ድለ

ድንግል ማርያም ዘቀርመሌዎስ ድንግል ማርያም ዘቀርመሌዎስ  

ድንግል ማርያም ዘቀርመሌዎስ ናብ እምባ እግዚአብሔር ትመርሓና! ር.ሊ.ጳ

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ሓምለ ዕለት 16 ዓመታዊ ክብረ በዓል ድንግል ማርያም ዘቀርመሌዎስ እንክዝከር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቲ ትዊተር ዝብል መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ‘ኣደን ንግሥትን ደብረ ቀርመሌዎስ ዝኾነት ድንግል ማርያም ኣብቲ ናብ እምባ እግዚብሔር ገጽኩም እትገብርዎ ዕለታዊ መንፈሳዊ ጒዕዞ ንስጉምትታትኩም ተሰኒ’ እንክብሉ መሪቆም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ደብረ ቀርመሌዎስ ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን መዕቆቢ ነቢይ ኤልያስ ኮይኑ ብዙሕ ታሪኽ ዝሓዘ እምባ እግዚአብሔር እንኪኾን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ኪዳን እውን ካብ መበል 13 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ከም ነቢይ ኤልያስ ቅንኣት ሕያው እግዚብሔር ዘቃጸሎም ባሕታውያን ኮይኖም ክነብሩ ዝመረጹሉ ቦታ ኮይኑ ብቄርሜሎሳያውያን ዝፍለጡ ኣሕዋት ብሕጊ ብሕትውና ተመሪሖም ንድንግል ማርያም ከኣ ከም ኣደን ተኸላኻሊትን መሪሕ ናይ ኣስተንትኖን ብሕትውናን ገሮም ዝወሰዱ ብድንግል ማርያም ዘቀርሜሎስ ንዝፍለጥ በዓል መሠረት ኮይኖም፣

ታሪኽ እምባ ቀርመሌዎስ!

እምባ ቀርመሌዎስ ብዙሕ ታሪኽ እኳ እንተለዋ ኣብ 1ነገ 18.20-45 እንተኣንበብና ‘ኣክኣብ ድማ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ልኢኹ ነቶም ነብያት ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም። ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡ፡ በዓል እንተ ደአ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን። ሽዑ ኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣሎኹ፡ ነብያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም። እምበኣር ክልተ ዝራብዕ ይሀቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንኣታቶም ዚኸውን ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ኸኣ ኣይእጐደሉን። ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፡ ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለለ እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ፡ ንሱ ኣምላኽ ይኹን፡ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ እዚኣስ ጽብቕቲ ዘረባ እያ፡ ኢሎም መለሱ።’ እንክብል ዛንታኡ ዝጅምር ጣዖት በዓልን ነቢያቱን ዝተሸነፉሉ ኤልያስ ከኣ ክብሪ እግዚአብሔር ዝገለጸሉ ነዊሕ ታሪኽ ኣለዋ፣

ነዚ ታሪኽ እዚ መበገሲ ብምግባር እታ ንኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልል ዝነበረት እኖና ድንግል ማርያም ከኣ ዋሕሶም ክትኮኖም ብምምሕጻን ኣብ ከባቢ መበል 12 ክፍለዘመን ኣብ ገሊላ ሓደ ማሕበር ባሕታውያን ቆይሙ፣ ኣብቲ ከባቢኦም ዝነበሩ ግሪኻውያን ባሕታውያን ንምፍላይ ከኣ ኣሕዋት ብፅዕቲ ድንግል ማርያም ዝብል ስያሜ መረጹ፣ ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ከኣ ር.ሊ.ጳ ኦኖርዮ ሳልሳይ ብ30 ጥሪ 1226ዓም ከም ማሕበር ንኽቆሙ ዝሓተትዎ ሕቶ ተቀቢሎም ኣጽደቁሎም፣

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ መራሒ ናይቲ ማሕበር ኮይኖም ከገልግሉ ዝተመርጹ ኣባ ስምዖን እስቶክ ዝበሃሉ ብዕለት 16 ሓምለ 1251 ዓም ነዚ ሎሚ ብመንፈሳውነት ማዕተብ ድንግል ማርያም ዘቀርመሌዎስ ወይ እውን እስካፑላር ዝፍለጥ ንምዝውታር እግዚእትነ ማርያም ብራእይ ትግልጸሉ፣ በዚ ከኣ ዕለት 16 ሓምለ ዓመት መጸ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ዘደብረ ቀርመሌዎስ ኮይኑ ይዝከር፣

