ድለ

ጐይታ ንግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ሕቊፉ ይቀበል! ብዘይ ሓርነት እምነት የለን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 5 ግንቦት 2020 ዓም ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስለ ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ምናዳ ኸኣ ስለ እቶም ብዘይ ማንም መጸናንዒ ቤተሰብ ሥርዓት ቤተክርስትያንን በይኖም እናቃዘኑ ዝሞቱ ግቡእ ቀብሪ እውን ዘይረኸቡ እግዚአብሔር ነፍሳቶም ኣብ ዘለዓለማዊ ሕይውት ከንብሮም ንጸሊ ኢሎም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ካብቲ መጓሰ ኢየሱስ ካብ ምዃን ዝገትኡና ነገራት ከም በዓል ባርነት ሃብቲ ድርቅና ኩሉ ካህናት ይግበርዎ ዝብል መንፈስን ምትሕምማይን መንፈስ ዓለምን ንጠንቀቅ ከመይ ብዘይ ነጻነት ናብ ኢየሱስ ገጽና ክንጐዓዝ ኣይንኽእልን ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ኣይረድ ወሪድዋ መላእ ዘመደ ኣዳም ኣብ ገገዛኣ ተወሺባ ዓለምለኸ ግንባር ተሓልፍያ ምስ ለበዳ ኮቪድ 19 ምስ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ኣብ ቅድሚ ብሞት ዝሰሓጉ ተወሲኑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዙሓት ካብ ፈተውቶምን ውሉዶምን ወለዶምን ተነጺሎም ዘጸናንዖምስ ይኹን ዝሰናበቶም ኣብ ዘይረኽቡሉ ኩነት ሕይወቶም እንክትሓልፍ ኣብ ግዜ ጻዕረ ሞት ሓንቲ ቃል ቤተሰቦምን ከይረኸቡ ንዝሓለፉ እንክትዝክር እምበርዶ ዘብል ኰይኑ ቅዱስነቶም እስኪ ሎሚ ስለ ነፍሳት እዞም ኣብዚ ምድሪ ዝተወጽዑ ኣሕዋትን ኣሓትን ንጸሊ ኢሎም።

