ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ዝዓበየ ዘገልግል ደኣ እምበር ሥልጣን ዘለዎ ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 25 ለካቲት ኣብ ቤተ ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ኣድላዪ ኰንካ ንክትረኤን ብዙሕ ሃብቲ ንከተኻዕብትን ዝግበር ህንጡይነት ናብ ቅንእን ሕሜታን ስለዝደፋፋኣና ክንጥቀቀሎም ዘሎና ጉዳያት ኰይኖም ዓለማውነት ተጻይ እቲ ትሕትና ዝእዝዝ እግዚአብሔር እዩ’ ክብሉ ሰቢኾም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 9.30 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ብዛዕባ ሕማማቱ እናነገሮም ንሶም ግን መን ኮይ ይዓቢ ኢሎም እንክማጐቱ ኢየሱስ ናይ ልቦም ፈሊጡ ትሕትና ክለብሱ ከመይ እግዚአብሔር ንትሑታት ሓፍ ከብሎም ንዕቡያት ግን ከዋርዶም ምዃኑ ዝገለጸሎም ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ካብዚ ብምንቃል ናብ ሕይወት ኩልና ክርስትያን ፍልይ ብዝበለ ከኣ ናብ ቤተክህነት ዘተኰረ ብዛዕባ ትሕትና ሰቢኾም። ንቃለወንጌል ብውዕልን ዋጋ ዕዳጋን ክነብሮ ኣይንኽእልን እንተዘየሎ መንፈስ ዓለማውነት ክዕብልለና እዩ። ዓለማዊ መንፈስ ከኣ መን ከማይን ትዕቢትን ዝመለለዪኡ ተጻይ ትሕትና እግዚአብሔር እዩ ዘደንፍዕ ኢሎም። ነዚ ፈውሱ ኣሰር ክርስቶስን ትእዛዙን ምኽታል እዩ። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ‘ወዲሰብ ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጸን’ እንክብል ክሳብ እግሮም ብምሕጻብ ብኣብነት መሃሮም። ኣብ ወንጌል ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ሓዋርያት ሓደ ልዕሊ ሓደ ክኾነ ዝለዓለ ሥልጣንን ቦታን ሃነፍነፍ እናበሉ ንሱ ከይሰምዖም እናኣሕሸዅሸኹ ይክትዑ ነበሩ። ናይ ልቢ ዝፈልጥ ጐይታን ምንም ዘይሕበኦን ግን ኣብ ቃልዕ ኣውጺኡ ገኒሕዎም። እዚ ኣነ ክልዕል በዓል ሥልጣን ክኸውን ዝብል መንፈስ ናይ ዓለም ኰይኑ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ያዕ 4.1-10 ካብ ክፍኣት ዓለም ምጥንቃቅ ከምዝግባእ ብሰፊሑ ገሊጹ እቲ ውግእን ባእስን ካብ ፍትወት ሥጋ ምዃኑ ይገልጽ።

“እዚ ህንጡይነት ዓለማዊ መንፈስ ልዕሊ ካልኦት ክትከውን ልዕሊ ካልኦት ኣድልዪ ክትመስል ሃረር ብማለት ‘ኣነ ከምዚ እየ! ንዓይ ዝግባእ ከምዚ ዓይነት ክብረትን ሽመትን እዩ’ ዝብል መንፈስ ዓለም እዩ። ነዚ መንፈስ እዚ ዘስተንፍስ ከኣ ጸረ እግዚኣአብሔር ዝኾነ መንፈስ የስተንፍስ ስለዘሎ ነቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ‘ወይ ምሳይ ኢኹም ምስ ተጻየይ ኢኹም’ ዝበሎ ሰሚዕና ጽጹይ መረጻ ክነካይድ ንሕተት። እንተዘየሎ በዝን ናይ ኢየሱስ ኢና ክንብል በቲ ዓለማዊ ናብራ ክንመርሕ ዘይከውን እዩ። ንወንጌል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩ ክነብር ዝፍትን ኣማስያኣኡ ብመንፈስ ዓለም ተለኺፉ ሥልጣን ሃረር ክብል ልዕሊ ካልኦት ክኸውን መደያይቦ ሃሰስ ክብል ይነብር። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ቅንኢ ንኩሉ ንምዕናው ዝመርሕ ኣርእስቲ ሓጢኣት እዩ።”

ቅንኢ ንኩሉ ንምዕናው ዝደፋፍእ ባልዕ እዩ!

ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ ኩሉ ውግእን ባእስን ካብ ፍትወት ሥጋ ስምዒታት ዓለም እዩ ዝመጽእ! ንዝብል ጠቂሶም ቅዱስንቶም ናይ ሎሚ ዓለምና ውግእ ተዘሪእዎ ቦታ ሰላም ከምዘየለ ገሊጾም። ኰይኑ ግን ይብሉ እዚ ውግእ እዚ ኣብ ነንሕድሕድና ኰይኑ መሠረቱ ከኣ ከምቲ ናይ ሓዋርያት መን ይዓቢ ዝብል ቅንኢ እዩ ኢሎም።

“ነንሕድሕድና ረኣዩሞ ዝተዓወትክዎ ዝሓዝክዎ ክብርን ሥልጣንን ድሕሪ ሕጂ ደጊም ንድሕሪት ምምላስ የለን ዝብል መንፈስ ዓለም ተጻይ ክርስትና እዩ። ዘሎኹዎ ደረጃ ንዓይ ዝግባእ ኣይኮነን ዝለዓለ ሥልጣንን ደምዝን እዩ ዝግበኣኒ ዝነበረ ዝብል እውን መንፈስ ዓለም እዩ። ነዚ ስዒቡ ከኣ ሕሜታን ቤላበለውን ስም ምጽላምን ይስዕብ። እዚ ኩሉ ካበይ ይመጽእ እንተኢልና ካብ ቅንኢ እዩ። እቲ ዝዓበየ ቀናእ ዲያብሎስ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ይገልጸልና። ብቅንኢ ሠይጣን ክፍኣት ኣብ ዓለም ኣተወ። ቅንእኸስ ንከትዕኑ ንክትሓሚ ንሓውኻ ንክትቀትል ዝደፋፍእ ባልዕ እዩ። ስለዚ ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ኣብ ቤተክርስትያን ዝዓበየ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኹን።”

ኣብ ቤተክርስትያን ዝዓበየ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኹን።

ኣብቲ ሓዋርያት ነንሕድሕዶም እናኣሕሸዅሸኹ ዝካትዑሉ ዝነበር መን ኮን ይዓቢ ዝብል ክትዕ እዚ ስምዒታት እዚ እዩ ነሩ። ኢየሱስ ከኣ ድሕሪ ኩሉ ክስርዑን ናይ ኣገልግሎት ቦታ ሒዞም ከገልግሉን ይምዕዶም።

“ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ዝለዓለ ኣድላይነት ዘለዎ መን እዩ! ር.ሊ.ጳ! ጳጳሳት! ኣቡናት! ካርዲናላት ወይውን ቆሞሳት ናይተን ዝበለጻ ቊምስናታት! ናይ ቊምስናታትና ምንቅስቃሳት መራሕቲ! ዶ ይኾኑ! ኣይፋል ወላ ሓደ። ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ዝዓበየ እንብሎኸስ ኣገልጋሊ ናይ ኩሎም እዩ እምበር ብዙሕ ኣርእስታትን ስልጣንን ቅጽላትን ዝውንን ኣይኮነን። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ነዚ ከረደኦም ኢሉ ሓደ ሕጻን ይጽውዕ እሞ ኣብ መጎኦም ደው ኣቢሉ ብርሕራሔ ይሓቊፎ ከመይ ኢየሱስ ምሉእ ርሕራሔ ስለዝኾነ ብርሕራሔ ይዛረብ ይሰርሕ። ነዚ ሕጻን ዝቅበል ንዓይ ይቅበል ይብሎም ኣዚ ከኣ ነቲ ዝተሓተ ዝቅበል ነቲ ቀንዲ ኣገልጋሊ ዝቅበል ንኣኡ ከምዝቅበል እዚ ከኣ ነቲ ዝለኣኾ ከምዝቅበል ይነገሮም። እታ መንግድኸስ እዚኣ እያ። ንመንፈስ ዓለም ክነሸንፈላ እንኽእል እንኮ መንገዲ እዚኣ እያ ማለት ትሕትና እያ። ንካልኦት ምግልጋልን ናይ መጨረሻ ቦታ ምሓዝን እምበር ሥልጣን ክትብል ሒዅ ዘይምባል እዩ።”

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ንከጠቃልሉ ናይ ዝጽዕሩ ጌጋ ንምግላጽ ብምንም ተኣምር ንመንፈስ ዓለምን ቃል ወንጌልን ክነሰማምዖም ኢልካ ዋጋ ዕዳጋ ክንገብር ከይፍትን ወይ ምስ ክርስቶስ ወይ ተጻይ ክርስቶስ ክብሉ ሓዲኡ ክንሕዝ ብምምሕጻን ነታ ክርስቶስ መጀመርያ ክኸውን ዝደሊ ናይ መጨረሻ ቦታ ብምምራጽ ድሕሪ ኩሎም ክኸውን እቲ ጐይታ መራሒ ክኸውን ዝደሊ ከኣ ኣገልጋሊ ናይ ኩሎም ክኸውን ብምምሕጻን ስብከተኦም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 February 2020, 17:04
ንኩሉ ኣንብብ >