ድለ

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንእሰያት

ፍቕሪ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ኣይሞተን፡ ወትሩ ይጽውዓናን ይዕድመናን፡ ልብና ክንከፍት ጥራሕ እዩ ዝሓትተና፡ ብዙሓት መንእሰያት ናይ ወለዳቶም ፍቕሪ እቲ ኣብ መንጐ ወለዳቶም ዝነበረ ፍቕሪ ክቕህም ይርእዩ፡ ናይ ሰብ ሓዳር ፍቕር ክቕህም ይርእዩ፡ ናይ ሓደስቲ መራዑት ፍቕሪ እውን ክቕህም ይርእዩ፡ ናይ ስደትን ማንም ቁሊሕ ዘይብለካ ናይ መጻእተይናነት ናይ ዝፈጥረሎም ስቓይ ተመካርያን ይዀኑ

ክቡራት መንእሰያት

ስለ እቲ ምዉቕ ኣቀባብላኹም፡ መዝሙራትኩምን ንምስክርነት ሊስበልን ታኡሪን ሚርኮን አመስግን፡ ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኡርማስ ቪልማ ንዘቕረቡለይ ውርዙይ ቃለ ስላምታ የቐንየለይ፡ ኣብዚ ንዝተረኽቡ ናይ ኢስቶኒያ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲኢያን ኣቦ መንበር ናይ ኤስቶኒያ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳሜ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንድረስ ፖደርን ኣብ ኢስቶኒያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፐ ዩርዳንን ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኢስቶኒያ ወከልቲ አመስግን ቢሎም ኣብቲ ድሕሪ እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ዝቐረበሎም ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባ ኣስዒቦም ኣብቲ ብሓባር ምዃን ዘሎ ውህበት ውበትን ዘረጋግጽ ዝለገስዎ ቃል፥

ኣብዛ መሬት ተጓዓዝቲ ነጋድያን ምዃንና ንኸነስተውዕል እንተንጽዕር ልብና ከፊትና ነቲ ኣብዚ ጉዕዞ’ዚ መካይድትና ንዝዀነ ብዘይ ስኽፍታን ምጥርጣርን እቲ ብሓቂ እንደልዮ፡ ሰላም ኣብ ቅድሚ እቲ ኣምሳልን ኣርኣያ እግዚኣብሔር ጥራሕ እናማዕደውና ብእማኔ ምስ ተቐበልናዮ ነርና።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሰላም ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፥ ዕለት ብዕለት ዝሕነጽን ኣብ ካልኦት ምትእምማን ማለት እዩ፡ እዚ ጉዕዞ’ዚ ምስ ኣማኒያን ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ካልኦት እውን ክትጓዓዞ ኣዩ ዝግብኣካ፡

ናይ ጐይታ ሰዓቢ ኴይንካ ምንባር

ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት፡ ኣክዲ ምስማዕን ጽን ምባልን እቲ ሓድሽ ትውልዲ ብዘቕርቦ ሕቶ ንኽሕተታን ብርሃን ኣእምሮ ንኽርኽባን ዝፍትና ክዛረባን ክመኽራን ይጓየያ፡

እቲ ትደልይዎ ንፈልጦ ኢና፡ መሰነይታ ክትረኽቡ እምበር ብዝፍርሑ ወለድን ብኻልኦት ንኽትፍረዱን ዘይትደልዩ ምዃንኩም ንፈልጦ ኢና፡ … ድኻምነቱ ዘየፍርሖ ልክዕ ከምቲ ሰራሕ መሬት ነቲ ዝሰረሖ ዕትሮ ኣኽቢሩ ዝዕቅብ፡ ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ክብለኵም ዝደልዮ ትነብዑ እንተድኣ’ሊዅም ምሳኹም ክንነብዕ፡ … ኣብ ሓጐስኩም ሱታፌ ገይርና ምሳኹም ኰይና ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ኣብ ምዃን ክንሕግዘኩም ድልየትና እዩ፡

