ድለ

ካልኣይ ክፋል ቃለ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ሰላም ለኪ ብቲቩ 2000

ቅዱስ ኣቦና ክልተ ዓይነት ፍርሒ ከምዘሎ ይሕብሩ፡ እቲ ሓደ ክፉት ፍርሒ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ዕጹው ፍርሒ እዩ፡ ዕጹው ፍርሒ ግሊያ ይገብር፡ ወዲ ፍርሒ ይገብር፡ እዚ ዓይነት ፍርሒ ሓደገይና እዩ፡ ኣየዕብይ ክትዓብይ ኣይሓድግ፡ እቲ ክፉት ፍርሒ ግና፡ ቅዱስ ፈረሓ እግዚኣብሔር ከምዘለካ ዝገልጽ እዩ፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቲቩ 2000 ብእተሰምየ ብናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መደብር ምስማዐ ርእየት 11 መደባት ዘጠቓልል “Ave Maria -  ሰላም ለኪ”  ብእተሰምየ ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ምስ ዕለታዊ ሕይወት ዝተኣሳሰረን ኣብ ታሪኽን መንነትን ሱታፊ ማርያም ኣብ ድሕነት ኣምላኽን ብመቑጸርያን ኣተሓሒዙ እውን ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚኣብሔር ዝብል ማርያማዊ ጸሎትን ኣተሓሒዞም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኣብ ከተማ ፓዶቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ማሕቡስ ናይ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቆሞስን ኣባ ፍራንኮ ፖዞ ብዘቕርብሎም ቃለ መሕትት መሰረት ዘቕርብዎ ኣስተንትኖ ካልኣይ ክፋል ሎሚ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ምሸት ሰዓት 21.05 ክመሓላለፍ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እቲ ናይ ሎሚ መደብ ቲቪ ኣቕራቢት ሚሸል ሁንዚከርን ሓንቲ ካብተን ደቀን በቲ ኣብ ኣጀቲና ብዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝሰኣና ኣዴታት ዝሓቁፍ ብኣዴታት ዘፕላዛ ደ ማዮ ብዝብል ስም ናይ ዝጽዋዕ ማሕበር ኣባል ቨራ ቩጀቫን ያራኽን ኣሳቲፉ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ናይ ሕይወት ውሳኔታት ፍጥረት ሰብ ክስምዖ ዝኽእል ፍርሓት ኣማእኪሎም ዝህብዎ ኣስተንትኖ ዝምልከት ኰይኑ፡ ማርያም በይና እያ ዝነበረት፡ ሰላም ለኪ ብዝብል ቃል ሰላምታ ዝቐረበላ ተልእዀ፡ መጀመሪያ ፍርሒ እዩ ዝፈጠረላ፡ እቲ መልኣኽ ዝብላ ዝነበረ የደንጽዋን ብዙሕ እውን ይርድኣ ኣይነበረን። … ደሓር ግን እቲ ዝቐረበላ ጸዋዕታ እንታይነቱ ምስ ተገለጸላ ምስ ጐይታ ኰይና ንቕድሚት ሰጐመት፡

ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሎሚ

ቅዱስ ኣቦና መላእ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን እዋናዊ ዓለም እናሓሰቡ፡ ኣብ ምርጫ ሕይወት ምኽሪ ትሓትት፡ ትመያየጥ ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ውሳኔ ናትካ እዩ ዝኸውን ስለዚህ ምስ ገይታ ንበይንኻ ትኸውን፡ ንኣብነት ክርስቶስ ንምስዓብ ዝግበር ውሳኔ፡ ምስዓብ ክርስቶስ ብኽህንወታዊ ሕይወት ብውፉይ ሕይወት ድዩ ብምስጢረ ተክሊል ዝብሉ ጠቒሶም የረድኡ።

ፍርሒ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ክትዕጸው ይድርኸካ

ቅዱስ ኣቦና ክልተ ዓይነት ፍርሒ ከምዘሎ ይሕብሩ፡ እቲ ሓደ ክፉት ፍርሒ ክኸውን እንከሎ እቲ ካልኣይ ከኣ ዕጹው ፍርሒ እዩ፡ ዕጹው ፍርሒ ግሊያ ይገብር፡ ወዲ ፍርሒ ይገብር፡ እዚ ዓይነት ፍርሒ ሓደገይና እዩ፡ ኣየዕብይ ክትዓብይ ኣይሓድግ፡ እቲ ክፉት ፍርሒ ግና፡ ቅዱስ ፈረሓ እግዚኣብሔር ከምዘለካ ዝገልጽ እዩ፡ እወ ፍርሕን ርግጸይንናት ብሓደ ዝነብርሉ ዓይነት ፍርሒ እዩ ይብሉ፡ ኣባ ፖዞ ኣስዒቦም ናይ መደብ ቴለቪዥን ኣቕራቢት ሚሸል ሁንዚከርን ቨራ ቪጀኣንቲ ያራኽ ቃለ መሕትት ብምቕራብ ቀጺሎም፥

ዓብይ ዘሰክፍ ኩነት

ልክዕ ከምቲ እተን ኣዴታት ናይ ፕላዛ ደ ማዮ ዝተሳቐየት ኣደ፡ ደቀን ተመንዝዔን ብዘይ ውላድ ዝተረፋ፡ ዝወለዳ መኻናት ከይኖን ዝተረፋ እዚ ብሓቂ ንሓንቲ ኣደ ከብዲ ስቓይ ዘስዕብ ተመክሮ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ይገልጹ፡ ብርግጽ እዘን ፕላዛ ዲ ማዮ ኣዴታት ክሳቐያ ቤተ ክርስቲያን ኣበይ ነይራ ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮይ ይመላለሰኒ ኢሎም፡ ንቕረብን ኣእዳወን ሒዝና ኣብ ዝቓየን ንሕበርን ነሰንየን ኢሎም።

ካልኣይ ክፋል ቃለ ኣስተንትኖ ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ሰላም ለኪ ብቲቩ 2000
23 October 2018, 17:28