ድለ

ቅዱሳን ዝምህሩናስ እትን እትን ከይበልካ ምስ ክርስቶስ ከመይ ከም ዝንበር እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓምፈ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ጽፍሕታት ኣገልግሎትን ናብራን ዝተመርጹ 7 ብፁዓን ናብ ደረጃ ቅድስና ኣደዪባ። ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓርገ መሥዋዕተ ቅዳሴናን ሥርዓተ ቅድስናን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ‘ቅዱሳን ብዘይ ነግፈረግ ንክርስቶስ ንምስዓብ ጠኒኖም ዚኣተው ዕውታት እዮም` እንክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይዞም ሸውዓተ ሓደስቲ ቅዱሳን ስእልታት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተንጠልጢሉ በብሓደ ኣብ ናይ ቀዳም መደብና ዘቅረብናልኩም ታሪኽ ሕይወት ንምግላጽን ኣዋጅ ቅድስናኦም ብዘለዎም ሥልጣን ንክእውጁን ንጉዳይ ቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ቅድስት መንበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ በቹ ልመናኦም ኣቅሪቦም። ካብ ዝተፈላለያ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 70 ሺሕ ምእመናን ነቲ ቅርዓት ካብ ጻት ናብ ጻት እንክመልእዎ ልዕሊ 4000 ካህናትን ብዙሓት ጳጳሳትን ካርዲናላትን ምስ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ብሑባሬ ኣዕረጉ።

ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ወትሩ ኣብ ጐድኒ ድኻታትን ጽጉማትን ነበሩ። ምናዳ ንብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ሕይወቱ ክሳብ ዝኸፍል ገበሮ። ስዒቡ ቅድስናኡ ዝተኣወጀ ኣባ ፍራንቸስኮስ እስፒነሊ ኮይኑ መሥራቲ ደናግል ሰገድቲ ቅዱስ ቊርባን ኮይኑ እዚ እውን ኣብቲ ትውልዲ ዓዲ ብ1974 ዓምፈ ዝወረደ እሳተጎመራዊ ዕንወት ምስቶም ጽጉማትን ኣደራዕ ናይቲ ሓደጋ ዝተቀበሉን ኮይኖም ንከተማ ቶረ ደል ግረኮ ንዋታውን መንፈሳውን ዳግመ ሕንጸት ዘበርከተ ሓቀኛ ዓርኪ ድኻታትን ኰስኳሲ መንእሰያትን ወዲ ቅዱስ ቪንቸንስዮስ ነበረ። ንእናቴ ካተሪና ካስፐር መሥራቲት ድኻታት ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ እውን ንእናቴ ናዛርያ ኢግናስያ ዘቅድስ ተረዛ ዘኢየሱስ ማርሽ መሳ መሥራቲት ማሕበር ደናግል መስቀላውያን ቤተክርስትያን ነቲ ር.ሊ.ጳ ልዮን መበል 13 ኣርኣያ መንእሰያት ኢሎም ተወፋይነቱን እምነቱን ዝገለጹሉ ወዲ 19 ዓመት ኑንስዮ ሱልፕሪጽዮ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ብፅዕናኦም ከምዝኣወጁ ኣዘኻኺሮም። ድሕሪ ኣዋጅ ቅድስና ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ብዛዕባ ሃብታም መንእሰይ ዝዛረብ ምናዳ ከኣ እታ ኢየሱስ ነቲ መንእሰይ ዘቅረባ ‘ፍጹም ክትከውን እንተደለኻ ኪድ ዘሎካ ኩሉ ሸጥካ ንድኻታት ሃብ ብድሕሪኡ ሰዓበኒ’ እትብል ጻውዒት ቆራጽነት እትሓትት ምዃና ገሊጾም።

ኣብ ናይ ዕለቱ ካልኣይ ንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ዕብራውያን 4.12 ‘ከመይ ቃል እግዚአብሔር እዩ ሕይወት ዚህብ ዘሥልጥ ካብ ኲሉ ኣስይፍቲ ዚበልሕ ክልተ ዚኣፉ ብልሒ ዘለዎ ንነፍስን ንመንፈስን ዚቈራርጽ ክሳዕ ሠራውርን ኣንጒዕን ኣትዩ ዚበጣጥስ ንስምዒትን ንሓሳብ ልብን ዚምርምር’ ዝብል ነበረ። ቅዱስነቶም እዚ ቃል እዚ ኣብ ልብናን ሕልናን ከምዝዛረብን ከም ኣተሓሳስባ ዓለም መኽሰብን ክሳራን ከየወራረድና ንዘለዓለማዊ ሕይወት ክንወርስ ንገዛእ ርእስና ብምፋይ እዩ፣ በዚ ከኣ ምሳኡ ንኸውን። እዛ ቃል እዚኣ ከኣ ኢየሱስ ናብቲ ሃብታም መንእሰይ ዘቅረባ ቊርጽ ኣቢልካ ምስዓቡ።

