ድለ

ብኮንቺስተርዮ ዝፍለጥ ዕድው ጉባኤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ  ብዛዕባ ቅድስና ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ብኮንቺስተርዮ ዝፍለጥ ዕድው ጉባኤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ብዛዕባ ቅድስና ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ 

መንእሰይ ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ቅዱስ ክበሃል እዩ! ር.ሊ.ጳ

ብኮንቺስተርዮ ዝፍለጥ ዕድው ጉባኤ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸኮስ ምስ ገለ ካርዲናላት ሎሚ ንግሆ ተኻዪዱስ ብዛዕባ ኣብ ኣብሩጾ ዝበሃል ዞባ ዓዲ ጣልያን ብ1936 ዓምፈ ኣብ መበል 19 ዓመት ዕድሚኡ ዝሞተ ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ዝተባህለ መንእሰይ ምስቶም ብፅዕናኡ ብ1963 ዓምፈ ዝኣወጁ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይን ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅሚት ኣብቲ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዛዕባ መንእሰያት ኣብ ዝካየደሉ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝፍጸም ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ፣

ኮንቺስተርዮ ብዝብል ላቲናዊ ስያሜ ዝፍለጥ ዕጽው ጉባኤ ር.ሊ.ጳ ምስ ፍሉያት ካርዲናላት ብዛዕባ ፍሉይ ጉዳያት ዝገብርዎ ጉባኤ ኮይኑ ካብ ሓደስቲ ካርዲናላት ምሻም ክሳብ ኣዋጅ ብፅዕናን ቅድስናን ካልእ ኣገደስቲ ጉዳይትን ይምልከት፣ ሎሚ መዓልቲ ዕለት 19 ሓምለ 2018 ዓምፈ ኣብ ዝተገብረ ሓደ ክፋል ናይዚ ጉባኤ ከኣ ኣብ ኣብሩጾ ዝበሃል ኣውራጃ ሃገረ ጣልያን ብ1836 ዓምፈ ኣብ መበል 19 ዓመት ዕድሚኡ ብሕማም መንሽሮ ናይ ዓጽሚ ዝሞተን ዓቢ ኣብነታዊ ናይ ክርስትና ጽንዓትን እምነትን ዘርኣየን ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ዝበሃል መንእሰይ ንዝመጽእ ዕለት 14 ጥቅምቲ 2018 ዓምፈ ቅድስናኡ ከምዝእውጁ ገሊጾም፣ 

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

አዋጅ ቅድስና ብፁዕ ኑንስዮ ምስ ብፁዓን ጳውሎስ 6ይን ኣቡነ ሮመሮን!

መንእሰይ ኑንስዮ ፐስኮሳንሶነስኮ ዝበሃል ዓዲ ዞባ ፐስካራ ኣውራጃ ኣብሩዞ ዝተወልደን ዝዓበየን ኮይኑ ከም ብፁዕ ካብ ዝተኣወጀሉ 1963 ክሳብ ለይቲ ሎሚ ናይ ስንኩላትን ግዳይ ሓደጋ ሥራሕን ዝኾኑ ጠበቃ ኮይኑ ብዙሕ ተኣምር ዝገብረ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ምስ ብፁዓን ጳውሎስ ሻድሻይን ኣቡነ ሮመሮን ቅዱስ ክበሃል እዩ፣ ምስ እዚኦም ብፁዓን እዚኦም ቅዱሳን ዝበሃል ካልኦት ብፁዓን እውን ከምዘለው ተመልኪቱ፣ ናይ ሰበኻ ካህን ዝነበሩን ናይ ኣምልኾን ስግደትን ንቅዱስ ቊርባን ዘቅርባ ማሕበር ደናግል መሥራትን ብፁዕ ኣባ ፋንቸስኮ እስፒነኒ ከምኡ እውን መሥራቲት ማሕበር ድኻታት ኣገልግልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኾና ብፅዕቲ እናቴ ማርያ ካተሪና ካስፐርን ከምዘለው እውን ተመልኪቱ፣  ኣብ ጉዕዞ ምርመራ ቅድስና ድሕሪ ብፅዕና እቲ ብፁዕ ሓደ ተኣምር ምስ ዚገብርን እቲ ተኣምራት ብዝተፈላለየ መምዘኒታት ምስ ዚምስከረሉን ስለዝ ዝኾነ ንብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ናብ ደረጃ ቅድስና ካብ ዘደየብዎ ተኣምራታት ንሓደ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ነዊሕ ዝጸንሐ መንእሰይ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ምሕዋዩ ስለዝተረጋገጸ እዩ፣

ኣብ ሓደጋ ሃለዋቱ ናይ ዘጥፈኤ መንእሰይ ምሕዋይ!

