ድለ

ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ኣብዚ ናይ ስቃይ ግዜ ብስውር ዝሳቀዩ ቤትኣልቦ ይጽልዩ!

መዓት ክወርደካ እንከሎ መዓት ብመዓቱ ከኣ ንኩሉ ብኣልማማ ዘሳቂ መዓት ክኸውን እንከሎ ኣይከምቲ ባህሎ 'ምስ ሕዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት' ዝብሎ ዘይኮነ ነቲ ኣደራዕ ዝስከም እቲ ትሑት መናባብሮን ምንም ማሕድሮን ዘይብሉ ስለዝኾነ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዓለም ብዓለማ ትሳቀየሉ ዘላ ዝዓበየ ስቃይ ብስውር ዝሳቀዩ ቤት ኣልቦ ንጸሊ እንክብሉ 'ኩሉ ኣብ ገዛኡ ይእቶ' ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ዚኣትውሉ ገዛ ንዘይብሎም ክንዝክር ሓደራ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን  

ንሎሚ መእተዊ ቅዳሴ ካብ መልእኽቲ ዕብራውያን 9.15  'በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ' ዝብል ምስ ተዘመረ ቅዱስነቶም ነቲ ቅዳሴ ስለዝመነመን ከምዝዕርጉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“ኣብዘን ናይ ሥቃይን ሓዘንን ዕለታት እዚአን ብዙሕ ስውር ጸገማት እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ጋዜጣታት ሎሚ ልብኻ ዝትንክፍ ስእሊ ርእየ። ብዙሓት ገዛ ዘይብሎም ኣብ ጐዳናታትን ክፉት ቦታ ዝረኸብዎ ከም ጋራጃት ዚኣመሰለ ተሰጢሖም ዘርኢ ስእሊ። ቅድስት ተረዛ ዘካልኩታ ኣብ ልብታትና ኣብ ጐድኒ ጽጉማት ምዃን እንታይ ምዃኑ ክተብርሃልና እሞ ኣብ ንቡር ኩነታት ኢልና እንነብረሉ ዘመን ብዙሓት ቤትኣልቦ ኣብዚ ዘመነ ኣካሒዳ ብዘይ ምንም ጽላል ብስውር ይስቀዩ ከምዘለው ተገንዚብና ቅርበትና ብግብሪ ክንገልጽ ተኽእለና ኢሎም።”

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት 17.3 ዝተወስደ ኰይኑ 'ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ። ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገይረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ' ዝብል እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዚኣተዎ ኪዳን እንከመልክት ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ዮሓንስ 8.51 ዝተወስደ ኰይኑ ኢየሱስ ነቶም ደቂ ኣብርሃም ኢና እግዚአብሔር ኣቦና እዩ ዝብሉ ስለዘየኽበርዎ ዘኽብሮ መን ምዃኑን ምስ ኣብርሃም ንዘለዎ ርክብ ኪገልጽ 'ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እየ። ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሓጐሰ ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከእ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፥ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም' ዝብል ኰይኑ ኣይሁድ ነዚ ምስ ሰምዑ ኪወግርዎ ኣእማን ከምዘልዓሉን ኢየሱስ መሊቁ ከምዝኸደን ዘዘንቱ ነበረ።

ቅዱስነቶም ንኩለን ንባባት ብሓባር ብምጥቅላል ሎሚ እውን እንተኾነ ንኩሉ ሓጢኣትና ይቅረ ኢሉ ነቲ ኪዳን ኣብርሃም ከሐድስ ብሥራት ሒዙ ዝመጽእ ክርስቶስ ከምቲ ናይ ኣይሁድ ንሕና ክርስትያን ምሩጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና ንብል እንተኾነ ነቲ ኪዳን ብተኣማንነት ክነብሮ ኣሎና። ሎሚ ከም ሎሚ ሓጢኣትና ነዚ ሕርየት እዚ ዘይምቅባልን ናብ ኣምልኾ ጣዖት ምዝንባል ኣብቲ ንሱ ዝሃበና ተስፋን ኪዳንን ዘይምትፋውን ነቲ ኪዳኑ ምርሳዕን እዩ። ስለዚ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ነዚ ተስፋን ኪዳንን ዘኪሩ ብታሕጓስን ብእምነትን ናብቲ ክፍጸም ዘለዎ ተስፋን ኪዳንን ገጽና ንጐዓዝ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።

