ድለ

ብዘይ ጥበብ ሥነ ጽባቀ ንወንጌል ክንርድኦ ስለዘይንኽእል ስለ ሥነ ጥበበኛታት ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ ብዘይ ጥበብ ሥነ ጽባቀ ንወንጌል ክንርድኦ ስለዘይንኽእል ስለ ሥነ ጥበበኛታት ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ  

ብዘይ ጥበብ ሥነ ጽባቀ ንወንጌል ክንርድኦ ስለዘይንኽእል ስለ ሥነ ጥበበኛታት ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ንሕና ኩልና ክፍሊ ናይዚ ምሩጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና። እቲ ጸገም ንሕና ብዙሕ ግዜ ኣብዚ ፈተና ናይ በይንኻ ምሩጻት ምዃን ንወድቅ እሞ ኣብቲ ዝቆመ ኣንቀጸ እምነታትን ሞራላዊ መምርሒታትን ተሓጺርና ብምትራፍ ወይ እዚኣ ወይውን ምንም የለን ብዝዓይነቱ ኣብ ጉጅለና ተዓዚና ንተርፍ ነቲ ኣባልነት ነሕቅቆ ነቲ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዘተስፍዎ ሕርየትን ኪዳን እግዚአብሔርን ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ዓቢ ተስፋ ድሕነት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዕንቅጾ ንጽዕር

ሎሚ ዕለት 7 ግንቦት 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ስለ ሕሙማን ለበዳ ኮቪት 19ን ስለ ዝተፈለለዩ ጒጅለታት ማሕበረሰብ ዓለም ዘዕርጕዎ ዕለታዊ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሎሚ ስለ ሥን በበኛታት ጐይታ ክባርኾም ድሕሪ ጸልዮም ኣብ ስብከቶም ከኣ ክርስትያን ምዃን ነጻ ሕርየት እግዚአብሔር ምዃኑ ምዝካር ከምዘድሊ እንተዘየለ ኣብ ዶማውን ሞራላውን መሪሕነት ተጸሚድና ዕጽዋት ምንቅስቃሳት ወይውን ናይ ምሩጻት ማሕበራት ናይ ምፍጣር ሓደጋ ኣሎ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ካልኣይ ወርሑ ከቁጽር ቀሪቡ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኮቪድ 19 ብዝፈጠሮ ጸገም ነቲ ብሚልዮናት ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝተኸታተልዎ ናይ ሎሚ ንግሆ መሥዋውዕተ ቅዳሴ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ቅድሚ ምጅማሮም ቅዱስነቶም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ትማሊ ካብ ሓደ ጉጅለ ሥነ ጥበባውያን ሓንቲ መልእክቲ ተቀቢለ። ስለ እቲ ንሕና ምእንታኦም ዘዕረግናዮ ጸሎ ኣመስጊኖም። ጐይታ ነዞም ሰባት እዚኦም ክባርኾም እልምን ከመይ ሥነ ጥበበኛታት ብጽባቐ ፍረ ሥራሖም ንነገራት ከም እንርዳእ ይገብሩና ብዘይ እዚ ሥራሕ እዚ ንወንጌል ክንርድኦ ኣይንኽእልን። ሎሚ እውን እንደገና ስለ ሥነ ጥበበኛታት ንጸሊ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 13.13 ዝተወስደ ኰኑ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ፒሲድያ ኣብ ምኲራብ ኣይሁድ ኣትዮ ሕዝበ እስራኤል እቲ ምሩጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ምዃኑ ብምግላጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ እቲ ዝጽበይዎ ዝነበረ መሲሕ ከምዝኾነ ሰበኸ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ክገልጸሎም እንከሎ ክንዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎ ታሪኽ እንታይ ከምዝኽዕነ ይገልጸሎም። እዛ ታሪኽ እዚኣ ታሪኽ ድሕነት ኰይና ታሪኽ ሕርየት ሕዝበ እግዚኣአብሔር ታሪኽ ኪዳንን ተስፋን መብጽዓን ነበረ። እግዚአብሔር ንኣብርሃም እንኪመርጽ ዚኣተዎ ኪዳን ከምዘሎ እዚ ኪዳን እዚ ከኣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተፈጸመ በብሓደ ክሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ ገለጸሎም። በዚኸስ ክርስትና ሽሕ'ኳ መምርሒ ዝኸውን ዓንቀጸ እምነትን ካልእ ሕግታትን እንተለዎ ብቀንዱ ግን ኪዳን እግዚአብሔር ተስፋ እግዚአብሔር ኰይኑ ነጻ ትዕድልቲ ነጻ ሕርየት ናይ ኩሉ እምበር ንፍሉያት ምሩጻት ኢና ኢሎም ዚኣምኑ ጥራይ ኣይኮነነ። እዚኤን ቀለልቲ ዝመስላ ቃላት ዓንቀጸ እምነት ሞራል ሕጊ ዝብላ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጸቢብ ዕጽው ማሕበር ወይውን ምንቅስቃስ ስለዘውርዱ ብቀዳምነት ነታ ሕርየት ናይ ኩሉ ምዃና ቀጺልና ኩሉ ተስፋ ጐይታ ንምፍጻም ከምዝኾነ ተረዲእና ከም ምውድዳር መንፈስ ዘለዎ ኣነ እኮ ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ ኣባል እየ ኣነ እኮ ናይዚ ማሕበር እዚ ኣባል እየ እናበልካ ካብ ካልኦት ዝበለጽካን ብፍሉይ መንገዲ ዝተመርጽካን ገርካ ምጉጅጃል ክርስትና ኣይኮነን። ክርስትያን ዘቦኡ ኣባል ናይቲ ሕሩይ ሕዝበ እግዚአብሔር ኰይኑ እዚ ሕርየት እዚ ከኣ ነጻ ጸጋ እግዚአብሔር እዩ። ናይዚ መንፈስ እዚ ሓሳብ ዘይርደኣና እንተኾይኑ ጌተክርስትያን ዘይኮነ ጉጅለታት ሥነሓሳብ ኰና ንእሽቶ ጫፍ ሓቂ ወይውን ሞራላዊ መሪሕነት ሒዝና ነዚ ዘይገብር በዚ ዘይምራሕ ኣይእንታይናን ኢልካ ኣብ ዕጽው ማሕበር ወይውን ጉጅለ ትወድቅ። ዝድሕኑ ኣባላት ጉጅለኻ ጥራይ ከምዝኾነ ተረጋጊጽካ ብትዕቢት እውን ተሸፊንካ እትድሕን ንስኻን ጸባብ ጉጅለኻን እንተ ካልኦት ኩሎም ከምዝኹነኑ ኣዳዕዲዕካ ትሰብኽ። እንተደኣ ብምሕረት እግዚአብሔር ትጸድቅ ኰንካ ነቶም ካልኦት ክትዓጽዎ መን ኢኻ። ከም ክርስትያን እዚ መንፈስ እዚ እንተሎና ሓቀኛ ክርስትያን ሓቀኛ ምሩጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና ክንብል ኣይንኽእልን። ነዚ መንፈስ እዚ ካብቲ ሕሩይ ሕዝቢ እግዚአብሔር ንድሕነት ዝተመደበ ምሉእ ታሪኽ ካብ ኣብርሃም ጀምሩ ክሳብ ኢየሱስ ምስ ዘረዘረ ቅዱስ ጳውሎስ 'እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዚጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን። ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዚብል ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ' እንክብል የጠንቅቆም። እዚ ንዓና እውን ይምልከት ከመይ ብስም ክርስትናን ሕርየትን ኣብ ምምቅቃልን ምጉናይን ዝበልጽካን ዝጸደቅካን ንስኻ ጥራይ ገርካ ብምሕሳብ እቲ ሕርየት ንኩልና ሓደ ከምዝበጽሓን እቲ እግዚኣአብሔር ነቦና ኣብርሃም ዚኣተዎ ኪደን ንኩልና ምዃኑ ንዝንግዕ። ስለዚ ኩሉ ሕሩይ ሕዝቢ እግዚአብሔር ከምዝኾነ ታሪኽ ድሕነት ከኣ ንኩልና ከምዝኾነ እሞ ናብ ኩልና ክበጽሕ እዚ ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝተንተኖ ኩሉ ጽድቂ ንጽድቂ ዝመልኦ ዘይኮነ ገሊኦም ጻድቃን ገሊኦም ሓጢኣተኛታት ውድቀትን ትንሣኤን ዝመልኦ ጒዕዞ ክሳብ ኢየሱስ ክርስቶስ በጺሑ። እቲ ንኢየሱስ ዝኽተል ዝነበረ ሓፋሽ እውን ኣባል ናይዚ ሕዝበ እግዚኣአብሔር እዩ። እዚ መንፈስ ኣባላት ሕዝበ እግዚኣአብሔር ዘይስመዖ ክርስትያን ሓቀኛ ክርስትያን ክንብሎ ኣይንኽእልን ከመይ ብዘይ ሕዝበ እግዚአብሔር በይንኻ ክትድሕን ምሕሳብ ቀዳማይ ስጉምቲ ውድቀት እዩ ምስ በሉ ናይ ዘመንና ቀንዲ ሓደጋ ክፍሊ ናይዚ ሕሩይ ሕዝቢ ምዃንካ ምዝንጋዕ ኰይኑ ኣብ ዝተፈላለያ ዕጹዋት ጉጅለታትን ምንቅስቃሳትን ወዲቅና እቲ ሕዝቢ እግዚአብሔር ተረሲዑ ምርኣይ እዩ። ርግጽ እዩ ሓጢኣተኛ ሕዝቢ ኢና ኰይኑ ግን ቃል ዝተኣትወልና ደቂ ተስፋ ደቂ ኪዳን ኢና። ስለዚ ከምቲ ኣብ እኖና ድንግል ማርያም ዝነበረ ኣፍልጦ ሕዝበ እግዚአብሔርን ታሪኹን ክህልወና ጸጋኡ ንለምን። ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር እንከተመስግን 'ወተዘከረ ሣህሎ ዘይቤሎ ለኣበዊነ ለኣብርሃም ወለዘርኡ እስከ ለዓለም` ክትብል እግዚአብሔር ነቲ ነቦታትናን ንኣብርሃምን ዘርኡን ዘተስፍዎ ምሕረት ከምዝዝከረ ብምግንዛብ ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ እናበለት ንእግዚአብሔር ክብሪ ዘቅረበት። ከምኡ እውን ዘካርያስ ኣብ ጸሎት ምስጋናኡ እግዚአብሔር ኪዳኑ ዘኪሩ ስለዝረድኦም ኣመስጊኑ ዝተነበየ። ስለዚኸስ ምስ መላእ ሕዝበ እግዚአብሔር ከምዝተሓረናን ከምእንድሕንን ብተስፋ ንእመን ንጸበ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

ኣብ ምኲራብ ኣንጾክያ ንቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሓዲስ እምነት ንሱ ዝሰብኮ ክርስትና ማለት ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ክገልጸሎም ኢየሱስ ክርስቶስ መን ምዃኑ ክሰብከሎም ምስ ተዓደመ ታርኽ ድሕነት በብሓደ ክትንትን ይጅምር። 'ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሐረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም' ክብል ይጅምር እሞ ከምቲ ቀዳሜ ሰማዕት ሊቀ ዲያቆናት እስጢፋኖስ ዝብ ግዜ ሰማዕትነቱ ዝገበሮ (ግሐ 71) ይገብር። ጳውሎስ እውን ሳውል ኰይኑ ኣብኡ እቶም ቀተልቲ እስጢፋኖስ ክዳኖም ኣብ ትሕቲ እግሩ የውርዱ ነበሩ። እዛ ታሪኽ እዚኣ ኣብ መልእኽቲ ዕብራውያን 11 እውን ንረኽባ። ኣብ ናይ ሎሚ ምስማክ መዝሙረ ዳዊት እውን 'ግብርታት ጸጋ እግዚኣብሔር ንዘለአለም ክዝምር፣ ብኣፈይ ንውሉድ ወለዶ እምነትካ ኸፍልጥ እየ' (88/89) ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣቶኹ፣ ንዳዊት ባርያይ መሐልኩሉ ዝብል እውን ዘሚርና። ማቴ 1.1 ሉቃ 3.23 ብዛዕባ ኢየሱስን ወለዶኡን ክዛረቡ ነዚ ይትንትኑ።

