ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለምተይናውነት ናብ ሓጢኣት ምንድልሓጽ ማለት እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለምተይናውነት ናብ ሓጢኣት ምንድልሓጽ ማለት እዩ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለምተይናውነት ናብ ሓጢኣት ምንድልሓጽ ማለት እዩ

ንጉስን ዓብይን ቅዱስን ክንደይ ብዙሕ ሰናይ ገባርን ንእግዚኣብሒር ዝፈልጥን ምስኡ ሓድነት ዝገበረን ዳዊት ነቲ ክፋእ ክፍጽም ከመይ ገይሩ እዩ ነብሱ ገይሩሉ? ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝፍጸም ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ቀስ እናበልካ እትለማመዶን ሰለይ እናበልካ እትኣትዎን ሓጢኣት እዩ

እቲ ሓደ ናይ እዋንና ክፋእ፡ ናብቲ ትርጉም ሓጢኣት ምጥፋእ ናብ ዝብል ሃለዋት ምድልሓጽ ምዃኑ ሎሚ ዕለት 31 ጥሪ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ዘስመሩሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ዳዊት እውን ኣብ ፈተና ከምዝወደቐን ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ንዅላትና ከጋጥመና ዝኽእልን ዘጋጠመናን ኩነት እውን እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ወትሩ ናብ ናይ ዓለም መንፈስ ነብል እንተድኣ ኰይናን ገዛእ ርእስና ንመርምር ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልማዳውን ቅሱንነትን ኣብ ቅድሚ ከቢድ ሓጢኣት እውን እንተዀነ ድምብርጽ ዝብሎ ልቢ እቲ እትፍጽሞ ክፋእ እውን ናይ ምስትውዓሉ ብቕዓት ከይህልወካ ዝድርኽ ዓለምተይናውነት ዝብል ሓሳብ ቅዱስነቶም ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ  ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ምዕ. 11 ካብ ፍቕዲ 1 ክሳብ ፍቕዲ 10 ካብ ፍቕዲ 13 ክሳብ 17ን ዝተወስደ ቀዳማይ ምንባብ መሰረት ገይሮም፡ ቅዱስ ንጉስ ዳዊት ኣብ ምቹእ ሕይወት ይጥሕል እሞ፡ ብእግዚኣብሔር ዝተሓርየ ምዃኑ ይርስዕ፡ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ዝረአይ ኩነት ሕይወት እዩ፡  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ስለ ዘቐድሱ ክርስቲያን ኢና ዝብሉ ግና ሓጢኣት ንምስትውዓል ዝተሳእኖም፡ ልክዕ ከምቲ ፒዮስ መበል 12፡ ናይ እዋንና ዓቢይ ሓጢኣት ትርጉም ሓጢኣት ዘይምፍላጡን ዘይምስትውዓልን እዩ፡ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ፡ ሰናይ ይኹን ክፋእ ኩሉ ንምፍጻም ፍቑድ ዘምስል እዋን፡ …

ናይ ዓለም መንፈስ

ቈጸራ ሕዝብን ጉዳይ ኦርዮን፥ ዳዊት ምስ ሰብይቲ ኦርዮ ደቀስን ንሳ እውን ጸትነሰት ስለዚህ ከኣ ዳዊት እቲ ዝፈጸሞ ግብረ ኣመንዝራነት ክሓብእ ቢሉ ንኦርዮ ክቕተል ይገብር፡ ክፋእ ከምዘይፈጸመ ተመሲሉ ክነብር ይጅምር፥

