያዊ ኣቦ ኢና። እዛ ሓቂ እዚኣ ብመደረ ጥራይ ትድረፍ ዘይኮነ ብሕይወት ክንበር ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተግባርና ይግለጽ (ያዕ 2,18)።

እዚ ሰብኣይ እዞ ሓቀኛ እዩ! እዚኣ ሰበይቲ እዚኣኸ ሓቀኛ እያ! ንብል ከመይ ኣንተኢልኩም ግሁድ እዩ! ይፍለጥ እዩ። ኮይኑ ግን ኣፎም እንተዘይከፈቱ ከመይ ኢሉ ክፍለጥ ይከኣል! ከም ሓቀኛታት ይመላለሱ ሓቂ ጥራይ ይዛረቡ ብሓቂ ከኣ ይሰርሑ። ብከምዚ ምንባር ክንደይ ጥዑም ነሩ።

ሓቂ ብርእሳኸስ እቲ ዘደንቅ ተገልጾ እግዚአብሔር ኮይኑ ገጽታ እግዚአብሔር ኣብን መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሩን እንክግለጸልና እዩ። እዛ ሓቂ እዚኣ ንኣእምሮ ደቂሰባት ተገሊጻ ግን መወዳእታ ብዘይብሉ ክንዮኡ ትኸይድ ከመይ በቲ ተሰቂሉ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ምስጢረ ሥጋዌ  ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወረድ ዓቢ ትዕድልቲ ኮይና ነቶም ናቱ ዝኾኑ ትረኤ ጠባያቱ እውን ትገልጸሉ።

ብሓሶት ኣይትመስክር ክብል እንከሎ ከም ደቂ እግዚአብሔር ንበሩ ማለት እዩ። ከምቲ ንገዛእ ርእሱ ከታልል ዘይክእል ብፍጹም ሓሶት ካብ ኣፉ ዘይወጸት ወልደ እግዚብሔር ክነብር ኣሎና። ኣብ ኩሉ ተግባራትና እታ እግዚአብሔር ኣቦና እዩ ብኣኡ ከኣ ንተኣማመን ትብል ዓባይ ሓቂ ንክትረኤ ነፍቅድ። ኣነ ብእግዚአብሔር እእመን እዚኣ ዓባይ ሓቂ እያ። ኣብቲ ኣቦናን ኣፍቃሪናን ዝኾነ እግዚብሔር ዘሎና ምትእምማ እታ ሓቂ ትውለድ ሓሳዊ ዘይኮነ ሓቀኛ ምዃን ትውለድ። እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

14 November 2018, 17:01