ኣብ ድሕሪ ባይታ ኢየሱስ እንታይ ኣሎ! ኢልና እንተሓተትና ሓደ ታሪኽ ኣሎ። ታርኽ ጸጋ ታርኽ ሕርየት ታሪኽ ኪዳን ታሪኽ ተስፋ ኣሎ። እግዚአብሔር ንኣብርሃም ሓረየ ምስ ሕዝቡ ከኣ ተጓዕዘ። ኣብ መባእታ ቅዳሴ ከም መእተዊ ዝዘመርናዮ 'ዎ ኣምላኽ፣ ቀቅድሚ ህዝብኻ ኽትወጽእ ከሎኻ፣ ብበረኻ ኽትሐልፍ ከሎኻ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ሰማያት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣንጠብጠበ' መዝ 68 እዩ። ኣብዚ ታሪኽ እግዚአብሔር ምስ ሕዝቡ ይግለጽ። በዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኪኣምኑ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝዘርዘረሎም። ኣብ ክርስትና ኣንቀጻት እምነት ኣሎ ኰይኑ ግን ንጹ ጥራሕ ኣይኮነን። ንሕና ንኣምን ኢልና እንገልጾ ጥራይ ዘይኮነ ኪዳን ኣምላኽ ተስፋ ኣምላኽ ዝሓዘ ሕርየት እግዚአብሔር ዝገልጽ ታሪኽ ሓዚሉ እዩ ዝጐዓዝ። እው ርግጽ እዩ መምርሒ ሕግታት ሞራላዊ መዔቀኒታት ኣሎን ኰይኑ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኮነን ክንዮኡ ኣሎ። ክርስትያን ማለት ብፍሉይ መንገዲ ዝተሓርየ ካብ ካልኦት ዝተፈልየ ኣይኮነን። ቤተክርስትያን እውን ከምኡ ኣይኮነትን። ኣነ ናይዚ ማሕበርዚ ኣባል እየ ኣነ ናይዚ ምንቅስቃስ እዚ ኣባል እየ ኣነ ምሩጽ እየ ከም ካልኦት ኣይኮንኩን ኢልካ ንበይንኻ ተነጺልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ክርትያን ምዃን ማለት ኣባል ናይ ሕሩይ ሕዝቢ ምዃን እዩ። እዚ ሕርየት እዚ ከኣ ብነጻ ብጸጋ እግዚአብሔር ዝተዓደልካዮ እዩ። ነዚ እንተዘይተገንዚብና ንሕና ጥራይ ኢና ሕሩያት ካልኦት ኩሎም ናብ ጥፍኣት እዮም ዝብል መንፈስ እንተሎና ንጋገ። ምሕረት እግዚአብሔር ንኩልና እዩ። እኳ ደኣ ነቶም ዝተናዕቁ ዝተረስዑ እዩ ብቀዳምነት ዝወሃብ ከመይ ዳሕረዎት ቀዳሞት ቀዳሞት ከኣ ዳሕረዎት ዝኾኑሉ ግዜ እውን ኣሎ። ስለዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ጳውሎስ ንሕዝቢ እስራኤል ነዛ ነጥቢ እዚኣ ከትሕዞም ሒዅ ዝብል። ንሕና ኩልና ክፍሊ ናይዚ ምሩጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና። እቲ ጸገም ንሕና ብዙሕ ግዜ ኣብዚ ፈተና ናይ በይንኻ ምሩጻት ምዃን ንወድቅ እሞ ኣብቲ ዝቆመ ኣንቀጸ እምነታትን ሞራላዊ መምርሒታትን ተሓጺርና ብምትራፍ ወይ እዚኣ ወይውን ምንም የለን ብዝዓይነቱ ኣብ ጉጅለና ተዓዚና ንተርፍ ነቲ ኣባልነት ነሕቅቆ ነቲ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዘተስፍዎ ሕርየትን ኪዳን እግዚአብሔርን ብዓቢኡ ከኣ ነቲ ዓቢ ተስፋ ድሕነት ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንዕንቅጾ ንጽዕር። ኣባል ሕሩይ ሕዝበ እግዚአብሔር ምዃንካ ምፍላጥ ዓቢ ነገር እዩ። ኣብ ኦሪት ዘዳግም 26 ተመልኪቱ ከምዘሎ ኩሉ ሓሊፉ ነዚ ዝኽሪ ክትገብሩ እንከሎኹም ደቅኹም 'ኣቦዋ እዚ እንታይ ማለት እዩ' ኢሉ ምስ ዝሓተካ ሕሩይ ሕዝቢ እግዚአብሔር ከምዝነበርኩም 'ንስኻ ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ኢልካ ትመልስ፡ ኣቦይ ንምጥፋእ ዝቐረበ ኣረማዊ ነበረ፡ ናብ ግብጺ ከኣ ወረደ፡ ቊጽሩ ሒደት ከሎ ድማ፡ ስደተኛ ዀይኑ ኣብኣ ተቐመጠ፡ ኣብኣ ኸኣ ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ዀነ። ግብጻውያን ግና ክፉእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዐኑና። