ድለ

Papa Francesco e lavoratori Papa Francesco e lavoratori 

ቅዱስ ኣቦና፥ እውነተይና ሃብቲ ገንዘብ ዝርከብ ብዝፈጥሪ ክቡር ስራሕን ናይ ስራሕ ዕድልን እዩ

ምክያድ ኤኮኖምን ሃብቲ ገንዘብን ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ምኽባር ከባብን እንገዳ ንስደተይናታትን ዝብል ኵሉ በቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መፋጥርቲ ዝዀነ ስነ ምግባር ዝሓልፍ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዘሎና ናይ ዘተ ድላይ ብርቱዕ ድርዀት ክኸውን እንከሎ፡

“መኽሰብ ጥራሕ ምስዓብ ናይ ትካላት ሕይወት ውሑስ ኣይገብርን” ስለዚህ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሕውነትን ዘስርጽ ዕሴታት ስነ ምግባርን ሕንጸት ከምዘድሊ ሎሚ ዕለት 7 መስከረም 2018 ዓ.ም. ንንብብ ኣብ ዝበቕዔ ምስ ናይ ኢጣሊያ ሶለ 24 ኦረ እተሰንየ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ አምሕትት ዝገለጹ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ዝቐትል ኤኮኖሚ ክበሃል እንከሎ ሰብ ምስቲ ኵሉ ሰብኣዊ ምንቅስቓሳቱ ዘየማእክል ኤኮኖሚ ማለት ምዃኑ ብሰፊሕ ተንቲኖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ምክያድ ኤኮኖምን ሃብቲ ገንዘብን ሓድሽ ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን ምኽባር ከባብን እንገዳ ንስደተይናታትን ዝብል ኵሉ በቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መፋጥርቲ ዝዀነ ስነ ምግባር ዝሓልፍ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ዘሎና ናይ ዘተ ድላይ ብርቱዕ ድርዀት ክኸውን እንከሎ፡

ሓደ ናይ ሓባራዊ መበቆል ዝዀነ ሓደ ሓባራዊ መበቆላዊ ተራኻብነት ዘሎና ምዃንናን እዚ ኸኣ ብሓባር ናይ ሓባር መጻኢ ምሕናጽ ከምዝግብኣና ዘመላኽት ሕልና ክኸውን እንከሎ እዚ ሕልና’ዚ ዝጐደለ ወይ ከኣ ዝዓረበ እዩ ዝመስል፡ ስለዚህ ነቲ ናይ ሓባር ሕልና ምስትውዓልን ኣፍልጦ ምሃብን ብስሩ ሓደስቲ እምንቶታትን ሓድሽ ኣቀራርባን ሓድሽ ናይ ሕይወት ኣገባብ ክምዕብል የኽእል። እቲ ናብ መኽሰብ ጥራሕ ዘብልን እቲ ኣብ ትግባረ መኽሰብ ኣይፋል ዝብልን እቲ ነቲ ንጥፈታት ንምቛም ሰፊሕ ባይታ ዝህብ ብሳልሳይ ጨንፈር ዝግለጽ (ናብ ዕዳጋ ዘየዘንበለን ናይ መንግስቲ ዘይኰነን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ርስቲ) መንጐ ብትኽክል ዘሎ ዶባዊ ፍልልያት ክስገር ዝገብር ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መሳንይቲ ዝዀነ ስነ ምግባር ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ።

ገንዘብ ዝስሙ ጣዖት

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ኤኮኖሚ ዝቐትል እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ካብ ዘይምምእካልን ንገዛብ ጥራሕ ካብ ተኣዛዚ ምዃን ዝነቐለ ድማ እዩ፡ ገንዘብ ምርካብን ምፍጣርን ጥራሕ ቀዳማይን እንኰን ተበጻሒ ወይ ከኣ ሸቶኡ ዝገብር ማለት እዩ። ዝበሉ ቅዱስነቶም እቲ ድኽነትን ጊልያነትን ንጹልነትን ከመይ ገይሩ ቅርጻዊ ይኸውን ከምዘሎ እንክትንትኑ፡

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣክንዲ ጭቡጥ ኤኮኖሚ ምንቅስቓስ ገንዘብ ጥራሕ ማእከል ዝገብር ከይዲ ኤኮኖሚ በጋጣሚ ዝተበጽሔ ኣይኰነን፡ ሃብቲ ገንዘብ ብገንዘብ ክጠሪ ኣለዎ ዝብል ብድሕሪት ኰይኑ ነዚ ጉዳይ ኣብ ምርግጋጽ ዝዓዪን ነዚ ጉጉይ ኣካይዳ እዚ ዝመርጽ ንምኽዋኑ ስህቅንን ኣካል ኣሎ። እቲ ክዉን ገንዘብ ብስራሕ እዩ ዝፍጠር፡ እቲ ሰብኣዊ ክብሪ እምበር ገንዘብ ብልጫ ዘይህብ። ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳ እውን ከይተረፈ ዘጥቕዕ ዘሎ ስእነት ስራሕ ናይቲ ዝረኣይ ዘሎ ስራሕ ክፈጥር ዘይኽእል ኤኮኖሚ ሳዕቤን እዩ፡ ስለምንታይ ከም ጣዖት ዝምልከኽ ገንዘብ ማእከል ስለ ዝገበረ።