እዚ ንብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ናብ ደረጃ ቅድስና ዘብጸሔ ተኣምር ታሪኹ ከምዚ እዩ፣ ኣብ ታራንቶ ዝበሃል ከተማ ዓዲ ጣልያን ሓደ መንእሰይ ትጒቱጉ ሒዙ እንክጐዓዝ ብርቱዕ ሓደጋ የጋጥሞ ሃለዋቱ የጥፍእ ኣብ ሆስፒታል ንነዊሕ ግዜ ብቱቦታት ተደጊፉ የስተንፍስ ጥራሕ ነበረ፣ ወለዱ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ደሓን እንከሎ ኣብ ጁባኡ ስእሊ ናይዚ ብፁዕ ሒዙ ንክጐዓዝ የገድድዎ ነሮም፣ እዚ ሓደጋ እዚ ምስ ኣጋጠመ ከኣ ናብቲ ቅርያት ናይዚ ብፁዕ ዝርከቦ ኣብ ናፖሊ ዝርከብ ቊምስና ቅዱስ ዶመኒኮ ሶርያኖ ዘናፖሊ ብምኻድ ገለ ክፋል ክህብዎም ይሓቱ እሞ ኣብቲ እቲ ኣብ ሃለዋት ዘየሎ መንእሰይ ዝነበሮ ክፍሊ ሆስፒታል ተነቢረን ቀጻሊ ጸሎት ምስ ተገብረን ካብቲ ብስም እቲ ቅዱስ ዝተባረኸ ማይ ጸሎት ማለት ኣብቲ እቲ ብፁዕ ብሕማም መንሽሮ ንዝሳቀ ዝነበረ እግሩ ዝሓጸበሉ ዝነበረ ቦታ ዝተወስተ ማይ ጸሎት  ከኣ ግንባር እቲ ሕሙም ከጠልቅዩን ምስ ጀመሩ ነቲ ሕሙም ንምስትንፋስን ብሕይወት ንምቅጻልን ተገጣጢሙ ዝነበሩ ቱቦታት ክንኣልዮ ብዓሉ ከተንፍስን ክነብርን ይኽእል እዩ ዝብል ብስራት ተነግረ፣ ብድሕሪዚ ካብቲ ዝነበረ ናይ ተኸታታሊ ጽዑቅ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ቅድስት ሃና ዘኮርቶነ ዝበሃል ሕክምና ብምኻድ ድሕሪ ኣርባዕተ ወርሒ እቲ መንእሰይ ካብቲ ዝነበሮ ደረጃ ሰጊሩ ቀስ ብቀስ ምሉእ ጥዕና ረኺቡ፣ እዚ እቲ ቀንዲ ተኣምር ክኸውን ሕይወት ናይዚ ብፁዕ እዚ ብሓቂ ተጋድሎ ዝመልኦን ካብ ሕጻንነቱ ስቃይ ከምዘይተፍልዮን እውን ተገሊጹ፣

ካብ ሕጻንነት ጀሚሩ ሥቃይ ዝመልኦ ሕይወት!

