ድለ

መንፈስ ቅዱስ ርድኢት እምነትና የዕቢ! ስለ ሥራሕ ኣልቦ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

እምነት ሓንሳእ ምስ ተቀበልካዮ ኣብኡ ደሪቁ ዝተርፍ ኣይኮነን ከም ዘርኢ ኰይኑ ምስ ተቀበልካዮ ኪዓብን ክፈርን ኣለዎ ነዚ ዝገብር ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ከኣ ነቲ ኢየሱስ ዝመሃሮ በብሓደ ከምዝርደኣና እናገበረ ከም እንዓብን እንፈርን ይገብረና

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 11 ግንቦት 2020 ዓም እውን ነቲ ልሙድ ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ዝከታተልዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስለ እቶም ሥራሕ ስኢኖም ኣብ ብርቱዕ ጸገም ዘለው ንጸሊ ኢሎም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ መንፈስ ቅዱስ ንእምነትና ክንረድእ ክሕግዘና ክንምሕጸኖ እሞ ብእምነት ክንዓቢ ኣዘኻኺሮም። ነቲ ቅድሚ 75 ዓመት ኣብ ተርሞሊ ከምዚ እዋን ንዝተረኽበ ቅዱሳት ቅርያት ኣካላት ቅዱስ ጢሞቴዎስ እውን ዘኪሮም።

ዜና ቫቲካን ቅዱስነቶም ከም ልማዶም ቅድሚ ቅዳሴ ምጅማሮም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶምን ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ምርካብ መቃብር ቅዱስ ጢመቴዎስ ኣብ ተርሞሊ ንዝግበር በዓል እውን ዘኪሮም። ሎሚ ምስ ምእመናን ተርሞሊ ኣብ በዓል ምርካብ ሬሳ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ንሕበር። ኣብዚ ዕለታት እዚ ብዙሓት ሰባት ሥራሕ ስኢኖም ዝሳቀዩ ኣብ ጸሊም ሥራሕ ዝተዋፈሩ እውን ኣይተሳእኑን እሞ ጐይታ ነዞም ብስእነት ሥራሕ ዝሳቀዩ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክረድእ ንጸሊ ኢሎም። ናይ ዕለቱ ወንጌል መቀጸልታ ናይ ትማሊ ኰይኑ ካብ ዮሓ 14.21.26 ዝተወስደ 'እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፥ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፥ ዜፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ' ዝብል ነቲ ልብኹም ኣይሸበር ክብል ዝጀመሮ ምጽንናዕ ስዒቡ መጽናንዒ መንፈስ ቅዱስ ዘተስፉ ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም እዚ መጸናንዒ እዚ እቲ ጰራቅሊጦስ ዝበሃል ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ እግዚአብሔር ኣቦን እግዚአብሔር ወልድን ዝሰዱልና ወትሩ ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወትና ዘሰንየናን ዝድግፈናን እዩ ምስ በሉ ሕቶኣ ዝሓቱ ዝምልሹን እንክመስሉ ከኣ እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና እንታይ ይገብር ኢሎም ይሓቱ እሞ ነቲ ጐይታ ዝበሎ `ንኩሉ ነገራት ክምህረናን ንኩሉ እቲ ጐይታ ዝበሎ ከዘኻኽረናን እዩ ዝመጽእ` እንክብሉ ምምሃርን ምዝኽኻርን ክልተ ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ገሊጾም።

እንታይ ይምህረና ንዝብል ከኣ ምሥጢረ እምነት ይምህረና እሞ ኣብዚ መወዳእታ ዘይብሉ ምሥጢር ከም እንጥሕል ገቢሩ ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ በብሓደ ገሊጹ እምነትና ብዘይተሰሓሓተ መንገዲ ከምዝምዕብል ይገብሮ። ኣብ እምነትና እናተረደኣኣ ከም እንዓቢ ዝገብርከስ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እምነት ሓንሳእ ምስ ተቀበልካዮ ኣብኡ ደሪቁ ዝተርፍ ኣይኮነን ከም ዘርኢ ኰይኑ ምስ ተቀበልካዮ ኪዓብን ክፈርን ኣለዎ ነዚ ዝገብር ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ነዚ ከኣ ነቲ ኢየሱስ ዝመሃሮ በብሓደ ከምዝርደኣና እናገበረ ከም እንዓብን እንፈርን ይገብረና። መንፈስ ቅዱስ እንክምህረና ክንሰሓሓትን ክነሰሓሕትን ኣይንኽእልን ኢሎም።

እታ ካልአይቲ መንገዲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወትና ዝገብራ ከኣ ነቲ ጐይታ ዝበለና ኣብ ልብና ዘቀመጦ ነገራት በብሓደ ከም እንዝክር ይገብረና። እዚ ብቀዳምነት ንሓዋርያት እንክምልከት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከሎ ንዝበሎም ኩሉ የዘኻኽሮም ስዒቡ ከኣ ነቶም ኪዱ ንኩሉ እቲ ኣነ ዝመሃርኩኹም መሃርዎም እሞ ተኸተልተይ ኣርድእተይ ግበርዎም ንዝበለና ንዓና ነቲ ሓዋርያትን ሰዓብቶምን ዝመሃሩና ንከይንርስዕ ንከይንዝንግዕ ወትሩ እናኣበራበረ ከም እንዝክሮ ይገብረና። ከምዛ መዘኻኸሪት ወይ መንቅሒት ሰዓት ኰይኑ ኣብ ልብና ኰይና ወትሩ የነቃቅሓና የዘኻኽረና።

