ድለ

መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ  (Vatican Media)

ነቶም ብቃል ዓለም ዝተኣሠሩ ሓጐስ ዘይብሎም ክርስትያን ኣይፋልኩም ንበሎም! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ዕለት 28 ጥሪ 2020 ዓም ኣብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ንጐይታ ብምርካብ ንዝርከብ ሓጐስ ንምግላጽ ክንሓፍር የብልናን! ኣብ እግዚአብሔር ዝቀረበ ሕዝቢ ካብ ብሓጐስ ካብ ዝገብሮ በዓል ኣይንፈለ’ እንክብሉ ስብከተ ወንጌል በቶም ብሕይወትን ሓጐስን ዝመልኡ ሰበኽቲ ወንጌል ንቅድሚት ከምዝግስግስ ኣዘኻኺሮም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ 2 ሳሙ 6 ኰይኑ ዳዊት ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ሕግ ብታሕጓስ እንሳዕስዔ ናብ ከተማ ዳዊት ዘደየበሉን ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ርእያ ዝነዓቀቶን ዳዊት ግን ገና ክሕጐስ ምዃኑ ዝገለጸሉ ሚካል ግን ብዘይውለድ ከምዝሓለፈት ዝገልጽ ነበረ።

ቅዱስነቶም ካብዚ ታሕጓስ ሕዝበ እግዚአብሔርን ንጉሥ ዳዊትን ብምንቃል ምኽንያት ሓጐሶም እግዚኣአብሔር ምሳኦም ኣብ ጥቃኦም ምዃኑ ብምርግጋጽ ከምዝኾነ ገሊጾም።

እግዚአብሔር ቀረባኡ ዝኾነ ሕዝቢ በዓል ይገብር!

ሕዝበ እስራኤል ነቲ ትርጉም ህላዌኡን ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ መንጎኡ ዝገልጽ ታቦት ሕግ ብዓቢ ክብሪ ሒዝዎ እናተጓዕዘ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ክንደይ ውሽጣውን ደጋውን ውግኣት ሰላምን እፎይታን ረኺቦም ምስ ንጉሥ ዳዊት ኰይኖም ካብቲ ዝነበሮ ቊሸት ናብ ቀንዲ ከተማ ኢየሩሳሌም ብዓቢ ክብሪ እንከእትውዎ ንዝስዕብ ምዕራፍ እንተተመልክትናውን ንጉሥ ዳዊት ቤተመቅደስ ኪሃንጽ ይደናደን ንናታን ነቢይ ይሓትት ሽሕ’ኳ ሕራይ እንተበሎ ግን እግዚአብሔር ንነቢይ ናታን ወዲዳዊት ንጉሥ ደኣ እምበር ቤተመቅደስ ዚሃንጽ ንጉሥ ዳዊት ከምዘይኮነ ይገልጸሉ። ብኩሉ ኩሉ ታቦት እግዚአብሔር ኣብ መንጎኦም ክህሉ እንከሎ ቅርበት እግዚአብሔር ስለዝገልጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ብምሉእ ሓይሉ ይዝምር ይስዕስዕ ይሕጐስ ይጭድር።

“ሓደ በዓል ነበረ። ሕዝበ እግዚአብሔር ይሕጐስ ከመይ እግዚአብሔር ምሳኦም ከምዘሎ የረጋግጹ። ንጉሥ ዳዊትከ! ዳዊትሲ ይስዕስዕ ግዲ ወረ ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ብዘይ ምንም ሕፍረት። ነዚ ኩሉ ዝገብር ከኣ እቲ ንጐይታ ምስ ረኸብካ እትረኽቦ ውሽጣዊ ሓጐስ እዩ። ንግሥነቱ ዙፋኑ ኩሉ ረሲዑ ምስ ሕዝቡ ይሕጐስ። ነዚ ሓጐስ ከኣ ብሳዕሳዒት ይገልጾ። ምስ ጐይታ ምስ ኰናኸስ ሓጐስ ንሓጐስ ኢና ንኸውን ኣበይ ኣሎና ምስ ኣሎና ብዘየገድስ። ሕዝበ እስራኤል ከምዚ ዓይነት ዝተሓጐሱሉ ኣብ ግዜ ነህምያ እቲ ጠፊኡ ዝነበረ መጽሓፈ ሕጊ ምስ ተረኽበ እዩ። ምሉእ መዓልቲ ክበኽዩን ክሕጐሱን ንሕጊ ሙሴ ክሰምዑን ከምዝወዓሉ ይዝንቶ። ነዚ ሓጐስ ዚዕንቅፍ ግን ተጸጊሙ የጸግም።”

ንሓጐስ ምስትንዓቅ ኣይግድን!

ንጉሥ ዳዊት እንክሕጐስን እንክስዕስዕን ግን በዓልቲ ቤቱ ጓል ሳኦል ሚካል ኣተናዒቃቶ። ኣይትሓፍርን ዲኻ ከም ሓደ ዕዋላ ከምዚ ኢልካ ክብረትካ ገዲፍካ ምስ ሕዝቢ ክትስዕስዕ እውን በለቶ።

“እዚ ግን ንቅኑዕ መንፈሳውነት እምነት ነቲ ንጐይታ ምስ ረኸብካ ዝመጸካ ቅጽበታዊ ሓጐስ ምስትንዓቅ እዩ። ዳዊት ግን ኣይሓመቀን ምኽንያት ሓጐሱ እንታይ ከምዝኾነ ይገልጸላ። ንታቦተ ሕግ ኣብ ገዛ ኣምጺእናዮ ብጐይታ ክንሕጐስ ግድን እዩ ይብላ። ንሳ ግን ገና ምስትንዓቃ ትቅጽል በዚ ከኣ ክሳብ ትመውት ውሉድ ኣይረኸበትን። ኣብ ሕይወት ሓደ ክርስትያን ሓጐስ ክጐድል እንከሎ ፍርያማነት ይጐድሎ። ኣብ ልቢ ሓጐስ እንተዘየሎ ምንም ክንፈሪ ኣይንኽእልን። ስለዚኸስ ንቅድሚት ክንግስግስ እንተደኣ ኰና ሕጉሳት ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን ኣሎና። ምስ ዕሚም ዝብሉን ዝሰልቸውን ሰበኽቲ ወንጌል ቤተክርስትያን ብምንም ተኣምር ንቅድሚት ክትስጉም ኣይትኽእልን። ሓጐስ ቃል ኣምላኽ ምቅባል ዘስከሮም ምሉእ ሕይወት ዘለዎም ሕጉሳት ሰበኽቲ ወንጌል ጥራይ እዮም ንቅድሚት ከገስግሱ ዝኽእሉ። ከም ንጉሥ ዳዊት ከይሓፈርካ ብጐይታ ምሕጓስ እምበር ከም ሚካል ዚኣመሰሉ ብቃል ዓለም ዝተኣሥሩ ክርስትያን ክንከውን የብልናን።”

ብድምጺ ንምክትታል!
28 January 2020, 14:58
ንኩሉ ኣንብብ >