ድለ

2018.10.29 ማሕበር ልኡካን ቅዱስ ካርሎስ እስካላብሪ መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበሮም 2018.10.29 ማሕበር ልኡካን ቅዱስ ካርሎስ እስካላብሪ መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበሮም  

ወትሩ ከም ማሕበር ንበሩ! ፈለስትን ስደተኛታትን ምዃንኩም ዘክሩ! ር.ሊ.ጳ ንማሕበር እስካላብሪንያኒ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ንስደተኛታት ኣብ ምግልጋል ዝተዋፈሩ ማሕበር እስካላብሪንያኒ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ‘ኣብ ስደትን ፍልሰትን ማሕበረሰብ ኣሎ። ወላ እዞም ኣብ’ዚ ቅንያት ካብ ሆንዱራስ ንሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዝጐዓዙ ዘለው ስደተኛታት ማሕበርነት ኣሎ’ እንክብሉ ንገዛእ ርእሶም ከም ስደተኛታት ክሓስቡን ወትሩ ብሓባር ክነብሩን ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነዚ ዘሎናዮ ዘመን ዲቅ ዝበለ ክረምቲ ዕብየት ሕዝቢ እንክብሉ ነቲ ኮነ ኢሎም ሰልጢና በሃልቲ ማሕበረሰባት ካብ ውሉድ ምቑጣብን ንኩሉ መዓጹኦም ሸጒሮም ማንም ከይቅልቀሎም ዝገብርዎ ዘለው ንፍገትን ምስ ገለጹ ነቶም ሎሚ ንግሆ ተቀቢሎም ዘዘራረብዎም ብእስካላብሪንያኒ ዝፍለጡ ማሕበር ልኡካን ቅዱስ ካርሎስ መበል 15 ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበሮም ፈጺሞም ሰላም ክብልዎምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንክልምኑን ዝመጹ ‘ሽሕ’ኳ ኩነታት ማሕበረሰብና ከምዚ ዝተገልጸ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ኣይትቅረቡኒ ዝብል እንተኾነ ንስኹም ግን ነቲ ወጻእተኛን ስደተኛን ተቀበሉ። ከምኦም ንበሩ’ እንክብሉ መኺሮም።

ቃፍላይ ስደተኛታት!

ኣብ ዜናታት ዓለም ከምዝተኸታተልናዮ ኣብ’ዚ ቅንያት እዚ ሕሰም ናብራ ዝገደዶም ደቂ ሆንዱራስ ብመልክዕ ቃፍላይ ሽማግለታትን ሕጻናትን ዝሓዘ ጉጅለ ክሳብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ሕይወቶም ንከድሕኑ ዝጐዕዙሉ ዘለውን ዝተፈላለያ ዘይመንግሥታዊ ድርጅታት ሓገዞም ኣብ ዘወፍዩሉ ዘለው ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ከኣ ብመራሒኣ ገራ ብሁልን ዘይብሁልን ነገራት እናተዛረቡ ክቅበልዎም ዘይምዃኖም ዝገልጹሉ ኣብ ዘለው ሁመት ቅዱስነቶም ወትሩ ምስ ስደተኛታት ክንውግን ይጽውዑ።

