ቅዱሳን ዝምህሩናስ እትን እትን ከይበልካ ምስ ክርስቶስ ከመይ ከም ዝንበር እዩ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይዞም ሸውዓተ ሓደስቲ ቅዱሳን ስእልታት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተንጠልጢሉ በብሓደ ኣብ ናይ ቀዳም መደብና ዘቅረብናልኩም ታሪኽ ሕይወት ንምግላጽን ኣዋጅ ቅድስናኦም ብዘለዎም ሥልጣን ንክእውጁን ንጉዳይ ቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቹ ልመናኦም ኣቅሪቦም። ካብ ዝተፈላለያ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 70 ሺሕ ምእመናን ነቲ ቅርዓት ካብ ጻት ናብ ጻት እንክመልእዎ ልዕሊ 4000 ካህናትን ብዙሓት ጳጳሳትን ካርዲናላትን ምስ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ብሑባሬ ኣዕረጉ።
ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ጽጉማትን ነበሩ። ምናዳ ንብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ሕይወቱ ክሳብ ዝኸፍል ገበሮ። ስዒቡ ቅድስናኡ ዝተኣወጀ ኣባ ፍራንቸስኮስ እስፒነሊ ኮይኑ መሥራቲ ደናግል ሰገድቲ ቅዱስ ቊርባን ኮይኑ እዚ እውን ኣብቲ ትውልዲ ዓዲ ብ1974 ዓምፈ ዝወረደ እሳተጎመራዊ ዕንወት ምስቶም ጽጉማትን ኣደራዕ ናይቲ ሓደጋ ዝተቀበሉን ኮይኖም ንከተማ ቶረ ደል ግረኮ ንዋታውን መንፈሳውን ዳግመ ሕንጸት ዘበርከተ ሓቀኛ ዓርኪ ድኻታትን ኰስኳሲ መንእሰያትን ወዲ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ነበረ። ንእናቴ ካተሪና ካስፐር መሥራቲት ድኻታት ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ እውን ንእናቴ ናዛርያ ኢግናስያ ዘቅድስ ተረዛ ዘኢየሱስ ማርሽ መሳ መሥራቲት ማሕበር ደናግል መስቀላውያን ቤተክርስትያን ነቲ ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 13 ኣርኣያ መንእሰያት ኢሎም ተወፋይነቱን እምነቱን ዝገለጹሉ ወዲ 19 ዓመት ኑንስዮ ሱልፕሪጽዮ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ብፅዕናኦም ከምዝኣወጁ ኣዘኻኺሮም። ድሕሪ ኣዋጅ ቅድስና ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ብዛዕባ ሃብታም መንእሰይ ዝዛረብ ምናዳ ከኣ እታ ኢየሱስ ነቲ መንእሰይ ዘቅረባ ‘ፍጹም ክትከውን እንተደለኻ ኪድ ዘሎካ ኩሉ ሸጥካ ንድኻታት ሃብ ብድሕሪኡ ሰዓበኒ’ እትብል ጻውዒት ቆራጽነት እትሓትት ምዃና ገሊጾም።
ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ዕብራውያን 4.12 ‘ከመይ ቃል እግዚአብሔር እዩ ሕይወት ዚህብ ዘሥልጥ ካብ ኲሉ ኣስይፍቲ ዚበልሕ ክልተ ዚኣፉ ብልሒ ዘለዎ ንነፍስን ንመንፈስን ዚቈራርጽ ክሳዕ ሠራውርን ኣንጒዕን ኣትዩ ዚበጣጥስ ንስምዒትን ንሓሳብ ልብን ዚምርምር’ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም እዚ ቃል እዚ ኣብ ልብናን ሕልናን ከምዝዛረብን ከም ኣተሓሳስባ ዓለም መኽሰብን ክሳራን ከየወራረድና ንዘለዓለማዊ ሕይወት ክንወርስ ንገዛእ ርእስና ብምፋይ እዩ፣ በዚ ከኣ ምሳኡ ንኸውን። እዛ ቃል እዚኣ ከኣ ኢየሱስ ናብቲ ሃብታም መንእሰይ ዘቅረባ ቊርጽ ኣቢልካ ምስዓቡ።
ማእከል ሕይወትካ ገንዘብ እንተገበርካ ንእግዚአብሔር ቦታ የለን!
ነታ ‘ሰዓበኒ’ እትብል ዕድመ ኢየሱስ መልሲ ንምሃብከስ ሓንቲ ነገር ጥራይ እያ ተድሊ! ንሳ ከኣ ነጻ ዝኾነ ልቢ እዩ። ብሃብትን ካልእ ነገራትን ዘይተታሕዘ ልቢ። ምኽንያቱ ከኣ ንገንዘብን ንእግዚአብሔርን ብሓባር ክተገልግል ከተሐጒስ ዘይከኣል እዩ። ስለዚኸስ ሃብቲ ሓደገኛ እዩ ንድሕነትና ከኣ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ልቢ ከም ማግኔት መስሕብ እዩ!
ኢየሱስ ወትሩ ሱርነቀላዊ ነገር እዩ ዘቅርበልና! ንሱ ኩለንትናኡ ወፊዩልና ብኩለንትናና ክንውፈዮ ከኣ ይዕድም። ፍጹም ፍቅሪ ይዕድል ዘይተመቃቀለ ልቢ ኸኣ ይሓትት። ወይ ንኩሉ ወይ ምንም እያ እታ ጉዳይ! ዝሸራረፍ ፍቅሪ የለን።
ብፍቅሪ ንቅድሚት ምስጓም!
ጐይታ ንኩልና ካብቲ ምስ ዓለም ዘተኣሳስረና ንሃብትን ፍትወቱን ንሃረርታ ሥልጣንን መዓርጋትን ንስብከተወንጌል ዘይሕግዙ ተቍዋማትን ንተልእኮና ክበድ ንዝኸውን ነገራትን ገዲፍና ክንክእል ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።
ምልኣት ዘይረኸበ ፍቅሪኸስ ሓዘን እዩ ትርፉ!
ቀንዲ ሓዘን ዘስዕበልናን ናብ ጐይታ ዘይቅርበናን ከስ ናትና ኣይምውቅ ኣይዝሑል ምዃን ኮይኑ እዚ ጓሂ ፍጽምና ናይ ዘይረኸበ ፍቅሪ እዩ።
ጳውሎስ ሻድሻይ ምስክር ዘተ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ንር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ይዝክሩ እሞ ከምቲ ሽሙ ዝመርጽዎ ሓዋርያ ኣብ ብዙሕ ጸገምን ዘይምርዳእን ድኻምን ዝነበሮ ኣገልግሎቶም ከምቲ ሓዋርያ ዝገበሮ ንኢየሱስ እንክትስዕብ ንዝርከብ ጽባቄን ታሕጓስን መስኪሮም።
ኣቡነ ሮመሮ ንወንጌል ዝተወፈየት ሕይወት!
ንኣቡነ ሮመሮ ብምዝካር ቅዱስነቶም ንኩሉ ገዲፉ ስለወንጌል ከምዝተወፈየ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ።