ድለ

መንእሰያት ኣብ ተልእኮ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን ክትሓባበሩ ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 21 ጥቅምቲ 2018ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ዕለቱ ንመበል 92 ግዜኡ ተዘኪሩ ዝወዓለ ዓለምለኸ ዕለተ ስብከተወንጌል ብምዃኑ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝንበሩ ነጋድያን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ግዜ ነቲ መሪሕ ቃል መልእኽቶም ‘ምስ መንእሰያት ብሓባር ኰና ንወንጌል ኣብ ኩሉ ነባጽሕ’ ብምድጋምን ኣገልግሎትን ተልእኮን ስብከተወንጌል ብጸሎት ክንድግፎ ከምዘሎና ብምዝኽኻር ‘መንእሰያት ኣብ ተልእኮ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን ክትሓባበሩ ኣለዎም!’ እንክብሉ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ንመላእ ዓለም ነዙይ ዕለት እዚ ኣመልኪቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ቀንዲ ዘተኰሩሉ ኣብ መንእሰያት ስለዝኾነ እዚ መልእኽቲ እዚ ንዓለምለኸ ዕለተ ስብከተወንጌል ጥራይ ዘይተወሰነ ምንባሩ እንታይ ደኣ ምስጋና ንእግዚአብሔር ይኹን ነዚ ኣብዚ ዕለታት እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብዛዕባ መንእሰያት መንገዲ ዝሕብር ኮይኑ መንእስያት ብኢየሱስ ንዝረኸብዎ ሓዲስ ሕይወትን ታሕጓስ ሕይወትን ትርጉም ሕይወትን ክምስክሩ እውን ከምዝኾነ ሎሚ ገሊጾም።

መንእሰያትን ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብን!

ቅዱስነቶም መንእሰያት ንኢየሱስ ክርስቶስ ከመይ ገሮም ይረኽብዎ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ ክመስሉ ‘ብዙሕ ግዜ መንእሰያት ንኢየሱስ ክርስቶስ ሳላ ካልኦት መንእሰያት ዝኸምኦም ይረኽብዎ! እዚኦም ከኣ ድሮ ዝረኸብዎምን ምስታ ናይ ኣሕዋቶምን ኣሕዋቶም ሕብረት ዝኾነት ቤተክርስትያን ይሳተፍዎ። ንሓደስቲ ወለዶታትና ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ንኢየሱስ ክርስቶስን ወንጌልን ዘበሥሩ ንተልእኮ ስብከተወንጌል ቤተክርስትያን ከኣ ክተሓባበሩ ንጸሊ’ ኢሎም።

ሓንቲ በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ስለእቶም ካብ ኩሉ ርሒቆም ዝርከቡ ልኡካነ ስብከተወንጌል!

ብድሕሪዚ ቅዱስነቶም ዝዘከርዎም እቶም ንኩሉ ኩሉ ገዲፎም ኣብ ዘይፈልጥዎ ከባብን ሕዝብን ንብሥራት ወንጌል ክስበኩ ኣብ ኩሉ ኲርነዓት ዓለም ወፊሮም ስለዘለው ንጸሊ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ብዛዕባ ብዙሓት ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ካህናትን ኣቡናትን እንክሓስብ እዞም ሰባት እዚኦም ሕይወት ንስብከተ ወንጌል ብምውፋይ ዓዶምን ሰቦምን ገዲፎም ኣብ ፈቀዶ ኲርናዓት ዓለም ኣለው ነዚኦም ፍቅርናን ምስጋናናን ጸሎትናን ነወፍየሎም ስለኦም ንጸሊ በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ኢሎም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
22 October 2018, 18:01