ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈለማ ግዜ ምስ ፕሮፈሰር ኣሕማድ ሙሓማድ ኣል ጣይብ ዝተራኸቡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓም. ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዓለም ሰለም ንምርግጋጽን ዓመጽን ኣሸባርነት ንምንጻግ ኣብ ዘተባብዕ መደብ ብሓባር ክዓዩ ደጊሞም ከዘረጋገጹን ኣዘኻኺሩ፡

ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ነቶም ኣብ ኢጣሊያ ቦሎኛ ከተማ ናይ ሰላም ድልድይ ብዝብል ኣርእስስቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኩለን ሃይማኖታ ናይ ሓባር ዓውደ ዘተ ንኽሳተፉ ኣብ ሮማ ንዝኣተዉ ኣብ ንግልዊ ምብጻሕ  ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ  ኣብ ግብጺ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ፕሮፈሰር ኣሕማድ ሙሓማድ ኣል ጣይብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈለማ ግዜ ምስ ፕሮፈሰር ኣሕማድ ሙሓማድ ኣል ጣይብ ዝተራኸቡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2016 ዓም. ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዓለም ሰለም ንምርግጋጽን ዓመጽን ኣሸባርነት ንምንጻግ ኣብ ዘተባብዕ መደብ ብሓባር ክዓዩ ደጊሞም ከዘረጋገጹን ኣዘኻኺሩ፡ ኣብቲ ናይ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ርክብ ዓመጽን ውጥረትን ዘለሉ ከባብን ኣብቲ መዕለቢ ዘይተረኽበሉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀጻሊ ዝዀነ ውጥረት ኣብ ዘለሉን ክፍለ ዓለም  ኩነት ማሕበረ ክርስቲያንን ኣማእኪሎም ከምዝመኸሩ ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ዓ.ም. ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኣብቲ ውሩይን ዓቢይን ናይ ሱኒ ጨንፈር ሃይማኖት ምስልምና መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ምእንቲ ሰላም ተረኺቦም ንዓቢይ መምህር ፕሮፈሰር ኣል ጣይብ ክቡር ሓው ብዝብል ቃል ኣበጊሶም ኣብ ዘስምውዕዎ ዘረባ፡ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ፡ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት ውልቃዊ ተብጽሖታቱ ኣሚቱ ዘይኰነስ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝረኣይ ውደራ ናብ ምትሕብባር ናብ ዝብል ዕሴት ዝቕይር ትዕግስቲ ኣብ ዝሓትት መገዲ ሓቂ ብሓባር ንምጉዓዝ ዝኣመተ እዩ ክኸውን ዘለዎ እክብሉ ከምዝገለጹ ዘዘካኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ብስም ሃይማኖት ዝዀነ ይዅን ዓይነት ጽልእ ካብቲ ንእግዚኣብሔር ከም ጣዖት ካብ ዘምልኽ ተግባር ዝነቕል እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ቅዱስ ሰላም ብስም እግዚኣብሔር ዝዀነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ክፍጸም የብሉን ዝብልን እዩ፡ ከምዚ እንተድኣ ዘይኰነ ግና ስም እግዚኣብሔር ምርካስ እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ የመልክት።

ዕለት 7 ሕዳር 2017 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘሎ ንኡስ መቐበሊ ኣጋይሽ ቤት ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ፕሮፈሰር ኣል ጣይብ ርክብ ምክያዱን፡ ከምኡ እውን ዕለት 10 ጥሪ 2018 ዓ.ም. ደገፍ ንጉዳይ ኢየሩሳሌም ዘርእስቱ ኣብ ኣል ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ክኽካየድ ኣብ ተዳለው ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ክሳተፉ ካብ ዓቢይ መምህር ኣል ጣይብ ዝተላእከሎም መልእኽቲ መሰረት መልሲ ከዘመሓላለፉን፡ ኣብ መልእኽቶም ነቲ ናይታ ዝተባርከት መሬት ሕዝቢ ስምምዕን ፍትሕን ውሕስነትን ኣብዘተባብዕ ጻዕሪናይ  ኩሉ ምድጋፍ የድሊ ዝብል ሓሳብ ኣቃሊሖም ኣብ መንጐ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ንናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ኣብ ዝብል ፍጻሜ ዘተኰረ ነቲ ናይ ክልቴኣተን ዓለም ሓቆፍ ተቐባልነት ኣብ ዘለዎን ንዝተሰማምዓሉ ዶባተን ዘኽብር ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ የዘኻኽር።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ግብጺ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር
17 October 2018, 16:53