ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ  ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ   (ANSA)

ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ንዘሰንዩኻ ወትሩ ኣብ ልብኻ ምንባሮም የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 14 ለካቲት 2020 ዓም ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሕይወትና ካብታ መረበትና ዝኾነት ጸባብ ሥድራና ጀሚራ ኣብ ምሉእ ጒዕዞኣ ብዘሰንይዋ ሰፊሕ ሥድራቤት ስለ እትምስርት ነቶም ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ዘሰንዩና ክነመስግኖም ገለ እትጐደልና ከኣ ይቅሬታ ንምሕታት ድሕር ኣይንበል እንክብሉ ብፍቅሪ ክነብር ኣዘካኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ኣጋጣሚ ኰይኑ ሎሚ ኣብቲ ቅዳሴ ካብ ዝተሳተፉ ነዊሕ ዓመታት ዝሠርሔት ዕድመኣ ንጥሮታ ብምብጻሑ ትሰናበት ብምንባራ ቅዱስነቶም ነቲ ኣጋጣሚ ንምምስጋንን ገለ እንተሎ ኸኣ ይቅሬታ ንምሕታትን እንጥቀመሉ ምዃኑ ብምዝኽኻር እቲ ዝነበርሉ ቤት መቀበል ቅድስት ማርታ ከም ሓንቲ ዓባይ ሥድራ ኰይና ብብዙሓት ሰባት ዝቆመት እያ ኢሎም። እዞም ሰባት እዚኦም ዕለት ዕለት ኣብዚ እናሠርሑ ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወትና ኣብ ሕማቅስ ይኹን ኣብ ጽቡቅ ኣብ ሕማማስ ይኹን ኣብ ሓጐስ ዘሰንዩና እዮም። ገሊኦም ክምስታ ዘይፍልዮም ሓደርካ መዓልካ ክብሉኻ ኣብ ልብኻ ሠናይ ነገር ዝዘርኡ። ብዙሕ እዩ። ነዞም ከምዚ ዚኣመሰሉ ሰባት ወትሩ ኣብ ልብና ቦታ ክንህቦም ክሰናበቱ ከለው ክነመስግኖም ገለ ጌጋ እንተሎ ኸኣ ይቅሬታ ምሕታት እውን ግዲ እዩ እንክብሉ ቅሩብ ናይ ዝኽርን ምስጋናን ቃል ነታ ትሰናበት ምስ ኣስምዑ ከም ሥድራ ኣብ እትጐዓዘሉን እትነብረሉን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ሓጢኣት እዩ ኢሎም።

ንዓይ ጥራይ ዝብል ስስዕቲ ሓጢኣት እዩ!

ቅዱስነቶም ነቲ ዝጀመርዎ ኣምር ሥድራ ብዝሰፈሐ ጐድኑ ብምትንታን ክንዮ ኣቦ ኣደ ኣኮታት ኣሞታት ኣሕዋት ኣቦሓጎታት ዝሓልፍ ስፍሕ ዝበለ ሥድራ ኰይኑ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ንነዊሕ ግዜ ዘሰንዩና ናይ ሥራሕ ብጾትናስ ይኹኑ ካልኦት እውን ከም ሥድራ ክንምልከቶም የድሊ። ንኣብነት ይብሉ! ነታ ን40 ዓመታት ዚኣክል ኣብቲ ቦታ ዝሰርሔት እሞ ሽዑ ትሰናበት ዝነበረት ፓትሪዝያ ብምዝካር ኣባል ናይዚ ሰፊሕ ሥድራ ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

“እዚ ሓሳብ እዚ ንኩልና ኣብዚ ቦታ ንእንነብር ጽቡቅ ኣጋጣሚ እዩ። ነዛ እተሰንየና ሰፋሕ ስድራ እሞ ንሕሰብ ንኩልኹም ወላ ነቶም ኣብዚ ዘይትነብሩ እውን ነቶም ኣብ ጉዕዞ ሕይወትኩም ዘሰንዩኹም እሞ ሕሰቡ ጐረባብትኹም ኣዕሩኽትኹም ናይ ሥራሕ ብጾትኩም መማህርትኹም ከመይ በይንና ኣይኮናን። ወትሩ ኣብ ጐድንና ሓደ ሰብ ኣሎ። እግዚኣአብሔር ሕዝቢ የድልይዎ ሥድራ ማሕበር ይፈቱ ንዓይ ጥራይ ንዝብል ሰብ ዝደልዮ የለን ከመይ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ስስዐ ሓጢኣት እዩ ኢሎም። ንጐይታኸስ በይንና ስለዘይሓድገና ነመስግኖ ኢሎም።”

ኦ ጐይታ በይንና ስለዘይትሓድገና ተመስገን!

