ድለ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስፖርት ንናይ ምርኻብ ባህሊ ሓለፋ ይሃልዎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስፖርት ንናይ ምርኻብ ባህሊ ሓለፋ ይሃልዎ 

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስፖርት ንናይ ምርኻብ ባህሊ ሓለፋ ይሃልዎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ብራዚል ረዮ ደ ጃነይሮ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ንኽካየድ ዝተወሰነ ኣብ ስፖርት ዘተኰረ ዓውደ መጽናዕቲ ምኽንያት ኣቐዲሞም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስፖርት መዘናግዒ ጥራሕ ዘይኰነስ ብፍላይ ከኣ ናይ ምራኻብ ባህሊ ንምርግጋጽ ዝድግፍ መጋበርያ እዩ ዝብል ሓሳብ ደጊሞም የጽንዑ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ብራዚል ረዮ ደ ጃነይሮ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም.  ንኽካየድ ዝተወሰነ ኣብ ስፖርት ዘተኰረ ዓውደ መጽናዕቲ ምኽንያት ኣቐዲሞም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስፖርት መዘናግዒ ጥራሕ ዘይኰነስ ብፍላይ ከኣ ናይ ምራኻብ ባህሊ ንምርግጋጽ ዝድግፍ መጋበርያ እዩ ዝብል ሓሳብ ደጊሞም የጽንዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ከተማ ቫቲካን

ኣብ ብራዚል ማሕበር ገጀቱሊዮ ቫርጋስ ብሓባር ምስ ዓለም ሓቆፍ ፈደረሽን እግሪ ኵዕሶን ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ስፖርት መጽናዕቲ ተቕዋምን ዘሰናደውዎ፥ ስፖርት መሳለጢ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ማሕበራውን ምዕባለ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ዕለት 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሪዮ ደጃነይሮ ከተማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ምኽንያት ዕለት 16 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒይትሮ ፓሮሊኒ ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመልክት፡ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ነቶም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣሰናዳእቲ ኰነ ነቶም ዝሳተፉን ኵሎም ስፖርት ሰናይ ናይ ምግባር ጸጋ እትመሃረሉን እትተባብዓሉን ኣብ ምግባረ ሰናይ ገዛእ ርእስኻ እተለማምደሉን ናይ ውልቅን ናይ ማሕበረሰብን ሰብኣዊ ምሉእ ዕብየት ዝድገፈሉን እዩ፡ እዚ ኸኣ ስፖርት መዘናግዒ ጥራሕ ዘይኰነስ ካብዚ ሓሊፉ ንናይ ምርኻብን ምድግጋፍን ምትሕልላይን ባህሊ ዝሓንጽን ሰላምን ቅኑዕን ዝዀነ ብሉጽ ዓለም ንምሕናጽ ውሕስነት ዘለዎ መገዲ ዘመላኽት እዩ ካብ ዝብል ጽኑዕ ኣመኔታ ዝረጋገጽ እዩ” ከምዝበሉ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ብራዚል ንኽካየድ ዝተጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዛዕባ ስፖርት፡ ኣብቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣካይዶዎ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ ኣስተንፍሶ ዝገበረ ምዃኑ እንክሕበር፡ ኣብቲ ናይ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዓውደ ጉባኤ ስፖርትን እምነትን ብዝብል ኣርእስቲ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ስፖርት ንገልግሎት ሰብኣውነት ዝብል ምንቅስቓስ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ መልኮርን ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ስፖርትን ማሕበራዊ ምዕባለ ኣብ ኣይስላንድ ውጽኢታዊ እናዀነ ዝኸይድ ዘሎ ስፖርት መሰረት ሰፊሕ ትንተና ኣብ ኣይስላንድ መንበረ ጥበብ መምህር ናይታ ሃገር ናይ ማሕበራዊ ትንተና ፍልዩ መጽናዕቲ ዘካይድ ማእከል ኣባልን ብዛዕባ ስፖርት ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝስደረሱ ቪዳር ሃልድሮርሶን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ይንገር።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስፖርት ንናይ ምርኻብ ባህሊ ሓለፋ ይሃልዎ
17 July 2018, 16:28