ድለ

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ እስያ ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ እስያ ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል 

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ እስያ ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ካብ ዕለት 18 ሓምለ ክሳብ ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓምሻይ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንሓዋርያነትን ንወንጌላዊ ተልእኮ ለውጥን ኣብ ፊሊፒንስ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መላእ ክፍለ ዓለም ሃገራት እስያን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክትገጥሞ ዝግብኣ ብድሆ እዩ ይብሉ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ካብ ዕለት 18 ሓምለ ክሳብ ዕለት 22 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓምሻይ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንሓዋርያነትን ንወንጌላዊ ተልእኮ ለውጥን ኣብ ፊሊፒንስ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ መላእ ክፍለ ዓለም ሃገራት እስያን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ መላእ ዓለም እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ክትገጥሞ ዝግብኣ ብድሆ እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ኣብ ማኒላ ዝተኣንገደ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተጋባእያን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሕውነታዊ ሰላምታኦም ዘቕረብሉ ብይብጻሕ ኣብ ፊሊፒንስ ልኡከ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጋብርኤለ ካቻ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ብናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ከምእተነበ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ብፁዕ ኣቡነ ካቻ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ Evangelii Gaudium-ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስክ ተወኪሶም፡ “ሕይወታውነት ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ንኹሉን ኣብ ኩሉ ስፍራን ኣብ ኩሉ ኣጋጣምንታትን ሰጋእመጋእ ከይበለትን ብዘይ ምንጻግን ብዘይ ጽልኣትን ብዘይ ፍርሕን ንምብሳር ምውጻእ እዩ፡ ስለምታይ ናይ ወንጌል ሓሴት ማንም ዘይነጽግ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ብምዃኑ” (ወንጌላዊ ሓሴት፡ ፍቕዲ 23 ረኣ) የነጽሩ።

ቍምስና ዕዮ ስድራ ቤት

እቲ ኣብ ፊሊፒንስ ርእሰ ከተማ ማኒላ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ከም ውዱዕ ዘንብሮ ናይ ኢየሱስን ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተልእኮ ወንጌልን ጽኑዕን ኣእማንን ተመክሮ ንምቕራብ ዝብል ኰይኑ፡ “ኣብ ኢየሱስ ስሩታት ኰይንና ናይ ምትራፍ ዕድል ዝምልከት” ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፡ “ኣብቲ ሓድሽ ብስራት ኣብ ዝዀነ ኢየኡስ እንተድኣ ስሩታት ዘይኰንና ወንጌላውነት ክህሉ ኣይክእልን፡ ኢየሱስ ወንጌል እዩ” ከምዝበሉ ዝገለጸ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ኣዚ ካብ ዕለት 18 ሓምለ ተበጊሱ ክሳብ ዕለት 22 ሓመለ 2018 ዓ.ም. ዝቕጽል ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እስያ ካብ 2013 ዓ.ም. ዝተበገሰ ካብቲ ናይ መላእ ሃገራት እስያ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ጉባኤታት ዝተፈልየ ኰይኑ ኣብ ቁምስናን ሕንጸትን ዕዮን ስድራ ቤትን መንእሰይን ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሃንን ማሕበራዊ መረብትን ትምህርተ ክርስቶስን ተልእኮ ወንጌልን ሓድሽ ስርዓት ኣገልግሎት ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ዝብሉ ነጥብታት ኣማእኪሉ በቢ ዓመቱ ዝካየድ ምዃኑ የዘኻኽር።

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ናይ እስያ ሓምሻይ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍትሆተ ወንጌል
20 July 2018, 15:31