ር.ሊ.ጳ ስለ እቶም ኣብዚ ናይ ስቃይ ግዜ ብስውር ዝሳቀዩ ቤትኣልቦ ይጽልዩ!
ዜና ቫቲካን
ንሎሚ መእተዊ ቅዳሴ ካብ መልእኽቲ ዕብራውያን 9.15 'በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዚኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ' ዝብል ምስ ተዘመረ ቅዱስነቶም ነቲ ቅዳሴ ስለዝመነመን ከምዝዕርጉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት 17.3 ዝተወስደ ኰይኑ 'ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍኤ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ። ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገይረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ' ዝብል እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዚኣተዎ ኪዳን እንከመልክት ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ዮሓንስ 8.51 ዝተወስደ ኰይኑ ኢየሱስ ነቶም ደቂ ኣብርሃም ኢና እግዚአብሔር ኣቦና እዩ ዝብሉ ስለዘየኽበርዎ ዘኽብሮ መን ምዃኑን ምስ ኣብርሃም ንዘለዎ ርክብ ኪገልጽ 'ዜኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እየ። ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሓጐሰ ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከእ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፥ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም' ዝብል ኰይኑ ኣይሁድ ነዚ ምስ ሰምዑ ኪወግርዎ ኣእማን ከምዘልዓሉን ኢየሱስ መሊቁ ከምዝኸደን ዘዘንቱ ነበረ።
ቅዱስነቶም ንኩለን ንባባት ብሓባር ብምጥቅላል ሎሚ እውን እንተኾነ ንኩሉ ሓጢኣትና ይቅረ ኢሉ ነቲ ኪዳን ኣብርሃም ከሐድስ ብሥራት ሒዙ ዝመጽእ ክርስቶስ ከምቲ ናይ ኣይሁድ ንሕና ክርስትያን ምሩጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ኢና ንብል እንተኾነ ነቲ ኪዳን ብተኣማንነት ክነብሮ ኣሎና። ሎሚ ከም ሎሚ ሓጢኣትና ነዚ ሕርየት እዚ ዘይምቅባልን ናብ ኣምልኾ ጣዖት ምዝንባል ኣብቲ ንሱ ዝሃበና ተስፋን ኪዳንን ዘይምትፋውን ነቲ ኪዳኑ ምርሳዕን እዩ። ስለዚ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ነዚ ተስፋን ኪዳንን ዘኪሩ ብታሕጓስን ብእምነትን ናብቲ ክፍጸም ዘለዎ ተስፋን ኪዳንን ገጽና ንጐዓዝ እንክብሉ ነዚ ስብከት እዚ ኣቅሪቦም።