ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለ ነፍሰጾራት ይጽልዩ፡ ጽኑዕ እምነት ክህልወና እውን ይምሕጸኑ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዓርቢ ዕለት 17 ሚያዝያ 2020 ዓም ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብዚ ዘመን ቅልውላውን ምጥርጣርን ብዛዕባ ነፍሰጾራት እንኪሓስቡ ግዜ ብዝፈጥሮ ሃይማኖት ብማዕዶ ብመራኸቢ ብዙሓን ኰይኑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ እቲ ሓቀኛ ሕብረትን እምነትን ከይጉዳእ ምሥጢራት ብመራኸቢ ብዙሓን ጥራሕ ዝብል ጥዑም ጥዑም ከይጥዕም እሞ እምነት ከይደክም ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ትንሣኤ ዘላ ሶሙን ኦታቫ ብዝብል ስያሜ  ሳምንቲ ፋሲካ ኰይና ዕለት ዕለት ንበዓለ ትንሣኤ ብሓዲስ መንፈስ ምቅስቃስ ኰይኑ ቅዱስነቶም በዚ መንፈስ እዚ ብምንቅቃሕ ሎሚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ስለ ነፍሰጾራት ከምዝጽልዩ ከምዚ ብማለት ገሊጾም።

“ሎሚ ስለ እተን ኣብ ትጽቢት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ክንጽሊ ምደለኹ! እወ ስለ እተን ኣብ ትጽቢት ዘለዋ ነፍሰጾራት ወትሩ ከኣ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበያን ዝሻቀላን ኣደታት ንጸሊ። እታ ቀንዲ ሕቶ ዝወልዶ ቆልዓስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዓለም ኮን ክነብር እዩ ዝብል ሻቅሎት ወላዲት ስለዝኾነ ነዘን ኣደታት እዚአን እግዚኣአብሔር ዚኣክል ጸጋ ዓዲሉ ነዞም ኣብ ማሕጸነን ጸረንኦም ዘለዋ ዝበለጸ ዓለም ከምዝፍጠር ገሊጹ ብእምነት ንቅድሚት ክግስግሳ እዚ ዓለም እዚ ከኣ ጐይታ ወትሩ ዘፍቅሮ ምዃኑ ብእምነት ክቅበላን ክጸንዓን ጐይታ ጸጋኡ ክህበን ንለምን ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 21.1 ኰይኑ መድሓኒናን ጐይታትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ነቶም እናወደቁን እናተንሥኡን ሓንሳእ ብተስፋ ቊርጸት ሓንሳእ ብምጥርጣር ፋሕፋሕ ንዝብሉ ዝነበሩ ሓዋርያት ከካብ ዝኸድዎ ከባቢ እናኣጸናንዐን ርግጽነትን እምነትን ጽንዓትን እናሃበ ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ክተኣኻኸቡ ዘካይዶ ናይ ዝነበረ ክፍሊ ኰይኑ ድሕሪ ፍጻሜ ኤማሁስን ኣብ ገዛ ማዕጾ ብሽጉሩ ሰላም ንኣኹም ኢሉ ኣቊሳሉ ብምግላጽ ንሱ ካብ ሞት ከምዝተንሠኤ ምርግጋጽን እንደገና ዳርጋ ህድማ ንቅድሚት ዝመስል ጴጥሮስን ገለ ሓዋርያትን ኣብቲ ቀደም ቅድሚ ሕርየቶም ዝመሓደሩሉ ዝነበሩ ምግፋፍ ዓሣ ገለ እንተተመሰለሎም ናብ ቀላይ ጥብርያርዶስ ከይዶም ዓሣ ክገፉ ሒዅ እንተበሉ ኩሉ ምስላጥ ኣብይዎም ኣይ ካብ ዓሣ ኣይ ካብ ሰብ መንጎ መንጎ ተሪፎም ኣብ ዝቃዝኑሉ ግዜ ጐይታ ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ እንደገና ሎሚ እውን ንመርበሎ ብሸነኽ የማን ናይታ ጃልባ ክድርብዩ ይእዝዞም ቁጽሪ ዘይብሉ ዓሣ ይሕዙ ይበልዑ ይሕጐሱ። ጐይታ ምዃኑ ብምልላዮም ከኣ ወላ ማንም መን ኢኻ ኢሉ ዝሓተተ የለን ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ምስ ሕይወት ክርስትናና ብምግንዛብ ንሕናውን ከምኦም ንኢየሱስ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ብግልስ ይኹን ከም ማሕበረ ክርስትያን ክነለልዮ ኣሎና። ኣብዚ ዘሎና ግዜ ንኢየሱስ ብዘይቤተክርስትያንን ብዘይ ምሥጢራትን ክተለልዮ ምፍታን ሓደገኛ እዩ። በዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ገገዛና ተዓጺና ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ጥራይ ካብ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ተነጺልካ ክተለልዮ ምጽዓር ሓደገኛ እዩ። ከምዚ ሕጂ ኣብዚ ቅዳሴ ዘሎና ማለት እዩ። እንገብሮ ቅዳሴን ጸሎትን ናይ ሃረርታ ቊርባንን ንግዚኡ እኳ እንተኾነ ዳግም ናብቲ ንቡር ንምምላስ ከጸግም እውን ስለዝኽእል ጐይታ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ቀንጢጡ ኣብቲ ንቡር ሕይወትና ኣብ ቤተክርስትያን ብሕንሳብ ኰና ከም ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ብምሥጢራቱ እንሓብር ይግብረና እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“ሓዋርያት ገፈፍቲ ዓሣ እዮም ዝነበሩ። ኢየሱስ ካብዚ ሥራሕ እዚ እዩ ጸዊዕዎም። እንድርያስን ጴጥሮስን መግፈፊ ዓሣ ሰክዔት እዮም የዐርዩ ነሮም። ነቲ መግፈፊ ዓሳኦም ገፊፎም ከኣ ሰዓብዎ (ማቴ 4.18) ዮሓንስን ያዕቆብን ንኣቦኦምን ነቶም ምሳኦም ኰይኖም ዝሠርሑ ዝነበሩን ገዲፎም ሰዓብዎም (ማቴ 4.21) ጸዋዕታኦም ከስ ካብ ምግፋፍ ዓሳ ነበረ እዚ ሎሚ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተገብረ ተኣምር ምግፋፍ ዓሳኸስ ነታ ኣብ ሉቃ 5.1 ተመልኪታ ዘላ ተመሳሳሊት ፍጻሜ ክተዘክራአና ትኽእል። ኣብ ክልቲኡ ምልእቲ ለይቲ ሰሪሖም ባዶ ጃልባ ሒዞም እንከለው እዩ ኢየሱስ ናብቲ ዕሙቊ ዝበለ እሞ ንኺድ መርበርኩም ደርብዩ ይብሎም ንሶም ግን ‘ምሉእ ለይቲ ሰሪሕና ሓንቲ ኣይረኽበናን ከም ቃልካ ግን ንድርቢ ኢሎም ዘይተኣደነ ዓሳ ከምዝገፈፉ ሉቃ 5.9 እንከዘንቱ ኣብ ናይ ሎሚ ግን ዝተለማመዱ ጐይታ ምዃኑ ዘለለዩ ጥቡቅ ዝምድና ዝነበሮም ሓዋርያት ንዕዘብ። እቲ ንጽጽር ከምዚ እዩ ኣብቲ ቀዳማይ ሁመት ዓቢ ምድናቅ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ጴጥሮስ ኢየሱስ ምዃኑ ምስ ኣለለየ ካባይ ረሕቅ ኣነ ሓጢኣተኛ እየ ኢሉ ክሃድምን ኣብ ባሕሪ ክንቈትን ሉቃ 5.8፡ ኣብዚ ካልኣይ ግን ዮሓንስ ጐይታ እዩ ምስ ንክረኽቦ ክሳብ ኣብኡ ንምሕንባስ ኣብ ባሕሪ ክንቈትን ንርኢ ዮሓ 21-7. ኣብዚ ግዜ እዚ ማንም ካብ ሓዋርያት መን እዩ ኢሉ ዝሓትት የለን ተለማሚዶም ኣዕሩኽ ኣሕዋት ኰይኖም። ንሕና ክርስትያን እውን ኣብ ጉዕዞ እምነትና ከምዚ ዓይነት ምልምማድ ምስ ጐይታ የጋጥመና ኢድ ናኢድ ታትሒዝካ እትጐዓዞ ዓይነት ኩነታ ክፍጠር ይከኣል። እዚ ከኣ ኣብ ማእከልና ብምህላው ከም ማሕበረ ክርስትያን ከኣ ብሓባር ብኣካል ብምሥጢራት ተወሃሂድና ስለእንጐዓዝ እዩ። ምቁራስ እንጌራ ማለት ቅዱስ ቊርባን ኣሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ግዜና ብዝፈጠሮ ጸገም ቅሩብ ዘሰክፍ ልማድ ከይነጥሪ እፈርህ ንኩሉ ብመራኸቢ ብዙሓን ኰይኑ ከይንህውትት እሞ ነቲ ሕውነትን ማሕበረ ክርስትያን ዘልብሰና ውህደትን ሱታፌ ምሥጢራትን ከይንዝንግዕ ዝብል ስክፍታ። ቅድሚ ፋሲካ እዚ ጸገም ለበዳ ምስ መጸን ኣዋጃት ምስ ተኣወጀን ካብ ባዶ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዳሴ ብመራኸቢ ብዙሓን ኪመሓላለፍ እዩ ዝብል ዜና ምስ ተሓበረ ሓደ ንፉዕ ጓሳ ሓደ ኣቡን ተጠንቀቅ ንምሥጢራትን ቤተክርስትያን ናብ ህውተታ መራኸቢ ብዙሓን ከይተእቱ እንተወሓደ ኣራሓሒቅኩም እንተወሓደ ሓደ ሰላሳ ዝኾኑ ምእመናን ከምዝሳተፉ ግበሩ ኢሎም ጽሒፎምለይ ነሮም እቲ ዝበልዎ ሓደጋ ሎሚ ይገሃድ ኣሎ እሞ ንጠንቀቅ ንእምነትና ብጭቡጥ እንነብረሉ ነባራዊ ኩነታት ክፍጠረልና ነቲ ብግልና እነምልኾን እንፈልጦን ክርስቶስ ከም ማሕበረ ክርስትያን ከም ሕዝበ እግዚአብሔር ብምሥጢራቱን ብቃሉን ብሓባር ሓደ ኣካል ኰና ብውህደት እነምልኸሉ ግዜ ክፈጥረልና ብምጽላይ ካብዚ ሓድጋ እዚ ንምድሓን እምነትና ነደልድል ነጽንዕ እግዚኣአብሔር ከኣ ጸጋኡ ይዓድለና።”

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 April 2020, 13:43
ንኩሉ ኣንብብ >