ድለ

TURKEY-RUSSIA-GREECE-UKRAINE-ORTHODOX-RELIGION TURKEY-RUSSIA-GREECE-UKRAINE-ORTHODOX-RELIGION 

ቅዱስ ኣቦና፥ ናብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምብራኽ ግብረ ልልያ ምፍጻም የድሊ

ሓቀይና ልልያ ነቲ ናይ ሰብኣውን ትዕግስትን ግዜን ዘይኰነስ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስትን ንናይ እግዚኣብሔር ግዜን ሕንጸት እዩ ዝሓትት፡ ስለዚህ ንናይ እግዚኣብሔር ትዕግስትን ግዜን ወትሩ እትሕነጽ ምዃን ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡

ክሳብ ዕለት 8 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብ ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳውነት ኣማእኪሉኣብ ቦዘ ዝካየድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዓውደ ጉባኤ ሎሚ ዕለት 5 መስከረም ብወግዒ ከምእተጀመረ ክፍለጥ እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መእኽቲ፡ ግብረ ልልያ ምኹስኳስን ሕንጸት ኣብ ትዕግስትን ሕንጸት ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ግዜን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ምዕዳን የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ሓቀይና ልልያ ነቲ ናይ ሰብኣውን ትዕግስትን ግዜን ዘይኰነስ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስትን ንናይ እግዚኣብሔር ግዜን ሕንጸት እዩ ዝሓትት፡ ስለዚህ ንናይ እግዚኣብሔር ትዕግስትን ግዜን ወትሩ እትሕነጽ ምዃን ከምዘድሊ ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ኣመሓላሊፎም እተን መዓልታት ዓውደ ጉባኤ እቲ ግላውን ማሕበረሰብኣውን ናብቲ መንበር ምልኣት ሕይወት ናብ ዝዀነ ፍልጠትን ድላያን ናብ እግዚኣብሔርን ንምብጻሕ ብዙሕ ዝድግፍ ኣገባብ ልልያ ከቕርብ ዘኽእል ሕውነታዊ ምንጽጻር ዝካየደለን ክዀና ተላብዮም።

ልልያን ሕይወትን

ልልያን ሕይወት ክርስትናን ዝብል ሓሳብ ናይቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ዓቢይ ኣርእስቲ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኦርቶዶክሳያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝንበር ዘተን ምሕዝነትን ዝምስከረሉ መድረኽ ምዃኑ እውን ኣዘኻኺሮም፡ ክርስቲያን ነቲ እዋናዊ ብድሆ ብቑዕ መልሲ ንምቕራብ ዘኽእል ኣብ እምነት ተሰሪቱ ነቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ሕዳሴ ክስዕብን ከስተውዕልን መታን ርድኢትን ልልያን ናይ ግዜ ምልክታን ንናይ ሕይወት ክርስትናን ንናይ ክርስቲያን ሕይወትን መሰረታዊ ዓቐን እዩ ከምዝበኡ እንክምልከት፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነቲ ብዙሓት ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ልኡካን ኣሳቲፉ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ልልያ ብማዕቅን ቅዱስ መጽሓፍን ታሪኻዊ ከይዲ ልልያ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣተኵይሮም ብዘስምዕዎ ዘረባ ዘበገሱ ናይ ቦዘ ገዳም መስራቲ ኣባ ኤንዞ ቢያንክን ናይ ሳክራመንቶ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሆሮኒሞይ ከምዝዀኑ ተሓቢሩ።

ናይ ውሱንነትን ሓጢኣትን ኣፍልጦ

ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ እውን ብወገኖም ናብቲ ዓውደ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ክንገር እንከሎ፡ ብፁዕነቶም፥ ኣብ መፈሳውን ቲዮሎግያውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውን ልልያ ዘተኰረ መልእኽቶም እምነት ንምጽናዕን ነቲ ዝቖሰለ ሰብኣውነት ምሉእ ብምሉእ ንምልላይ ከም ቅዱስ ቶማስ ኣእዳዉ ናብ ኣቝሳል ኢየሱስ ምእታው ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጽኒዖም ከምዝተንተኑ ክፍለጥ እንከሎ ናይ ቅስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎ ቀዳማዊ እውን ብወገኖም ልልያ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ልልያ ናይ ቤተ ክርስቲያን መስራቲ ናይ ዝዀነ እግዚኣብሔር ህያብን ነቲ ኣብ ዓለም ንናይ ቤተ ክርስቲያን መግለጽታትን ምስክርነትን ዘተባብዕን ኣስተንፍሶ ዝዀነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ክቡር ባህርይ እዩ። እዚ ጥራሕ እውን ዘይኰነስ ይብሉ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ መልእኽቶም፡ ልልያ ውስንነትናን ሓጢኣተይና ናይ ምዃንና ጭቡጥነት ኣፍልጦ ክህልወና ዘብቅዕ እዩ ኢሎም።

