ድለ

2018.06.06 -ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ 2018.06.06 -ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ  

ኣብ ቤተክርስትያን ጐይቶትን ኣገልገልትን የለውን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ረፍዲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ከም ወትሩ ተዘዋዊሮም ሰላም ድሕሪ ቢሎምን ባሪኾምን ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ሶሙን ብዛዕባ ምሥጢረ ሜሮን ዝጀምርዎ ትምህርቲ ብምቅጻል ‘ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ተቀባዕቲ ሜሮን ዘደንፍዖም ጸጋታት’ ብዝምልከት ነዚ ትምህርቲ እዚ ኣቅሪቦም፣

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! 

ብዛዕባ ምሥጢረ ሜሮን እንገብሮ ዘሎና ኣስተንትኖ ብምቅጻል ሎሚ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ነቶም ተቀባዕቲ ሜሮን ብግዲኦም ንካልእ ውህበት ክሳብ ዝኾኑ ኣብ ሕይወቶም ዘደንፍዖም ጸጋታት ክንምልከት ኢና፣ መንፈስ ቅዱስ ሓደ እዩ፣ እቲ ቀባኢ ጳጳስ ወይ ኣቡን ብቅዱስ ሜሮን ክቀብኣና እንከሎ `ነቲ ብውህበት ዝተዓደልካዮ መንፈስ ቅዱስ ተቀበል` ከምዝብለና ንዘክር፣ እዚ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ይኣቱ ፍረ ከፍሪ ይጅምር በዚ ከኣ ንሕና ብግደና ንካልኦት ክነካፍሎም ንኽእል። ወትሩ ንክትህብ ኢኻ ትቅበል፣ ነፍስና ከም መኻዚና ገርና ንዝተቀበልናዮ ኣብ ውሽጥና ሒዝና ንገዛእ ርእስና ጥራይ ብዝብል ሓሳብ ነዚ ጸጋ እዚ ፈጺምና ክንቅበል የብልናን፣ ጸጋ እግዚብሔር ንካልኦት ንክትህቦ ኢኻ ትቅበሎ፣ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ከኣ እዚኣ እያ፣ ካብቲ ኣነ ዝብል ጸቢብ ሓሳብ ኣውጺኡ ናብ ንሕና ገጹ ዘጓዕዘና ማሕበር ክርስትያን ዝገብረናኸስ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ንክትህብ ምቅባል፣ ማእከል ናይዚ ነፍስወከፍና ኣይኮናን ንሕናስ መጋበሪ ናይዚ ውህበት ንካላኦት ኢና፣

መምርሒ ሥርዓተ ሜሮን ቊ.25 ከምዘመልክቶ ‘ንዝተጠምቁ ነቲ ንክርስቶስ ዘምስሎም ምሥጢረ ሜሮን እንክወሃብከስ ከም ሕያው ኣካል ናይቲ ምሥጢራዊ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነ ቤተክርስትያን ጥቡቅ ውህደት ከምዝህልዎ ይገብር’ ይብል፣ ተልእኮ ስብከተወንጌል ናይ ቤተክርስትያንከስ ብኩሎም ኣካላታ እዩ ዝግበር፣ ምናልባት ገሊኦም ቤተክርስትያን ናይ ኣሕሉቅ ጥራይ ክትመስሎም ትኽእል፣ ናይ ር.ሊ.ጳ ናይ ኣቡናት ናይ ካህናት ከምኡ እውን ካልኦት ኣባላቶም ክትመስሎም ትኽእ፣ ኣይፋልን! ቤትክርስትያን እንበሃልሲ ንሕና ኩልና ኢና፣ ኩልና ከኣ ነንሕድሕድና ንኽንቅደስ ሓልዮት ሓድሕድ ክህልወና ሓላፍነት ኣሎና፣ ቤተክርስትያን ንሕና ኲልና ኢና፣ ነፍሲወከፍ ኣብ ቤተክርስትያን ሥራሑ ኣለዎ ኮይኑ ግን ቤተክርስትያን እንበሃል ኲልና ኢና፣ ንቤተክርስትያን ከም ሓደ ሕያው ሰውነት ገርና ክንሓስባ ኣሎና፣ ዘቊሙዋ ከኣ እንፈልጦም ሰባት እምበር ኣብ ሓሳብና ርሑቅ ዘለው ኣይኮኑን፣ ንሕና እዞም ኣብ ጉዕዞ እንርከብ ኢና ቤተክርስትያን! ሎሚ ኣብዚ ቅርዓት እዚ ዘሎና ንሕና ኢና ቤተክርስትያን፣ እዛ ንሕና እትበሃል እያ ቤተክርስትያን፣ ምሥጢረ ሜሮንከስ ነቲ ኣብ ኩሉ ዓለም ተዘርጊሓ ዘላ ኩላዊት ቤተክርስትያን ኣባላት ንክንከውን ዘኽእል ኮይኑ ነፍሲወከፍ ተቀባኢ ኣብታ ዘለውዋ ማሕበር ከም መራሒ ተኸታሊ ሓዋርያት ዝኾነ ኣቡን ወይ ጳጳስ ኣብ ዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ክሳተፉ ኣለዎም።

