ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ረፓሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ረፓሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር 

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ረፓሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር

ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ቅድስቲ መንበርን ደቡብ ኮርያን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ሰናይ ምዃኑን ብፍላይ ክኣ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ኣቢያተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኮርያ እትህቦ ኣገልግሎት ንኡድ ምዃኑ ከምእተገልጸን ኣተሓሒዙ እውን እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኮርያ ነባሪ ሰላም ውሑስ ንምግባር ዝካየዱ ርክባትን ዘተን ህያው ኣድናቖት ዝሃበ ርክብ ከምዝነበረን፡ ነቲ ዘሎ ውጥረት ንምስናፍ ዝግበር ርክብ ኵሉ ንሓድሽ ናይ ሰላምን ምዕባለን ሓለፋ ክኸውን ትስፍው ሓሳብ ዝተቓልሓሉ ርክብ ምንባሩ የመልክት።

እቲ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ረፓብሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔርን ዝተኻየደ ርክብ ልባውን እቲ ኣብ ከባቢ ሓውሲ ዴሴት ኮርያ ዘሎ ውጥረት ንምእላይን ኣብቲ ከባቢ ሰላም ውሕስ ንምግባር ንዝካየድ ናይ ሓባር ጻዕርን ሰላም ዝድግፍ ክሌኣዊ ርክባትን ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 18 መስከረም 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን ዣይ-ኢን ተቐሎም ከምዘዘራረቡን፡ ርእሰ ብሔር ሙን ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻድ ገላገር ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብቶም ዝተኻየዱ ርክባት፡ እቲ ኣብ ሞንጐ ቅድስቲ መንበርን ደቡብ ኮርያን ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ሰናይ ምዃኑን ብፍላይ ክኣ ኣብ መዳይ ሕንጸትን ኣቢያተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ደቡብ ኮርያ እትህቦ ኣገልግሎት ንኡድ ምዃኑ ከምእተገልጸን ኣተሓሒዙ እውን እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ኮርያ ነባሪ ሰላም ውሑስ ንምግባር ዝካየዱ ርክባትን ዘተን ህያው ኣድናቖት ዝሃበ ርክብ ከምዝነበረን፡ ነቲ ዘሎ ውጥረት ንምስናፍ ዝግበር ርክብ ኵሉ ንሓድሽ ናይ ሰላምን ምዕባለን ሓለፋ ክኸውን ትስፍው ሓሳብ ዝተቓልሓሉ ርክብ ምንባሩ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ናይ ረፓብሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር ሙን ዘሳተፈ ምእንቲ ሰላም ኣብ ከባቢ  ሓውሲ ደሴት ኮርያ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣሊጡ።

ብፁዕ ካርዲና ፓሮሊን ሰብኣዊ ሕይወት ዘርእስታ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዓዋዲት መልእኽቲ ውልደት ብመንጽር ናይ ቫቲካን ቤተ መዛግብት ብዝብል ኣርእስቲ ጂልፍረዶ ማረንጐ ዝደረስዎን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲም ዝተዘርግሐ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ምረቓ ኣብ ዝተሳተፍሉ እዋን ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ርእሰ ብሔር ሙን ካብ ናይ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር ናብ ቅዱስ ኣቦና ዝተላእከ መልእኽቲ ርሕዝቶኡ ኸኣ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሰሜን ኮርያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝዕድም ዝብል ማዃኑ ገሊጾም፡ እዚ እንተድኣ ኣብ ፍጻሜ በጺሑ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላም ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢይ ድጋፍ እዩ ዝኸውን ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና እውን ኣብ ፕዮንግያንግ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዝቐረበሎም ዕድመ ከምእተቐብሉን፡ ፍቓደይናን ሕጉስን እውን ምዃኖም ከምዝገለጹን፡ ገና ሕጉስ ድላይ እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር እቲ ምብጻሕ ብሓቂ ክካይድ እንተድኣ ኰይኑ ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ቅድመ ምቅርራባት ምኽዋን የድሊ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ናይቲ ከባቢ ከይዲ ሰላምን ዕርቅን ዝድግፍ ከምዝኸውን ርግጸይና እየ ኢሎም።

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ረፓሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር

Photogallery

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ረፓሊካዊት ኮርያ ርእሰ ብሔር
19 October 2018, 17:30