ኣብቲ ሎሚ ንግሆ ዝተኻየደ ጉባኤ ኮንቺስተርዮ ብዛዕባ ቅዱሳን ናይ እትሓሊ ማሕበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስን ንተጋባእትን  ኣብ ዘቅረብዎ ጸብጻብ ሕይወት ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ብዓቢ ሥቃይ ዝልለ ኮይኑ ግን ብዓቢ እምነትን ፍቃድ እግዚብሔር ንምፍጻም ፍጹም ተኣዝዞን ከምዝልለ ኣመልኪቶም ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ብዕለት 13 ሚያዝያ 1817 ዓም ኣብ ፐስካራ ዝበሃል ዞባ ዝርከብ ፐስኮሳንሶነስኮ እትበሃል 540 ሜትሮ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ሓፍ ኢላ እትርከብ ዓዲ ካብ ዶመኒኮ ዝበሃል ኣዓራዪ ሳእንን ሮዛ እትበሃል ኣላሚትን ከምዝተወልደ ኣመልኪቶም፣ ዓለም ሥቃይ እንክተቅርበልካ ደራሪባ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ተስፋታትካ በብሓደ ትለቅመም ስለዝኾነ ከኣ ሕጻን ኑንስዮ ገና ኣብ ዕሸል ዕድመኡ ክልቲኦም ወለዱ ይስእን፣ ዝገደደ ከኣ እታ ክንዲ ኩሎም ኮይና ተዕብዮ ዝነበረ ዓባዩ ኣብ ትሽዓተ ዓመት ዕድሚኡ ተዘኽትሞ፣ ኣብ ዘብሎ ስለዘይነበሮ ሓደ ኣኮኡ ሓላፍነቱ ይወስድ ግን ኣብቲ ዘካይዶ ዝነበረ ፋብሪካ ሓጺን ዳርጋ ከም ባርያ ከገልግል ይግድዶ፣ ኣብቲ ቀዝሕን በረድን ዝመልኦ ኩነታት ንኪሎመተራት ከቢድ ሓጻውን ከመላልስ ይግድዶ፣ ናይ ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ እንኮ ተስፋ ኣብቲ ቅዱስ ቊርባን ተሓቢኡ ዘሎ ኢየሱስ ምዑቋብ ስለዝነበረ ወትሩ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ተደፊኡ ይልሎ ነበረ፣ ቢሉ ቢሉ እቲ ምዝመዛ ሓደ እግሩ ከምዝሓምምን ናብ መንሽሮ ገጹ ከምዝሰግርን ይገብሮ፣

ብአኮኡ ዝተመዝመዘ ሕጻን እግሩ ይሓምም!

እቲ ሕማም እግሪ ቀስ ብቀስ ናብ መንሽሮ ገጹ ምስ ከደ ክሕከም ግድን ስለዝኾነ ናብቲ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረ ሆስፒታል ይፍተን ምስ ከበደ ከኣ ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ዘይሓውዩ ሕማማት ማእከል ሆስፒታል ናፖሊ ይስደድ፣ እዚ ዘይበሃል ቃንዛ የጓንፎ፣ ንሱ ከኣ ንኩሉ  ንጐይታ የወፍዮ፣ ካብቲ ቃላቱ ንምጥቃስ ዚኣክል `ኢየሱስ ስለና ብዙሕ ተሳቀየ በዚ ስቃዩ ከኣ ሕይወት ዘለዓለም ኣወፈየልና፣ ቁሩብ እንተተሳቂና መንግሥተ ሰማያት ከምእንወርስ ኣይጠራጠርን፣ ኢየሱስ ስለይ ብዙሕ ካብ ተሳቀየስ ኣነ ስለኡ ዘይሳቅየሉስ ከመይ?  ዋላ ሓደ ሓጢኣተኛ እውን ይኹን ንምድሓን ሕይወተይ መወፈኹ’ ይብል ነበረ፣ በዚኸስ ብፁዕ ኑንስዮ ሱልፕሪስዮ ሓቀኛ መልኣኽ ሥቃይን ፍቅርን ክርስቶስ ክንብሎ ንኽእል፣

ሓቀኛ መልኣኽ ሥቃይን ፍቅርን ክርስቶስ!