“ሎሚ ሰለ እቶም ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሞቱ ንጸሊ። በይኖም እዮም መይቶም። ብዘይ ምንም ምብጻሕን ምጽንናዕን ቤተሰቦም እዮም ሓሊፎም። ብዙሓት ካብኦም ንቡር ቀብሪ እውን ኣይረኸቡን። ኣብ ጋህስታት ዝተቀብሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። እግዚአብሔር ኣብ መንግሥቱ ይቀበሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 10.23 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደጋጊሙ ሕያዋይ ጓሳ ምዃኑን ስለ መጓሰኡ ሕይወቱ ከምዘሕልፍን ሕይወት ክህብ ከምዝመጸን ካብ ሰማይ ዝወረደ ኅብስተ መና ምዃኑን እናገለጸ ተአምርን መንክርን ክገብር ምስ ረኣይዎ ኣይሁድ ንስኻ ብሓቂ እቲ መሲሕ እንተኾንካ ቁርጹ ንገረና በጃኻ ዚዓይነቱ ላሕ ኣይተብልና ንገረና እንክብሉ ሕቶ ምስ ኣቅረቡሉ 'ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ አሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዔይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ’ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና' እንክብል ዘይሕየኽ ዘይወሓጥ ዘረባ ምስ ኣቅረበሎም ዝገደደ ከኣ ንርእሱ ምስ እግዚአብሔር ኣመዓራርዩ ምስ ተዛረበ እታ ደሓር እውን ንሞት ዘፍረደቶ ጉዳይ ካብ ኣፉ ምስ ሰምዑ ብዳርባ እምኒ ክቀትልዎ ኣእማን ኣልዓሉ ዝብል ክፍሊ ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ክፍሊ ወንጌል እንክትንትኑ ከምዚ ዓይነት ዘረባ ምጥርጣር ከምዝፈጥር እሞ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተመሊስካ ኣነ ብሓቅዶ እኣምን! ኣብ ቅድሚ እዚ ዓንቀጽ ድሕነት ዝኾነ ክርስቶስ ዕንቅፋት ዝኾነኒኸ እንታይ ኣሎ! እንክብሉ ምናዳ ነታ 'ንስኹም ክፍሊ መጓሰይ ስለዘይኮንኩም ኣይትኣምኑንን ኢኹም` ንዝብላ ቃላት ክነስተንትን ይዕድሙ። ንሕና እቶም ክፍሊ መጓሰ ኢየሱስ ኢና እንብል እውን ኣብ ፍልጠት ኢየሱስ ንቅድሚት ከይንስጉም ዝዕንቅጸና ነገራት ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ዕንቅፋት ገንዘብ ኰይኑ ብዙሓት ካባና በታ ናይ ድሕነት ዓንቀጽ ንኣቱ እሞ ብሰንኪ ገንዘብ ንቅድሚት ክንስጉም ንጽገም። ገንዘብ ኣየድልን ዘይኮነ ባሮቱ ክንከውን የብልናን ምእንቲ ገንዘብ ክነብር የብልናን። ከመይ ንክልተ ጐይቶት ክነገልግል ኣይንኽእል ገንዘብ ከኣ ጐይታ እዚ ዓለም እዩ። እታ ካልኣይቲ ንኢየሱስ ካብ ምፍላጥ እተዕንቅጸና ከኣ ድርቅና እያ ድርቅና ልቢ። እዚ ንሕጊ እግዚአብሔር ኣብ ምትርጓም እውን የጋጥም በቃ ትኽ ብትኽ ነቂጽካ ወይ እዚኣ ወይ የለን ኢልካ ድርቅ ምባል እዚ ከኣ ኩነት ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ምዕዛብ ይኣክል። እዚ ኣብ ሕጊ ምትእምማን ዘይኮነ ንገዛእ ርእስኻ ፈሪህካ ኣብኡ ምድራቅ እዩ ከም ሓቁ ግን ምትእምማን ኣብ እግዚኣአብሔር ጥራሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ቅዱስነቶም ከም ምሳሌ ናይ ዘመንና ድርቅና ኣብ ዝተፈላለየ ምንቅሳቃሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝርከቡ እሞ ከኣ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ምስ ኣባላት ጉጅለታቶም ጥራይ ዝጸደቁ ዝመስሎም ከምዘለው ሓንቲ ኣባሎም ቀዳም ምሸት ኣብ ቅዳሴ ናይ ሓደ መርዓ ትሳተፍ እሞ እዚ ናይ ምሸት ቀዳም ቅዳሴ ንሰንበት እውን ብቊዕ እንተኾነ ኢላ ትጠራጠር ዓቢ ሓጢኣት ፈጺመ ሰንበት ቅዳሴ ኣይተሳተፍኩን ትብል እሂ እንተተባህለት እቲ ንባባት ፍሉይ ነሩ ከመይ መርዓ ብምንባሩ። ድርቅና ሓንሳብ ሓንሳብ ክሳብ ኣብዚ እዩ ዘብጽእ እዚ ከኣ በቲ ዓንቀጽ ድሕነት ዝኾነ ኢየሱስ ክንኣቱ ኣየፍቅደልናን።

ቅዱስነቶም ዝጠቀስዎ ካልእ ዕንቅፋት ከኣ ትህኪት ወይውን ሓንቲ ክትገብር ዘይምድላይ እዚ ከኣ ኣይምውቅ ኣይዝሑል ገሩካ ናብ ጐይታ ንከትበጽሕ ዝዕንቅጸካ ኰይኑ እቲ ካልእ ዝገደደ ከኣ ቤተክህነታዊ ሕማም ክንብሎ እንኽእል እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ንርእሶም ኣብ ቦታ ክርስቶስ ኰይኖም ገበርትን ሓደግትን ዝኾኑሉ ኣይንርእሶም ኪኣትው ኣይ ነቲ ኪኣቱ ዝደሊ ከፈቅዱ ዝኾኑ ከምኡ ኣውን መንፈስ ዓለም ናብ ክርስቶስ ገጽና ከሰጉምና ንክርስቶስ ካብ ምፍላጥ ዘብኩሩና እሞ ካብቲ ደምበ ኣባጊዕ ዘውጽኡና ወይውን ንዓንቀጽ ደምበ ኣባጊዕ ዝዓጽውሉና እዩ። እቲ ዓንቀጽ ኣባጊዕ ከኣ ኢየሱስ እዩ። ንኢየሱስ ዘይምፍላጥ ከኣ ናብ ደምበኡ ዘይምእታው እዩ! እዚ ከኣ ካብዘን ፈተናታት እዚአን እንተዘይርሒቅና ውዒልና ሓዲርና ምውዳቅና ስለዘይተርፍ እታ ንኣይሁድ ዝበሎም 'ንስኹም ክፍሊ መጓሰይ ስለዘይኮንኩም ኣይትኣምኑንን ኢኹም` ንዓና እውን ከይደግመልና ክንፈርህ ኣሎና።

ብድምጺ ንምክትታል!
05 May 2020, 14:18
ንኩሉ ኣንብብ >