ከምቲ ኣብ ብርሃነ ኣሕዛብ ዝብል ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቊ.26 ‘ኣቡናቶም እቶም ቀዳሞት ሠራዕቲ ሚሮን እዮም’ እንክብል ከምዝገልጾ ከኣ ነቲ ሜሮን ዝቅባእ ኣብ ቤተክርስትያን ዝጽምብሮ ኣቡን እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ላቲናዊት ቤተክርስትያን ብመሠረቱ እዚ ምሥጢር እዚ ብአቡን ጥራይ ክወሃብ ስለምንታይ ንዝብል ክገልጽ እንከሎ ሓዲስ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቊ. 1313 ‘ኣብ ሥርዓት ላቲን፣ ናይ ምሥጢረ ሜሮን ንቡር ሠራዒ ኣቡን (ጳጳስ) እዩ። ኣድላዪ ምኽንያት ተረኺቡ፣ ኣቡን ነቲ ምሥጢረ ሜሮን ናይ ምሥራቅ ሥልጣን (ክእለት) ንኻህናት ኪህብ ዚኽእል’ኳ እንተኾነ፤ ምሥጢረ ሜሮን ካብ ምሥጢረ ጥምቀት ንግዜU ዝተፈልየሉ ቀንዲ ምኽንያት እዚ ምዃኑ ብምግንዛብን፤ ንናይ’ቲ ምሥጢር እንታይነት (ትርጓሜ) ኪብልን፤ ኣቡን (ጳጳስ) ባዕሉ ኪሠርዕ (ኪዕድሎ) ዝበለጸ እዩ። ኣቡናት ናይ ሓዋርያት ተካእቲ (ተኸተልቲ) እዮም።” ይብል፣

እዚ ሥርዓት እዚ ኣብቲ ፍጻሜ ብዝገብሮ ናይ ሰላም ምልክት ከኣ ኣቲ ኣብ ቤተክርስትያን ምእታው ወይ ምውህሃድ ይግለጽ፣ እቲ ቀባኢ ኣቡን ነቲ ተቀባኢ ‘ሰላም ምሳኻ ይኹን’ እንክብል ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ፋሲካ ንሓዋርያት ዘቅረበሎም ሰላምታ እዩ፣ ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ መንፈስ ቅዱስ ዝዓሰሎ ሰላምታ እዩ፣ ኣብ ዮሓ 20.19-23 ዝርከብ ኮይኑ ላቲናዊ ሕገ ቀኖና ቊ.1301 እዘን ቃላት እዚኤን ‘ነቲ ምስ ኣቡንን ምስ ኩሎም ምእመናንን ንዘለዎ ቤተክርስትያናዊ ሱታፌ’ የብርሃ፣ ስለዚኸስ ንሕና ምሥጢረ ሜሮን ክንቅበል ከሎና መንፈስ ቅዱስን ሰላምን ንቅበል፣ እዛ ሰላም እዚኣ ንካልኦት እውን ክንዕድላ ዘሎና እያ፣ ሕስብ እሞ ኣብልዎ ነፍሲወከፍ ንማሕበር ቊምስናኡ እንተደኣ ሓሲቡ መጀመርያ ሥርዓተ ሜሮን ስዒቡ ከኣ እቲ ኣቡን ዝህቦ ሰላም እንደገና ጸኒሑ ከኣ ኣብ መንጎ ነንሕድሕድና እንለዋወጦ ሰላምታ ኣሎ፣ እዚ እንትርፎ ውህደት ሓድነት ፍቅሪ ሰላም ካልእ ኣይገልጽን፣ ደሓርከ እንታይ ይስዕብ እንተበልና ጸገም ኣሎ፣ ካብ ቤተክርስትያን ውጽእ ክንብል ጀሚርና ክንሓሚ በለካ ለኽዓካ ክንብል ንጅምር፣ እዚ ግን ኣቡኡ ዘፍለጠ ውግእ እዩ፣ ከምዚ ክኸውን የብሉን፣ ንሰላም ክርስቶስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እንተደኣ ተቀቢልና ናይ ሰላም ሰባት ክንከውን ኣሎና፣ ብመልሓስና ሰባት ክነዕኑ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝጸገዎ ሰላም ክንዘርግ ኣይግባኣን፣ ነዚ ናይ ሕሜታን በለካ ለኽዓካን ጠባያትና እንክትጥምት መስኪን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕለና ዝሰርሕ ከብለካ ይኽእል፣ እዚ ኣጸቢቅኩም ሕሰቡሉ፣ ሕሜታን በለካ ለኽዓካን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነ ስራሕ ሓደንት ቤተክርስትያን ኣይኮነ፣ ሕሜታን በለካ ለኽዓካን ነቲ እግዚብሔር ዝሃነጾ የፍርስ፣ እሞ በጃኹም ሕሜታን በለካ ለኽዓካን ነቋርጾ፣