ንጉስን ዓብይን ቅዱስን ክንደይ ብዙሕ ሰናይ ገባርን ንእግዚኣብሒር ዝፈልጥን ምስኡ ሓድነት ዝገበረን ዳዊት ነቲ ክፋእ ክፍጽም ከመይ ገይሩ እዩ ነብሱ ገይሩሉ? ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝፍጸም ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ቀስ እናበልካ እትለማመዶን ሰለይ እናበልካ እትኣትዎን ሓጢኣት እዩ፡ ነድርን ጸርፍን ዝኣመሰሉ ግድፈታት ክትቆጻጸሮም ዘይከኣል ሃንደበታዊ እውን ክኸውን ዝከኣል እዩ፡ ገለ ገለ ሓጢኣት ግና ቀስ እናበልካ እትኣትዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ዓለም መንፈስ እዩ፡ እቲ መንፈስ ዓለም እቲ ዳዊት ዝፈጸሞ ዓይነት ሓጢኣት ኣብ ሕይወት ከጋጥም ዝክእል ልሙድ ከይኑ ንኽስምዓካ ዝገብር፡ ሓጢኣትካ ንምኽዋል ቅትለት ክሳብ ምፍጻም …

ናብ ሓጢኣት ምንድልሓጽ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝለገስዎ ናይ ሎሚ (ዕለት 31 ጥሪ 2020 ዓ.ም.) ስብከት ሰለይ ዝብል ቃል ደጋጊሞም ይጠቕሱ፡ ንሓጢኣት እናተለማመድካ ምስ እትኸይድ እቲ ሓጢኣት መንበሪኡ ይገብረካ፡ ኵላትና ሓጥኣን ኢና …

ብዙሓት ቀደስትን ኣቕደስትን ሰነበት ዘቐድሱን ክርስቲያ ክነሶም ከመይ ገይሮም እያቶም ዝሓጥኡ፡ ሓጢኣት ዝጽሙን፡ ቀስ እናበሉ ናብ ትርጉም ሓጢኣት ምጥፋእ ክጅ`ነት ስለ ዝጠሓሉ እዩ፡ ከምቲ ፒዮስ መበል 12 ዝብልዎ፡ ናይ እዋንና ዓቢይ ሓጢኣት ትርጉም ሓጢኣት ምጥፋእ እዩ፡ …

ማህረምቲ ሕይወት

ቅዱስነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣርጀቲና ናይ ራግቢይ ኩዕሶ ተጻወትቲ ኣብ መዘናግዒ ለይታዊ ሕይወት እንከለዉ ንሓደ ብጻዮም ቀጥቂጦም ከምዝቐተሉ ዝተነግረ ዜና ጠቒሶም፡ … እንታይ ዓይነት ሕንጸት እዩ ንመንእሰያናን ንሕብረተብን እነቕርብ? ዝብል ሕቶ ክስቆረና ኣገዳሲ ይኸውን፡ እቲ ሰለይ እናበለ ናብ ሓጢኣት ዝወስድ መገዲ ንምዅላፍ ዝድግፍ ማህረምቲ ሕይወት ኣድላዪ እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ንዳዊት ንኽግስጽ ብእግዚኣብሔር ዝተልእከ ነቢይ ናታን፡ ዳዊት ግድፈታቱ መታን ከለልይ፡

ናይ ሕይወት መንፈሳዊ ሃዋሁ እንታይ ዩ? እጥንቀቕ ዶ? ሓቂ ዝነግረኒ እደሊ ዶ ወይ ነኣዳይ እየ ዝደልይ? ካብ ብጻየይ ካብ በዓልቲ ቤተይ ካብ በዓል ቤተይ ካብ ደቀይ ንኽሕግዙኒ ዘቕርቡለይ ተግሳጽ ዘድልዮ ድየ? ቅዱስ ንጉስ ዳዊት ኣብቲ ዝኸፍኤን ከቢድን ሓጢኣት ክወድቕ ካብ ዝኸኣለ፡ ሕስብ እሞ ነብል፡ ንዓናው እውን ከጋጥመና ዝኽእል እዩ፡ ኣብ እንታይ ዓይነት ሃዋሁ እየ ዝርከብ? እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወትና ዝግሱጽና፡ ዓርኪ ድዩ ሓዊ ውላድ ወይ ኣቦ ወይ ከኣ ኣደን ክልእኸልና ንለምኖ

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ካፐሊ ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ዓለምተይናውነት ናብ ሓጢኣት ምንድልሓጽ ማለት እዩ
01 February 2020, 09:31
ንኩሉ ኣንብብ >