ስራሕ ዝፈጥር ስራሕ

ሓደ ወናኒ ትካል ወይ ኣዋፋሪ ሃብቲ ገንዘብ ንትካሉን ንኻልኦትን ዕሴታት ዝፈጥር ክኸውን ካብቲ ዝርከበሉ ማሕበረሰብን ካብቲ ዝዓየሉን እዩ ዝነቅል፡ ስለዚህ ነቲ ጭቡጥ ዝዀነ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣቃልቦ ምግባርን እዚ ማለት ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ዝግብእ ምሃብ ይግባእ፡ ኣቦን ኣደን ስድራ ካብቲ ንውላዶም ተስፋ ንምሃብ ዘይምኽኣሎም ከምኡ እውን ኣብ ህልው ኩነት እውን ከይተረፈ ተስፋ ከቕርቡ ዘይምእኻሉ ካብ ዝፈጥረሎም ጭንቀት ክላቐቑ ምድጋፍ የድሊ።

ማለት መሪሕካ ምኽኣልን ጽን ምባልን ብትሕትናን ምትእምማንን ሓሳብን ምክፋል፡ ስራሕ ካልእ ስራሕ ክፈጥር ከምዝኽእል ምግባርን ሓላፍነት ካልእ ሓላፍነት ዝፈጥርን ተስፋ ካልእ ተስፋ ክፈጥርን ብፍላይ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሕ ተስፋ ዘድልዮ ንሓድሽ ወለዶ። ስለዚህ ናይ ሓባር ጥቕሚ ብሓባር ንምርግጋጽ ንሓድሽ ሰብኣውነት ብሓባር ምዕያይን ንሰብኣዊ ሕይወት ዘይግባእ መኽሰብ ጥራሕ ዘማዕድው ወይ ከኣ ናይ ትካል ኰነ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥቕሚ ማዕረ ማዕረ ዝስጉም ምዃኑ ብምስትውዓል ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር ስራሕ ምንቕቓሕን የድሊ።

ኵለንተናዊ ምዕባለ

ምትሕብባር ምምዕባልን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡ ዜጋታት ዘይፈጥር ንድኻታትን ዘይማዕርነት ክወገድ ዝብል ክብሪ ዝግደስ ተግባር ኤኮኖሚ ዘቐድም ሓድሽ ስርዓት ኤኮኖሚ ምኽዋን የድሊ፡ ስለዚህ ትብዓትን ብልሑት መሃዝነት ኣዚዩ የድልየና ምስ በሉ፥

ምክፍፋልን ምስታፍን ኣብ ናይ ምህርቲ ሃብትን ትካላትን ኣብ ከባብታት ክውን ምግባርን ማሕበራዊ ሓላፍነትን ትካላዊ ክብካብን ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ክፍሊት ደሞዝ ማዕርነት ክህሉን ናይ ስራሕን ናይ ሕይወት ግዚያት ምስምማዕን ምስ ምኽባር ተፈጥሮን ከባብን ዝሰማማዕ ስራሕን ሰብ ካብ መሳለጢያ ልዑል ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ምፍላጥን፡ ፍትሓዊ ክፍሊት ደሞዝ ዝብልን ናይ ሕዳሴ ብቕዓትን ዝብሉ ረቛሕታት ናይ ትካል ማሕበራዊ ዓቐን ዓቢይ ግምት ንምሃብ ኣገደስቲ እያቶም፡ ስለዚህ ንኵለንተናዊ ምዕባለ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት ኣገደስቲ እያቶም።

ኤኮኖሚያዊ ትግባረ ናይ ስነ ምግባር ጭብጢ እዩ

ጥዑይ ኤኮኖሚ ካብቲ ዝምረትን ኤኮኖሚያዊ ትግባሬን ዘይንጸለ ማለት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ማለት ከኣ ኤኮኖሚያዊ ትግባረ ናይ ስነ ምግባር ጭብጢ ምዃኑ የመላኽት።

