ድለ

2018.08.31 ማይ 2018.08.31 ማይ 

ንድኻታት ዝንፈግ እንተኾይኑ ንምሕደራ ማይ ኣብ ኢድ ግላውያን ኣመሓደርቲ ምውፍይ ዘይቅቡል እዩ! ር.ሊ

ሎሚ ዕለት ሓደ መስከረም ንራብዓይ ግዜኡ ዝዝከር ዘሎ ዓለም ለኸ ጸሎት ስለ ፍጡር ከም መሪሕ ተማ ዝወሰዶ ጉዳይ ማይ ምዃኑን ነዚ ከኣ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮቡዕ ዘመሓላለፍዎ ምሕጽናታ ገሊጽናዮ ከምዝነበርና ዝዝከር ኮይኑ። ቅዱስነቶም ሎሚ ነዚ ብዝምልከት መላኽቲ ጽሒፎም።

ሙሴ ዮሓንስ - ከተማ ቫቲካን

እዚ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ናብ መላእ ዓለም ዝተላእከ ንዓለም ለኸ ጸሎት ስለ ፍጡር ዝምልከት መልእኽቲ እዚ ቀንዲ ትሕዝቶኣ ብዛዕባ ማይን ኣጠቃቅማኡን ምዕቃቡን ኮይኑ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ እዚ ክቡር ውህበት እግዚአብሔር እዚ ብክብሪ ክንሕዞ ከምኡ እውን ደቂ ሰባት ናይዚ ጸጋ እዚ ተቋደስቲ ክኾኑ ዘይግሃስ መሰሎም ከምዝኾነ ተዲኡና ማይ መሰል ወዲሰብ እዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ክንረግጽ ጸዊዖም። ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ብሓጺሩ እዚ ዝስዕብ ነበረ። 

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!         

ኣብ’ዚ ዕለተ ጸሎት እዚ ቅድሚ ዚኣገረ ንእግዚአብሔር ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለም ዝሃበናን ንዓኣ ንምክልኻልን ምክንኻን ዝዕጠቁ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ስለዝለገሰልና ክብ ዝበለ ምስጋና ከቅርበሉ እደሊ። ከማኡ’ውን ብምሉኡነትን ብዓቢ ውጥንን ዕላማን መጽናዕትን ንዝመጽእ ክትሕይሉን፣  ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለም ካብ  ናይ ቅልውላው ሃለዋት ክትከላኸሉን፣ ንናይ ደገፍን ምዕባለን ብዝሓየለን ብሓላፍነትን ኣብ ኩሉ ብማዕረ ንምዝርጋሕ ትምህርታውን፣ መንፈሳውን፣ ብሓድሽ ተበግሶ ካብዚ ዝተሓላለኸ ዓለም ክትወጹን እምነ ኢሎም።

ኣብ ኩሉ ሓላፍነት፣ ኣብ ምክልካልን ኣብ ምምሃዝን እቲ ከዕውተና ዘይክእል  ኣለሊና ምኽኣል የድሊ። እዚ ዘሎ ናይ ኣኸባብያዊ ጽልዋን ናይ ዓለም ደረጃ ኣብ ብዙሕነትን፣ ውሱን ቦታታት ጥራይ ዘዕግብን  ዘደስትን ምዃኑ ጽልዋ ኣለዎ።

እቲ ቅኑዕ ዝኮነ ስሚዕታትና ንክዓብን ንኽሕደስን እቲ ዘሎ ድምጺ ናይ ርክብ ምሕዝነት ኣብ ሞንጎ ሰብኣውነትን፣ ምህዞን ፈጠራን ከማኡ ውን እቲ ውሽጣዊ ናይ ሰብኣውነት ራኢ ፍቃድ ነቲ ዝሓሸ ናይ ምክልካልን፣ ሕጂ ናይ ዘሎ ኣገልግሎት ጥቅሚ ንናይ መጻኢ ወልዶታት እውን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ብዘይ ናይ ወዲ ሰብ ስነ ሓሳብ፣ብቁዕን እኹልን ጨንፈር ሥነሕይወት ጨንፈር የለን።

ኣብ’ዚ ዓለም ለኸ ዕለተ ጸሎት ብተገዳስነት ምእንቲ ስነ ተፍጥሮ ክንጽሊ፣  እዚ ማለት ከአ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሕሪ ዝተወሰነ ዓመታት፣ ሕጂ ብሕብረት ምሰ ኣሕዋትና ኦርቶዶክስ  ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምስታፍ ምስ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያንን፣  ኣብ እምሮና ሲእልና ኣቅልቦ ክንገብረሉ ዘሎና ሕቶ ናይ ማይ ሕቶ እዩ።

 እዚ ብጣዕሚ ቀሊልን፣ ረቂቅን ዋህዮ እዩ፣ እንተ ኮነ ግን እዚ ኣብ ብዙሓት ኣሽጋርን ከቢድን ዘይከኣልን ኮይኑ ኣሎ። ከም መባእታ እቲ ንኽስተ ዝበቅዕ ማይ መሠረታውን፣ ኃባራዊ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ክሳብ እቲ ቀንዲ ናይ ሰብኣዊ ሰረት ህልው ኩነታት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝመርሕ ክኸውን የድሊ። ከመይ ናይ ወዲ ስብ ኣካላት እቲ ዝበዝሐ ብማይ ዝቆመ እዩ።

