ድለ

Papa Francesco a Palermo 2018.09.15 - Pagina Facebook - intervista Mons Lorefice Papa Francesco a Palermo 2018.09.15 - Pagina Facebook - intervista Mons Lorefice 

ኣብ ኢጣሊያ ርእሰ ሰበኻ ፓለርሞ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ዘዘንትው ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ ፓለርሞ ንኸካይድዎ ዝተወሰነ ሓውጾተ ኖልዎ ዝምልከትን ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ ከይድታትን ፍጻሜታትን ብቐጥታ ዘዘንትው ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ወግዓዊ ድረ ገጽን ከምኡ እውን ኣብ ማሕበራዊ ድረ መራኽቦ መረብት ፋይስ ቡክን ትዊተርን ወግዓዊ ኣድራሻ ከምዝደረሰን ተገሊጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ዕለት 15 መስከረም 2018 ዓ.ም. ከተማ ፓለርሞ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽትቅበል ትሰናደው። እቲ ቅዱስነቶም ኣብ ፓለርሞ ዘካይድዎ ሓውጾተ ኖልዎን መንፈሳውን ባህላውን ፍጻሜታቱ ኵሉ ብምክትታል ዘዘንትው www.papafrancescoapalermo.it እተሰምየ ወግዓዊ ድረ ገጽ ከምዝደረሰን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ማሕበራዊ መራኽቦ መረብት ፋይስ ቡክ www.facebook.com/PapaFrancescoaPalermo  ፓፓፍራቸስኮኣፓለርሞን ዝብል ኣብ ትዊተር እውን  @PapaFrancescoPA  ፓፓፍራንቸስኮፓፒኤይ ብዝብል መጸውዕ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣድራሻ ከምዝደረሰ ተሓቢሩ።

ኣብ እምነት ንምጽናዕ ዝግበር መገሻ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣባ ፑሊዚ ኣብ ዝተሰውእሉ ፍቕሪ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሲቺሊያን ምእመንን ንምጽናዕ ምዃኑ ናይ ፓለርሞ ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኮራዶ ሎረፊቸ ኣብ ሰበኻኦም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንምእንጋድ ዝግበር ምስንዳዋትን ብዛዕባኡ ዝካየድ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኽመክር ናይ ፓለርሞ ሰበኻ ቤት ምኽሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዝገለጹ እንክፍለጥ። እቲ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱነቶም ምስ ዝኽሪ መበል 25 ሰማዕትነት ኣባ ፑሊሊ ዝተተሓሓዘ ከምዝዀነን ነታ ሰበኻ ኣብ ምስክርነት ብቓልን ሕይወትን እምነት ተስፋን ፍቕርን ንምጽናዕ እዩ ኢሎም።

መንእሰያት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፓለርሞ

ዕለት 14 መሰክረም 2018 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ፓለርሞ ካቶሊካውያን መንእሰያት ዞባዊ ኣኼባኦም ኣብ ዘካይድሉ እዋን ንጽብሒቱ ሰዓት 5 ኣብ ኣደባባይ ፖሊተኣማ ንቕዱስነቶም ኣቀባብላ ክገብሩሎምን ከምዝዀነ ብፁዕ ኣቡነ ሎረፊቸ ከዝገለጹ ካብ ርእሰ ሰበኻ ፓለርሞ ዝወጸ መለጺ የመልክት።

ኣብ ኢጣሊያ ርእሰ ሰበኻ ፓለርሞ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስ ኣቦና ዘዘንትው ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ
23 July 2018, 16:19