ድለ

ነዚ ሕሱም ግዜ ለበዳ ንምስጋር ጐይታ ንሕዝቡ ጥበብ ጥንቃቄን መንፈስ ልቦናን ይዓድል! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሰሉስ ዕለት 28 ሚያዝያ 2020 ዓም ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረጕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ እዚ ለበዳ እዚ ምእንቲ ከይምለስ ጐይታ ንሕዝቡ ዚኣክል ጥበብን ጽንዓትን ሂቡ ነዚ ተበዩኑሉ ዘሎ ውሸባ ንክእዘዝ ጸጋኡ ክህብ ለሚኖም ኣብ ስብከቶም ከኣ ንዘይጠቅም ቈይቊ ኣወጊድና ካብ ሕሜታን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ክንርሕቅ ተማሕጺኖም።

ዜና ቫቲካን

ኣብዚ ዘይንቡር ግዜ ከም ንቡር ተወሲዱሉ ዘሎ ጸሎትን ቅዳሴን ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝጋዋሓሉ ዘሎ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብዚ ቁሩብ ምስትንፋስ ተረኺቡ ካብ ውሸባ በብቊሩብ ክንወጸሉ ዝፍቀደሉ ዘሎ ግዜ ጐይታ ንሕዝቡ ማለት ንኩልና ጸጋ ጥንቃቄን ጥበብ ተኣዝዞን ሂቡ እዚ ለበዳ እዚ መታን ከይምለስ ነቲ ተዋሂቡና ዘሎ ዕድል ብጥበብ ከምእንጥቀመሉ ክገብረና ንለምኖ።”

ንሎሚ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሐዋርያት 7,51 ኰይኑ ነቲ መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ዝመልኦ ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣበር ምስ ሰኣኑሉ ከምቲ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣምጺኦም ባይቶ ሊቃነ ካህናትን ሊቃውንቲ ሕግን ዓበይቲ ዓድን ኣኪቦም ከም ልማዶም ብዳርባ እምኒ ንኽቀትልዎ ኣብ ዘጻወድዎ ቅዱስ እስጢፋኖ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስን ዓቢ ትብዓትን ንዓበይቲ ዓድን ንጸሓፍትን ዚኣክል መልሲ ምስ ሃቦም ከምቲ ናይ ጐይታ ካብ ከተማ ኣውጺኦም ብኣእማን ወጊሮም እንክቀትልዎ ንሱ ክብሪ እግዚአብሔር እንክርእን ስለኦም ምሕረት ኪሓትትን ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ሓሶት ምስክርነት ፍትሒ ንክተምስል ፍትሒ ምጥፋእ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ክንደይ በላ በለው ሕሜት ጸለመ ናይ ሓሶት ዜና ሎሚ እውን እንተኾነ ከምዝዝውተር ምናዳ ንዓይ ምረጹ ንዓይ ምረጹ ዝብሉ መራሕቲ ፖሎቲካ ዝገብርዎ ከምዝመሳሰሎ ገሊጾም። እቲ ፍትሒ እትወጽእ ንክትመስል ዝግበር መጋባእያን ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣቀዲምካ ምስንዳውን ኣብ ሶስና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓንዱ ርእሱ ድሕሪ እውን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ልሙድ ዓመጽ ኰይኑ ንቅዱስ እስጢፋኖስ እውን ብኩሉ ክቃወምዎ ስለዘይከኣሉ ናይ ሓሶት ምስክር እሞ ንሞት እተብቅዕ ሃሰስ ኢሎም ንኣምላኽ ጸሪፉ ነዚ ቤተመቅደስ ኢየሱስ ከፍርሶ እዩ ኢሉ እናበልካ ሆሆታ ከም ዝለዓልን ከምቲ ናይ ጐይታ ኩሎም ቅተሎ ቅተሎ ኢሎም ከምዝራሰኑን ብምግባር ቀተልዎ። ምትላልን ምግናንን ዓመጽን ምዃኑ እኳ ብዙሓት እንተፈለጡ ወይውን ድሒሮም እንተተጣዕሱሉ እቲ ዓመጽ ግን ይፍጸም። እዚ ርሑቅ ከይመስለና ሎሚ እውን ኣብ ማእከልና ዕለት ዕለት ብዝተራቀቀ መንገዲ ይቅጽል ኣሎ ጉዳይ ኤስያ ቢቢ ንክንደይ ዓመታት ዕንክሊል ከምዝበለ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርታት ተዳጒኖም ዝርከቡ ክርስትያንስ ይኹኑ ካልኦት ብጸለመን መሰኻኽር ሓሶትን ይሳቀዩ ኣለው። ትማል ትማል ዝተፈጸመ ብሾዋ ዝፍለጥ ጽንተት እስራኤላውያን ተጻይ ሓደ ዓሌት ዝተፈጥረ ሕዝባዊ ምልዕዓል እዚ ከኣ በብቁሩብ ፈኸም እናበለ ዝጉህር ጽልኢ ብወረ ወረ ዝላባዕ ጸለመ ኣብ መወዳእታ ናብ ጥፍኣት የብጽሕ፣ እዚ መንፈስ እዚ ብዙሕ ግዜ ከይተረደኣና ነቲ ብበለካ ለኽዓካ ኮነ ኢሉ ዝተማህዘ ጸለመ ከም ውሁብ ተቀቢልናዮ ርእይቶና ዘረባና እንክንጅምር ድሮ ዝተመረዘ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ የጋድዶ። ምንም ከየረጋገጽካ ዝፍጠር ጽልዋ ሓሳባትከስ ትርፉ እዚ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ማሕበራትና ገዳማትና ቊምስናታትና ክንደይ ንጹሓት ሰባት ዘይተጐድኡ። ኣብ ፍርድታትና ፍትሓውያውያን ክንከውን ጐይታ ክሕግዘናን ናብ ሕሜት ካብ ዘምርሕ በላ በለው ክንርሕቅ ጸጋኡ ክህበናን ንለምኖ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“ኣብ ቀዳማይ ንባብ ኣብዚ ዕለታት እዚ ብዛዕባ ሰማዕትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ዘዘንቱ ክፍሊ ንምልከት ኣሎና። ሊቃውንቲ ሕጊ ክቃወምዎ ስለዘይከኣሉ መሰኻኽር ሓሶት ንእግዚኣብሔር ጸሪፉ ተጻይ ሕጊ ገሩ ዝብሉ ኣሰናድዮም ብዳርባ እምኒ የቅትልዎ። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ማለት ብከምዚ ዝበለ ቀሊል ኣገባብ ንሞት ምፍራድ እሞ ከኣ ሕዝቢ ኣለዓዒልካ ቅተሎ ቅተሎ ኢልካ ሕይወት ሰብ ምሕላፍ መጀመርያ ኣይኮነን ኣብ ኢየሱስ ርኢናዮ (ማር 15,13) ኣብ ኦሪት እውን እንተኾነ ጉዳይ ሶስና (ዳን 13) ጉዳይ ናቡተ (1ዘነገ 21) ከምኡ እውን ኣብ ዘመነ ኣስቴ ኣማን ተጻይ ምሉእ ሕዝበ እሽራኤል (ኣስ 3)። ናይ ሓሶት ዜና ዘርጊሕካ ብጸለመ ንሕዝቢ ኣልዓዒልካ ፍትሒ ይውጻእ ከምዝብል ምግባር። እዚ ንንጹሕ ሰብ ብተንኮል ከምዝቅተል ምግባር እዩ። ከምዚ ብዝበለ ኣገባብ ንሕዝቢ ዚኣክል ምስ ኣረሳሰንካ ናብ ዳኛ ይኽየድ እዚ ከኣ ነቲ ዓመጽ ፍትሓዊ ንምምሳል እዩ እምበር እቲ ፍርድስ ድሮ ወዲኦሞ እዮም። እቲ ዳኛ ተጻይ እዚ ሕዝባዊ ፍርዲ ንምኻድ ብዘይመጠን ተባዕ ክኸውን አልዎ እንተዘየሎ ከም ጲላጦስ ኢዱ ተሓጺቡ (ማቴ 27.24) ሱቊ ኢልካ ምዕዛብ እያ። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ገለ ሃገራት እንተስ ኣብ መርጻ ክትዕወት ነቲ ዓዲ ክተዕኑ እንተስ መንግሥቲ ክትግምጥል መጀመርያ ናይ ሓሶት ዜና ተናፍስ ካብኡ ጸለመ ትነዝሕ ዝኣክል ምስ ጠምዘዝካ ትፍትን እሞ ትዕወት ዝብል ኣምር ዕለት ዕለት ንዕዘቦ እዩ። እዚ ማሕበራዊ መቅተልቲ ክንብሎ ንኽእል። ንእስጢፋኖስ ዘጋጠመ እዚ እዩ። ናይ ሎሚ ሰማዕታት እውን ዕለት ዕለት ዘጋጥሞም እዚ እዩ። ንኣብነት ንኣስያ ቢቢ ንሕሰብ ዓሠርተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሎሚ ሎሚ ትቅተል እናተባህለ ምንም በደል ዘይብላ ህዝቢ ሆሆ ስለዝበለ ጥራይ ከምኡ ብሾዋ ዝፍለጥ ጽንተት እስራኤላውያን ወትሩ ነቲ ሕዝቢ ምስ ኣስከርካ `ዳርጋ ጽቡቅ ገበርዎም ደንጒዮሞም እኳ ዘስምዕ መንፈስ ሰሪጹ ማንም ዘይግደሰሉ ቅትለትን ዓመጽን ይፍጸም። እዚ ነገር እዚ ጽቡቅ ከምዘይኮነ ኩልና ንፈልጥ ኢና እንተኾነ ዕለት ዕለት ዝካየድ ንእሽቲ ንሰብ ናይ ምጥፋእ ውዲት ስም ሰብ ምጽላም ምጉናይ ኣብ መወዳእታኡ ብኩሉ ከምዝኹነን ገርካ ካብቲ ቅተሎ ቅተሎ ዘይሓምቅ ፍጻሜ ትፈጥር። እወ እከለስ ወይውን እከሊትስ ደሓን ነራ እንተኾነ ኢልካ ዝተባህለን ዘይተባህለን ጸለመ ብምውሳኽ ክንደይ ሰባት ዘይጐዳእካ። እዚ ብቀንዱ ነቲ ብሓሶት ኣይትመስክር ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ዝጻረር ኣብ ምዃኑ ሓቂ ኣባኻ ከምዘየላ የመልክት። ሓቂ ንጽርቲ እያ ሓራ ተውጽእ ዓመጽ ኣይትጻወርን። እቲ ሓቀኛ ምስክርነት ዝበሃል ከስ ሰማዕትነት እዩ። ቅዱስ እስጢፋኖስ እንተተመልከትና ከምኡ እውን ኩሎም ሓዋርያት መስኪሮም እዮም ብደሞም ሓቂ መስኪሮም። ሎሚ እንዝክሮ ዘሎና ካልእ ቅዱስ እውን ቅዱስ ሻነል ተጻይ ንጉሥ እዩ ተባሂሉ ብሓሶት ዝተኸሰን ዝተቀትለን እዩ። በጃኹም ኢለኩም ብዛዕባ መልሓስናን እትብሎን ነስተንትን። ብዙሕ ግዜ ብእንብሎም ብእንህቦ ርእይቶን ፍርድታትን ንክንደይ ሰባት ከም እንቀትል ከም እንሓሚ ነስተውዕል። ጐይታ ካብዚ መንገዲ እዚ እንገላገለሉ ኣብነት መሰኻክር ሓሶትን ሓመይትን እነወግደሉ ጸጋ ይሃበና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
28 April 2020, 11:50
ንኩሉ ኣንብብ >