ነዓና ንክርስትያን ግን ማይ ዘመልክቶ፣ ምልክት ንጽሕና ናይ ሂወትና ኢዩ። እዚ ምልክት ኣዚ ድማ ሓደ ካብቶም ምስጢራት ኮይኑ፣ ብምስጢረ ጥምቀት እንቅበሎ ጸጋ እዩ። እዚ ቅዱስ ማይ እዚ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተባሪኹ፣ እግዚኣብሔር በኣኡ ጌሩ ሂወት ምእንቲ ክንረክብን ፣ እንደገና ክንሕደስን የኽእለና።

ኣብ ብዙሓት ኣመንቲ ክርስትና ጥምቀት ዝተፈላለየ ትርጉም ኣለዎ። ጥምቀት ግን ሓደ ክትካእ ዘይ ከኣል ጸጋ ኮይኑ ናብ’ቲ ናይ ድሕነት መንገዲ ዝመርሕን ሕይወት ዝህብን እዩ። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓ 4,14 ዝብሎ፣ ‘እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፣ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘላለም ማይ ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እምበር፣ ንዘለኣለም ኣይክጸምእን እዩ፣ ኢሉ መለሰላ’። ኣስዒቡ ከኣ ኣብ ወ፣ዮሓ፣7,37 ከምዚ ይብል፣’ በታ መወዳኣታን ዓቢይን መዓልትን ናይ`ቲ በዓል እየሱስ ደው ኢሉ ብዓቢ ድምጺ፣ ዝጸምኤ ኣንተ`ሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይሰተ።’  ኣስዒቡ ከኣ ኣብ ወ፣ዮሓ፣19,28 ‘ድሕሪ እዚ ኩሉ ከም ዝተፈጸመ ፈሊጡ፣ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ክፍጸም ‘ጸማኣኩ’ በለ። ኣብ ወ፣ማቴ 25,35 ከኣ ምኽያቱ ከኣ ‘ጠምየ ኣብሊዕኩምኒ፣ ጸሚኤ ኣስቲኹምኒ፣ ጋሻ ኮይነ መጺኤ ተቀቢልኩምኒ፣’ በሎም። ክምኡ እውን ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት 1.20 ‘ኣምላኽ ድማ ‘ማያትሕይወት ብዘለዎም ኣንስሳ ይምላእ በለ’ ይብል። ቀጺሉ ከኣ፣ ኣብ መዝ ዳዊ 146.6 ‘ንሱ ንሰማይን ምድርን፣ ንባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ኽሉን ዝገበረ እዩ። ንሱ ነቲ ኩሉ ግዜ ዝህቦ ተስፋ ይፍጽሞ።’ ድሕሪ ቢሉ ኣብ መዝ 104.6 ከኣ ‘ንምድሪ ብውቅያኖስ ኣልበስካያ፣ ማያት ከኣ ነክራን ከደኖም ይብል ኣግዚኣብሔር።’ እንክብል ምሥጢራዊ ትርጉም ማይ ይገልጸልና።

ኣብ መቀጸልታ እዚ ከምዚ እዩ ቢልካ ክግመት ዘይከል ጸጋ ኣምላኽ፣ ብሓቂ በዚ ዘሎ ሽግር ከየምልጠና  ክንጥንቀቅ የድሊ። እዚ ኣብ ሞንጎ ዘሎ ሳዕቤናት ማሕበራዊ ጸገማት፣ ብሓባር ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ኣገልግሎትን ኣብ ጉዕዞ ንዘሎ ሥራሕ ፍጥረት ኣምላኽ ክድግፎ የድሊ።

 እምበኣርከስ ብሓባር ንጸሊ፣  ንዝበለጸ መጻኢ ብምሕሳብ ከኣ ኣዝዩ ሓደገኛ ብዝኾነ ባሕሪ ስለ ዝጐዓዙ፣  ኩሉና ንኣምላኽ ክንልምኖ፣ ሰለ እቶም ብፖሎቲካዊ ቅልውላውን፣ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ፣ ከማኡ ውን ስለእቶም ካብን ናብን ዝግበሩ ጉዕዞታት ምምዝባል ዝርከቡን፣  ብናይ ክላይማቲካዊ ምልውዋጥ ተጸልዮም ኣብ ሕማቅ ኩነታት ስለ ዝርከቡን ዝሳቀዩን እውን ንጸሊ ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ መንእሰያትና ብዛዕባ እዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለም እኹል ኣፍልጦ ንክህልዎምን ነዚ ንኩልና መሠረታዊ ኣድላይነት ዘለዎ ማይ ብኽብሪ ክሕዝዎን ነምህሮም። ኩሎም ማሕበረ ክርስትያን ብዛዕባ እዚ መተካእታ ኣልቦ ውህበት እግዚአብሔር ዝኾነ ማይ እኹል ግንዛቤ ክህልዎምን ንምዕቃቡ ክጋደሉን ዘሎኒ ተስፋ እንክገልጽ ንወሓይዝትናስ ይኹን ንቀላያትና ከምኡ እውን ንባሕርታትና ብዝግባእ ንክሕልውዎም እላቦ ንእንክብሉ መልእኽቶም ዛዚሞም።

ቅዱስነቶም ምስዚ ኣተሓሒዞም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ትዊተር ብዝበሃል ሓጸርቲ መልእክታት ንምትሕልላፍ እትጥቀመሉ ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቃም በቲ ኣት ፖንቲፊከስ ዝብል ግላዊ ይድረስታኦም ገሮም ‘እግዚብሔር ነዛ ናይ ሓባር ገዛና ዝኾነት ዓለምና ንምክንኻን ጸጋኡ የብዝሓልና! ብፍላይ ከኣ ነቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጸጋ ማይ ንክንከናኸኖን ኩሎም ክረኽብዎ ዝኽእሉሉ መንገዲ ንምፍጣርን ይሓግዘና` እንክብሉ ጽሒሮም።

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

 

01 September 2018, 19:18