“ስደተኛ ብዙሕ ግዜ ብጉጅለ ክጐዓዝ ይመርጽ። ኮይኑ ግን ሓንሳእ ሓንሳእ በይኑ እውን ይጐዓዝ እዩ። ስለምንታይ ብሓባር ንዝብል ሕቶ ብሓባር ምስ ኮንካ ኣብ ስደት ሓይሊ ይስመዓካ። ኣብ’ዞ ከኣ ማሕበረሰብ ይምስረት። ኣብ ጸወታ ኲዕሶ ሓደ ነጻ ዝኾነ ተጻዋታይ ላዕልን ታሕትን ክብል ይኽእል ኣብ ማሕበራት ግን ነጻ ኮይኑ ክንቀሳቀስ ዝፍትን ብኡ ንብኡ ይወድቅ። ስለዚኸስ ከም ማሕበር ምንቅስቃስ የድሊ። ጸዋዕታ እስካላብሪንያኒ ከኣ ነቶም ብቃፍላይ ዝንቀሳቀሱ ስደተኛታት ምርዳእ እዩ። ንስኹም እውን ኣካል ናቶም ኮይኑ ክስመዓኩም የድሊ። ፈለስቲ ኣብ ጉዕዞ ትርከቡ ስደተኛታት ኢኹም። ኣድላይነት ኣብ ዘለዎ ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ጐይታ እውን ከም ስደተኛታት ተመላለሱ። በዚ ከኣ ነቶም ኣንፈት ኣጥፊኦም ዘለው ስደተኛታት ክትቅበሉን ክትሕግዙን ትኽእሉ ኢሎሞም።”

ንስደተኛ ንኽቅበሉ ንሰባት ምሕጋዝ የድሊ!

ኣብ ስደትን መከራን ዝርከብ ሰብ ንኩሉ ኣብ ሓደጋ የውድቅ ንገዛእ ርእሱ ከይተረፈ ኣብ ሓደጋ ኣንጠልጢሉ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ ጒዕዞኡ ይጅምር። ንስደተኛታት ንምሕጋዝ ጸዋዕታና ኢሎም ዝተቀበሉ ማሕበር ቅዱስ ካርሎስ እውን ከምቶም ስደተኛታት ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሎም ብጐይታ ተኣማሚኖም ዝተካእሎም ኩሉ ከምበርክቱ ምናዳ ከኣ ንሰባት ንሓደ ባዕዲ ወይ ወጻእተኛ እሞ ኣብ ጸገም ዝርከብ ከመይ ገቢርካ ከም እትቅበሎ ምምሃር ቀንዲ ውራዮም ክኸውን ከምዘለዎ እንከዘኻኽሩ ነቶም ኣይንቅበለን ኢሎም ማዓጹኦም ዝሸጐሩን ካብዚኦም ብዝገደደ ዝጨነቆ ስደተኛ ረኺቦም ክምዝምዙ ንዝጽዕሩን ከስተምህሩ ሓደራ ኢሎም። ቅዱስነቶም ንባዕሎም ወዲ ስደተኛታት ምዃኖም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

[ ኣነ ውሉድ ስደተኛታት እየ! ከምዚ ሎሚ ይዝከረኒ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ወዲ 10/12 ዓመት ንእሽቶ ቈልዓ ነረ። ሽዑ ኣቦይ ዝሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ ቦታ ስደተኛታት ካብ ፖላንድ መጺኦም ጽቡቅ ተቀቢልናዮም። ኣርጀንቲና እዚ ጽቡቅ ባህሊ ስደተኛ ናይ ምቅባል ባህሊ ኣለዎ። ኣርጀንቲና ነዚ ተመኲሮ ናይ ስደተኛ ምቅባል ኣብሲላቶስ እቶም ስደተኛታት ዓድታት ኣቊሞም። ኤውሮጳ እውን ብስደተኛታት እያ ቈይማ። ]

ኲልና ስደተኛታት ምዃና ንዘክር!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንኩሎም ደቂ ማሕበር ኣብ ኩሉ ተልእኮኦም ምናዳ ኸኣ ንስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ኣብ ምሕጋዝ ንዝነጥፍዎ ብስም ቤተክርስትያን ድሕሪ ኣመስጊኖም። ንሕና ኩልና ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ምዃን እንተደኣ ዘኪርናን ከማኡ እንተነቢርናን ዓቢ ተመኲሮ እምነት ከምዝኾነና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ንባዕልኻ ወጻእተኛታት ስደተኛን ኰንካ ዘሕለፍካዮ ተመኲሮን ንመጽናዕትን ካልእ ዕብየትን ዘሕለፍካዮ ተመኲሮ ምዝካርን ንሓደ ስደተኛ ወይ ወጻእተኛ ከመይ ገቢርካ ክትቅበል ከምእትኽእል ዓቢ ትምህርቲ ይኾነካ። እዘን ክልተ ነገራት እዚአን ብሓቂ ኣድለይቲ እየን ንስኹም ከም ማሕበር ከም ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ንበሩ። ኢሎሞም።

ማዕጾ ጐይታ ኳሕኲሑ!

