ድለ

ስለ እቶም ብለበዳ ኮቪድ 19 ዝሞቱ ከምኡ እውን ዘይተፍልጡ መወቲ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ስለ ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ጸሎት ብምቅጻል ሎሚ ዕለት 30 ሚያዝያ 2020 ዓም ስለ እቶም በዚ ሕማም እዚ ዝሞቱ ምናዳ ኸኣ ነቶም ማንም ዘይፈልጦም ብዘይ ስም ዝሞቱ ኣብ ሓባራዊ መቃብራት ሚኒቺብዮ ብሓደ ዝተቀብሩ ጸሎት ኣዕሪጎም ስለኦም ክንጽሊ እውን ሓደራ ኢሎም። ኣብቲ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘቅረብዎ ስብከት ከአ ንክርስቶስ ምስባኽ ማለት ንክተስድዕ ምጽዓር ዘይኮነ ሕይወትካ ንኣኡ ብምውፋይ ምስክርነት ምሃብን ጐይታ ንካልኦት ናብ ወዱ ክስሕብ ምጽላይን የድሊ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ከምቲ ደጋጊሞም ኣብዚ ግዝያት እዚ ዝገብርዎ ነቶም ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ንዝከታተልዎምስ ይኹን ነቶም ምስኦም ዝቅድሱ ቁሩብ ቊራቦ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ሎሚ ስለ እቶም በዚ ለበዳ ሕማም ዝሞቱ ንጸሊ ከምኡ እውን ስለ እቶም ማንም ዝፈልጦም ዘይብሎም ከመይ ብዙሓት ብሓባር ኣብ መቃብር ሚኒችብዮ ክቅበሩ ስእልታት ርኢና ኢና እሞ ስለ እዘን ነፍሳት እዚኤን ንጸሊ።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 8.26 ኰይኑ ብዛዕባ እቲ ሕጽው ህንደኬ ንግሥቲ ኢትዮጵያ ብሓዋርያ ፊሊፖስ ዝተገብረሉ ሓገዝን ጥምቀትን ዝገልጽ ኰይኑ እቲ ህጽው ነቲ ነቢይ ኢሳይያስ 'ከም ናብ ማሕረዲ ዝውሰድ በጊዕ` ኢሉ ዝንበየሉ መን ምዃኑ ምፍላጥ ተጸጊሙ ኣብ ዝነበረሉ ፊሊጶስ ብመንፈስ ተመሪሑ እንክገልጸሉን ኣብ ማይ ምስ በጽሑ ክጥመቅ ሓቲቱ ከምዝተጠምቀ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ናይ ዕለቱ ወንጌል እውን ዮሐ 6.44 ኰይኑ ኢየሱስ 'እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሲኦ እየ' ድሕሪ ቢሉ ንሱ እቲ ሓቀኛ መና ሕብስቲ ሕይወት ከምዝኾነን ነዚ ሕብስቲ እዚ ዚበልዕ ከኣ ንዘለዓለም ከምዝነብር እዚ ከኣ ሥጋኡ ከምዝኾነ ዝገለጸሉ ኩነት ዝትርኽ ነበረ።

እዘን ክልተ ንባባት እዚአን ዝተሓሓዛሉ ቀንዲ ጉዳይ ንኢየሱስ ምፍላጡ ምስ ፈለጥካዮን ምስ ረኸብካዮን ንካልኦት ክተፍልጦ እዚ ከኣ ነቲ ኢትዮጵያውን ፊሊጶስን ዘተኣሳስር ምሥጢረ ክርስቶስ ምብሳር እዩ። ከመይ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ እንክትሰምዕ ልብኻ ይንቀሳቀስ ዝገልጸልካ እንተዘይብልካ ኸኣ ጸገም እዩ። እቲ ኢትዮጵያዊ በቲ ዘንብቦ ዝነበረ ልቡ ክህወጽ ጀመረ እዚ ኣቦ ናብ ወዱ ይስሕቦ ነበረ ማለት እዩ። ስለዚ እግዚኣአብሔር ኣቦ ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክስሕብ ምልማኑ የድሊ ምስኡ ከኣ ምስክርነት ክንህብ የድሊ። ብዘይ ጸሎትን ምስክርነትን ክንሰብኽ ኣይንኽእልን። እንተዘየሎ ብዘይ ጸሎትን ምስክርነትን