“ንዓ! ተዓኒድካ ደው ኣይትበል! ምኽንያቱ ሕማቅ ነገር ዘይምግባር ጥራይ ተኸታሊ ክርስቶስ ኣይገብርን! ስለዚ ሰዓበኒ! ይብል። እዚ ኸኣ ንኢሱስ ክጥዕመካ ጥራይ ክትስዕቦ ዘይኮነስ ነፍሲ ዕለት መዋዕል ሕይወትካ ክትደልዮ የድሊ። ደቀቅቲ ሕግታት ክትሕሉን ክተኽብርን ተኸኽ ኣይትበል በዚ ከኣ ዕግበት ኣይሰማዕካ። ቊሩብ መባእ ተዂብካን ገለ ጸሎታት ደጊምካን ዝሕለፍ ከይመስለካ። ነቲ ወትሩ ዘፍቅረካ እግዚአብሔር ክትረኽቦ የድሎ። ከመይ ትርጉም ሕይወትካን ሓይሊ ዝህበካን ንሱ ጥራሕ እዩ። ኣብ ማእከል ሕይወትካ ገንዘብ እንተገበርካ ንእግዚአብሔር ቦታ የለን ማለት እዩ።”

ማእከል ሕይወትካ ገንዘብ እንተገበርካ ንእግዚአብሔር ቦታ የለን!

ነታ ‘ሰዓበኒ’ እትብል ዕድመ ኢየሱስ መልሲ ንምሃብከስ ሓንቲ ነገር ጥራይ እያ ተድሊ! ንሳ ከኣ ነጻ ዝኾነ ልቢ እዩ። ብሃብትን ካልእ ነገራትን ዘይተታሕዘ ልቢ። ምኽንያቱ ከኣ ንገንዘብን ንእግዚአብሔርን ብሓባር ክተገልግል ከተሐጒስ ዘይከኣል እዩ። ስለዚኸስ ሃብቲ ሓደገኛ እዩ ንድሕነትና ከኣ ኣጸጋሚ ይገብሮ።

“እዚ ማለት እግዚአብሔር ጨካን እዩ ማለት ኣይኮነን! እዚ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ፣ እቲ ጸገም ካባና እዩ! ብዙሕ ክህልወና ንደሊ! ንሃርፍ! ብዙሕ ሃረር ንብል! እዚ ከኣ ንልብና ይዕፍኖ! ክነፍቅር ከምዘይንኽእል ይገብረና። በዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ‘ናይ ኩሉ ክፍኣት ሱር ህርፋን ገንዘብ እዩ’ እንክብል ዘጠንቅቀና። ከም እንዕዘቦ ከኣ ማእከል ሕይወቶም ገንዘብ ዝገበሩ ንእግዚአብሔር ዝኸውን ቦታ የለን ንወዲሰብ ዝኸውን ቦታ እውን የለን። ልብኸስ ሓደ መስሕብ ስለዝኾነ ዝቀደመ እዩ ዝሕዞ።”

ልቢ ከም ማግኔት መስሕብ እዩ!

ኢየሱስ ወትሩ ሱርነቀላዊ ነገር እዩ ዘቅርበልና! ንሱ ኩለንትናኡ ወፊዩልና ብኩለንትናና ክንውፈዮ ከኣ ይዕድም። ፍጹም ፍቅሪ ይዕድል ዘይተመቃቀለ ልቢ ኸኣ ይሓትት። ወይ ንኩሉ ወይ ምንም እያ እታ ጉዳይ! ዝሸራረፍ ፍቅሪ የለን።

“ልብና ከም ሓደ ማግኔት ሰሓቢ እዩ! ብፍቅሪ ክሰሓብ ይፈቅድ ኮይኑ ግን ብሓደ ወገን ጥራሕ እዩ ክጠብቅ ዝኽእል ስለዚ ክመርጽ ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 6.24 ዘሎ ወይ ንእግዚአብሔር ተፍቅር ወይ ንሃብቲ ዓለም ተፍቅር! ከምዚ ብምግባር ከኣ ወይ ንክተፍቅር ትነብር ወይውን ንገዛእ ርእስኻ ትነብር (ማር 8.35)። ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልናኸስ ምስ ኣየናይ ወጊና ከምዘሎና ንነፍስና ንሕተት። ሎሚ ኢየሱስ ንነፍስወፍናን ኣብ ጉዕዞ ንእትርከብ ቤተክርስትያና ንዓና ንኩልና ይሓተና ኣሎ። እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ጽቡቅ ነገራት ጥራይ እትሰብኽ ድያ ወይስ ሓቀኛ መርዓት ክርስቶስ ኮይና ጠኒና ኣብ ፍቅሪ ጐይታ ኣትያ ብኣኡ ትናበር ! ኢልና ነስተንትን። በዚ ከኣ ኣብ ፍቅሪ ንቅድሚት ንሰጉም! ንንጠር እስኪ!”

ብፍቅሪ ንቅድሚት ምስጓም!

