ስለ እቶም ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሞቱ ከምኡ እውን ዘይተፍልጡ መወቲ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ኣብዚ ግዝያት እዚ ዝገብርዎ ነቶም ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ንዝከታተልዎምስ ይኹን ነቶም ምስኦም ዝቅድሱ ቁሩብ ቊራቦ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 8.26 ኰይኑ ብዛዕባ እቲ ሕጽው ህንደኬ ንግሥቲ ኢትዮጵያ ብሓዋርያ ፊሊፖስ ዝተገብረሉ ሓገዝን ጥምቀትን ዝገልጽ ኰይኑ እቲ ህጽው ነቲ ነቢይ ኢሳይያስ 'ከም ናብ ማሕረዲ ዝውሰድ በጊዕ` ኢሉ ዝንበየሉ መን ምዃኑ ምፍላጥ ተጸጊሙ ኣብ ዝነበረሉ ፊሊጶስ ብመንፈስ ተመሪሑ እንክገልጸሉን ኣብ ማይ ምስ በጽሑ ክጥመቅ ሓቲቱ ከምዝተጠምቀ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ዮሐ 6.44 ኰይኑ ኢየሱስ 'እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሲኦ እየ' ድሕሪ ቢሉ ንሱ እቲ ሓቀኛ መና ሕብስቲ ሕይወት ከምዝኾነን ነዚ ሕብስቲ እዚ ዚበልዕ ከኣ ንዘለዓለም ከምዝነብር እዚ ከኣ ሥጋኡ ከምዝኾነ ዝገለጸሉ ኩነት ዝትርኽ ነበረ።
እዘን ክልተ ንባባት እዚአን ዝተሓሓዛሉ ቀንዲ ጉዳይ ንኢየሱስ ምፍላጡ ምስ ፈለጥካዮን ምስ ረኸብካዮን ንካልኦት ክተፍልጦ እዚ ከኣ ነቲ ኢትዮጵያውን ፊሊጶስን ዘተኣሳስር ምሥጢረ ክርስቶስ ምብሳር እዩ። ከመይ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ እንክትሰምዕ ልብኻ ይንቀሳቀስ ዝገልጸልካ እንተዘይብልካ ኸኣ ጸገም እዩ። እቲ ኢትዮጵያዊ በቲ ዘንብቦ ዝነበረ ልቡ ክህወጽ ጀመረ እዚ ኣቦ ናብ ወዱ ይስሕቦ ነበረ ማለት እዩ። ስለዚ እግዚኣአብሔር ኣቦ ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክስሕብ ምልማኑ የድሊ ምስኡ ከኣ ምስክርነት ክንህብ የድሊ። ብዘይ ጸሎትን ምስክርነትን ክንሰብኽ ኣይንኽእልን። እንተዘየሎ ብዘይ ጸሎትን ምስክርነትን ዝሰበኽና እንተሰበኻና ዝረዳእና እንተረዳእና ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክንስሕቦም ኣይንኽእልን። ዓንዲ ማእከል ስብከተ ወንጌልናኸስ እግዚአብሔር ንሰባት ናብ ወዱ ክስሕብ ምጽላይን ብሕይወትና ምስክርነት ምሃብን እየን። ንሰባት ክትሰድዕ ንስኻ እትኣምኖ እምነት ኪኣምኑ ምቅላስ ማንም ክልውጥ ኣይክእልን እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።