ዝሰበኽና እንተሰበኻና ዝረዳእና እንተረዳእና ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክንስሕቦም ኣይንኽእልን። ዓንዲ ማእከል ስብከተ ወንጌልናኸስ እግዚአብሔር ንሰባት ናብ ወዱ ክስሕብ ምጽላይን ብሕይወትና ምስክርነት ምሃብን እየን። ንሰባት ክትሰድዕ ንስኻ እትኣምኖ እምነት ኪኣምኑ ምቅላስ ማንም ክልውጥ ኣይክእልን እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም።

“ኢየሱስ 'እግዚአብሔር ኣቦ እንተዘይስሒብዎ ናባይ ክመጽእ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን' እንክብል ነቲ ነቢያት 'ኩሎም ብእግዚአብሔር ክመሃሩ እዮም' ዝበልዎ ይዝክር። እግዚአብሔር ኣቦ ንወዱ ክንፈልጥ ናብኡ ይስሕበና። ብዘይካ እዚ ንኢየሱስ ክትፈልጥ ዘይከኣል እዩ። ክትጸንዕ ይከኣል ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትመራመር ይከኣእል ከመይ ተወሊዱ እንታይ ገሩ ወዘተ ክትፈልጥ ይከኣል። ብዕምቘት ንክትፈልጦ ምሥጢረ ክርስቶስ ንክትፈልጥ ግን እዚ ነቶም ብእግዚአብሔር ኣቦ ዝተሳሕቡ ጥራይ እዩ። ነዚ ኢትዮጵያዊ በዓል ሥልጣን ሚኒስተር ቁጠባ ንግሥቲ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ እውን እዚ እዩ ነሩ። ብሓቂ መንፈሳዊ ሰብኣይ ምዃኑ ይረኤ ምስቲ ኩሉ ናይ ቁጠባ ሥራሑ ንኣምልኾ ዝኸውን ግዜ እውን ዝረኸበ ይመስል። ኣማኒ እዩ ነሩ ትንቢት ኢሳያስ እናኣንበበ ንዓዱ ይምለስ ነሩ። ጐይታ ንፊሊጶስ ናብኡ ይልእኾ ተጸገዓዮ ቅረቦ ከኣ ይብሎ። ፊሊጶስ ከኣ እቲ ኢትዮጵያዊ ካብ ትንቢት ኢሳያስ እናኣንበበ ይሰምዖ እሞ ቅርብ ኢሉ ነዚ ተንብቦ ዘሎኻ ትርድኦዶ ኣሎኻ ይብሉ። እቲ ከኣ ማንም እንተዘይገለጸለይ ከመይ ኢለ ክርድኦ ይብል። ቀጺሉ ከኣ እዚ ጸሓፊ እዚ ብዛዕባ መን እዩ ዝዛረብ ዘሎ ኢሉ ይሓትት እሞ ኣብ ሰረገላኡ ክድይብ ይዕድሞ። እቲ ጒዕዞ ክንደይ ከምዝወሰደ ኣይፍልጥን ግን ገለ ሰዓታትሲ ክኸውን ኣለዎ ብዝኾነ ፊሊጶስ ብዛዕባ ኢየሱስ ዝኣክል ይምህሮ። እዚ ኢትዮጵያዊ ኣብ ልቡ ዝስምዖ ዝነበረ ሃረርታ ካብ እግዚአብሔር ኣቦ እዩ ናብ ኢየሱስ ይስሕቦ ነሩ ነዚ ንከሰናድዎ ከኣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢየሩሳሌም የምጽኦ ትንቢት ኢሳያስ ከምዘንብብ ይገብሮ ብኩሉ ምስ ተሰናደወ ከኣ ማይ ምስ ረኣየ ክጥመቅዶ ይኽእል ይብል ይጥመቅ ይኣምን። እታ እግዚአብሔር ኣቦ ዝሰሓቦ እንተዘይኰይኑ ንኢየሱስ ክፈልጥ ዝኽእል የልቦን እትብል ሓረግከስ ከም ክርስትያን ኣብ እነካይዶ ኣብ ሓዋርያዊ ተልእኾና መሠረታዊት እያ። ንሓዋርያዊ ተልእኮ ወንጌል ወይውን ምስዮን እንታይ ክትገብር ትኸይድ ንዝብል ሕቶ ብዙሓት ንሰባት ብኢየሱስ ከምዝኣምኑ ክገብር ንዝብሉ እስኪ ሓንሳእ ደው በል እብሎም። ማንም ሰብ ንማንም ሰብ ብኢየሱስ ከምዝኣምን ክገብር ኣይክእልን። ንልብታት ደቂሰባት ናብ ኢየሱስ ኣምጺኡ ንኢየሱስ ከምዝፈልጡ ዝገብሮም እግዚአብሔር ኣቦ ጥራይ እዩ። ናብ ሓዋርያዊ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ወይውን ሚስዮን ምኻድ እንኮ ሥርሑ ምስክርነት እምነት ንምሃብ እዩ። ብዘይ ምስክርነት ሓንቲ ክተፍሪ ኣይከኣልን። ርግጽ እዩ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋር ጽቡቕ እዩ ንፉዓት ልኡካን ስብከተ ወንጌል እብሎም። እዚ ግን ዓበይቲ ነገራት ንክትገብር ዓበይ ተቁዋማት ንክተቍውም ኣይኮነን። ቀንዲ ምስክርነት እዩ ኩሉ ምስክርነት ክኸውን ኣለዎ እቲ ተቁዋማት ክምስክር ኣለዎ። ማእከል ጥዕናታት ቤትትምህርታት ካልእ ዓበይቲ ናይ ምዕባለ ነገራት ክተቍውም ትኽእል ኰይኑ ግን እዚ ተቁዋማት እዚ ክርስትያናዊ ምስክርነት እንተዘይሂቦም ሓቀኛ ስብከት ኢየሱስ እንተዘይኣበርኪቶም ማንም ናይ ግብረ ሠናይ ማሕበር እዩ ዝኸውን ብጣዕሚ ጽቡቅ ክንዮኡ ግን ምንም የብሉን። ናብ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ክብገስ እንተደልየ ማለት ናብ ሓዋርያነት ክለኣኽ እንተኣንቂደ ብቀዳምነት ክሓስቦ ዘሎኒ እግዚኣብሔር ኣቦ ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክስሕብ ምሉእ ፍቃደይ ክኸውን ኣለዎ እዚ ከኣ ብሕይወተይ ምስክርነት ብምሃብ እየ ዝገብሮ። ኢየሱስ ባዕሉ ንጴጥሮስ ነዚ ነገር እዚ የነጽረሉ። ንስኻ ክርስቶስ መሲሕ ወዲ እቲ ሕያው እግዚአብሔር ኢኻ ኢሉ ምስ መስከረ 'ኦ ስምዖን ጴጥሮስ! ንስኻ ብፁዕ ኢኻ ነዚ ጉዳይዚ እዚ እግዚአብሔር ኣቦ እዩ ገሊጹልካ' ይብሎ። ናብ ኢየሱስ ዝስሕብከስ እግዚአብሔር ኣቦ ኰይኑ ነዚ ከኣ ብምስክርነትና እውን ይገብሮ እዩ። ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ብዙሕ ነገራት ክገብር ክሃንጽ እኽእል ኣብ ሓደ ቦታ ቤትትምህርቲ ኣብ ካልእ ቦታ ካልእ ነገር ከቊውም እኽእል። እንተኾነ ምስክርነት እንተዘየሎ እዚ ነገራት እዚ ንስብከተወንጌል ዘይኮነ ንማንም ግብረሠናይ ጥራይ ኰይኑ ይተርፍ። እግዚአብሔር ኣቦ ንሰባት ናብ ፍልጠት ኢየሱስ ከምዝስሕቦም ኣይገብርን። እሞኸ ደኣ እግዚአብሔር ኣቦ ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክስሕብ እንታይ ክገብር ኣሎኒ እንተበልካ ብቀዳምነት ጸሎት የድሊ። እግዚአብሔር ኣቦ ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክስሕብ ምስላይ የድሊ። ምሳኡ ከኣ ብሕይወትካ ምስክርነት እምነት ምሃብ የድሊ። በቃ ጸሎትን ምስክርነትን። ብዘይካ ጸሎትን ምስክርነትን ስብከተወንጌል ክንገብር ክነበስር ኣይንኽእልን። ከመይ ዝበለ ሞራላዊ ስብከት ክትገብር ትኽእል ብዙሕ ተቊማት ክትሃንጽ ትኽእል እዘን ክልተ ነገራት እንተዘየለዋ ግን እግዚአብሔር ኣቦ ንሰባት ናብ ኢየሱስ ክስሕብ ኣይክእልን። ብካልእ ኣዘራርባ ንሰባት ማዓጾ ድሕነት ዝኸፍተሎም ምስክርነት እምነትና ኰይና እቲ እነዕርጎ ጸሎት ከኣ እግዚአብሔር ልቦም ንኢየሱስ ንክኸፍቱ የኽእሎም። እዚ ንተልእኮ ስብከተወንጌል ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ክርስትናና እውን ክንስዕቦ ዘሎና እዩ። ንኩሉ ተልእኮና ዝኸውን ዓቢ ሕጊኸስ እዚ እዩ እምበር ናይ ምስዳዕ መንፈስ ጥቃና ክቀርብ የብሉን።”

ብድምጺ ንምክትታል!
30 April 2020, 13:07
ንኩሉ ኣንብብ >