አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ዝተሰምዖም ጓህን ስለ ሕዝቢ ኢንዶነሽያ ከምዝጽልዩን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ካብቲ ቦታ ዝውሕዝ ዘሎ ዜናታት ከምዝገልጾ ልዕሊ 800 ዓድታት በቲ ሽድሽተ ሜትሮ ዝንውሓቱ ብሱናሚ ዝፍለጥ ካብ ባሕሪ ዝነቀለ ማይ ከምዝተሃስየን ገና እኹል ጸብጻብ ክርከብ ከዘይተኻእለን ይሕብሩ።
ናይ ሰበኻታት ማናዶን ማካሳርን ካሪታስ ዝተኻእሎም እኳ ይገብሩ እንተለው ገገሊኡ ቦታ ክትበጽሖ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ኮይኑ መራኸቢ ኩሉ ተበታቲኹ ጽርግያስ ይኹን ተለፎንስ ይኹን ገና ብግቡእ ይሰርሕ ስለዘየሎ ምስተን ቊምስናታት ክራኸቡን ክዋስኡን ከምዝተጸገሙ እውን ጠቂሶም።
ናይ ሃገረ ጣልያን ካሪታስ ሚእቲ ሺሕ ኤውሮ ንሓገዝ እንከወፍዩ ከም መግለጺ ዳይረክርተር ካሪታስ ሃገረ ኢንዶነሽያ ኣባ ባኑ ኩርንያንቶ ናይ ሙታን ቁጽሪ ክብ ክብል ከምዝኽእል ጠፊኡ ዘሎ ንብረትን ኣብ ኩሉ ኩሉ ዝወረደ ዕንወትን ዓቢ ከምዝኸውን ዘለዎም ስግኣት ኣይሓብኡን።