ኣብ ጉዳያት ጐይታን ጉዳያት እምነትናን ከይንዝንግዕ ወትሩ የነቃቅሓና እሞ ሕይወትና ክንዝክር ምናዳ እታ ቀዳመይቲ ርክብ ምስ ጐይታ ዝገበርናላን ከም መድሓኒና ምስ ተቀበልናዮ ዝነበረ ታሕጓስን ጸጋን ከይንርስዕ ነዝን ካልእን የዘኻክረና። ቅዱስነቶም ከም ኣብነት ዘቅርብዎ ሓደ ብብዙሕ ሃረርታ ንጐይታ ዝተቀበለ እሞ ሸተት ዝበለ ተመሊሱ ክጽሊ እንከሎ `ኦ ጐይታይ ኣነ እቲ ብሕጻንነተይን ኣብ ጉብዝናይን እዚ ሕልሚ እዚ ዝነበረ ሰብ እየ። እንተኾነ ግጉይ መንገዲ ወሲደ ጠፊኤ ነረ ሕጂ ኸኣ ዳግም ጸዊካኒ` ዝብል ብሓቂ መንፈስ ቅዱስ ዝረድኦ ኣመት ሕይወቱ ገሩ ጻውዒት ጐይታ ሰሚዑ ሕሉፉ ክዝክር ዝኸኣለ እሞ ዳግም ናይ ዝትንሥእ ዕውት ክርስትያን ኣብነት እዩ ምስ በሉ ናብዚ ዘብቅዕ ናብ ዝኽሪ ርክብ ጐይታ መሊሱ ዳግም ነቲ ርክብ ክተመዓራሪ ዝሕግዝ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣብሪሆም። እዚ እቲ ጐይታና ኢየሱስ ሒዝዎ ዝመጸ ድሕነት ኰይኑ ዝኽሪ ነፍሲወከፍ ኣማኒ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ንማለቱ ዝግበር ዝኽሪ እሞ መንፈስ ቅዱስ ኣዘክር ኣቢሉካ ዝሓድገካ ኣይኮነን መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣዘከረካ ከመይ ገርካ ክትምለስን ብሓዲስ ሕይወትካ ክትሰርዕን ምስ ጐይታ ዘሎካ ርክብ ንክትፍውስን ባዕሉ እዩ ዝመርሓካን ዝሕግዘካን። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ኩነታት ኣለሊኻ ንክትክእል ይመርሓካ። ሽዑ ንሽዑ እውን እንታይ ክትገብር ከምዝግበኣካ የብርሃልካ። እዚ ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ጥራይ ከይመስለና ኣብ ናኣሽቱን ዘይጠቅሙን ዝመስሉና ነገራትን እውን ክረድኣናን ከብርሃልናን ስለዝኽእል ወትሩ ኣብርሃልና ክንብሎ ኣሎና ሽዑ ከኣ ክሳብ ክንደየናይ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ሓጋዚ ምዃኑ ክነስተማቅር ኢና። በዚከስ መንፈስ ቅዱስ ወትሩ የሰንየና ኣብ እንገብሮ ምርጫን ጉዕዞን ከኣ ንነገራት ኣለሊና ሠናይ ዝኾነ ነገር ክንመርጽ ይድግፈና። ብዛዕባ ምሥጢረ እምነት ንዝሓተትናዮ ነገር ይምህረና የዘኻኽረና። ወንጌላውያን ነዚ መንፈስ ቅዱስ ካልእ ሽም እውን ይህብዎ ጰራቅሊጦስ መጸናንዒ ይብልዎ ከመይ የጸናንዕ ይድግፍ። ብሓቂ ዓቢ ትዕድልቲ ዓቢ ጸጋ እግዚአብሔር እዩ። ጐይታ ንሓዋርያቱ 'በይንኹም ኣይሓድገኩምን እየ! ዘኽታማት ኰንኩም ክትተርፉ ኣይሓድገኩምን እየ ጰራቅሊጦስ ክሰደልኩም እዩ ንሱ ኣብ ኩሉ ክድግፈኩም እዩ። ንቅድሚት ንክትግስግሱ ክሕግዘኩም እዩ። ብእምነት ንክትዓብዩን ንክትበስሉን ክምህረኩም ከዘኻኽረኩም እዩ ንቅድሚ ኣብ ዝኸውን ከኣ ንድሕነትኩም ሓጋዚ ዝኾነ ነገራት መሪጽኩም ንክትክእሉ ንነገራ ኣለሊኹም እትኽእሉሉ ጸጋ ክህበኩም እዩ። እናበለ ውህበት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ክንደናይ ከምዝኾነ ይገልጸሎም። ጐይታ ነዚ ጸጋ እዚ እንዕቅበሉ ጸጋ ክህበና ነቲ ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበልናዮ ወትሩ ኣብ ውሽጥና ኣብ ልብና ኰይኑ ዘሰንየና መንፈስ ቅዱስ ንክንዕቅቦን ንክንሰምዖን ይሓግዘና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

መንፈስ ቅዱስ ርድኢት እምነትና የዕቢ! ስለ ሥራሕ ኣልቦ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
11 May 2020, 15:13
ንኩሉ ኣንብብ >