ኣብ ቤተክርስትያን እቲ ዝዓበየ ዘገልግል ደኣ እምበር ሥልጣን ዘለዎ ኣይኮነን! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ማር 9.30 ዝተወስደ ኰይኑ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ብዛዕባ ሕማማቱ እናነገሮም ንሶም ግን መን ኮይ ይዓቢ ኢሎም እንክማጐቱ ኢየሱስ ናይ ልቦም ፈሊጡ ትሕትና ክለብሱ ከመይ እግዚአብሔር ንትሑታት ሓፍ ከብሎም ንዕቡያት ግን ከዋርዶም ምዃኑ ዝገለጸሎም ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ካብዚ ብምንቃል ናብ ሕይወት ኩልና ክርስትያን ፍልይ ብዝበለ ከኣ ናብ ቤተክህነት ዘተኰረ ብዛዕባ ትሕትና ሰቢኾም። ንቃለወንጌል ብውዕልን ዋጋ ዕዳጋን ክነብሮ ኣይንኽእልን እንተዘየሎ መንፈስ ዓለማውነት ክዕብልለና እዩ። ዓለማዊ መንፈስ ከኣ መን ከማይን ትዕቢትን ዝመለለዪኡ ተጻይ ትሕትና እግዚአብሔር እዩ ዘደንፍዕ ኢሎም። ነዚ ፈውሱ ኣሰር ክርስቶስን ትእዛዙን ምኽታል እዩ። ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ‘ወዲሰብ ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጸን’ እንክብል ክሳብ እግሮም ብምሕጻብ ብኣብነት መሃሮም። ኣብ ወንጌል ክንበብ ከምዝሰማዕናዮ ሓዋርያት ሓደ ልዕሊ ሓደ ክኾነ ዝለዓለ ሥልጣንን ቦታን ሃነፍነፍ እናበሉ ንሱ ከይሰምዖም እናኣሕሸዅሸኹ ይክትዑ ነበሩ። ናይ ልቢ ዝፈልጥ ጐይታን ምንም ዘይሕበኦን ግን ኣብ ቃልዕ ኣውጺኡ ገኒሕዎም። እዚ ኣነ ክልዕል በዓል ሥልጣን ክኸውን ዝብል መንፈስ ናይ ዓለም ኰይኑ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ያዕ 4.1-10 ካብ ክፍኣት ዓለም ምጥንቃቅ ከምዝግባእ ብሰፊሑ ገሊጹ እቲ ውግእን ባእስን ካብ ፍትወት ሥጋ ምዃኑ ይገልጽ።
ቅንኢ ንኩሉ ንምዕናው ዝደፋፍእ ባልዕ እዩ!
ከምቲ ቅዱስ ያዕቆብ ዝብሎ ኩሉ ውግእን ባእስን ካብ ፍትወት ሥጋ ስምዒታት ዓለም እዩ ዝመጽእ! ንዝብል ጠቂሶም ቅዱስንቶም ናይ ሎሚ ዓለምና ውግእ ተዘሪእዎ ቦታ ሰላም ከምዘየለ ገሊጾም። ኰይኑ ግን ይብሉ እዚ ውግእ እዚ ኣብ ነንሕድሕድና ኰይኑ መሠረቱ ከኣ ከምቲ ናይ ሓዋርያት መን ይዓቢ ዝብል ቅንኢ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቤተክርስትያን ዝዓበየ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊ ይኹን።
ኣብቲ ሓዋርያት ነንሕድሕዶም እናኣሕሸዅሸኹ ዝካትዑሉ ዝነበር መን ኮን ይዓቢ ዝብል ክትዕ እዚ ስምዒታት እዚ እዩ ነሩ። ኢየሱስ ከኣ ድሕሪ ኩሉ ክስርዑን ናይ ኣገልግሎት ቦታ ሒዞም ከገልግሉን ይምዕዶም።
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ንከጠቃልሉ ናይ ዝጽዕሩ ጌጋ ንምግላጽ ብምንም ተኣምር ንመንፈስ ዓለምን ቃል ወንጌልን ክነሰማምዖም ኢልካ ዋጋ ዕዳጋ ክንገብር ከይፍትን ወይ ምስ ክርስቶስ ወይ ተጻይ ክርስቶስ ክብሉ ሓዲኡ ክንሕዝ ብምምሕጻን ነታ ክርስቶስ መጀመርያ ክኸውን ዝደሊ ናይ መጨረሻ ቦታ ብምምራጽ ድሕሪ ኩሎም ክኸውን እቲ ጐይታ መራሒ ክኸውን ዝደሊ ከኣ ኣገልጋሊ ናይ ኩሎም ክኸውን ብምምሕጻን ስብከተኦም ዛዘሙ።