ምሥጢረ ሜሮን ሓንሳእ ጥራሕ ኢና እንቅበሎ ኮይኑ ግን እቲ ብቅዱስ ቅብኢ እንቅበሎ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ኣብ ሕይወትና ምስ ሰርሔ እዩ፣ ብናይ ወንጌል ገርህነት ተመሪሕና ናይ ቅዱስ ሕይወት መዓዛ ካብ ምዝርጋሕ ክነቋርጽ የብልናን፣ ተልእኮና እዚ እዩ፣

ንምሥጢረ ሜሮን ማንም ሰብ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ንግላዊ ጥቅሙ ጥራይ ዝቅበሎ የሎን፣ ንመንፈሳዊ ዕብየት ናይ ካልኦት ንምትሕብባር ኢና እንቅበሎ፣ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ነሕዋትና ንክንረክብ ልብና ብምኽፋት ጥራይ ኢና ብመንፈስ ቅዱስ ክንዓቢ እንኽእል፣ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ብምትራፍ ዝግበር የለ ዝርከብ ዕብየት የለ፣ ካብ እግዚብሔር ጸጋ ውህበት ትዕድልቲ እንክንቅበልከስ መጀመርያ ክነፍርየሉ ምስ ኣሕዋትና ከኣ ክንካፈሎ እዩ፣ እንተዘየሎ ከምቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ሓቢእና እንተቀበርናዮ ፍርዱ ሓያል እዩ ክኸውን (ማቴ 25.14-30 ተመልከት)፣ ልክዕ ከም ዘርኢ እዩ፣ ንዘርኢ ኣብ ማዕከን ኣቀሚጥና ሱቊ ኣንተኢልና ምንም ክፈሪ ኣይክእልን፣ ክፈሪ እንተኾይኑ ክዝራእ ኣለዎ፣ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እውን ነታ ማሕበርና ክነወፍዮ ኣሎና፣

በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኩሎም ምሥጢረ ሜሮን ዝቅበሉ ንመንፈስ ቅዱስ ቀቢሮም ከይሕዝዎ ሓደራ እብል፣ ንንፋስ መንፈስ ቅዱስ ከይትቃወሙ ናብ ነጻነት ክመርሓኩም ኣፍቅዱሉ! ንሓዊ መንፈስ ቅዱስ ክትዕፍኑ ከይትፍትኑ ሓደራ ንሕይወትኩም ንእግዚብሔር ነሕዋትኩምን ከቃጽላ ኣፍቅዱሉ፣ መንፈስ ቅዱስ ንመልእኽቲ ወንጌል ብቃልን ብግብርን ንክንሰብኽ ሓዋርያዊ ትብዓት ንኩልና ይዓድለና፣ እወ ብቃልን ብግብርን ኮይኑ ግን ቃላትና ዝሃንጽ ሠናይ ቃላት ክከውን ኣለዎ፣ ኣዕነውቲ ንዝኾኑ ቃላት ሕሜታን ቤላቤለውን ኣይፋል ንበል፣ በጃኻትኩም ካብ ቤተክርስትያን ክትወጹ እንከሎኹም ነታ ዝተቀበልኩምዋ ሰላም ንካላኦት ኣካፍልዋ፣ ብሕሜታን ቤላቤለውን ንካልኦት ከይተዕንው ሓደራ፣ ነዚ ኣይትረስዑ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣ 

ነዚ መደብ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቅ!
06 June 2018, 19:31