ኣብ ጉዕዞ ሕይወት ንዘሰንዩኻ ወትሩ ኣብ ልብኻ ምንባሮም የድሊ! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ኣጋጣሚ ኰይኑ ሎሚ ኣብቲ ቅዳሴ ካብ ዝተሳተፉ ነዊሕ ዓመታት ዝሠርሔት ዕድመኣ ንጥሮታ ብምብጻሑ ትሰናበት ብምንባራ ቅዱስነቶም ነቲ ኣጋጣሚ ንምምስጋንን ገለ እንተሎ ኸኣ ይቅሬታ ንምሕታትን እንጥቀመሉ ምዃኑ ብምዝኽኻር እቲ ዝነበርሉ ቤት መቀበል ቅድስት ማርታ ከም ሓንቲ ዓባይ ሥድራ ኰይና ብብዙሓት ሰባት ዝቆመት እያ ኢሎም። እዞም ሰባት እዚኦም ዕለት ዕለት ኣብዚ እናሠርሑ ኣብ ኩሉ ጒዕዞ ሕይወትና ኣብ ሕማቅስ ይኹን ኣብ ጽቡቅ ኣብ ሕማማስ ይኹን ኣብ ሓጐስ ዘሰንዩና እዮም። ገሊኦም ክምስታ ዘይፍልዮም ሓደርካ መዓልካ ክብሉኻ ኣብ ልብኻ ሠናይ ነገር ዝዘርኡ። ብዙሕ እዩ። ነዞም ከምዚ ዚኣመሰሉ ሰባት ወትሩ ኣብ ልብና ቦታ ክንህቦም ክሰናበቱ ከለው ክነመስግኖም ገለ ጌጋ እንተሎ ኸኣ ይቅሬታ ምሕታት እውን ግዲ እዩ እንክብሉ ቅሩብ ናይ ዝኽርን ምስጋናን ቃል ነታ ትሰናበት ምስ ኣስምዑ ከም ሥድራ ኣብ እትጐዓዘሉን እትነብረሉን ንዓይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ሓጢኣት እዩ ኢሎም።
ንዓይ ጥራይ ዝብል ስስዕቲ ሓጢኣት እዩ!
ቅዱስነቶም ነቲ ዝጀመርዎ ኣምር ሥድራ ብዝሰፈሐ ጐድኑ ብምትንታን ክንዮ ኣቦ ኣደ ኣኮታት ኣሞታት ኣሕዋት ኣቦሓጎታት ዝሓልፍ ስፍሕ ዝበለ ሥድራ ኰይኑ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትና ንነዊሕ ግዜ ዘሰንዩና ናይ ሥራሕ ብጾትናስ ይኹኑ ካልኦት እውን ከም ሥድራ ክንምልከቶም የድሊ። ንኣብነት ይብሉ! ነታ ን40 ዓመታት ዚኣክል ኣብቲ ቦታ ዝሰርሔት እሞ ሽዑ ትሰናበት ዝነበረት ፓትሪዝያ ብምዝካር ኣባል ናይዚ ሰፊሕ ሥድራ ምዃና ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።
ኦ ጐይታ በይንና ስለዘይትሓድገና ተመስገን!
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሥራሕ ዓለም ምልስ ይብሉ እሞ ነቶም መሳርሕቶም ምስ ሓመሙ ዘሰንዩ ዝከናኸኑ በቲ ዘርእይዎ ልግሲ ኣመስጊኖም። ክንዮ ስም ነፍሲወከፍን ታሪኽን ዝተርፍ ጭቡጥ ምልክት እዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ናይ ምስናይን ፍቅርን ተግባራት ምዃኑ ንምግላጽ ዚኣክል ኣብ ገዛ ቅድስት ማርታ ነዊሕ ዘገልገላ ዝሓለፋን ኣብ ዕረፍቲ ዘለዋን ከም ኣደ ዓባይ ዝምልከትዋ ክሳብ ናብ ማሕበረን ከይዶም ዝበጽሕወን እናቴ ማርያ ብንእስነትን ንኣምላኽ ኣብቲ ገዛ ዝተወፈያ ከምኡ እውን ነታ ብዘሕዝን ፍጻሜ ነፍሰጾር እንከላ ምስቲ ኣብ ከብዳ ዝነበረ ዕሸል ዝሞተት ሚርያም ከምኡ እውን ኤልቪራ እትበሃል ክሳብ መወዳእታ ምስ ሕማም ተቃሊሳ ዝሓለፈት ዘኪሮም። ርግጽ እዩ ክትፈላለ እንከሎኻ ከቢድ እዩ ግን ኣብ ልብና ፍሉይ ቦታ ምስ እንህቦም ወትሩ ምሳና እዮም ኢሎም።
ዓቢ ምስጋና!
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም ርግጽ ሓጢኣት ኣሎ! ብዝጠቅምን ዘይጠቀምን ክንቊጣዕ ንኽእል። ኰይኑ ግን ምልስ ኢልና ይቅረታ ምስ እንሓትት ኩሉ ይሓልፍ። ዓቢ ሥድራቤት ከኣ ብከምዚ እዩ ዝናበር። ብዙሕ ግዜ ንሕና ጥራሕ ንዕገስ ይመስለና ኰይኑ ግን እቶም ንከሰንዩና እግዚኣአብሔር ዝሃበና ሰባት ክንደይ ከምዝዕገሱና ሓሲብናሉዶ ንፈልጥ። ሃየ እምበር ሎሚ ንሕሰበሉ እሞ ንኩሎም ብጾትና ንዝጐደልናዮ ይቅረታ ክህቡና ንሕተቶም ኢሎም።