ድለ

ፍረ ሲኖዶስ መንእሰያት ድሮ መባዅዕቲ ክኸውን ጀሚሩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018ዓምፈ ነቲ ብዛዕባ መንእሰያት ንኣርባዕተ ሶሙናት ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብቅዳሴ ዓጽዮም ከብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ከኣ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ‘ቀዳማይ ፍረ ናይ ሎምዘመን ሲኖዶስ ብሓባር ኰንካ እሂን ምሂን ክትብል ምኽኣልን ህልው ኩነታት ኣለሊኻ ምኽኣልን ንገዛእ ርእሱ ሲኖዶሳዊ ምዃኑ እዩ’ ኢሎም።

አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ቀንዲ ዕጋበት ናይ ሲኖዶስ እንክገልጹ ‘ናይ ምጽንናዕን ናይ ተስፋን ግዜ ኣሕሊፍና’ ኢሎም። ሲኖዶስ ካብ ዝጅምር ክሳብ ትማሊ ን26 ዕለታት ብጸሎትን በስተንትኖን ብዘተን ከም ዕለት ሓሊፈን ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘምዎ ገሊጾም።

ግዜ ሂብካ ጽን ኢልካ ምስማዕ!

“ጽን ኢልካ ግዜ ይሓትት! ኣቃልቦ ምሃብ ከምኡ እውን ልብኻን ኣእምሮኻን ምኽፋት ይሓትት። እዚ ዕማም እዚ መጠን ንቅድሚት ዝሰጐምካሉ ዕለት ዕለት ናብ ምጽንናዕ ይልወጥ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ መንጎና ፉሕፉሕ ዝብሎ መንእሰያት ስለዝነበሩ ዘቅረብዎ ዝተፈላለየ ታሪካቶምን ኣበርክቶኦምን ዓቢ ግደ ነርዎ። ብምስክርነት ኣበው ሲኖዶስ እቲ ዝተፈላለየ መልክዓት ዘለዎ ሓደስቲ ወለዶታት ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተሳተፉ ንዘሎ ዝተፈላለየ ሰብኣውን ማሕበረሰባውን ኩነታት ኣቅሪቦም።”

ኣለሊኻ ምኽኣል!

“እዚ ትዕድልቲ እዚ እግዚአብሔር ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ካብ ዝሃባ ጸጋታት ሓደ እዩ። እዚ ከኣ ዝተፈላለየ ድምጽታትን ገጽታታትን ተቀቢልካ ብብርሃን ወንጌል ምትርጓምን ከም ሃብቲ ተቀቢልካ ምጥቃሙን ኣዩ።”

ቀዳሞት ፍረታት ሲኖዶስ!

“ጽን ኢልካ ግዜ ይሓትት! ኣቃልቦ ምሃብ ከምኡ እውን ልብኻን ኣእምሮኻን ምኽፋት ይሓትት። እዚ ዕማም እዚ መጠን ንቅድሚት ዝሰጐምካሉ ዕለት ዕለት ናብ ምጽንናዕ ይልወጥ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ መንጎና ፉሕፉሕ ዝብሎ መንእሰያት ስለዝነበሩ ዘቅረብዎ ዝተፈላለየ ታሪካቶምን ኣበርክቶኦምን ዓቢ ግደ ነርዎ። ብምስክርነት ኣበው ሲኖዶስ እቲ ዝተፈላለየ መልክዓት ዘለዎ ሓደስቲ ወለዶታት ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ኣብቲ ሲኖዶስ ዝተሳተፉ ንዘሎ ዝተፈላለየ ሰብኣውን ማሕበረሰባውን ኩነታት ኣቅሪቦም።”

ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር!

ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ ፒትስበርግ ዝበሃል ከተማ ብሓደ ዕሉል ዓሌታዊ ንዝተጐድኡ ማበረኮም ዕብራውያን ብምዝካር ብመንፈስ ቅርበቶም ገሊጾም። ከምኡ እውን ነቶም ትማሊ ኣብ ጓተማላ ብፅዕናኦም ዝተኣወጀ ክልተ ሰማዕታት ጆዘ ቱልዮ ማሩጾን ልዊ ኦብዱልዮ ኣሮዮ ናቫሮን ዘኪሮም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
28 October 2018, 15:46