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸኣ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰምዔ። ምጥቃዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከኣ ረአየ። እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ኣእተወና፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ሀበና' ክትብል ኣዘንትወሉ ይብል። እዚ ከኣ ካልእ ኣይኮነን ከምዚ ቅዱስ ጳውሎስ ሕጂ ዝገበሮ ማለት እዩ። ኣብ ኦሪት ዘዳግም ደጋጊሙ ነዚ ታሪኽ እዚ ይዝምሮ የዘንትዎ። ክሳብ ምጽኣት ኢየሱስ ክርስቶስከስ ታሪኽ እዚ ሕዝቢ እዚ ነበረ። ገሊኦም ቅዱሳን ገሊኦም ሓጢኣተኛታት ገሊኦም ሕያዎት ነበሩ። ወላ እቶም ደድሕሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቱ ክሰምዑን ብካልእ ጉዳይን ዕጉግ ኢሎም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሓመድ ሓፋሽ እውን ናይዚ ሕዝቢ እዚ ማለት ናይ ኪዳን ሕዝቢ ምሩጽ ሕዝቢ ኣባል ታሪኽ ድሕነት ዝኾነ ሕዝቢ ነበሩ። ኣባል ናይዚ ሕዝቢ እዚ ምዃን ዝኽሪ ሕዝቢ እግዚአብሔር ክህልወካ ኣለዎ። ጳውሎስ እስጢፋኖስ ከምኡ እውን ኩሎም ሓዋርያት ነዚ እዮም ዘዝኻኽሩ። መልእኽቲ ዕብራውያን 'ናይ ጥንቲ ወለድኹም ዘክሩ' (11.2) እንክብል ነቶም ነዚ ታሪኽ ድሕነት ክሳብ ኣባኹም ዘብጽሑ ዘክርዎም ይብል።

ምናልባት ሓደ ካባኹም ናይ ሎሚ ክርስትያንስ ይኹኑ ናይ ኩሉ ግዜ ክርስትያን ዝስሕትዎ ነገር እንታይ እዩ ትብል! ወይውን ተኣፋፊ ጌጋ ክርስትያን ኣየናይ ትብል! ኢልኩም እንተሓተትኩም ብዘይ ምንም ጥርጥር ናይ ሓደ ሕዝቢ ኣባል ምዃንካ ምርሳዕ እብለኩም። እዚ ምዝንጋዕ እዚ ምስ ዘጋጥም ጸበብቲ ዓናቅጽ እምነታት መምርሒ ሞራልን ፍጹማትን ሕሩያትን ፍሉያት ፍጥረት ምዃንን ይመጽእ። ኣምር ሕዝቢ ይርሳዕ። ርግጽ እዩ ሓፋሽ ሕዝቢ ብዙህ ጒድለት ኣለዎ እንተኾነ ምሩጽ ሕዝቢ እዩ በቲ ሕርየቱ ንዝተዋህቦ ተስፋ ዝጽበ እዩ። ሽሕ`ኳ ጐደሎ እንተኾነ እዛ ተስፋ እዚኣ ከም እትፍጸም ብእምነት ዝጽበ ሕዝቢ እዩ። ንጐይታ ነዛ ጸጋ እዚኣ ክህበና ንለምኖ። እታ ነዚ ተረዲኣ ተዓብዮ ነፍስየ ለእግዚአብሔር ንጐይታ ዘኽበረትን ይትባረክ እግዚአብሔር ክብል ካልእ ጸሎት ምስጋና ዝደረሰ ዘካርያስ ካህንን ወግሔ ጸብሔ ንግሆን ምሸትን ነዚ ጸሎት ምስጋናታቶም እንክንደግም ጐይታ ንሕዝቡ እንፈልጠሉን እንዝክረሉን ጽጋ ክህበና ንለምኖ። ከምቲ ጉባኤታት ቫቲካን ቀማይን ካልኣይን ዝብሎ ንሕና እሙን ቅዱስ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና ምሳኡ ክሳብ ዝተጐዓዝና ኸኣ ኣይንሰሓሓትን ኢና።

07 May 2020, 17:41
ንኩሉ ኣንብብ >