ኢየሱስ ኣብ ዘለሉ ወትሩ ሕዳሴ ኣሎ

ከምዝሓበርክምዎ መንእሰይ ንናይ ህልውናኡ ሕቶ መማኽርቲ ከምዘይኰንና ስለ ዝግምቱና ካባና ዝሓትዎ ምንም ነገር ከምዘይብሎም ይዀኑ፡ ገሊኣቶም እውን ብግህዶ በጃካ ሰላም ሃበኒ ይብሉ፡ ረሓቐለይ ማለት እዩ፡ ስለምንታይ ህላዌ ቤተ ክርስቲያን ከም ጽያፍን ቀጨውጭው ዘብልን ኰይኑ ስለ ዝስምዖም፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ናይ ወሲብን             ናይ ኤኮኖምን ዓመጽ ስለ ዝዓንቀፎምን ኣንጻር እዚ ገበን’ዚ ግቡእ ስጉምቲ ክውሰድ ስለ ዘይርኣዩ እዩ፡ ናይ መንእሰይ ሻቕሎትን ሕቶን መልሲ ንምሃብ ብቑዕ ምስንዳው ስለ ዘይግበር እውን እዩ …

ይኹን ደኣ እምበር ንኢየሱስ ኣብ ማሕጸን ማሕበረ ክርስቲያን ካም ምድላዩ ሓደራ ኣትብኰሩ፡ ስለምንታይ ኢየሱስ ኣብ ዘለሉ ወትሩ ሕዳሴ ስለ ዘሎ፡ ናይ ምልዋጥ ዕድልን ጸጋን ኣሎ፡ ኩሉ ነቲ ካብኡን ካብ ኣሕዋትናን ዝፈልየና ንድሕሪ ንሕደግ፡ ኢየሱስ ኣብ ዘለሉ ሕይወት ወትሩ መቕረት መንፈስ ቅዱስ ይህልዎ፡ ሎሚ ንስኻትኩም እቲ ናይ ኢየሱስ ዕጹብነት ክዋኔ ኢኻትኩም።

ፍቕሪ ኣይሞተን

ፍቕሪ ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ኣይሞተን፡ ወትሩ ይጽውዓናን ይዕድመናን፡ ልብና ክንከፍት ጥራሕ እዩ ዝሓትተና፡ ብዙሓት መንእሰያት ናይ ወለዳቶም ፍቕሪ እቲ ኣብ መንጐ ወለዳቶም ዝነበረ ፍቕሪ ክቕህም ይርእዩ፡ ናይ ሰብ ሓዳር ፍቕር ክቕህም ይርእዩ፡ ናይ ሓደስቲ መራዑት ፍቕሪ እውን ክቕህም ይርእዩ፡ ናይ ስደትን ማንም ቁሊሕ ዘይብለካ ናይ መጻእተይናነት ናይ ዝፈጥረሎም ስቓይ ተመካርያን ይዀኑ፡

ፍቕሪ ዝሞተ ዘምስል ኵነተ፡ ከምኡ ከምዘይኰነ ግና ክንፈልጦ እዩ ዝግብኣና፡ ክንብሎን ከነበስሮን ብሓጺር ቃልን ብነኣሽቱ ተግባራትን እንገልጾ እዩ። ኢየሱስ ሰናይ እናገበረ እዩ ዝሓለፈ፡ ክመውት ኣንከሎ እውን ካብ ብዙሕ ቃል ናይ መስቀል ቃል እዩ ዝመረጸ።

ናብ ካልኦት ወንጌል ናይ ዘብጽሕ ሓዋርያነት ጸጋ ንለምን፡ ከትልግሶ እምበር በስገዳድ ከተቕርቦ ኣይኰነን፡ ክርስቲያናዊ ሕይወትና ቤተ መዘክር ገርና ንምባር ኣይፋል ንበል፡ ሕይወት ክርስትና ሕይወት እዩ፡ መጻእነት እዩ፡ ተስፋ እዩ፡ ሕይወትን መጻእነትን ተስፋን እምበር ቤተ መዘክር ኣይኰነን፡ በቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ትጽቢትን ማዕቅፍን ታሪክ ነኸነስተንት መታን ገዛእ ርእስና ንመንፈ ቅዱስ ንሕደግ፡ ከምዚ ምስ ዝኸውን ጥራሕ እዩ ቤተ ክርስቲያንን ኣቢያተ ክርስትያንናን ናይ ጐይታ ኣግራሞት እናአንገዳ ንቕድሚት ከብላ ዝኽእላ፡

የቐንየለይ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣጠቓሊሎም።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን መንእሰያት
25 September 2018, 17:35