ድለ

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ይጽልዩ

ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ ማለት ናብ ሕቕፎኡ ምምላስ ማለት እዩ፡ ነቢይ ኢሳያስ “ብሓጢኣትኵም እኳ ኸም ደም እንተ ቔሕኩም ከም በረድ ከጻዕድወኩም እየ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተቔሕኩም ከም ጻዕዳ ጸምሪ ክትኮኑ ኢዅም (ምዕ. 1,18) ዝበሎ ቃል ኪዳን ተዋሂቡና እዩ

ዕለት 20 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ምእንቲ እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ብዘሎ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ንዝሳቐዩ ዘለዉ ዘገልግሉ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ብፍላይ  እዚ ሕማም እዚ ኣዚዩ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያ፡ ከተማ በርጋሞን ትረቪሊዮን ብረሻን ክረሞናን ኣባይቲ ሕምና ንዘገልግሉ ዘለዉ ኩሎም ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕና ከምዝጸለዩን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ኩሉ ኣቦነት እግዚኣብሔር ንኸለልይን ካህናት ኣብ ዘይርከብሉ እዋን ምእመናን ሓጢኣቶም ከመይ ክናዘዙ ከምዝኽእሉን እውን ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 20 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ለብዒ ኮቪድ 19 ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ከባቢ ንምብዳህን ንህሙማን ካብዚ ሕማም’ዚ ኣብ ምፍዋስ ተዋፊሮም ደኺመ ከይበሉ ዘገልግሉ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታትን ኮሎም ብፍሉይ ከምዝዘከሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ትንቢት ሆሴዕ ምዕ. 14 ካብ ፍቕዲ 2-10

ካብ ወንጌል ማርቆስ ምዕ. 12 ካብ ፍቕዲ 28-34 ዝተወስዱ ምንባባት ኣሞርኵይዞም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥

ዕለት 19 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ሓደ ናይ ሰበኻ በርጋሞ ካህን ኣብ ዝሰደደለይ መልእኽቲ ምእንቲ እቶም ኣብ በርጋሞን ትረቪሊዮን ብረሻን ክረሞናን ንዝርከቡ ሕሙማን ዝኣለዩ ንዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ክጽልይ ከምዝሓተተንን፡ እዞም ሓኻይም ናይ ብዙሓት ሕይወት ንኸድሕኑ ዘካይድዎ ዘለዎ ጻዕሪ ብሓቂ ከቢድ እዩ፡ ስለዚ ምእንታኦም ንጸልይ፡ ንኣኣቶምን ንቶም ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ እዋን ንምብዳህ ዝገብር ጻዕሪ ዘዋድዱን ዝመርሑን ዘለዉን ብዙሕ እዋን ዝርድኦም ዝስእኑን ሓለፍትን ንጸልይ፡ ሓኻይም ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ወለንተይናታትን ነቶም ዝከላኸሉልና ዘለዉ ንጸልይ!

ቢሎም፡

እቲ ሎሚ ዝሰማዕናዮ ካብ ትንቢት ሆሴዕ ዝተወስደ ምንባብ ከንብቦን ክሰምዖን እንከሎኹ እቲ፥ “ኦ ሕዝበ እስራኤል ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኻ ተመለስ” ዝብላ ቃላት ቅድሚ 75 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ካርሎ ቡቲ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ ተሰዲዶም ንዝነበሩ ኣባይቲ ስድራ ዜጋታት ኢጣሊያ፡ ኵሉ ደስ እናበሎ ዝሰምዖ ዝነበረ ሙዚቃ፡ ኣብቲ ደቅስ ደቅስ ወደየ እናበለ ኣብ ድቃስካ ናብ ዘሰንይካ ወላዲኻ ተመለስ፡ … እግዚኣብሔር እዩ ኣቦኻ፡ … ዝብሎ ዝነበረ ቃላት የዘኻኽረኒ፡ ኣብ ወንጌል ቅዱስ ሉቃስ ምዕ. 15 “እቲ ኣቦ ብርሑቕ ወዱ ናብኡ ክምለስ እንከሎ ዝርእይ፡ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ ውላድ ዝብጽሓኒ ኵሉ ሃበኒ ቢሉ ርሑቕ ዝኸደን ኩሉ ብጽሒቱ ኣባኺኑ ናብ ኣቦይ ክምለስ ዝበለ ውላድ፡ እቲ ኣቦ ካብ ርሑቕ ክርእዮ ዝኸኣለ እውን ይጽበዮ ስለ ዝነበረ እዩ፡ ንመዓልታት ድዩ ኣዋርሕን ዓመታትን ብዘይገድስ ይጽበዮ ዝነበረ ኣቦ፡ ካብ ርሑቕ ረኣዮ፡ ናብ ኣቦኻ ተመለስ ንሱ ይጽበየካ ኣሎ፡ ኣብዚ ዓቢይ ጾም ርህራሀ እግዚኣብሔር ይዛረበና ኣሎ፡ ናብ ገዛእ ርእስና ውሳጠ ኣቲና ኣቦና ንዘክር፡ ናብቲ ዝጽበየና ኣቦ ንመለስ።