ንብፁዕ ኑንስዮ ክበጽሕዎ ዝመጹ ‘መን ይግደሰልካ’ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ‘ሓልዮት እግዚብሔር ይግደሰለይ’ ኢሉ ይምልስ ነበረ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ናፖሊ ኣቦ ድኻታት ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ኮረነል ፈሊቸ ዎቺንገር ብምንባሩ ካልእ ኣኮ ወዲ 15 ዓመት ንዝነበር ኑንስዮ ናብዚ ሰብዚ የቅርቦ፣ ዎቺንገር ነዚ መንእሰይ ምስ ተዓዘቦ ዝነበሮ ሥቃይን ትዕግሥትን ኣብ ግምት ብምእታው ብሓቂ ሓደ መልኣኽ ሰማዕት ናይ ሥቃይን ፍቅርን ክርስቶስ እዕዘብ ኣሎኹ ኢሉ መስኪሩ፣ ብሓቂ ከኣ ናይ ኣቦን ውሉድን ፍቅሪ ተመስሪቱ፣ ብፁዕ ኑንስዮ ነዚ ሥቃይ እዚ ስለ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ብታሕጓስን ይነብሮ ከምዝነበረ ነዚ ከኣ ንሱ ንባዕሉ ቊሩብ ሕይሽ ምስ በሎ ንሕሙማት ክሕግዝን ከጸናንዕን እንከሎ  ንዝኾነ ሥቃይ ስለ ፍቅሪ እግዚብሔር ተቀበልዎ እዚ ብታሕጓስ ይኹን እውን ይብል ነበረ፣  ኮይኑ ግን ኣብ መወዳእታ 1835 ዓም ጥዕናኡ እናማህመነ ይኸይድ ናይ ዓጽሚ መንሽሮ የማዕብል ቃንዛኡ እዚ ክትብሎ ዘይከኣል ይኸውን ሓካይም ነታ እግሪ ክቆርጽዋ እውን ኣይከኣሉን ከመይ ጥዕናኡ ብጣዕሚ ድኹም ነበረ፣

ድሕሪ ሞቱ ኣብ ከተማ ናፖሊ ዓቢ መንፈሳውነት ይጅምር!

ዕለት 15 ግንቦት 1836 ዓምፈ ብፁዕ ኑንስዮ ቃንዛ ስለዝበርትዖን እናደኸመ ብምኻዱን መስቀል ከምጽእሉ ይሓትት ጽንሕ ኢሉ ከኣ ዘናዝዝ ካህን ክጽውዑሉ ይሓትት፣ ነቲ ካህን ከኣ ‘ሕጉሥ ኩን ወትሩ ካብ ሰማይ ክሕግዘኩም እየ` ይብሎ እሞ ሰላማዊ ሞት ይመውት፣ ብኡ ንብኡ እቲ ክፍሊ ብጨና ጽገረዳ ይዕወድ፣ እቲ ብሕማም ተጨማዲዱ ዝነበረ ሰውነቱ ድሕሪ ሞቱ ይሕደስ ንሓሙሽተ መዓልቲ እውን ሕዝቢ ክዕዘቦ ይዕቀብ፣ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ዶመኒኮ ዘሶርያኖ ምስ ተቀበረ መቃብሩ መካነ ንግደት ንክኸውን ግዜ ኣይወሰደን፣

በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ 9ይ ብዕለት 9 ሓምለ 1869 ኩሉ ሕይወት ኑንስዮ ብመንፈሳዊ ሓይላት ዝተሸለመ ኮይኑ መገልገሊ እግዚብሔር ኢሎም ኣወጁ፣ ብዕለት 1 ታሕሳስ 1963 ዓምፈ ከኣ ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ማእከል ኣበው ጉባኤ ካልእይ ቫቲካን ከም ኣብነት ኩሎም መንእሰያት ብሕልፊ ከኣ ንሠራሕተኛታት መንእሰያት ኣብነት ዝኸውን ብምዃኑ ብፁዕ እንክብሉ ብፅዕናኡ ኣወጁ፣ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ፐስኮዳንሶነስኮ እውን መካነ ንግደት ተሰናደወ ብዙሓት መንእሰያት እንክነግድዎ ዳርጋ ሽሙ ለዊጡ መካነ ንግደት ናይ መራኩስ ብዝብል ስም ይፍለጥ፣ እዚ ከኣ ብዙሓት መንእሰያት ብመራኹስ ናብቲ መካነ ንግደት መጺኦም ምስ ጸለዩ ብኣማልድነት ኑንስዮ ከምዝሓወዩ ንምምልካት ምዃኑ ተገሊጹ፣  

ነዚ መደብ ብድምጺ ንምክትታል ኣብዚ ጠውቑ!
19 July 2018, 11:24