ነዚ ሕሱም ግዜ ለበዳ ንምስጋር ጐይታ ንሕዝቡ ጥበብ ጥንቃቄን መንፈስ ልቦናን ይዓድል! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን
ኣብዚ ዘይንቡር ግዜ ከም ንቡር ተወሲዱሉ ዘሎ ጸሎትን ቅዳሴን ብተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝጋዋሓሉ ዘሎ ቅዱስነቶም ቅዳሴ ቅድሚ ምጅማሮም ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ንሎሚ ዝቀረበ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረ ሐዋርያት 7,51 ኰይኑ ነቲ መንፈስ ቅዱስን ጥበብን ዝመልኦ ሊቀ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣበር ምስ ሰኣኑሉ ከምቲ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበርዎ ሓሰውቲ መሰኻኽር ኣምጺኦም ባይቶ ሊቃነ ካህናትን ሊቃውንቲ ሕግን ዓበይቲ ዓድን ኣኪቦም ከም ልማዶም ብዳርባ እምኒ ንኽቀትልዎ ኣብ ዘጻወድዎ ቅዱስ እስጢፋኖ ብምልኣት መንፈስ ቅዱስን ዓቢ ትብዓትን ንዓበይቲ ዓድን ንጸሓፍትን ዚኣክል መልሲ ምስ ሃቦም ከምቲ ናይ ጐይታ ካብ ከተማ ኣውጺኦም ብኣእማን ወጊሮም እንክቀትልዎ ንሱ ክብሪ እግዚአብሔር እንክርእን ስለኦም ምሕረት ኪሓትትን ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ሓሶት ምስክርነት ፍትሒ ንክተምስል ፍትሒ ምጥፋእ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ክንደይ በላ በለው ሕሜት ጸለመ ናይ ሓሶት ዜና ሎሚ እውን እንተኾነ ከምዝዝውተር ምናዳ ንዓይ ምረጹ ንዓይ ምረጹ ዝብሉ መራሕቲ ፖሎቲካ ዝገብርዎ ከምዝመሳሰሎ ገሊጾም። እቲ ፍትሒ እትወጽእ ንክትመስል ዝግበር መጋባእያን ናይ ሓሶት መሰኻኽር ኣቀዲምካ ምስንዳውን ኣብ ሶስና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዓንዱ ርእሱ ድሕሪ እውን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ልሙድ ዓመጽ ኰይኑ ንቅዱስ እስጢፋኖስ እውን ብኩሉ ክቃወምዎ ስለዘይከኣሉ ናይ ሓሶት ምስክር እሞ ንሞት እተብቅዕ ሃሰስ ኢሎም ንኣምላኽ ጸሪፉ ነዚ ቤተመቅደስ ኢየሱስ ከፍርሶ እዩ ኢሉ እናበልካ ሆሆታ ከም ዝለዓልን ከምቲ ናይ ጐይታ ኩሎም ቅተሎ ቅተሎ ኢሎም ከምዝራሰኑን ብምግባር ቀተልዎ። ምትላልን ምግናንን ዓመጽን ምዃኑ እኳ ብዙሓት እንተፈለጡ ወይውን ድሒሮም እንተተጣዕሱሉ እቲ ዓመጽ ግን ይፍጸም። እዚ ርሑቅ ከይመስለና ሎሚ እውን ኣብ ማእከልና ዕለት ዕለት ብዝተራቀቀ መንገዲ ይቅጽል ኣሎ ጉዳይ ኤስያ ቢቢ ንክንደይ ዓመታት ዕንክሊል ከምዝበለ ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርታት ተዳጒኖም ዝርከቡ ክርስትያንስ ይኹኑ ካልኦት ብጸለመን መሰኻኽር ሓሶትን ይሳቀዩ ኣለው። ትማል ትማል ዝተፈጸመ ብሾዋ ዝፍለጥ ጽንተት እስራኤላውያን ተጻይ ሓደ ዓሌት ዝተፈጥረ ሕዝባዊ ምልዕዓል እዚ ከኣ በብቁሩብ ፈኸም እናበለ ዝጉህር ጽልኢ ብወረ ወረ ዝላባዕ ጸለመ ኣብ መወዳእታ ናብ ጥፍኣት የብጽሕ፣ እዚ መንፈስ እዚ ብዙሕ ግዜ ከይተረደኣና ነቲ ብበለካ ለኽዓካ ኮነ ኢሉ ዝተማህዘ ጸለመ ከም ውሁብ ተቀቢልናዮ ርእይቶና ዘረባና እንክንጅምር ድሮ ዝተመረዘ ምዃኑ ነቲ ጉዳይ የጋድዶ። ምንም ከየረጋገጽካ ዝፍጠር ጽልዋ ሓሳባትከስ ትርፉ እዚ እዩ። ርሑቕ ከይከድና ኣብ ማሕበራትና ገዳማትና ቊምስናታትና ክንደይ ንጹሓት ሰባት ዘይተጐድኡ። ኣብ ፍርድታትና ፍትሓውያውያን ክንከውን ጐይታ ክሕግዘናን ናብ ሕሜት ካብ ዘምርሕ በላ በለው ክንርሕቅ ጸጋኡ ክህበናን ንለምኖ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።