ናይዚ ብማሕበር ኣሕዋት ብፅዕት ድንግል ማርያም ዘደብረ ቀርመሌዎስ ዝፍለጡ ኣባላት ብ2013 ዓም ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበሩ እዋን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ናይዚ መንፈሳዊ ልማድዚ ፍረታት ከምዚ ክብሉ ገሊጾምሎም ነሮም፣

“‘ምስክርነት ደብረ ቀርመሌዎስ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ኣብ ዘወፈዮ ዓሚቊ መንፈሳውነትን ዓቢይ ቤትትምህርቲ ጸሎትን ምዃኑ እዩ፣ እዚ መንፈስ እዚ ነቲ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንኩሉ ሓደጋታት ክሳብ ሞት እውን ከይተረፈ ንዝተወፈይዎ ትብዓት የመልክት፣ ቅድስት ተረዛ በነደታ ዘመስቀልን ብፁዕ ቲቶስ ብራንድስማን ዝበሃሉ ናይ ዘመንና ዓበይቲ ሰማዕታት ምዝካር ይኣክል’።”

ንክርስቶስ ኣብ ዓለም ምስባኽ!

ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም ንክርስቶስ ናብ ዓለም ምስባኽ ምናልባት ከምቲ ገሊኦም ዝሓስብዎ ሥራሕ ር.ሊ.ጳ ወይውን ናይ ሰብ ውፉይ ሕይወት ከይመስለኩም እኳ ደኣ በንጻሩ ከምቲ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገለጾ ናይ ኩሎም ዝተጸውዑ መንእሰያት እውን ከይተረፉ ግደ እዩ፣ ርግጽ ላዕለዎት መራሕቲ ቤተክርስትያን ሕሉፍ መዝነት ኣልዎም ከምቲ ናይዚ ማሕበር እዚ ኣባል ዝኾነትን ዓባይ ቅድስቲ ተረዛ ዘኣቪላ ናብ ኣቡን ኣቪላ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳቤ ዝበለቶ ንኩልና መሪሕ ክኸውን ይኽእል፣

‘ናይ ጉዕዞ ግዜ እዩ! እዘን ቃላት እዚአን ቅድስት ተረዛ ዘኣቪላ ቀቅድሚ ሞታ ዝበለተን እየን፣ ናይ ሕይወታ ምሉእ መልእኽቲ ዝሓዛ እየን! ናይ ነፍሲወከፍና ናትናውን ክኾና ኣለውን፣ እዚኤን ቃላት እዚኤን ክቡር ውርሻ ኮይነን ክንዕቅበንን ከነሀብትመንን ኣሎና፣

ሕዝባዊ ኣኽብሮ!

ነታ ታሪኻ ኣብ ላዕሊ ትንክፍ ዘበልናዮ ማዕተብ ብፅዕት ድንግል ማርያም ዘደብረ ቀርመሌዎስ ወይ እስካፑላር ናብ ኩሉ እንክዝርግሕዎ ከም ሕጃብ ወይ ናይ ጽቡቕ ዕድል ኣቅሓ ዘይኮነ ብቅልል ዝበለ መንገዲ ዓበይቲ ሓቅታት እምነት ዝግለጸሉ ሕዝባዊ ኣኽብሮ እዩ፣

‘ኣብ ሕዝባዊ መንፈሳውነትን ኣኽብሮን እታ ካብ እግዚብሔር ዝተቀበልናያን ኣብ ሓደ ባህሊ ሥጋ ዘልበስናያን እምነት ነቲ ዘለዋ ናይ ስብከተወንጌል ሓይሊ ብሕዝባዊ ኣምልኾን ኣኽብሮን ዝግለጸሉ እዩ፣ እንክብሉ ኣብቲ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል ዝብል  ሓዋርያዊ ምሕጽንታኦም ይገልጽዎ፣

ነዚ መደብ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!

 

16 July 2018, 18:05