ድለ

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ታሊን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርድኡ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ታሊን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርድኡ 

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ታሊን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርድኡ

መንእሰያትን ሕጻናትን ኣብ ዘለውሉ መስዋዕትነት ኣሎ፡ ቅድም ቀዳድም ግና ሓሴትን መጻእነትን ተስፋን ኣሎ፡ ክንየው እቲ ኩሉ መስዋዕትነት መጻእነት ኣሎ። … ስለ ሱታፌን ስለ እቲ ኣብ ቤትና ዝነግስ ፍቕሪ ጐይታ ይመስገን። ኣብዚ ከባቢ’ዚ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘሎ ቍሪ ብሓቂ ብርቱዕ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ሓቀይና ዘማሙቕ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ፍቕሪ ኣይጐደለን፡ ቤት ዘምውቕ ስድራ ቤት ዘምውቕ ፍቕሪ፡

ክቡራትን ክቡራንን ኣሕዋተይ ኣሓተይን

ስለ ዝገበርኩምለይ ኣቀባብላ እመስግን፡ ኣብ ማእከልኩም ምርኻበይ ንዓይ ዓቢይን ኣገዳስን እዩ፡ ስለ ምስክርነትኩምን ስለ እቲ ኣብ ልብኹም ዘሎ ምስና ስለ ዘካፈልክምዎ የቐንየለይ።

ቅድሚ ኩሉ ማሪና ንኣኽን ንኽቡር በዓል ቤትክን ንዘስማዕክምዎ ብርቱዕ መስዋዕትነት ዘኽፍል ሕይወት ምስክርነትኵም የቐንየለይ፡ … መንእሰያትን ሕጻናትን ኣብ ዘለውሉ መስዋዕትነት ኣሎ፡ ቅድም ቀዳድም ግና ሓሴትን መጻእነትን ተስፋን ኣሎ፡ ክንየው እቲ ኩሉ መስዋዕትነት መጻእነት ኣሎ። … ስለ ሱታፌን ስለ እቲ ኣብ ቤትና ዝነግስ ፍቕሪ ጐይታ ይመስገን።

ኣብዚ ከባቢ’ዚ ኣብ እዋን ክረምቲ ዘሎ ቍሪ ብሓቂ ብርቱዕ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ሓቀይና ዘማሙቕ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ፍቕሪ ኣይጐደለን፡ ቤት ዘምውቕ ስድራ ቤት ዘምውቕ ፍቕሪ፡ … ጸገም ኣሎ ይኹን ደኣ እምበር ንቕድሚት ብሓባር ናይ ምባል ጽቡቕ ድላይ ምንባር፡ እዚ ዘይጭበጥ ረቒቕ ጭባቔ ምጭውና ዘይኰነስ እቲ ናትኩም እውነተይና ምስክርነት ሕይወት እዩ።

ናይተን ደናግል ምስክርነት እውን፡ ካብ ገዛእ ርእሰን ወጺኤን ናይቲ ብጻይነትን ቀረባነትን ምስክርነት ዝዀነ እግዚኣብሔር ብዘይ ምቍራጽ ናይ ዝዝርግሖ ኢድ ምልክታ እያተን፡

ጣዕምን ምሾትን ሓዲጉ ናብ ወሰናስን ህልውናን ከተማታትን ንምባል ዘይፈርሕ እምነት ነቲ መምህር ኣብ ዮሓስንስ ወንጌል ምዕ. 13.34 ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩዅም ንሓድ ሕድኩም ተፋቐሩ፡ ዝብል ጽዋዔኡ ዝነብር እዩ። … ሓላይን ክብርን ዝፈልጥ ፍቕሪ።

ወንጌላዊ ልኡኽ ዝብል እምነት ኣብዘን ደናግል ንርእዮ ..

ቭላድሚር ዘሳተፈና ታሪኹ፡ ልብን ኣብ ኩሉ ኩነትን ህሞትን ሰናይ ምርኣይ ኣባኻ ዘበራበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ረኺብካ፡ ጐይታ ከይደለኻዮ ዝደልየካ ምዃኑ ሉቃስ 15.22፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ ካትም ኣብ ኣጻብዑ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ውደዩሉ ዝተበሃለልካ ኢኻ፡ እዚ እቲ ጐይታ ንምርጻቱ ዘቕርቦ በዓል እዩ፡ ናይ ጐይታ ዓቢይ ሓጐስ ዳግማይ ኣብ ምውላድና እዩ፡ … ኣብ መንጐኹም ምትእስሳር ቀጻሊ ይዅን፡ ናብ ወሰናስን ወጺእኩም ነቲ ኣብ ወሰናስን ዘሎ ኣባል ስድራ ቤት ኢኻ ንምባል። እቲ ትማሊ ደቀ መዝሙር ዝጸውዔ ኢየሱስ ሎሚ እውን መንግስቱ ከቕርብን ክዘርእን ይጽውዕ ኣሎ፡  ኣብ ታሪኽኩምን ሕይወትኩምን ኣብተን ረድኤት ዘቕርባ ኣእዳውኩም እቲ ንስኻትኩም እትነብርዎ ሓቅነት ንኽተቕርቡ እማኔኡ የንብር ኣሎ፡ .. ግዜኹም ስለ ዝሃብኩምኒ የቕንየለይ፡ ቡራኬይ አቕርበልኩም፡ ስለምንታይ ጐይታ ኣባኹም ብኣእዳውኩምን ኣቢሉ ተኣምራቱ መታን ከስፍሕ፡ ሓደራኹም ስለይ ምጽላይ ከኣ ኣይትዘንግዑ፡ ኢሎም።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ታሊን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርድኡ

Photogallery

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስቶም ኣብ ታሊን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝርድኡ
25 September 2018, 17:38