አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንመላእ ዓለም ነዙይ ዕለት እዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ቀንዲ ዘተኰሩሉ ኣብ መንእሰያት ስለዝኾነ እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓለምለኸ ዕለተ ስብከተወንጌል ጥራይ ዘይተወሰነ ምንባሩ እንታይ ደኣ ምስጋና ንእግዚአብሔር ይኹን ነዚ ኣብዚ ዕለታት እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ መንእሰያት መንገዲ ዝሕብር ኮይኑ መንእስያት ብኢየሱስ ንዝረኸብዎ ሓዲስ ሕይወትን ታሕጓስ ሕይወትን ትርጉም ሕይወትን ክምስክሩ እውን ከምዝኾነ ሎሚ ገሊጾም።
መንእሰያትን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብን!
ቅዱስነቶም መንእሰያት ንኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ገሮም ይረኽብዎ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ‘ብዙሕ ግዜ መንእሰያት ንኢየሱስ ክርስቶስ ሳላ ካልኦት መንእሰያት ዝኸምኦም ይረኽብዎ! እዚኦም ከኣ ድሮ ዝረኸብዎምን ምስታ ናይ ኣሕዋቶምን ኣሕዋቶም ሕብረት ዝኾነት ቤተክርስትያን ይሳተፍዎ። ንሓደስቲ ወለዶታትና ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ንኢየሱስ ክርስቶስን ወንጌልን ዘበሥሩ ንተልእኮ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን ከኣ ክተሓባበሩ ንጸሊ’ ኢሎም።
ሓንቲ በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ስለእቶም ካብ ኩሉ ርሒቆም ዝርከቡ ልኡካነ ስብከተወንጌል!
ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ዝዘከርዎም እቶም ንኩሉ ኩሉ ገዲፎም ኣብ ዘይፈልጥዎ ከባብን ሕዝብን ንብሥራት ወንጌል ክስበኩ ኣብ ኩሉ ኲርነዓት ዓለም ወፊሮም ስለዘለው ንጸሊ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።