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሥራሕ ዓለም ምልስ ይብሉ እሞ ነቶም መሳርሕቶም ምስ ሓመሙ ዘሰንዩ ዝከናኸኑ በቲ ዘርእይዎ ልግሲ ኣመስጊኖም። ክንዮ ስም ነፍሲወከፍን ታሪኽን ዝተርፍ ጭቡጥ ምልክት እዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ናይ ምስናይን ፍቅርን ተግባራት ምዃኑ ንምግላጽ ዚኣክል ኣብ ገዛ ቅድስት ማርታ ነዊሕ ዘገልገላ ዝሓለፋን ኣብ ዕረፍቲ ዘለዋን ከም ኣደ ዓባይ ዝምልከትዋ ክሳብ ናብ ማሕበረን ከይዶም ዝበጽሕወን እናቴ ማርያ ብንእስነትን ንኣምላኽ ኣብቲ ገዛ ዝተወፈያ ከምኡ እውን ነታ ብዘሕዝን ፍጻሜ ነፍሰጾር እንከላ ምስቲ ኣብ ከብዳ ዝነበረ ዕሸል ዝሞተት ሚርያም ከምኡ እውን ኤልቪራ እትበሃል ክሳብ መወዳእታ ምስ ሕማም ተቃሊሳ ዝሓለፈት ዘኪሮም። ርግጽ እዩ ክትፈላለ እንከሎኻ ከቢድ እዩ ግን ኣብ ልብና ፍሉይ ቦታ ምስ እንህቦም ወትሩ ምሳና እዮም ኢሎም።

“ሎሚ እምበአርከስ ኩልና ነቶም ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ንዘሰነዩና ብምስጋና ክንዝክሮምን ንኣምላኽ ስለእዚ ህያብ እዚ ክነመስግንን እንተኽኢልና ጽቡቅ ስምዒት ክህበና እዩ። ኦ ጐይታ በይንና ስለዘይሓደግካና ነመስግነካ ኣሎና ንበሎ። ርግጽ እዩ ብዙሕ ግዜ ጐነጽ ዘይምርድዳእ ዘሎ እዩ። ሕሜታ ኣሎ። ኣብዚ እውን ከምኡ ይጽለ ይሕመ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ፍቅሪ እውን ይጐድል። ኰይኑ ግን ይቅሬታ ምስ እንሓትት ካብ ብጾትናስ ይኹን ካብ እግዚኣአብሔር ምሕረት ክንረክብ ይከኣል እዩ ኢሎም ።”

ዓቢ ምስጋና!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ርግጽ ሓጢኣት ኣሎ! ብዝጠቅምን ዘይጠቀምን ክንቊጣዕ ንኽእል። ኰይኑ ግን ምልስ ኢልና ይቅረታ ምስ እንሓትት ኩሉ ይሓልፍ። ዓቢ ሥድራቤት ከኣ ብከምዚ እዩ ዝናበር። ብዙሕ ግዜ ንሕና ጥራሕ ንዕገስ ይመስለና ኰይኑ ግን እቶም ንከሰንዩና እግዚኣአብሔር ዝሃበና ሰባት ክንደይ ከምዝዕገሱና ሓሲብናሉዶ ንፈልጥ። ሃየ እምበር ሎሚ ንሕሰበሉ እሞ ንኩሎም ብጾትና ንዝጐደልናዮ ይቅረታ ክህቡና ንሕተቶም ኢሎም።

“ሎሚ እምበኣር ነፍሲወከፍና ብልብና ነቶም ንሓጺር ግዜስ ይኹን ንነዊሕ ግዜ ዘሰንዩና እነመስግነሉን ይቅረታ እንሓተሉን ዕለት እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቂመ ኣነ እውን ነዝ ሎሚ ትሰናበተና ዘላ ፓትሪስያ ከመስግናን ንዘሰንዩና ኩሎም ይቅረታ ክሓትትን እደሊ። ነፍሲወከፍና ምስቶም ዘሰንዩና ከምኡ ንግበር። ነቶም ኣብዚ ገዛ እዚ እተገልግሉ ኩልኹም ዓቢ ምስጋና አቅርበልኩም ንዓኺ ሎሚ ካባና ድሕሪ ናይ 40 ዓመት ኣገልግሎት ትሰናበቲ ዘሎኺ ፓትሪስያ ከኣ ካልእ ሓዲስ 40 ዓመት ኣብ ሓዲስ ሕይወት እምነየልኪ ኢሎም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
14 February 2020, 19:42
ንኩሉ ኣንብብ >