ከምቲ ሓደ ስደተኛ ኣብ ማዕጾ ካልኦት ከይዱ ክሳብ ተቀባሊ ዝረክብ ዝኲሕኲሕ ንስኹም እውን ኣብ ማዕጾ ጐይታ ከድኩም ክሳብ መልሲ ትረኽቡ ኳሕኲሑ። ኣብ ኩሉ ኲርንዓት ዓለም ኣድላይነት ኣብ ዘለዎ እንዳኸድኩም ንጸገማት ኣለሊኹም መፍትሒ ኣቅርቡ እንክብሉ ምስ ኣዛኻኸሩ ክልተ ቃላት ክዝክሩ ተማሕጺኖሞም።

“እታ ቀዳመይቲ ወትሩ ንዝለዓለ ነገር ጸዓሩ ከመይ እግዚአብሔር ዓቢይ ስለዝኾነ ንቀጻሊ ዕብየት ይዕድም! ወትሩ ንዝለዓለን ንዝበለጸን ጉዳይ ምስጓም። ብጉዕዞ ከይደኸምኩምን ከይተሃከኹምን ወትሩ ንቅድሚት ንዝርሓቀ ቦታ ምጒዓዝ ሓደስቲ ዶባት ዳህስሱ። እዚኣ ንኩሉ እተስፍሕ ጽብቅቲ ምርጫ እያ። እታ ካልአይቲ ከኣ ካብ ናይ ቅዱስ ቶማስ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ዝተወስደት ኮይና ‘ኣብ ዓበይቲ ነገራት ጥራይ ተዋሒጥካ ኣይትትረፍ ነተን ደቀቅቲ ነገራት እውን ኣስተውዕለለን ከመይ እዚ መለኮታዊ ጉዳይ እዩ’ ይብል ነበረ ብላቲን።”

መሥዋዕተ መስቀል!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃለ ምዕዳኖም ዝዘከርዎ እቲ ዝለዓለ ፍቅሪ ጐይታ ኮይኑ እዚ እግዚአብሔር ኣብ ዕጸ መስቀል ዝስዋዕ ጐይታ ምዃኑ ምዝካር ኮይኑ ንነፍሲወከፍ ዝሓሊ ኣምላኽ ኮይኑ ከምቲ ንሓደ ሰራቂ ኣብ መወዳእታ ካልኢታት ሕይወቱ መንግሥተ ሰማያት ክኸፍት ዝኽእል ስለዝኾኑ ንኩሉ ወላ ነቲ ዝደቀቀ ነገር ይሓሊ። በዚ ከኣ ንኩሉ ዝኽእልን ዝሓልን ንሱ ስለዝኾነ ዝተኻእለና ኩሉ ምስ ኣበርከትና ደጊም ጉያይ ወዲኤ ጉዕዞይ ከኣ ፈጺመ ኢልካ ብእዋኑ ምስንባት እውን ክመሃርዎ ዘለዎም ጉዳይ ምዃኑ  ነዚ ንምግባር ከኣ ትብዓትን ቅድስናን ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።

“ፍቃድ እግዚአብሔር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ንኩሉ ጥንጥን ኣቢልካ ደሓን ኩኑ ክትብል እዚ ከኣ ወይ ብትእዛዝ ኣሕሉቅ ወይውን ብካልእ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። ምስ በሉ ንዝሸምገሉ ወገን ሕዝብና ክነፍቅርን ክንከናኸንን ከምዘሎና ብምዝኽኻር ቃለ ማዕዳኦም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
30 October 2018, 17:15