ጐይታ ንኩልና ካብቲ ምስ ዓለም ዘተኣሳስረና ንሃብትን ፍትወቱን ንሃረርታ ሥልጣንን መዓርጋትን ንስብከተወንጌል ዘይሕግዙ ተቍዋማትን ንተልእኮና ክበድ ንዝኸውን ነገራትን ገዲፍና ክንክእል ጸጋኡ ክህበና ንለምኖ።  

“ብፍቅሪ ንቅድሚ እንተዘይዘሊልና ሕይወትናስ ይኹን ቤተክርስትያን ብኣነነት ክንሓምም ኢና። ኣብ ዝሓልፍ ነገራት ታሕጓስ ምድላይከስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ዝተዓጽወ ዓንኬል ኣዩ ዘእትወካ ዕንኪላሎ ዝኽዕነ ሕይወት ክርስትና ከምትነብር ገሩ ክትዘልል ኣይትኽእል ክትስጉም ኣይትኽእል ገይሩ ፍጹማን ናይ ዘይምዃን ጓሂ ዓብሊሉና ንነብር።”

ምልኣት ዘይረኸበ ፍቅሪኸስ ሓዘን እዩ ትርፉ!

ቀንዲ ሓዘን ዘስዕበልናን ናብ ጐይታ ዘይቅርበናን ከስ ናትና ኣይምውቅ ኣይዝሑል ምዃን ኮይኑ እዚ ጓሂ ፍጽምና ናይ ዘይረኸበ ፍቅሪ እዩ።

“ብናይ ዓለም ነገራት ዘይከበደ ልቢ ነጻ ኮይኑ ንጐይታ ዘፍቅር ልቢ ሓጐስ ይዘርእ። ናይዚ ሓጐስ እዚ ብዙሕ ድልየት ኣሎና። ኢየሱስ ሎሚ ኣብዚ ዓይኒ ሓጐስ ክንምለስ ይዕድመና ኣሎ! ቆራጽ ውሳኔ ወሲድና ንክንክተሎን ንሕይወት ንክትሓቊፍ ሓደ ነገር ናይ ምምናን ጣዕሚ ክነስተማቅር ይዕድመና ኣሎ። ቅዱሳን ኩሎም ነዚ ጒዕዞ እዚ እዮም ፈጺሞም።”

ጳውሎስ ሻድሻይ ምስክር ዘተ!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከቶም ንር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ ይዝክሩ እሞ ከምቲ ሽሙ ዝመርጽዎ ሓዋርያ ኣብ ብዙሕ ጸገምን ዘይምርዳእን ድኻምን ዝነበሮ ኣገልግሎቶም ከምቲ ሓዋርያ ዝገበሮ ንኢየሱስ እንክትስዕብ ንዝርከብ ጽባቄን ታሕጓስን መስኪሮም።

“ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ሓደስቲ ዶባት እናሰገረ ምስክርነቱ ኣብ ምብሳርን ዘተን ብምግባር ሕይወቱ ንወንጌል ክርስቶስ ዘወፈየ ር.ሊ.ጳ ጳውሎስ ሻድሻይ እውን ነቢይ ናይታ ካብ ገዛእ ርእሳ ውጽእ ኢላ ኣርሒቃ ክትጥምት ዝኸኣለትን ንድኻታታ ክትግደስ ዝጀመረትን ኮይኖም። ሎሚ ምስቲ ንሱ ዝመርሖ ዓቢይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኮይኑ ንሓባራዊ ቅድስና ይጽዓና! ላንጋ ላንጋ ሕይወት የለን ቅዱሳን ክንከውን ኣሎና።”

ኣቡነ ሮመሮ ንወንጌል ዝተወፈየት ሕይወት!

ንኣቡነ ሮመሮ ብምዝካር ቅዱስነቶም ንኩሉ ገዲፉ ስለወንጌል ከምዝተወፈየ ከምዚ ክብሉ ገሊጾሞ።

“ኣቡነ ሮመሮ ንኩሉ ውሕስነት እዚ ዓለም እዚ ጠንጢኑ ወላ ነታ ድሕነት ነፍሱ እትኾነ ውሕስነት እውን ገዲጉ ሕይወት ንወንጌል ብምውፋይ ኣብ ጐድኒ ድኻታት ምስ ሕዝቡ ኮይኑ በቲ ፍቅሪ ኢየሱስን ኣሕዋቱን ዝተሳሕበ ልቡ መስኪሩ። ብዛዕባ ኣባ ፍራንቸስኮ እስፒነሊን ቪንቸሶ ሮማናኦን እናቴ ካተሪና ካስፐር ናዛርያ ኢግናስያን ናፖሊታዊ ኑንስዮ ሱልፕሪጽዮን ከምኡ ክንብል ንኽእል። ምናዳ እዚ መንእሰይ ቅዱስ ተባዕን ትሑትን ኮይኑ ንኢየሱስ ኣብ ሥቃይን ሱቊታን ንገዛእ ርእሱ ብምውፋይን ክረኽቦ ክኢሉ። ብማለት ስብከቶም ዛዘሙ።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
14 October 2018, 17:30