ድለ

ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 1 ነሐሰ 2018 ዓምፈ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብምኽንያት ዕረፍቲ ሓጋይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣቋሪጾሞ ንዝነበሩ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እንደገና ብምጅማር ሎሚ ንግሆ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ‘ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ’ (ዘጸ 20.3) ኣብ ዝብል ቃል ኣምላኽ ተመርኲሶም ‘ዓለምና ሎሚ ናይ ጣዖት ዕዳጋ ኮይኑ እዚ ከኣ ዘድልዩናን ዘይድልዩናን ነገራት ከምኡ እውን ምስልታትን ሓሳባትን ስራሓትን ክኾኑ ይኽእሉ` እንክብሉ ኣስተምሂሮም፣

ጣዖታት ንሕይወት ይሰርቑ!

ኣብ ኦሪት ንጣዖታት መሥዋዕቲ ደቂሰባት ይቀርቦም ነበረ ኮይኑ ግን ሎሚ እውን እንተኾነ ንሓደ ደረጃ ሕይወት ክትበጽሕ ደቅኻ ምሥዋዕ ይረኤ እዚ ከኣ ወይ ወሊድካ ከምዘወለድካዮም ኣመቶም ዘይምግባር ብዝገደደ ከኣ ኣነ ክሳብ ኣብዚ ደረጃ እዚ ዝበጽሕ ወላ በዓል ሓዳር እንተኾንኩ ኣይወልድን ብማለት ከምኡ እውን መልክዔይ ከይበላሾ ኣይወልድን ክሳብ ምባል ተበጺሑስ ኩሉ መስዋዕቲ ደቂሰባት ይሓትት፣ ኣብ ቅድሚ መስትያት ክንደይ ሰዓታት ነሕልፍ፣ ሓደ ሰብ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ክትኰሓሓል ኣብ ቅድሚ መስትያት ብዙሕ ግዜ ተሕልፍ እዚ እውን ሽሕ’ኳ ምኩሕሓል ሕማቅ እንተዘይኮነ ኩሉ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ብምትኳር ከም ጣዖት ኣብ ምምልካዕ ጥራሕ እንተውዒልካ ኣምልኾ ገዛእ ርእስና እዩ። ውሩይን ህቡብን ምዃን ንገዛእ ርእስኻ ንሓቀኛ መንነትካ መሥዋዕቲ ክሳብ ምኽፋል ኣብ ዘብጸሓሉ ዘመን ኢና በጺሕና ዘሎና፣ ከመይ ኣምልኾ ጣዖት ብዙሕ ግዜ ደም ስለዝሓትት፣ ኣምልኾ ንዋይ ስለገንዘብ ክትብል ሕይወትካ ኣብ ምርሳዕ ስለዘብጽሕ ንሕይወትና ይሰርቅ ክንብሎ ንኽእል፣ ከምኡ እውን ምቾት ምድላይ በይንና ኣብ ምትራፍ የምርሓና፣ ዘሎ ቊጠባዊ ተቊዋማት ንዘለዓለ ጥቅሚ ሕይወት ደቂሰባት መሥዋዕቲ ይኽፈለሎም፣ እስኪ ብዛዕባ እቶም ሥራሕ ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ንሕሰብ፣ ንምንታይ እንተኢልና ናይቲ ፋብሪካ እቲ ተዀናተርቲ ወይውን እቲ ዲታ እቲ ብዙሕ መኽሰብ ንምርካብ ናብ ካልእ ሃገር ንክኸዱ ስለዝወሰኑ ይብል፣ ኣምልኾ ንዋይከስ እነሆ። ኣብ ኣምሰሉነት ይንበር፣ ካልኦት ዝበሉኻ እንገበርካን ንሶም ክሰምዕዎ ዝደልይዎ እናተዛረብካን ትነብር፣ በዚ ከኣ ሕይወት ይዓኑ ሥድራቤት ይዓኑ መንእሰያትና ኣብ ኢድ እዞም ንሕስያ ዘይብሎም ይወድቁ! ንመኽሰብ ክበሃል ዕንወት ብቀሊሉ ይስዕብ። ከምኡ እውን ሓሺሽ ካልእ ጣዖት እዩ፣ ክንደይ መንእሰያት ጥዕናኦምን ሕይወቶምን ኣብ ኣምልኾ ጣዖት ናይ ሓሺሽ ብምውዳቅ የዕንው!

ኩሎም ጣዖታት ንሰባት ኣብ ባርነት የውድቑ!

ጣዖታት ኣብ ባርነት የውድቁ። ታሕጓስ የተስፍው ግን ኣይዕድልዎን! ስለቲ ራእይ እቲ ወይውን ስለእቲ ጉዳይ እቲ ጥራይ ከምእትነብር ይገብሩ፣ ንገዛእ ርእስኻ ዘዕኑ ዕንኪሊል ብዝብል ንፋስ ዘራጊቶ ተታሕዚካ ነቲ ዝተስፈውኻ ክትጽበ እቲ ውጽኢት ግን ዘይርከብ ኩነት ትነብር። እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ሕይወትካ ክትሥውኣሉ ኣይሓትትን እኳ ደኣ ሕይወት ይህበካ፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ናይቲ እንሓልሞ ጸብለልትነት ኣይህብን እንታይ ደኣ ንክተፍቅር ይምህር። ሓቀኛ እግዚአብሔር ደቅኻ ሰውኣለይ ኣይብልን እኳ ደኣ እንኮ ወዱ ንዓና ይህቦ፣ ጣዖታት ግን ዘይጭበጥ መጻኢ የተስፍው ነቲ ዘሎ የስተናዕቁ፣ ሓቀኛ ኣምላኽ ግና ነታ ዘሎኻ ኣብታ ዝተዋሃብተካ ናይ ሎሚ ዕለት ብምልኣት ክትነብር ይምህር።

ብሓቂ እነፍቅረሉኸስ ካብ ጣዖታት ሓራ ምስ ኰና እዩ!

‘ጣዖታት ፍቅሪ ይሰርቁ!  ጣዖታት ኣዕይንቲ ፍቅርና የዕውር! ብሓቂ ክነፍቅርከስ ካብ ዝኾነ ጣዖት ሓራ ክንከውን ኣሎና። ጣዖተይ ኣየናይ ኮን ይኸውን! ኢልካ ሃሰስ በል እሞ በጥቊልካ ብመስኮት ደርብዮ’ እንክብሉ  ኣስተምሂሮም።

Photogallery

ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዕለት 1 ነሐሰ 2018 ዓምፈ
02 August 2018, 10:24