ልልያን ተልእዀን

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣስዒቦም፡ መላእ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ልልያን ምስ ልልያን ዝስጉም ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ከኣ ነቲ እውነተይና ባህሊ ቤተ ክርስቲያንን ንኽርስቶስ ዝተገብኤ ምስክርነት ምቕራብ ውህበቱን ውበቱን ንምድሓን ዘኽእል እዩ፡ እቲ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ከምዝሕብሮ ዓለም ብወንጌል ንምስባኽን ተልእዀ ብዓመጽ ዘይኰነስ ብነጻነትን ፍቕርን ብምኽባር ናይ ነፍሲ ወከፍ ባህላዊ መለለይን እዩ፡ ብርግጽ ከኣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕዝብን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ዘይክርስቲያን ሃይማኖታትን ብሓባር ብምዝታይን ነቶም እዋናውያን ዝዀኑ ዓበይቲ ብድሆታት ንምብዳህ ብናሓባር ንጥፈታት ምስጓም ግብረ ልልያ ይሓትት ኢሎም።

ጸረ ዝዀነ ይኹን ግብረ ጽልመታ ኣብ ልዕሊ ሕልና

እቲ ናይ ቦዘ ዓውደ ጉባኤ ዘቕርቦ ዘተባብዕ መተሓሳሰቢ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ሕብረተሰብን ምስ ኩሉ ምትሕልላኻቱ ትኽክለይናን ቅኑዕን መሰረታውን ዝዀነ መንፈሳውነት ከማዕብል ዝድግፍ ምዃኑ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ብናይ ቤተ ክርስቲያኖም ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ሓላፊ መጥሮፖሊታ ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮን ክታም ኣብ ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም፡ ኣብ ናይ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ድራሳናት መንፈሳዊ ልልያ ብዙሕ እዋን ምንጭን መሰረትን ግብረ ብፅዕና ከምኡ እውን ዓቢይ መለኰታዊ ህያብ ምዃኑ ይምልከት፡ እዚ ህያብ’ዚ ድማ ፍጥረት ሰብ ካብቲ ሕልና ዘዕርብን ዘደብንን ስግኣት ካብ ዝዀነ ግብረ ሰላሕታ ዲያብሎስ ብምክልኻል ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ንኽነብር ይድግፎ ምስ በሉ፡ ብርግጽ ኣብ እዋናዊ ዓለም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንኽምስረቕ ክሳብ ዝጽግሞ ማእለያ ብዘይብሉ ፍሰት ሓበሬታ ይዕብለልን ምስቲ ክርስትና እምነት ዝምህሮ ዝጻረረ እሞ ብጸቕጢ ክስዕቦ ግድን ዝዀኖ ኣገባብ ሕይወት የቐርበሉ፡ ብብዙሕ ተተናታት ዝተኸበ እዩ፡ ስለዚህ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ከይዲ’ዚ ልልያ ዓቢይ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ምትሕብባር ኣብ መንጐ ኣቢያተ ክርስቲያን

ኣብ እዋናዊ ዓለም ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ይብሉ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ኣብ መልእኽቶም፡ መንእሰይ ወለዶ መንፈስ ክፋኣትን መንፈስ ሰናይን ሓቂ ካብ ሓሶትን ሓላፍን ብኹንን ፈልዩ ከለልይ ሕንጸት የድልዮ። እዚ ኸኣ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዕዮ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ኣብ ዓለም ንምስፋሕ ብምትሕብባር ዓቢይ ኣስተዋጽዖ ምብርካት ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ ክምልከት እንከሎ፡ ኣብ ሮማኒያ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዕ ወቅዱስ ዳኔል ኣብ ግብጺ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ተዋደሮ ዳግማውን ናይ ኪየቭ ሜትሮጶሊታ ብፁዕ ኦኑፍሪ እውን መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቀዳማዊ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጁስቲን ወልብይ እውን ብወገኖም፡ ክርስቲያን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣብነቱ ገይሩ ኣብዚ ዓለም ሕይወቱ ንኽመርሕ መታን ቤተ ክርስቲያን ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምውሳን ዓበይቲ ውሳኔታት ንምኽዋን ልልያ ከተካይድ ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ኣለዋ፡ እዚ ንምፍጻም ከኣ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን መራሕቲ ጸጋ ልልያ የድልዮም ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና፥ ናብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምብራኽ ግብረ ልልያ ምፍጻም የድሊ
05 September 2018, 17:25