ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኵለን ሃይማኖታት ገዛእ ርእሰን ከይኽሕዳ ሰላም ዝስዕባ ይዅና ር.ሊ.ጳ.፥ ኵለን ሃይማኖታት ገዛእ ርእሰን ከይኽሕዳ ሰላም ዝስዕባ ይዅና 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኵለን ሃይማኖታት ገዛእ ርእሰን ከይኽሕዳ ሰላም ዝስዕባ ይዅና

እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተኸስተ ኣቝሳል ንምፍዋስ ዝተገብረ ናይ ሓባር ሱታፌ ተዘክሮ ጠሪሹ ከይበርስ፡ ስለምንታይ ንመጻኢ ስላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣዚዩ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ብምዃኑ እዩ ዝበሉ ቅዱስ እቦና፡ ኩለን ሃይማኖታት ብስም እግዚኣብሔር ድልድል ክሓንጻ ዝተጸውዓ ከምዝዀና እውን ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልይ፡ ንጸረ ሓድ ሕዳዊ ምልዕዓል ዝድርኽ ኣይኰነን፡ በንጻሩ ንዅሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ናይ ሓባርን ሱታፌን መገዲ ንኸለልዩ ዘተባብዕ እዩ

እቲ በቢ ዓመቱ ካብ 32 ዓመታት ኣትሒዙ ናይ ኣሲዚ ናይ ኩለን ሃይማኖታት መደብ ናይ ሓባር ጸሎት ኣሰር ስዒቡ ኣብ ቦሎኛ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዓውደ ጉባኤ ለምዝበን ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. “ድልድል ሰላም - ሃይማኖታትን ባህልታትን ኣብ ዘተ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ከምእተበገሰን ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ኩለን ሃይማኖታት ኣብ ሓነጽቲ ሰላም ምዃን ሓላፍነተን እሙናት ክዀና እንክብሉ የተሓሳስቡ።

 ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኵለን ሃይማኖታት መገዲ ሰላም ዘይስዕባ እንተድኣ ኰይነን ገዛእ ርእሰን እየን ዝኽሕዳን ኣሉ ዘብላን ዝብል መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና እቲ ብቕዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ በቢ ዓመቱ ዝዳለው ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዓለም ዝተፈላለየ ተስፋ ዘቑርጽ ስግኣት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ድኺመ ከይበላ ናይ ሰላም ጸጋ ክዕደል ብሓባር ክዓያ ዝተጸውዓ ምዃነን ኣየዕብርን እዩ፡ ስለዚህ ናይ ሰላም መጋበርያ ምዃን ጸዋዕተኤን እዩ ኢሎም፡

ኣብ ታሪኽ ዝተኸስተ ኣቝሳል ንምፍዋስ

እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተኸስተ ኣቝሳል ንምፍዋስ ዝተገብረ ናይ ሓባር ሱታፌ ተዘክሮ ጠሪሹ ከይበርስ፡ ስለምንታይ ንመጻኢ ስላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ኣዚዩ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዘለዎ ብምዃኑ እዩ ዝበሉ ቅዱስ እቦና፡ ኩለን ሃይማኖታት ብስም እግዚኣብሔር ድልድል ክሓንጻ ዝተጸውዓ ከምዝዀና እውን ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልይ፡ ንጸረ ሓድ ሕዳዊ ምልዕዓል ዝድርኽ ኣይኰነን፡ በንጻሩ ንዅሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰዓብቲ ናይ ሓባርን ሱታፌን መገዲ ንኸለልዩ ዘተባብዕ እዩ፡ ስለዚህ ኩሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣብ ድልያ ሰላም ብሓባር ክተግሁ ጻውዒት የቕርቡ።

ኣሲዚ 2016 ዓ.ም.

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣሰናዳእነት እቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓብር ዓውደ ጸሎት ኣብ ኣሲዚ ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ዝተኻየደ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መንፈሳውያን መራሕቲ ናይ ሓባር ዓውደ ጸሎት፥ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናን ሰላማዊ ዓለም ኣብ ምሕናጽ ሓላፍነት ኣለዎም  ዝብል ኣብቲ እዋን ዝተቃልሔ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኩሉ ሰራሕ ሰላም፡ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ብሩህ ትጽቢታቱ ንኽኸስብ ሰላም ወሳኒ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ኣብዚ እዋን ዝሕነጽ ዘሎ ዓመጽን ተጻባእነትን ዓለም ናይ መንእሰይ ወለዶ ትጽብታቲ ዝጻረርን እዩ፡ ብዙሓት ካብ ዝተወለዱላ ዕለት ኣትሒዞም ሰላም ዘይስተማቐሩን ዘይረኣይዋን ናይ ሕይወትን ሰብኣውን ክብሪ ዘይፈልጡ ኣለዉ፡ ኵሉ ኣብ ሕንጸት ሰላም ይትጋህ ኢሎም።

ሰላም ንምሕናጽ ድልድ ምሕናጽ

ምእመንናን ዝተፈላለያ ኵለን ሃይማኖታት እቲ ካብ ልባቶም ዝነቅል ድላይን ኣውያት ሰላምን ጽን ክብሉን ከአንግዱ፡ ብሓባር እቲ ዘሕብሮም መጻኢ ክሓንጹን ጻውዒት ዘቕረቡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ መንጐ ወለዶ መራኸቢ ድልድል ምሕናጽ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን ገሊጾም፡ እዚ ኹሉ ንምኽዋን እቲ ብቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ዝተበገሰ ንሓድ ሕድ ዘራኽብን ምእመናን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝተፈላለዩ ወለዶን ብሓደ እግዚኣብሔር ኢድ ዘጨባብጥን ሰላም ዘበሃህልን ብሓባር ሰላም ምሕናጽ ክኡል ምዃኑ ዝምስክር እዩ፡ ምእንቲ’ዚ እዩ እቲ ዓውደ ርክብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣገዳሲ ዝኽውን ቢሎም ዘመሓላልፍዎ መእኽቲ ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ኵለን ሃይማኖታት ገዛእ ርእሰን ከይኽሕዳ ሰላም ዝስዕባ ይዅና
15 October 2018, 16:57