ፍረ ሲኖዶስ መንእሰያት ድሮ መባዅዕቲ ክኸውን ጀሚሩ! ር.ሊ.ጳ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት 28 ጥቅምቲ 2018ዓምፈ ነቲ ብዛዕባ መንእሰያት ንኣርባዕተ ሶሙናት ዝተኻየደ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብቅዳሴ ዓጽዮም ከብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ከኣ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ‘ቀዳማይ ፍረ ናይ ሎምዘመን ሲኖዶስ ብሓባር ኰንካ እሂን ምሂን ክትብል ምኽኣልን ህልው ኩነታት ኣለሊኻ ምኽኣልን ንገዛእ ርእሱ ሲኖዶሳዊ ምዃኑ እዩ’ ኢሎም።
አባ መኰንን ኣማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ቀንዲ ዕጋበት ናይ ሲኖዶስ እንክገልጹ ‘ናይ ምጽንናዕን ናይ ተስፋን ግዜ ኣሕሊፍና’ ኢሎም። ሲኖዶስ ካብ ዝጅምር ክሳብ ትማሊ ን26 ዕለታት ብጸሎትን በስተንትኖን ብዘተን ከም ዕለት ሓሊፈን ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘምዎ ገሊጾም።
ግዜ ሂብካ ጽን ኢልካ ምስማዕ!
ኣለሊኻ ምኽኣል!
ቀዳሞት ፍረታት ሲኖዶስ!
ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር!
ቅዱስነቶም ድሕሪ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ኣብ ፒትስበርግ ዝበሃል ከተማ ብሓደ ዕሉል ዓሌታዊ ንዝተጐድኡ ማበረኮም ዕብራውያን ብምዝካር ብመንፈስ ቅርበቶም ገሊጾም። ከምኡ እውን ነቶም ትማሊ ኣብ ጓተማላ ብፅዕናኦም ዝተኣወጀ ክልተ ሰማዕታት ጆዘ ቱልዮ ማሩጾን ልዊ ኦብዱልዮ ኣሮዮ ናቫሮን ዘኪሮም።
28 October 2018, 15:46