ድለ

ስለ እቶም ግዳያት ለበዳ ሕማም ኮረናን ስለ ቤተሰቦምን እጽሊ ኣሎኹ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 22 መጋቢት 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ምስዚ ናይ ግዜና ጸገም ዝጀመሮ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ 'ስለ እቶም ምስ ዝፈትውዎም ቤተሰቦም ከይተራኸቡን ከይተሰናበቱን በይኖም ዝሞቱ ዘለውን ስለቤተሰቦምን እጽሊ' ኣሎኹም ክብሉ ሓሳብ ጸሎቶም ምስ ገለጹ ነቲ ወትሩ ዘሰንየናን ምሳና ዚጐዓዝን ኢየሱስ ኣብ ሕይወትና ርኢና ንኽኣል ኢሎም።

ዜና ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝሓለፈ ዕለት 9 መጋቢት 2020 ዓም ዝጀመርዎ ብቀጥታ ብመራኸቢ ብዙሓን ንግሆ ንግሆ ዝመሓላለፍ ዘሎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መባእታ ብዛዕባ ናይ ዕለቱ ሓሳብ ጸሎት ናይ ምግላጽ ልማድ እውን ስለዘተኣታተው ኣብዚ ቅዳሴ እውን ከምዚ ክብሉ ሓሳብ ጸሎቶም ገሊጾም።

ኣብዚ ዕለታት እዚ ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ካብቶም ዝፈትውዎም ቤተሰቦም ከይተሰናበቱ በይኖም ናይ ዝሞቱ መርድእ ሞት ንሰምዕ ኣሎና! ብዛዕባኦም ነስተንትን ስለኦም ከኣ ንጸሊ። ስለ እቶም ኣብዚ ናይ ምስግጋር ግዜ ንዝፈትውዎም ከሰንዩ ዘይከኣሉ ቤተሰቦምን ንጸሊ። ናይ ሎሚ ፍሉይ ጸሎትና ስለ እቶም ዝሞቱን ስለ ቤተሰቦምን እዩ ኢሎም።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌለ ዮሓንስ 9 ኰይኑ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ክርስቶስ ነቲ ዕውር ኰይኑ ዝተወልደ እሞ ኩሉ ጸልሚትዎ ዝነበረ ሰብኣይ ብጸብሪ ገይሩ ምስ ፈወሶ ንኩሎም ብዘደንቅ መንገዲ ምስቶም እናረኣዩ ዝዓወሩ ብቀትሩ ዝጸልመቶም ፈሪሳውያንን መማህራን ሕግን ዝገበሮ ክትዕ ዘመልክት ነበረ።

እዚ ክፍሊ ወንጌል ቅዱስ ዮሓንስ ምንም ምግላጽ ዘይደልዩ ንጹር እዩ። ስብከት ኢየሱስ ክርስቶስን ትምህርቱን የጠቃልል። ኣብዚ ሓንቲ ነገር ጥራይ ከመልክት እደሊ። ቅዱስ ኣጎስጢኖ ካብ ዝብሎ ብዙሕ ግዜ ተሰክፈኒ ኣላ ንሳ ኸኣ 'ብጥቃይ ከይፈለጥክዎ ናይ ዝሓልፍ ኢየሱስ ፍርህን ረዓድን ኣሎኒ' ይብል ነበረ። ስለምታይ ደኣ ካብ ዝሓልፍ ክርስቶስ ክንድዚ ፍርሂ እንተደኣ ኢልና። ሓንቲ ጉዳይ ንጽርቲ እያ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብጥቃኻ ኪሓልፍ ከሎ ትርግታ ልቢ ይንህር ሓቀኛ ስምዒታትን ዝምባሌን ይግንፍል። እዚ ሓደ ጸጋ እዩ ኣብዚ ኢየሱስ ከየስተውዓልካሉ ኪሓልፍ ኣይክእልን። ይሓልፍ የሕዊ ትረኽቦ ትርእዮ። ኣብዚ ናይዚ ዕውር ምፍዋስ እውን ንጹር እዩ። ይሓልፍ ንሓደ ዕውር የሕዊ ብዙሕ ክትዕ ይለዓል። ቀስ ብቀስ ግን እቲ ታሪኽ ጉድ ናይ ገሊኦም የጋልጽ። እቲ ዕውር ቀንዲ ተዋሳኢ ኰይኑ ብጥበቡን እምነቱን መልሱን ንኩሉ የደንቅ። እዚ እቲ ተመሪሑ ዝኸይድ ዝነበረ ዕውር እዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሊቃውንቲ ሕጊ ንኩሉ ዝፈልጡ ዝርእዩን ዝሰምዑን ኰይኑ ግን ኢየሱስ ብኣኡ ኪሓልፍ እዚ ኩሉ ተኣምር ኪገብር ጨሪሶም ኣየስተውዓሉሉን። ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ኣብ ልማዳቶም ጠቢቆም ንኣኡ ክሕልው ፍትሒ እውን የጉድሉ ነሮም።

ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ እውን እዚ ምዕጻው እዚ እዩ ተጋሂዱ። ንክርዳኣኩም ንወንጌለ ዮሓንስ ምዕራፍ 9 ደጋጊምኩም ኣምብብዎ። ሽዑ እዛ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ 'ኢየሱስ ብጥቃይ እናሓለፈ ክየስተውዓልኩ ከየለለኽ ዎ ከይሓልፈኒ ብጣዕሚ እፈርህ እርዕድ ዝብሎ ክረደኣኩም እዩ። ከመይ እዞም ሊቃውንቲ ብጥቃኦም ኪሓልፍ ተኣምር ኪገብር ክርእይዎ ከለልይዎ ክዕዘብዎ ኣይከኣሉን መሕልፎ ነቲ ዕውር ኰይኑ ዝተወልደ ይሓቱ። እዚ ንቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዘፍርሆዝነበረ። ከመይ እንተዘይፈልጥካዮ ኣይክትልወጥን ኢኻ ነዚ ኣይትረስዑ እዛ ክፍሊ ወንጌል  ኣንብብዋ ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
22 March 2020, 14:15
ንኩሉ ኣንብብ >