ድለ

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ክርስቲያናዊ ሕይወት ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ክርስቲያናዊ ሕይወት 

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ክርስቲያናዊ ሕይወት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረሰብ ሕይወት ክርስትና ምንቅስቓስ ሰዓብቲ መንፈሳውነት ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፍልዩ መንፈሳውነት ቅዱስ ኢግናዚዮ ዑምቆቱን ንክርስቶስ ኣብ ኣሕዋት ምርካብን ዝብል ሓላፍነት ዘቃልሕ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበረሰብ ሕይወት ክርስትና ምንቅስቓስ ሰዓብቲ መንፈሳውነት ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ፍልዩ መንፈሳውነት ቅዱስ ኢግናዚዮ ዑምቆቱን ንክርስቶስ ኣብ ኣሕዋት ምርካብን ዝብል ሓላፍነት ዘቃልሕ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

“እትስዕብዎ መንፈሳውነት ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ዓቢይ ህያብ ምዃኑን ክቕጽል መታን ዘለዎ ዓቢይ ዑመቀት ኣብ ምንባር ጐይታ ክድግፈኩም ጸልዩን ኣስተንትኑን” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናይቲ ኣብ ኣርጀቲና ርእሰ ከተማ ቡወኖስ ኣይረስ ክሳብ ዕለት 31 ሓለ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት ናይቲ ምንቅስቓስ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምስረታ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉብኤ ብይብጻሕ ናብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ሕይወት ክርስትና ምንቅስቓስ ሰዓብቲ መንፈሳውነት ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘ ሎዮላ ወሳኒ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ማውሪሲዮ ሎፐዝ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተጸሓፈ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እዩ።

ጥባረ ኣግኖስጦሳውነት (ህልዎተ እግዚኣብሔር ምፍላጥ ዝክኣልእ ኣይኰነን ዝብል ፍልስፍና)  ኣንፈት ከየስሕት

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ካብ 70 ሃገራት ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ 250 ተጋባእያን፥ “ነቲ ዝተቐበልክምዎ መንፈሳውነት ተኸናኸኑን ብሓጐስ ኣወፍይዎን” ቢሎም፡ ስለ እቲ ካብጐይታ ዝተቐበልክምዎ “ደጋን ህያብን” ኢየሱስ ርእዩ ስለ ዝሓረየኩም ብትሕትና ኣመስገንቱ ኩኑ፡ ስለምንታይ ዘለኵም ጽርያት (quality) ኰነ ብልጫ ብዘየገድስ ኣባኹም እማኔ ስለ ዘንበረ እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ገዛእ ርእስኹም ንኽትወጹን ምስ ካልኦት ንኽትራኸቡን በቲ ፍሉዩን እንኰን ልቢ ሰብ ዘርውይ እንጌራ ዝዀነ ፍቕሪ ክርስቶስ እትዕንግልዎ ጸዋዕታን ሓላፍነን እዩ፡ እቲ ጥባረ ኣግኖስጦሳውነት  ኣንፈት ከየስሕተኵም ሓደራ ኢሎም።

ክርስቶስ ኣብ ኣካል ተኣፋፊ ሰብኣዊ ፍጥረት

ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ፥ እቲ ማሕበረሰብ ሰዓብቲ ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላ ኣስተንፍሶ ዘንብረሉ መንፈሳነት ማእከል፡ ኣስተንታኒ ኣብ ግብሪ ምዃን ዝብል ድላይ ዝተነብሮ እዩ፡ ኣስተንትኖን ተግባርን ክልተ ኩርናዕ ኣብ ኣሃድነት ኣያቶም፡ ስለዚህ ናብ ልቢ እግዚኣብሔ ዘእትው በሪ ስቓይ ክርስቶስ እዩ፡ ክርስቶስ ኣብ ዝጠመዩን ዝተረስዑን ዝተናዕቁን ኣብ ኣረጋውያንን ህሙማንን እሱራትን ዝዓረቑን ኣብ መላእ እቲ ተኣፋፊ ሰብኣዊ ፍጥረት ህልው ምዃኑ ምፍላጥ እዩ።

ብፍቕሪ ክርስቶስ ንኽንቅረጽ ገዛእ ርእስና ንኣኡ ንሕደግ

ኣገባብ  ሕይወት ክርስትና ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ጽዑቕ መንፈሳውነትን ዕዮን ዝብል እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ሕይወትካ ብፍቕሪ ክርስቶስ ክቕረጽ ምፍቃድ ማለት እዩ፡ ናቱ ስምዒት ኣባኻ ህልው ምግባር ማለት እዩ፡ ስለዚህ ኣነ ንኽርስቶስ እንታይ እገብር፡ ንኽርስቶስ እንታይ እገብረሉ፡ ንኽርስቶስ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ ዝብል ሕቶ ነቕርብ፡ ኣብ መወዳእታ ንተጋባእያን ኩሎም ኣመስጊኖም፡ ንዕለታዊ ዕዮኹም ኹሉ ሓዋርያዊ ትርጉም ብምሃብ ኣብ ንጥፈታትኩም ኵሉ ክርስቶስ ህልው ክትገብሩ አተባብዓኩም እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዛዚሞም።

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ክርስቲያናዊ ሕይወት

Photogallery

ቅዱስ ኣቦና ንማሕበረሰብ ክርስቲያናዊ ሕይወት
31 July 2018, 16:14