ድለ

ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና፥ ኣብ ቅድሚ ስቓይ ኣሕዋት ዓባሳትን ጸማማትን ኣይንዅን

ቅዱስ ኣቦና፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፍጽሞ ትኣምር፡ ኢየሱስ ንሰብ ቀረባን ሕቡር ምስ እግዚኣብሔርን ምዃኑ ዘረጋጹ ተግባራት ነስተውዕል ቢሎም “ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ ጡፍ ኢሉ ልሳሉ ተንከዮ” ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸኣ ‘ኤፋታ’ ማለት ‘ተኸፈት’ በሎ”

ንድላያት ኣብ ስቓይን ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ገዝእ ርእስና ንኽፈተሎም ደኣ እምበር ኣይንነጸወሎም፡ ከም ሽግር ኣይንርኣዮም፡ እዚ ምስ እንገብር ከምቲ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ምንባብ (ብላቲን ስርዓት ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 7 ካብ ፍቕዲ 31 – 37) ዘዘንትዎ ተኣምር ተሳተፍቲ ንኸውን፡ ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 መሰከረም 2018 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅድርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለት 9 መስከረም 2018 ዓ.ም. ሰንበት ዝተነበ ወንጌል ኢየሱስ ዓባስን ጸማምን ሰብ ከም ዘሕወየ የዘንትው፡ እዚ ኢየሱስ ዝፍጽሞ ተኣምር ካብ ሕማምን ተሓርጐነትን ዝፍውስ እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት እውን እዩ፡

ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ሰናይ ተግባር ምፍጻም

ወንጌላዊ ማርቆስ ከምዘዘንትዎ፡ ሕዝቢ ሓደ ጸማምን ዓባስን ሰብ ኢየሱስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከባቢ ባሕረ ገሊላ እናተጓዕዘ እንከሎ ብኣንቦሮ ኢድ መታን ክፍውሶ ኣብ ቅድሚኡ የቕርብሉ፡ ኢየሱስ ግና ነቲ ሰብኣይ ንበይኑ ሒዙ ካብቲ እኩብ ሕዝቢ ፈልዩ ይወስዶ፡ እዚ ኸኣ ሰናይ ተግባር ብዘይ ረኣዩለይን ስምዑለይን ክፍጸም ከምዘለዎ ንከርድእ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ይትንትኑ።

“ኣብዚ ናይ ሎሚ ወንጌልን ኣብ ካልኦት ምንባባትን እውን ኢየሱስ ብስቱርነት ከምዝዓዪ ነስተውዕል፡ ካብ ሕዝቢ ኣድናቖት ከትርፍን ናእዳ ክረክብን ኣይደልን፡ እቲ ዘገድሶ ውሩይነትን ዲልን ዘይኰነስ ሰናይ ተግባር እዩ፡ በዚ ተግባር’ዚ ኣቢሉ እምበኣርከስ ሰናይ ምግባር ብዘይ ዓውታን ረኣዩለይን ስምዑለይን ብጽሞና ዝፍጸም ምዃኑ ይመክር።”

ኢየሱስ ቀረባ ንኣናን ሕቡር ምስ ኣቡኡን

ቅዱስ ኣቦና፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፍጽሞ ትኣምር፡ ኢየሱስ ንሰብ ቀረባን ሕቡር ምስ እግዚኣብሔርን ምዃኑ ዘረጋጹ ተግባራት ነስተውዕል ቢሎም “ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ ጡፍ ኢሉ ልሳሉ ተንከዮ” ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ብርህራሀ ኣተንፊሱ ኸኣ ‘ኤፋታ’ ማለት ‘ተኸፈት’ በሎ” ምስ በሉ፥

“እዚ ተግባር’ዚ ናብ ትስብእቲ የሰንይ፡ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብ ናይ ሰብኣዊ ሓቃዊ ኩነት ህልው ኢዩ። ሰብ ኰነ፡ ስለዚህ እዩ ድማ ናይ ካልእ ሰብ ሓሳርን መከራን ኣዚዩ ክርድኦ ዘኽእሎ፡ ምሉእ ሰብኣውነቱ ኣጸቢሩ ዝዓዪ፡ ኢየሱስ ከረድኣና ዝደለዮ ተወሳኺ ነገር ከኣ ነቲ ተኣምር ዘፈጽሞ ምኽንያት፡ ምስ ኣቡኡ ዘለዎ ሓድነት እዩ። ስለ’ዚ እዩ ድማ ናብ ሰማይ ቍልሕ ዝበለ።”

