ድለ

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ናብ ሃገራት ዞባ ቦልቲክ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ

እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ምትብባዕ ምንጪ ክኸውን ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም፡ ነጻነት ክዕቀብን ካብ ትውሊድ ናብ ትውልዲ ክመሓላለፍ ዘለዎ እቲ ዝዓበየ ጸጋ እዩ፡ ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝንበር ዘሎ ናጽነት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተኸፍለ ናይ ብዙሓት መስዋዕትነት ጻማ እዩ ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ቀዳም ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ ኣብ ሊትዋኒያን ለቶኒያን ኤስቶኒያን ዘካይድዎ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ናብ ሃገራት፡ ሊትዋንያን ለቶኒያን ኤስቶኒያን ምእመናን ኣብ ነጻነት ዘመእከለ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ኣብ እዋን ጸላምን ዓመጽን ኣሳዶን ኩሉ ብሓባር ሕውነትን ፍትሕን ዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ንምሕናጽ ጽዉዕ ምዃኑ ክስምዖ ዝገብሮ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ዝተዓደሎ ክብሪ ኩሉ ክኽብሮ ኣብ ዘማዕድው ተስፋ ዘንበረ ጮራ ናጽነት ህልው ከይኑ የሰንየካ ዝበኡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 22 መስከረም ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ነጻነት ሃገራት ዞባ ቦልቲክ ዘካይድዎ መበል 25 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ምኽንያት ናብተን ሃገራት ዕለት 21 መስከረም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ እዩ።

እቲ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ናይ ምትብባዕ ምንጪ ክኸውን ዘለዎም ምንዮት ገሊጾም፡ ነጻነት ክዕቀብን ካብ ትውሊድ ናብ ትውልዲ ክመሓላለፍ ዘለዎ እቲ ዝዓበየ ጸጋ እዩ፡ ኣብ ሃገራት ቦልቲክ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝንበር ዘሎ ናጽነት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተኸፍለ ናይ ብዙሓት መስዋዕትነት ጻማ እዩ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ወትሩ ናይብ ሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎም ድሕሪ ምምላሶም ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ነጊዶም ኣብ ፊት ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሕዝበ ሮማ ቅዱስ ምስሊ ጸሎት ንኸዕርጉ ዕለት 20 መስከረም 2018 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ሓዋርያዊ ናይ ቦልቲክ ሃገራት መገሻኦምን ነተን ዝበጽሕወን ሃገራን ሕዝበንን ንቅድስተ ድንግል ማርያም ከምዘማዕቆቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረ ቡርከ ሓቢሮም።

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያ ናብ ሃገራት ዞባ ቦልቲክ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ
21 September 2018, 16:31