ድለ

ኣብ ግዜ ወለቅዘለቅ እሙናት ቤተክርስትያን ኩኑ! ር.ሊ.ጳ ንውፉያት ቅ.ዮሴፍ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ብኦብላቲ ዲ ሳን ጁሰፐ ዝፍለጡ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ዉፉያት ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ከካይንዱ ንዝቀነዩ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ግዜ ‘ንቅዱስ ዮሴፍ ወትሩ እልምኖ ንሱ ከኣ ኣይፋል ኢሉኒ ኣይፈልጥን፣ እዚ ርግጽነት እዚ ሎሚ ንዓኹም ጽንዓት ይህበኩም` እንክብሉ ምስ ኣዘኻኸሩ ኣብ ጐድኒ መንእሰያት ኮይኖም ኣገልግሎቶም ከበርክቱ ተማሕጸኑዎም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ግሎም ኣኽብሮት ቅዱስ ዮሴፍ ምልስ ብምባል `ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ እንክሓስብ ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ ከመይ ብዙሕ ክእለት ኣለዎ፣ ካብ 40 ዓመት ኣትሒዘ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ እጽሊ፣ እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ጥንታዊ ጸሎተ ቅዳሴ ፈረንሳ ዝረኸብክዎ ኮይኑ ከምዚ ይብል ‘ኣብቲ ኩሉ ኣይከኣልን ዝበሃለሉ ከምዝከኣል ዝገብር’ ይብል። እግዚብሔር ንቅዱስ ዮሴፍ ዝዓደሎ ክእለትከስ ኣብ ሕይወተይ ምሉእ ኣይፋል ዝብል መልሲ ኣይረኸብኩሉን። ካብ ቅዱስ ዮሴፍ እንቅበሎ ትብዓትከስ እዚ እዩ` ኣንክብሉ ነቶም ከባቢ ሓምሳ ዝኾነ ውፉያት ቅዱስ የሴፍ ተቀቢሎሞም።

ኣብ ዓለም ናይ ፍሉይ መልእኽቲ መሰኻኽር ክትኮኑ ናይ ሓንቲ መሰናንዒት ሠናይ ዜና ማለት እግዚብሔር ካብቶም በመለኻክታት ደቂ ሰባት ናኣሽቱን ትሑታን ገሩ ንመንግሥቱ ከምዝተክልን ከምዘዕብን ንምምስካር ዝተጸዋዕኩም ኢኹም።

ከምቲ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ናዝሬት ብትሕትና ኣብ ሓለዋን ሓልዮትን ቅድስት ሥድራ ዝገበሮ እዞም ብዝስሙ ዝተጸውዑ ውፉያት እውን ኣብነቱ ብምኽታል ብትሕትና ንኩሉ ከገልግሉ ከምዘለዎም ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም እዚ ከኣ ንኣገልግሎት ኣሕዋት ከምተወፈዩ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ንኢየሱስ ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ኣሕዋትን ምግልባል ምናዳ ኸኣ ኣተኩሮኻ ኣብ መንእሰያትን ኣብቶም ትሑታትን ብምግባር እንክኾን ንሕይወት ኣባላት ማሕበር ፍሉይ ሓጐስ ይህብ። ከምቲ መሥራቲኹም ዝበሎ ኣብ ጽጉማት መቀበሊ ኣጋይሽን ኣገልግሎት ዝሸምገሉ ሰባት ዝህቡ ትካላትን ከም ትሑታት ካህናት ኮይኑም ኣንከተገልግሉ ንመጻኢ እትጥምትዎ ሥልጣንስ ይኹን ክብሪ ኣብዚ ምድሪ እዚ ምንም የብልኩምን። ነዚ ትሕትና እዚ ሒዝኩም ንቤተክርስትያንን ነሕዋትኩምን ክተገልግሉ ሓዳራ ኢሎም ኣብ ናይ ሎሚ ዓለምና ምልስ ኢሎም ከኣ ከምዚ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ዘመንና ብተዛማድነት ተዘሚቱ ንመሠረት እምነትና እናናገዔ ምትእምማን ክርስትያን ትርጉሙ ከምዘጥፍእ ይገብር ኣሎ። ነቲ መሥራቲኹም ዝበሎ ሓደራኸስ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሕጂ ብግብሪ ክትምስክርዎ ኣሎኩም እዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ንክርስቶስስን ንቤተክርስትያኑን ፍቅርኹምን ተኣማንነትኩምን ክትምስክሩ ትጽውዑ ኣሎኩም። ኣብ ቅድሚ እዚ ኣፍኣዊ ባህሊኸስት ክንዮ እቲ ዘመንና ሓጐስን ዕጋበትን ዝደልየሉ ዘሎ ግዝያዊ ንዋታዊ ዋንነት ሰጊርኩም ምናዳ ንመንእሰያትን መጻኢኦምን ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ እናዕለልክምዎን ምሳኦም ሓቢርኩም ወንጌል እናንበብኩምን ነታ ዘሕልፍዋ ዘለው ሕይወት ምሳኦም ብግብሪ ክትሳተፉ ሓደራ ። ጽኑዕን መሠረት ዘለዎን መጻኢ ንምህናጽ እንኮ መንገዲ እዚ እዩ እንክብሉ ተሰናበትዎም።

 

31 August 2018, 18:02