ድለ

ለውሃት እግዚአብሔር ንናኣሽቱን ድኻታትን ግለጻ! ር.ሊ.ጳ ዉፉይ ሕይወት ንዝመረጻ መበለታት!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 6 መስከረም 2018ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ኣብ ኣደራሽ ጉባኤ ኮንቺስተርዮ ዓለም ለኸ ጉባኤ ብዛዕባ እተን ድሕሪ ሞት በዓልቤተን ሕይወትን ብመንግዲ ውፉይ ሕይወት ንከገልግላ መብጽዓ ዝገበራ ሰብውፉይ ሕይወት መበለታት ብዝብል ስም ዝፍለጣ ካብ መላእ ዓለም ተኣኪበን ክዝትያ ንዝቀነያ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡብሉ ‘ስለእቲ ንዓለምና ብዛዕባ ፍቅሪ እግዚአብሔር እትህቦኦ ምስክርነት አመስግነክን’ እንብሉ ልባዊ ምስጋናኦም ንአኣንስ ይኹን ነዚ ንዘሰናደው ገሊጾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ሕይወት ብዙሕ ግዜ ውድቀትን ጥፍኣትን ዕንወትን ዝመስል ናይ እግዚአብሔር ፍሉይ ጸዋዕታ ምልክት ዝኾነሉ ፍጻሜታት ቈጺርካ ኣይውዳእን። ቅዱስነቶም ነዘን ብሓዲስ ናብ እግዚአብሔር ተወፍየን ኣገልግሎትን ንእግዚአብሔርን ንሕዝቡን ዘወፍያ ዘለዋ ምሥጢሩ ከምዚ ክብሉ ገለጹለን።

“ሞት በዓል ቤትክን ፍሉይ ጸዋዕታ እግዚአብሔር ከምዘሎ ንክተለልያ ኣኽኢሉክን፣ እዚ ከኣ ስለፍቅሩ ዝተረፈ ሕይወትክን ንኣኡ ብፍቅሪ ክተወፍያ ኣኽኢሉክን። ታሪኽ ናይዚ ወፈያዚ ኣብ ሰበኻ ሮማ ካብ ግዜ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝተመሥረተ ኮይኑ እተን ነዚ ሕይወት እዚ ዝመርጻ መበለታት ነታ ምልክት መንግሥቲ እግዚአብሔር ኣብዚ ምድሪ እዚ ዝኾነት ዝተረፈ መዋዕል ሕይወትካ ብምሉኡ ብንጽሕና ንክትነብር ብመብጽዓ ምውፋይ ንጸሎትን ንኣገልግሎት ቤተክርስትያንን ከምተወፈኻ ዘመልክት ነበረ። ንስኽን ከኣ በዚ ወፈያኽን ብጸጋ እግዚአብሔር ተሰኒኽንን ተደጊፍክንን ብቤተክርስትያንን ኣገልግልታን እናተሓገዝክን ንሓላፍነታት ስድራቤታትክንን ሥራሕክንን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎታትክንን ብተኣማንነት እናፈጸምክን ብምኽርታት ወንጌል ክትነብራ የኽእለክን። እዚ ወፈያኽን ጐይታ ንቤተክርስትያኑ ዘወፍዮ ጸጋ ኮይኑ በዚ ከኣ ንኩሉ ዝተጠምቁ ዘበሉ ብሓይሊ ናይ ምሕረት ፍቅሩ ተደጊፎም መንገዲ ቅድስና ክመርጹን እዚ ከኣ ብተስፋን ታሕጓስን ወንጌል ዳግም ተወሊዶም ንዝመጽእ ፈተና ኩሉ ከሸንፉሉ ዝኽእሉ ጸጋ ይዕድሎም። ሃየ እምበርከስ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓደ ኰንክን ተወሃሂድክን ኣብ ብሑቕ እዚ ዓለም እዚ መባዂዕቲ ብምዃን ነቶም ብጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዝመላለሱ ዘለዎ ብርሃን ኩና። በዚ ሕውነታዊ ሕይወትክን ኣብ ማሕጸን ማሕበረሰባትኩም በታ ዘላትክን ተኣፋፊት ተመኲሮ ንናኣሽቱን ድኻታትን ጥቃኦም ክትኮና ኣሞ ንለውሃት እግዚአብሔር ብፍቅሪ ዘለዎ ቅርበትን ኣርእያኦም` እንክብሉ ተልእኾአን ገሊጾምለን።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
06 September 2018, 18:28