እቲ ዝሳቐይ ሰብ ጸገም ዘይኰነስ ኩነት እዩ

እቲ ተኣምር ተፈጺሙ እዩ፡ እቲ ዝፈጸመ ተኣምር ኢየሱስ ንኻልኦትን ንዓለምን ክፉት ምዃኑ ዝገልጽ ምዃኑ ቅዱስነቶም ሓቢሮም፡ እዚ ንኣናን ዝስሕበናብ ዝማርኸናን ተኣምር’ዚ ክልተ ዓይነት ፈውሲ የመላኽት፡ እቲ ቀዳማይ ብዙሕ ጊዜ ስነ ምርምር ክበጽሖ ዘይከለ ኣካላዊ ፈውሲ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብቲ ናብ ተነጺልካ ምንባር ዝድርኽ ጐደሎ ብምዃንካ ናብ ሕሩግ ሕይወት ከተብል ዘገድደካ ፍርሒ ምፍዋስ እዩ።

“ብዙሕ ዓይነት ኣገባብ ምንጻል ኣሎ፡ ብሓሶት ሓዛኒ ምምሳል ወይ ከኣ ነቲ ጸገም ብምርሓቕን፡ ንናይ ብዙሓ ሰባት ስቓይ ጸማን ዕውርን ምዃን፡ ኣክንዲ ኣብ ቅድሚ ድኹማት ሰባት ናይ ቡቕባቔን ርህራሄን ናይ ምትሕብባርን ኣጋጣሚ ዝኸውን፡ ብዙሕ ግዜ እቲ ዝሓመመን ኣብ ስቓይን ዘሎን ሰብ ኩነት ከም ጸገም ይረአይ፡”

ኣንሕና እውን ተዋሰእቲ ናይ ግብረ ኤፋታ ንኹን

ናይቲ ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተኣምር፡ ነቲ ዓባስን ጸማምን ሰብ ኤፋታ እንክብል ዝፈጸሞ ተኣምር ተዋሰእቲ ንዅን፥

“እዚ ማለት ከኣ ንናይ ኣሕዋትን ኣሓኣትን ዘድልን ንስቓዮምን ገዛእ ርእስና ካብ ኢጐነን ልብና ካብ ዕጹውነት ናብ ክፉትነት ከብል ምፍቃድ ማለት እዩ፡ ብትኽክል ኢየሱስ ምስ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ብምልኣት ምርኻብን ተራኽቦነትን መታን ክህሉ ማለት እቲ ማእከል ዝኾነ ልቢ ሰብ ከርህውን ናጻ ከውጽእን እዩ ዝመጸ። ሰብ ንሓጢኣት ዓባስን ዕዉርን መታን ክኸውን ኢየሱስ ሰብ ኰነ፡ ነቲ ናይ ፍቕሪ ድምጺ ዝዀነ ኣብ ልብን ንልቢ ሰብን ዝዛረብ ድምጺ እግዚኣብሔር ጽን መታን ክብልን በዚ መገዲ’ዚ ኣቢሉ ሰብ ብተራኡ ናይ ፍቕሪ ቋንቋ ኣብ ናይ ርህራሄን ሓልዮትን ገዛእ ርእስኻ ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ተርጕይሙ መታን ክነብር ሰብ ኰነ፡”

ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ከም ቅድስቲ ድንግል ማርያም እታ ንናይ ጐይታ ፍቅሪ ብምልኣት ገዛእ ርእሳ ክፍቲ ዝገበረት ነቲ ተምተኣምር ኤፋታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምስ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን ብሱታፌን ብእምነት ንንበሮ ኢሎም።

ኣብ ቅድሚ ስቓይ ኣሕዋት ዓባሳትን ጸማማትን ኣይንዅን
10 September 2018, 17:23