ክርስትያን ምስሉይ ሕይወት ክነብር ኣይክእልን! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ተታሓሒዙ ዝኸይድ ኣስተምህሮታት እናኣቅረቡ ሎሚ ከም መዛዘሚ ኩሎም ክርስትያን ምናዳኸኣ መንእሰያት ካብ ምስሉይ ሕይወት ክርሕቁ ካብ ላንጋላንጋ ሕይወት ክእረሙ ብምዝኽኻር ‘ሎሚ ሓደራ ዝብለኩም ናይ ሠናይ ተግባር መሰኻኽር ኩኑ። ነዚ ኣስተውዕሉ ሕማቅ ነገር ብዘይምግባርኩም ኣይትዕገቡ። ነፍሲወከፍኩም ነቲ ክገብሮ ዝነበሮ ሠናይ ነገር ካብ ምግባር እንተበዂሩ ዓገበኛ እዩ’ እንክብሉ ሕማቅ ካብ ምግባር ምቊጣብ ጥራይ ዘይኮነ ሠናይ ነገር ክገብሩ ግዱዳት ምዃኖም ገሊጾም።
ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ነቶም መንእሰያት ዘዘኻኽርዎ ንሠናይ ነገር ክዕጠቑ እንክኸውን እዚ ከኣ ነዚ ክገብር ዝኽእል ዓለም ዝውለድ ካብ መንእሰያት ጥራይ ምዃኑ ንሶም ተስፋ ዓለምና ምዃኖም የስምሩሉ።
ተበዓት ክርስትያን የድልዩና!
እንክብሉ መንእሰያት ትብዓት ክዕጠቁ ምስ ኣዘኻኸሩ ሽሕ’ኳ ኣብ ናብራና ፍርሓት እንተሎ ናይ ምቹእ ሕይወት ፈተናታት እውን እንተሎ ኣብ መንእሰያት ተስፋ ከምዘልዎም እሞ እቶም መንእሰያት ብተፈጥሮ ንዝተዋህቦም ድሌትን ሓይልን ትብዓትን ከምቲ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ጣልያን ገሊኦም ክሳብ ሶሙናት ብእግሮም ብብሽክለታ ምጉዓዞም ኣብዚ ሳልስቲ ብቀጻሊ ኣብ ጸሎት ምስታፎም ትማሊ እውን ወጋሕ ትበል ለይቲ ኣብ ጸሎት ብዝብል ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ሮማ ክጽልዩ ምሕዳሮም ከምዘረጋገጾ ገሊጾም ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።
ንታሕጓስ ሕውነት መስክሩ!
ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር እንደገና ሰላምታ ብምቅራብ ነቶም ንመንእሰያት ለይትን መዓልትን ኣብ ኩሉ ቊምስናታት ዘሰንዩን ዝኲስኩሱን ካህናትን ደናግልን ኣመስጊኖም። ነዚ መደብ እዚ ዝሓንጸጹን ዕውት ንክኸውን ዝተኻእሎም ንዘበርከቱን ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ነቲ ርክብ ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ እውን ኣመስጊኖም ነቶም መንእሰያት ከምዚ ክብሉ ተሰናቢቶሞም።