ድለ

ክርስትያን ምስሉይ ሕይወት ክነብር ኣይክእልን! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰንበት ዕለት 12.08.2018 ዓምፈ ፍርቂ መዓልቲ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ነቶም ካብ መላእ ሃገረ ጣልያን ምስ ር.ሊ.ጳ ንጸሊ ብማለት ዝተኣከቡ መንእሰያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምውራድን ነቲ ንዓመታ ኣብ ሃገረ ፓናማ ንዝካየድ ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ሒዞሞም ዝኸዱ ምስሊ ማርያም ሎረቶን መስቀል ቅዱስ ዳምያኖን ብምብራኽን ተዘዋዊሮም ነቶም መንእሰያት ሰላም ብምባልን ብምብራኽን ፈጺሞሞ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ተታሓሒዙ ዝኸይድ ኣስተምህሮታት እናኣቅረቡ ሎሚ ከም መዛዘሚ ኩሎም ክርስትያን ምናዳኸኣ መንእሰያት ካብ ምስሉይ ሕይወት ክርሕቁ ካብ ላንጋላንጋ ሕይወት ክእረሙ ብምዝኽኻር ‘ሎሚ ሓደራ ዝብለኩም ናይ ሠናይ ተግባር መሰኻኽር ኩኑ። ነዚ ኣስተውዕሉ ሕማቅ ነገር ብዘይምግባርኩም ኣይትዕገቡ። ነፍሲወከፍኩም ነቲ ክገብሮ ዝነበሮ ሠናይ ነገር ካብ ምግባር እንተበዂሩ ዓገበኛ እዩ’ እንክብሉ ሕማቅ ካብ ምግባር ምቊጣብ ጥራይ ዘይኮነ ሠናይ ነገር ክገብሩ ግዱዳት ምዃኖም ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ነቶም መንእሰያት ዘዘኻኽርዎ ንሠናይ ነገር ክዕጠቑ እንክኸውን እዚ ከኣ ነዚ ክገብር ዝኽእል ዓለም ዝውለድ ካብ መንእሰያት ጥራይ ምዃኑ ንሶም ተስፋ ዓለምና ምዃኖም የስምሩሉ።

“ዘይምጽላእ ጥራይ እኹል ኣይኮነን ምምሓር የድሊ! ቂምታ ዘይምሓዝ ጥራይ እኹል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ስለእቶም ጸላእትኻ ምጽላይ የድሊ! ናይ ምምቅቃል ምኽንያት ዘይምዃን ጥራይ እኹል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሰላም ኣብ ዘይብሉ ሰላም ክተምጽእ የድሊ።”

ተበዓት ክርስትያን የድልዩና!

“ክፍኣት ኣብ ዝስዕርረሉ ኣጋጣሚ ጣልቃ ምእታው ኣድላዪ እዩ! ከመይ ንክፍኣት ብሠናይ ነገር ክጻብእዎ ዝኽእሉ ተባዓት ክርስትያን ኣብ ዝተሳእኑሉ ክፍኣት ይስዕርር። ነዚ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝምህሮ ብመንገዲ ፍቅሪ ብምምልላስ እዩ።”

እንክብሉ መንእሰያት ትብዓት ክዕጠቁ ምስ ኣዘኻኸሩ ሽሕ’ኳ ኣብ ናብራና ፍርሓት እንተሎ ናይ ምቹእ ሕይወት ፈተናታት እውን እንተሎ ኣብ መንእሰያት ተስፋ ከምዘልዎም እሞ እቶም መንእሰያት ብተፈጥሮ ንዝተዋህቦም ድሌትን ሓይልን ትብዓትን ከምቲ ካብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ጣልያን ገሊኦም ክሳብ ሶሙናት ብእግሮም ብብሽክለታ ምጉዓዞም ኣብዚ ሳልስቲ ብቀጻሊ ኣብ ጸሎት ምስታፎም ትማሊ እውን ወጋሕ ትበል ለይቲ ኣብ ጸሎት ብዝብል ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ሮማ ክጽልዩ ምሕዳሮም ከምዘረጋገጾ ገሊጾም ከምዚ ክብሉ ሓደራ ኢሎም።

“ዝተፈቶኹም መንእሰያት ኣብዘን ዕለታት እዚኤን ብዙሕ ተጓዒዝኩም! ልምምድ ምንቅስቃስ ስለዝገበርኩም ብመንገዲ ፍቅሪ ተጓዓዙ ብፍቅሪ ተጓዓዙ ናብቲ ዝመጽእ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከኣ ብሕብረት ተጓዓዙ፣ ኢሎም።”

ንታሕጓስ ሕውነት መስክሩ!

ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር እንደገና ሰላምታ ብምቅራብ ነቶም ንመንእሰያት ለይትን መዓልትን ኣብ ኩሉ ቊምስናታት ዘሰንዩን ዝኲስኩሱን ካህናትን ደናግልን ኣመስጊኖም። ነዚ መደብ እዚ ዝሓንጸጹን ዕውት ንክኸውን ዝተኻእሎም ንዘበርከቱን ረኪበ ጳጳሳት ሃገረ ጣልያን ነቲ ርክብ ዝመርሑ ብፁዕ ካርዲናል ባሰቲ እውን ኣመስጊኖም ነቶም መንእሰያት ከምዚ ክብሉ ተሰናቢቶሞም።

“ኣብ ማሕበረሰብኩም እንክትምለሱ ንመሳቱኹምን ኣብ ጉዕዞኹም ንእትረኽብዎም ኩሎምን ኣብዘን ዕለታት መንፈሳዊ ንግደትን ጸሎትን ንዘስተማቀርክምዎ ናይ ሕውነትን ሕብረትን ታሕጓስ መስክሩ። ንኩሉኹም እንቋዕ ሓጐስኩም እንክብል ብሰላም ነናብ ገዛኹም የብጽሕኩም። ኢሎም።”

ነዚ መደብ እዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!
12 August 2018, 19:46