ግብርን ሓላፍነትን ፍትሕን መኽሰብን ምህርቲ ሃብትን ምክፍፋልን ንጥፈታውነትን ምኽባር ተፈጥሮን ፍጥረትን ከባብን ዝብሉ ረቛሒታት ግምት ምሃብ ንገዛእ ርእሱ ንናይ ኤኮኖሚያዊ ትካል ኣብ ግዜን ቦታን ውሕስነት እዩ።

ስነ ምህዳራዊ ዓቐን ዘለዎ ምዕባለ ንምርግጋጽ ገና ብዙሕ ክስራሕ ከምዘለዎ

በዚ መንጽር’ዚ ትካል ዝብል ጭቡጥ ነገር ዘለዎ ትርጉም ሰፊሕ ይኸውን፡ መኽሰብ ጥራሕ ምባልን ደድሕሪ መኽሰብ ምምራሽን ንናይ ሓደ ትካል ሕይወት ዝውስን ምዃኑ ንኸስትውዓል የብቅዕ። እዚ ኸኣ ናይ ኤኮኖሚ ኣካላትን ሰብ ሙያ ኤኮኖምን ናይ ድኻታት ኣውያት ምስማዕ ዘይከኣሎም ከይኮኑ ይገብር። ስለዚህ ካብ ዕደ ጥበባዊ ሕንጸት ክንየው ኣብ ሓደ ትካል ናይቲ ምትሕብባርን ስነ ምግባርን ፍትሕን ክብርን ተቐባልነትን ሓሳብን ሰራሕተይናነት ዘሀብትምን ኣብ ዝብሉ ዕሴታት ሕንጸት እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ገሊጾም፡ ንሓደ ስነ ምሕዳራዊ ዓቐን ዘለዎ ምዕባለ ብምስትውዓል ዝተፈላለዩ ተግባራት ብምስምማዕ ማለት ፖለቲካን ባህልን ማሕበራውነትን ምህርታውነትን ምርኻብ የድሊ፡ እዚ ንምኽዋን ብሓቂ ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

ሓደ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምክፋል (ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ጉዕዞ ምርኻብ)

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ ድኻታት ኣውያት እናሓሳቡ፡ ድኻታት ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ ጣዕሚ ዝነበር ሕብረተሰብ ፍርሒ እዮም ዝፈጥሩ፡ ስለዚህ ብዝሁነትን ፍልልያትን ካብ ምእንጋድ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ከም ሓደ ስድራ ቤት ካብ ምሕሳብ ወጻኢ ካልእ ሰላም ዝዓሰሎ መጻኢ ኩነት ምፍጣር ዘይከኣል እዩ። ኣተሓሒዞም እውን ስደተይናታት እናሓሰቡ፡ ጸኣት ስደተይናታትን ንኹሉን ንኹላትናን ዓቢይ ብድሆ እዩ፡ እቲ ዝፍጽምዎ ጉዕዞ እውን ብሓባር እዩ፡ ስለዚህ ብተስፋ ተኻፊልካ ምንባር ከፍርሓና የብሉን።

እቶም ናብ መሬትና ዝመጹ፡ ንሳቶም ናብ መሬትና ክመጹ ኣንሕና ከኣ ናብ ልባቶም ክንጓዕዝ እዩ ዝግብኣና፡ እዚ ናብ ልባቶም ምባል ከኣ ህልው ኩነታት ከይዘንጋዕና ክንርድኦምን ምስ ባህሎምን ቋንቋኦን ንኽንላለይን የብቅዓና፡ እዚ ኸኣ ክፉት ዓለም ማዕጸዋ ክፉት ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን ዝብልን ዘዋህድን ዘይንጽልን ዘእንግድን ምልክታ እዩ። ንዅሉ ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ተቛዳስነት እትሓቍፍ ኣደ ዝዀነት ቤተ ክርስቲያን።

ናይ ስራሕ ክብርን ቅኑዕን ደሞክራሲያውን ሕብረተሰብን

ናይ ዶባት መዓጹኻ ንስደተይናታት ምኽፋት ዘይድግፉ ሕዝባውነታውያን ተባሂሎም ዝግለጹ ኣብ ኢጣሊያን ካብ ኢጣሊያ ወጻኢ እውን ተቐባልነት ዝረኸቡ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ናይ ኤውሮጳ ኣመለኻኽታ ክኸውን ኣለዎ ናብ ዝብል ድራኼ ናሓሰቡ ቅዱስነቶም ይብሉ፥ ብዙሓት ሰብ ትካላትን ከምኡ እውን እቲ ትብዓትን ብልሓተይናውነትን ዝጐድሎም ዘሎ ናይ ኤውሮጳ መንግስታውያን ተቕዋማት ኣውን ከይተረፉ ነቶም ካብ ሓሳርን መከራን ውግዓን ዓመጽን ጥምየትን ዘምልጡ ሰባት ምጥማት የድሊ፡ እዚ ኸኣ እቶም ስደተይናታት ኣብ ሃገሮም ባህላውን ቅርጻውን ከምኡ እውን ናይ ስራሕን ዕድል ክፈጥር ዝኽእል  ናይ ምዕባለ ሕንጸትን ትምህርትን ክረኽቡ ምድጋፍ የድሊ፡ ናይተን ድኻታት ሃገራት ጥቕሚ ብምሕሳብ፡ ነቶም ናይዘን ሃገራት ዜጋታት ናይ ስራሕ ክብርን ቅኑዕን ደሞክራሲያውን ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ዝድግፎም እወታዊ ማሕበራዊ ምትእስሳር ክፈጥሩ ምድጋፍ ይግባእ።