ኣይምለስን፡ ስለ ዝበደልኩን ሕፍረት እውን ስለ ዝስምዓኒ … ክንደይ ዘይበደልኩን ክንደይ ክፋእ ዘይፈጸምኩን ከመይ ቢለ እየ እሞ ንኽምለስ ዝደፍር ንብል ንኸውን፡ ኣይፋልና “ወደየ ናባይ ተመለስ ኣነ ንዘይተኣማንነትካ ክፍውሶ እየ፡ ብጥልቂ ክፈትወካ እዩ፡ ስለምንታይ ቍጠዐይ ርሑቕ እዩ፡ … ክትዕንብብ ኢኻ ሱር እውን ክትሰድድ ኢኻ፡ ከም ኦም ሊባኖስ፡ ናብቲ ዝጽበየካ ኣቦኻ ተመለስ፡ ናብቲ ናይ ዝፍውስ ርህራሀ ዝዀነ ኣቦኻ፡ ካብ ዝቡሕ ነገራት ክፍውሰና እዩ፡ ማእለያ ካብ ዘይብሉ ናይ ሕይወት ኣቝሳልን ካብቲ እንፍጽሞ ብዙሕ ክፋእ ተግባራትን ኵሉ ክፍወሰና እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍና ዝምልከት ጉዳይ እዩ።

ናብ እግዚኣብሔር ምምላስ ማለት ናብ ሕቕፎኡ ምምላስ ማለት እዩ፡ ነቢይ ኢሳያስ “ብሓጢኣትኵም እኳ ኸም ደም እንተ ቔሕኩም ከም በረድ ከጻዕድወኩም እየ፡ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተቔሕኩም ከም ጻዕዳ ጸምሪ ክትኮኑ ኢዅም (ምዕ. 1,18) ዝበሎ ቃል ኪዳን ተዋሂቡና እዩ፡ ልቢ ዝልወጥ እዩ፡ ናይ ምምላስ ቀዳምይ ስድር ግና ካባና ክኸውን ኣለዎ፡ ናብ እግዚኣብሔር ምኻድ ማለት ዘይኰነ ናብ ቤትካ ምምላስ ማለት እዩ።

ዓቢይ ጾም ብዛዕባ ምልዋጥ ልቢ እዩ ዝዛረብን ዘተኵርን፡ ኣብ ክርስትና እዚ ምልዋጥ እዚ ኣብቲ ዓቢይ ናይ ንስሓ ምስጢር እዩ፡ … እግዚኣብሔር ከጻዕድወካ ምፍቃድ፡ ንሱ ከንጽሓካን ክሓቝፈካን እዩ፡ ብዙሓት ካባና ምስ እግዚኣብሔር ንኽንራኸቡ ኣብ እዋን ፋሲካ ናብ ምስጢረ ንስሓ ይቐርቡ፡ … ኣብዚ እዋን’ዚ ካህን ኣበይ ክንረክብ ንብል ንኸውን፡ ምኽንያቱ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ስለ ዝተወሸብና፡ ካብ ቤት ክንወጽእ ስለ ዘይንኽእል ኡ፡ ምስ ጐይታ ሰላም ክህልወንን ኣብ ሕቕፎ እግዚኣብሔር ክኸውን ዝደልይን ኣንተድኣ ኰይነ ልክዕ ከምቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ዝብሎ፡ ዘናዝዘካ ካህን እንተድኣ ዘይረኸብካ ምስ እግዚኣብሔር ተዛረብ፡ ንሱ ኣቦ እዩ፡ ሓቂ ኵሉ ንገሮ፡ እዚን እትን ፈጺመን ኣቢሰብ በሎ፡ ምሕረቱ ሕተት፡ ብልብኻ፡ ብጥዑስ ልብኻ … ቃል እውን እተወሉ፡ ምስጢረ ንስሓ ኣብ ዝቕበለሉ እዋን ክናዘዝ እየ ሕጂ ግና መሓረኒ ንበሎ፡ … ጣዕሳ ይሰመዓና፡ … መንፈስና ከም በረድ ክትጽዕድው እያ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣእዛንና ልብናን ‘ተመለስ’ ዝብል ቃል ከቃልሕ ምስማዕ እንተዝህሉ ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ፡ ናብ ኣቦኻ ተመለስ፡ ንሱ ይጽበየካ ኣሎ ስለ ምምላስካ በዓል እውን ክገብር እዩ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉን፡ ከምቲ ድሕሪ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 ሕማም ምኽንያት ወትሩ ንጐሆ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣስተንትኖ ፈጺሞም ብቡራኬ ቅዱስ ቁርባን ክዛዝሙ እንከለዉ፥

ኣብ እግርኻ ኰይነ፡ ዎ ኢየሱስ፡ እሰግደልካን ኣብታ ቅድስቲ ህላዌኻ እቲ ናብ ባዶነት ዘውድቕ ዘበለ ኵሉ ልባዊ ጣዕሳይ አቐርበልካ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ቅዱስ ምስጢር እሰግደልካን አምልኸካን፡ ኣብታ ድኻ ዝዀነት መንበሪተይ ልበይ ሃረር እብለካ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባ ናይ ሓሴት ሱታፌ ብተስፋ እናተጸበዅ ብመንፈስ  ክቕበለካ እደልይ፡ ዎ ኢየሱስ ነዓ ናባይ፡ ኣነ ናባኻ መታን ክመጽእ፡ መላእ ኣብ ሕይወትን ሞትን ምዃነይ ብፍቕርኻ ክነድድ፡ እምነተ ኣባኻ ተስፋይ እውን ኣባኻ፡ አፍቅረካ

ዝብል ቅዱስ ቁርባን ንምቕባል ሃረርታኻ እትገልጸሉ ጸሎት ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ሕይወቶም ዝስውኡ ዘለዉ ሓኻይምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ይጽልዩ
20 March 2020, 17:47
ንኩሉ ኣንብብ >