ር.ሊ.ጳ ስለ ነፍሰጾራት ይጽልዩ፡ ጽኑዕ እምነት ክህልወና እውን ይምሕጸኑ!
ዜና ቫቲካን
ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ትንሣኤ ዘላ ሶሙን ኦታቫ ብዝብል ስያሜ ሳምንቲ ፋሲካ ኰይና ዕለት ዕለት ንበዓለ ትንሣኤ ብሓዲስ መንፈስ ምቅስቃስ ኰይኑ ቅዱስነቶም በዚ መንፈስ እዚ ብምንቅቃሕ ሎሚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ስለ ነፍሰጾራት ከምዝጽልዩ ከምዚ ብማለት ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ዮሓ 21.1 ኰይኑ መድሓኒናን ጐይታትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ትንሣኤኡ ነቶም እናወደቁን እናተንሥኡን ሓንሳእ ብተስፋ ቊርጸት ሓንሳእ ብምጥርጣር ፋሕፋሕ ንዝብሉ ዝነበሩ ሓዋርያት ከካብ ዝኸድዎ ከባቢ እናኣጸናንዐን ርግጽነትን እምነትን ጽንዓትን እናሃበ ናብ ኢየሩሳሌም ተመሊሶም ክተኣኻኸቡ ዘካይዶ ናይ ዝነበረ ክፍሊ ኰይኑ ድሕሪ ፍጻሜ ኤማሁስን ኣብ ገዛ ማዕጾ ብሽጉሩ ሰላም ንኣኹም ኢሉ ኣቊሳሉ ብምግላጽ ንሱ ካብ ሞት ከምዝተንሠኤ ምርግጋጽን እንደገና ዳርጋ ህድማ ንቅድሚት ዝመስል ጴጥሮስን ገለ ሓዋርያትን ኣብቲ ቀደም ቅድሚ ሕርየቶም ዝመሓደሩሉ ዝነበሩ ምግፋፍ ዓሣ ገለ እንተተመሰለሎም ናብ ቀላይ ጥብርያርዶስ ከይዶም ዓሣ ክገፉ ሒዅ እንተበሉ ኩሉ ምስላጥ ኣብይዎም ኣይ ካብ ዓሣ ኣይ ካብ ሰብ መንጎ መንጎ ተሪፎም ኣብ ዝቃዝኑሉ ግዜ ጐይታ ኣብ ማእከሎም ተረኺቡ እንደገና ሎሚ እውን ንመርበሎ ብሸነኽ የማን ናይታ ጃልባ ክድርብዩ ይእዝዞም ቁጽሪ ዘይብሉ ዓሣ ይሕዙ ይበልዑ ይሕጐሱ። ጐይታ ምዃኑ ብምልላዮም ከኣ ወላ ማንም መን ኢኻ ኢሉ ዝሓተተ የለን ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ምስ ሕይወት ክርስትናና ብምግንዛብ ንሕናውን ከምኦም ንኢየሱስ ከምቲ ናይ ሓዋርያት ብግልስ ይኹን ከም ማሕበረ ክርስትያን ክነለልዮ ኣሎና። ኣብዚ ዘሎና ግዜ ንኢየሱስ ብዘይቤተክርስትያንን ብዘይ ምሥጢራትን ክተለልዮ ምፍታን ሓደገኛ እዩ። በዚ ወሪዱና ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ገገዛና ተዓጺና ብመስኮት ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ጥራይ ካብ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ተነጺልካ ክተለልዮ ምጽዓር ሓደገኛ እዩ። ከምዚ ሕጂ ኣብዚ ቅዳሴ ዘሎና ማለት እዩ። እንገብሮ ቅዳሴን ጸሎትን ናይ ሃረርታ ቊርባንን ንግዚኡ እኳ እንተኾነ ዳግም ናብቲ ንቡር ንምምላስ ከጸግም እውን ስለዝኽእል ጐይታ ነዚ ወሪዱና ዘሎ ቀንጢጡ ኣብቲ ንቡር ሕይወትና ኣብ ቤተክርስትያን ብሕንሳብ ኰና ከም ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣአብሔር ብምሥጢራቱ እንሓብር ይግብረና እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።