ንዝቕርብ ናይ ረድኤት ሕቶ ዝተውሃቦ መልሲ ዋላ’ኳ ካብ ለጋስነት ዝነቐለ እውን እንተዀኑ እዅሉ ኣይኰነን፡ ሎሚ እውን ብዙሓት ስለ ዝሞቱን ዝሞቱን ዘለዉ ብዙሓት ይነብዑን ኣብ ሓዘንን ይርከቡን ኣለዉ፡ ብዙሓት ሃገራት ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምዃን መሪጸን ኣብ ሱቕታ ዘለዋ ይመስላ፡ ናይ ኣደባባይ ሱቕታ፡ ናይቲ ከምኡ እዩ ዝግበር ነሩ ካብ ዝብል ዝነቕል ሱቕታ፡ ዘራኽብ የብልናን ካብ ቀደም ከም ጸላእቲ ኢና እነረአአይ ዝነበርና ቢሉ ኣብ ዝሓስብ ሱቕታ ምንባር ይረአይ። ጐይታ ምሉእ ዕረፍትን ቅሳነትን ነጻነት ንኹሎን ነቶም ዝተረግጹን ዝተዓፈኑን ከምጽእ ምዃኑ ቃል ኣትዩ እዩ፡  እቲ ቃል ዝኣተዎ ስልጡ ክኸውን ግና ኣንሕና ነድልዮ ኢና፡ ኣሕዋትና ዘድልዮም ኩሉ ንኽንርእይ የዕንትና የድልዮ፡ ንረድኤት ዝበጽሓ ኣእዳውና የድልዮ፡ እቲ ብሱቕታ ዝፍጸም ኣብ ገለ ገለ እዋን እውን ሱቕ ቢልና ብምርኣይ ዘይቀጥታዊ ተሓታትነት ዘለዎም ናይ ዝገብርና ኢፍትሓውነት ዝኹንን ዘውግዝን ድምጽና የድልዮ እዩ፡ ልዕሊ ኵሉ ጐይታ ነቲ ንዝተናዕቁን ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ንኡሳንን ንጹጋትን ዝተጠንጠኑን ስደተይናታትን ናይ እግዚኣብሔር መሓሪ ፍቕሪ ንኽንገልጽ መታን ነድልዮ ኢና።

ምውህሃድን ሰብኣዊ ዓቐን ዘለዎ ክቡር ድጋፍ

ስደተይናታት ብወገኖም ናይ ዘእንገድሉ ሃገር ባህልን ሕግን ስርዓትን ከኽብሩ ይግባእ፡ እዚ ኸኣ እቲ ተወሃሂድካን ተላሊኻን ንምንባር ዝግበር ምፍርራሕን ጭንቀት ንዘወገደ ጉዕዞ ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር።

ንብዙሓት ነቶም ሓገዝ ንዝሓትቱ ኣሕዋት ዓቐን ሰብኣዊ ክብሪ ዘለዎ እንገዳ ንኸቐርብ እዚ ኹሉ ሓላፍነት’ዚ እውን ንናይ ሃገራት መንግስታት ኣስተውዖሎን ጥንቃቔን የወክፍ፡ ኵለንተናዊ ምውህሃድን ምስ ሰብኣዊ ክብሪ ዝመጣጠን እንገዳን ገዛእ ርእሶም ክኢሎም ክነብርሉ ዘኽእሎም ኩነት ብምፍጣር ዝተወሰኑ ምቕባል፡ ኩለን ሃገራት ኣውን ከምኡ፡ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ንዘንቅሳቕሱ ኣተኵሮ ክገብራ ኣለወን፡ ምእንጋድ ቀሊል ከምዘይኰነ ግና ፍሉ እዩ፡

ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና፥ እውነተይና ሃብቲ ገንዘብ ዝርከብ ብዝፈጥሪ ክቡር ስራሕን ናይ ስራሕ ዕድልን እዩ
08 September 2018, 09:07