ድለ

ር.ሊ.ጳ ኣብ ጀኖቫ ብሓደጋ ንዝተጐድኡ ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር የማዕቊቡ!

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

በቲ ካብ 1963 ክሳብ 1967 ዓምፈ ኣብ ምህናጹ ዝመርሐ ኢንጂነር ሪካርዶ ሞራንዲ ስም ዚጽዋዕ ኣብ ጀኖቫ ሃገረ ጣልያን ዝርከብ ፖንተ ሞራንዲ ወይ ድልድል ሞራንዲ ቅድሚ ትማሊ ሓደ ክፋሉ ስለዝወደቀ 39 እንክሞቱ ብዙሓት ዝቈሰሉን ሃለዋቶም ዝጠፍኤን ኮይኑ ልዕሊ 300 ሥድራቤታት ከኣ ካብቲ ክባቢ ተመዛቢሎም ኣብ ብርቱዕ ጸገም ከምዘለው እቲ ዝሞቱን ዝቈሰሉን ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ምድላይ ገና ይቅጽል ከምዘሎን ገለ ተንጠልጢሉ ተሪፉ ዘሎ ክፋል ከይወድቅ ስለዘስግእ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ከምዝርከቡ ይሕበር።

እዚ ድልድል እዚ ኣብቲ ዝተሰርሓሉ ዘመን ውሃ ዘበለን ልዕሊ 1 ኪሎሜትር ማለት 1,182 ሜትሮ ዝምርሓቁ ኮይኑ 18 ሜትሮ ጐድኒ እውን ነበሮ። 45 ሜትሮ ካብ ምድሪ ሓፍ ኢሉ ስለዝተሃንጸ ከኣ ኣብ ትሕቲሑ ብዙሕ ገዛውንትን ፐላሶታትን ነበረ። ኢንጂነር ሞራንዲ ካብ ካላብርያ ደቡብ ዓዲ ጣልያን ጀሚርካ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓለምና ነዚ ብስሚንቶን ኣርማቱራን ዝሥራሕ ነዊሕ ሰንጣቒት ዘለዎም ሰማይ ጠቀስ ድልድላት መሪሑ እዩ። እዚ ትማሊ ዝፈረሰ ድልድል ንሃገረ ጣልያን ምስ ፈረንሳን እስፓኛን ዘራኽብ ቀንዲ መስመር ከምዝነበረ እውን ይንገር።

ቅድሚ ትማሊ ግን ካብቲ ነቲ ድልድል ተሰኪመን ዝነበራ ሰልስተ ኣዕኑድ ሓንቲ ብምውዳቃ ሓደ ክፋል ናቱ ምስተን ብልዕሊኡ ዝጐዓዛ ዝነበራ መካይን ኣብ ትሕቲኡ ንዝነበረ ገዛውቲ ለኻኺሙ ፈሪሱስ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ጉድኣት ኣስዒቡ። ናይቶም ዝተጐድኡ ቀብሪ ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ብዝመርሕዎ ሥርዓተ ፍትሓት ንዝመጽእ ቀዳም ክካየድ ምዃኑን ሃገራዊ ሓዘን ከምዝእወጅን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና የመልክት።

ቅዱስነቶም በዚ ዜና እዚ ብጣዕሚ ከምዝሰንበዱን ከምዝሓዘኑን እንክገልጹ ብጸሎት ከምዝሰንይዎም ብምርግጋጽ ትማሊ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ነዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፣

“ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ሎሚ ናይቲ መጸናንዒት ሕዙናት ዝኾነት እኖና ድንግል ብኽብሪ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ምፍላሳ ኣብ እነስተንትነሉ ዕለት ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ብነፍስን ብሥጋን ናይ ዝሳቀዩ ዘለው ሥቃይን መከራን ንኣኣ ከወፍዮ እደሊ። እዛ ሰማያዊት ኣደና ንነፍስወከፎም ምጽንናዓን ትብዓትን ቅሳነትን ትሃቦም። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ትማሊ ኣብ ከተማ ጀኖቫ ናይ ዓዲ ጣልያን ናብ ብዙሓት ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ምኽንያት ዝኾነ ሕደጋ እዝክር። ንኩሎም ሕይወቶም ኣብ’ዚ ሓደጋ’ዚ ዝሰእኑ ኣብ ምሕረት እግዚአብሔር እንከማሕጽን ብመንፈስ ቅርበተይ ንሥድራቤት ዝተጐድኡን ንዝቈሰሉን ካብ ቤትንብረቶም ንዝተመዛበሉን ንኩሎም በዚ ድራማዊ ፍጻሜ ንዝሳቀዩን እገልጾ። ኩሉኹም ኣብዚ ምእንቲ እዞም ሰባት እዚኦም ዘዕርጎ ጸሎተይ ክትሳተፉ እዕድም። ሕጂ ኸኣ ኩልና ብሓባል ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ስለኦም ንድገም ኢሎም።”

ነዚ መደብ’ዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
15 August 2018, 10:06