“እግዚአብሔር ወትሩ ኪዳኑ ምስ ዘከረ እዩ። ነዚ ከኣ ኣብ መዝሙረ ዳዊት 104/5 ደጊምናዮ። ጐይታ ፈጺሙ ኪዳኑ ኣይርስዕን ኪዳኑ ኣይጠልምን። ነዚ ሓጢኣትና ክምሕር እንከሎ ጥራይ ይርስዖ። ከመይ ምስ መሓረና ዝኽሩ የጥፍእ ንሓጢኣትና ፈጺሙ ኣይዝክሮን። ብዝተረፈ እግዚአብሔር ፈጺሙ ኣይርስዕን። ምስ ሕዝቡ ዘለዎ ምትእምማን ዘለዓለማዊ እዩ። ነቲ ንኣቦና ኣብራህም ዝኣተዎ ኪዳን ፈጺሙ ኣይርስዖን። እግዚአብሔር ንኣብርሃም ሓደ ጒዕዞ ክገብር ይመርጾ። እግዚኣአብሔር ስለዝመረጾ ኣብርሃም ምሩጽ ሰብ እዩ። ሕሩይ። ምስ ሓረዮ ርስቲ የተስፍዎ ኪዳን ከኣ ይኣትወሉ እዚ ኪዳን እዚ ፍርያም ኪዳን ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ እዩ። እነሆ ብኢየሱስ ኣባና ተሓዲሱ ክርስትያን ተባሂልና እቲ ተስፋን ኪዳንን ኣባና ይሓድር። ሕርየት ተስፋን ኪዳንን ዝብላ ሠለስተ ነገራት ሕይወት ሓደ ክርስትያን ትርጉም ይህባ። ነፍሲ ወከፍና ካብቲ ብዙሕ ተኽእሎታት ዕዳጋ ሕርየት ክርስትያን ክንከውን ተሓሪና። ክርስትያን ኢና ከመይ ተሓሪና ኢና። ኣብዚ ሕርየት እዚ ከኣ ሓደ ተስፋ ኣሎ። እታ ንኣብርሃም ዝተዋህበት ተስፋ `ኣነ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስ፡ ፍጹም ከኣ ኹን። ኪዳነይ ኣብ መንጎይን መንጎኻን ከቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ። . . ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገይረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ። ኣዝየ ኸፍርየካ እየ፡ ህዝብታት ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፡ ነገስታትውን ካባኻ ኪወጹ እዮም። ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝዀንኩ፡ እዚ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኲላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ፡ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ' ክብል ናይ ምትእምማን ኪዳን ኣተወሉ። ስለዚ ሕሩያት ኪዳን ዝተኣትወልና ኢና ኰይኑ ግን ምትእምማን ይሓትት። ኢየሱስ ንኣይሁድ ኣብርሃም ብዛዕባ ኢየሱስ ከስተንትንን ዕለቱ ብመንፈስ ብምርኣይን ከምዝተሓጐሰ እቲ ዝተዋህቦ ተስፋን ኪዳንን ኣብ ፍረ በጺሑ ምስ ረኣዮ ተሓጒሱ ይብሎም። እቲ ውሉድ ኢየሱስ ብምንባሩ ከኣ እዩ ኣብርሃም ኣቦይ ዝብል ንኩሉ ፍጥረት ንከሐድስ ከኣ ሓጢኣቱ ይቅረ ኢሉ ሓራ ይገብሮ። ክርስትያንከስ ብእምነት ጥምቀት ኣባል ናይዛ በረኸትን ርስትን ዝተተስፈወት ስድራ ኣባል ይኸውን። ነቲ ጐይታ ዝሃቦ ተስፋን ኪዳንን ኣሜን ኢልካ ምስ እትቅበል ክርስትያን ኢኻ። እቲ ጸገም ወይውን ሓጢኣት ተጻይ እዚ ሕርየት እዚ ብሠለስተ ነጥቢ ክንምልከቶ ንኽእል ቀዳማይ ነቲ ሕርየት ዘይምቅባል ወይውን ንኣኡ ክሒድካ ናብ ኣምልኾ ጣኦት ምዝንባል ካልኣይ ነቲ ዝተኣትወልካ ኪዳን ምርሳዕ እሞ ምንም ተስፋን ኪዳንን ከምዘይተኣትወልካ ኣብ ጸልማት ምንባር እዩ። እቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብርሃም ነዛ ዕለት ርእዩ ተሓጒሱ ዝብሎ ታሕጓስ ከስ ታሕጓስ ነፍሲወከፍ ክርስትያን ክኸውን ነርዎ ኰይኑ ግን ነዚ እውን ንስዕቦ ኣይመስልን። እዚ እዩ ቃለ እግዚአብሔር ንትርጉም ሕይወት ክርስትና ዝህቦ ብርሃን። ከምቲ ናይ ኣቦና ኣብርሃም ሕሩያት ፍጥረት ምዃና ተረዲእና ብታሕጓስ ናብታ ዝተተስፈወትልና ክንጐዓዝ ብተኣማንነት ከኣ ንኪዳኑ ክንፍጽም ጸጋኡ ይዓድለና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
02 April 2020, 10:44
ንኩሉ ኣንብብ >