ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ኣብ ኢንዶነሽያ ብርዕደ መሬት ናይ ሞትን መቊሰልትን ሓደጋ ዝወረዶም ይጽልዩ!

ብ7.5 መዔቀኒ ረኽተር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ደሴት ሱላወሲ ሃገረ ኢንዶነሽያ ብዘጋጠመ ርዕደ መሬትን ዝሰዓበ ሱናሚን ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ጸብጻብ 844 ከምዝሞቱን ብዙሓት ከምዝቈሰሉን እንክምልከት እት ቁጽሪ ሙታት ገና ከይድይብ ስግኣት ኣሎ። ቅዱስነቶም ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ስለ ሕዝቢ ኢንዶነሽያ ከምዝጽልዩ ምስቶም ምእመናን ብሓባር እውን ከምዝጸለዩ ተመልኪቱ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝተሰምዖም ጓህን ስለ ሕዝቢ ኢንዶነሽያ ከምዝጽልዩን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ብምንቅጥቃጥ ባሕሪ ኣብ ኢንዶነሽያ ደሴት ሱላወሲ ንዝተጐድኡ ሕዝቢ ቅርበተይ እንክገልጽ! ስለ እቶም ዝሞቱ ብዘሕዝን ከኣ ብዙሓት ዝኾኑ እግዚአብሔር ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ስለ እቶም ዝቈሰሉን ገዛውቶምን ዘለዎም ንብረት ኩሉ ዘጥፍኡን ምጽንናዕን ሓገዝን ክረኽቡ እንክጽሊ። እግዚአብሔር ንኩሎም ምጽንናዕ ክህብ ነቶም ክሕግዙ ላዕሊ ታሕቲ ዝብሉ ዘለው ከኣ ይደግፍ።”

ካብቲ ቦታ ዝውሕዝ ዘሎ ዜናታት ከምዝገልጾ ልዕሊ 800 ዓድታት በቲ ሽድሽተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ብሱናሚ ዝፍለጥ ካብ ባሕሪ ዝነቀለ ማይ ከምዝተሃስየን ገና እኹል ጸብጻብ ክርከብ ከዘይተኻእለን ይሕብሩ።

ናይ ሰበኻታት ማናዶን ማካሳርን ካሪታስ ዝተኻእሎም እኳ ይገብሩ እንተለው ገገሊኡ ቦታ ክትበጽሖ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ኮይኑ መራኸቢ ኩሉ ተበታቲኹ ጽርግያስ ይኹን ተለፎንስ ይኹን ገና ብግቡእ ይሰርሕ ስለዘየሎ ምስተን ቊምስናታት ክራኸቡን ክዋስኡን ከምዝተጸገሙ እውን ጠቂሶም።

ናይ ሃገረ ጣልያን ካሪታስ ሚእቲ ሺሕ ኤውሮ ንሓገዝ እንከወፍዩ ከም መግለጺ ዳይረክርተር ካሪታስ ሃገረ ኢንዶነሽያ ኣባ ባኑ ኩርንያንቶ ናይ ሙታን ቁጽሪ ክብ ክብል ከምዝኽእል ጠፊኡ ዘሎ ንብረትን ኣብ ኩሉ ኩሉ ዝወረደ ዕንወትን ዓቢ ከምዝኸውን ዘለዎም ስግኣት ኣይሓብኡን። 

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
30 September 2018, 13:11