ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ኣሕዋት ዓባሳትን ጸማማትን ኣይንዅን
ንድላያት ኣብ ስቓይን ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ገዝእ ርእስና ንኽፈተሎም ደኣ እምበር ኣይንነጸወሎም፡ ከም ሽግር ኣይንርኣዮም፡ እዚ ምስ እንገብር ከምቲ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ምንባብ (ብላቲን ስርዓት ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 31 – 37) ዘዘንትዎ ተኣምር ተሳተፍቲ ንኸውን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 መሰከረም 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅድርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ እዩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለት 9 መስከረም 2018 ዓ.ም. ሰንበት ዝተነበ ወንጌል ኢየሱስ ዓባስን ጸማምን ሰብ ከም ዘሕወየ የዘንትው፡ እዚ ኢየሱስ ዝፍጽሞ ተኣምር ካብ ሕማምን ተሓርጐነትን ዝፍውስ እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት እውን እዩ፡
ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ሰናይ ተግባር ምፍጻም
ወንጌላዊ ማርቆስ ከምዘዘንትዎ፡ ሕዝቢ ሓደ ጸማምን ዓባስን ሰብ ኢየሱስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከባቢ ባሕረ ገሊላ እናተጓዕዘ እንከሎ ብኣንቦሮ ኢድ መታን ክፍውሶ ኣብ ቅድሚኡ የቕርብሉ፡ ኢየሱስ ግና ነቲ ሰብኣይ ንበይኑ ሒዙ ካብቲ እኩብ ሕዝቢ ፈልዩ ይወስዶ፡ እዚ ኸኣ ሰናይ ተግባር ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ክፍጸም ከምዘለዎ ንከርድእ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ይትንትኑ።
ኢየሱስ ቀረባ ንኣናን ሕቡር ምስ ኣቡኡን
ቅዱስ ኣቦና፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፍጽሞ ትኣምር፡ ኢየሱስ ንሰብ ቀረባን ሕቡር ምስ እግዚኣብሔርን ምዃኑ ዘረጋጹ ተግባራት ነስተውዕል ቢሎም “ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ ጡፍ ኢሉ ልሳሉ ተንከዮ” ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸኣ ‘ኤፋታ’ ማለት ‘ተኸፈት’ በሎ” ምስ በሉ፥
እቲ ዝሳቐይ ሰብ ጸገም ዘይኰነስ ኩነት እዩ
እቲ ተኣምር ተፈጺሙ እዩ፡ እቲ ዝፈጸመ ተኣምር ኢየሱስ ንኻልኦትን ንዓለምን ክፉት ምዃኑ ዝገልጽ ምዃኑ ቅዱስነቶም ሓቢሮም፡ እዚ ንኣናን ዝስሕበናብ ዝማርኸናን ተኣምር’ዚ ክልተ ዓይነት ፈውሲ የመላኽት፡ እቲ ቀዳማይ ብዙሕ ጊዜ ስነ ምርምር ክበጽሖ ዘይከለ ኣካላዊ ፈውሲ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብቲ ናብ ተነጺልካ ምንባር ዝድርኽ ጐደሎ ብምዃንካ ናብ ሕሩግ ሕይወት ከተብል ዘገድደካ ፍርሒ ምፍዋስ እዩ።
ኣንሕና እውን ተዋሰእቲ ናይ ግብረ ኤፋታ ንኹን
ናይቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተኣምር፡ ነቲ ዓባስን ጸማምን ሰብ ኤፋታ እንክብል ዝፈጸሞ ተኣምር ተዋሰእቲ ንዅን፥
ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ከም ቅድስቲ ድንግል ማርያም እታ ንናይ ጐይታ ፍቅሪ ብምልኣት ገዛእ ርእሳ ክፍቲ ዝገበረት ነቲ ተምተኣምር ኤፋታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምስ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ብሱታፌን ብእምነት ንንበሮ ኢሎም።