ነቶም ብቃል ዓለም ዝተኣሠሩ ሓጐስ ዘይብሎም ክርስትያን ኣይፋልኩም ንበሎም! ር.ሊ.ጳ
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ 2 ሳሙ 6 ኰይኑ ዳዊት ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ሕግ ብታሕጓስ እንሳዕስዔ ናብ ከተማ ዳዊት ዘደየበሉን ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ርእያ ዝነዓቀቶን ዳዊት ግን ገና ክሕጐስ ምዃኑ ዝገለጸሉ ሚካል ግን ብዘይውለድ ከምዝሓለፈት ዝገልጽ ነበረ።
ቅዱስነቶም ካብዚ ታሕጓስ ሕዝበ እግዚአብሔርን ንጉሥ ዳዊትን ብምንቃል ምኽንያት ሓጐሶም እግዚኣአብሔር ምሳኦም ኣብ ጥቃኦም ምዃኑ ብምርግጋጽ ከምዝኾነ ገሊጾም።
እግዚአብሔር ቀረባኡ ዝኾነ ሕዝቢ በዓል ይገብር!
ሕዝበ እስራኤል ነቲ ትርጉም ህላዌኡን ህላዌ እግዚአብሔር ኣብ መንጎኡ ዝገልጽ ታቦት ሕግ ብዓቢ ክብሪ ሒዝዎ እናተጓዕዘ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ክንደይ ውሽጣውን ደጋውን ውግኣት ሰላምን እፎይታን ረኺቦም ምስ ንጉሥ ዳዊት ኰይኖም ካብቲ ዝነበሮ ቊሸት ናብ ቀንዲ ከተማ ኢየሩሳሌም ብዓቢ ክብሪ እንከእትውዎ ንዝስዕብ ምዕራፍ እንተተመልክትናውን ንጉሥ ዳዊት ቤተመቅደስ ኪሃንጽ ይደናደን ንናታን ነቢይ ይሓትት ሽሕ’ኳ ሕራይ እንተበሎ ግን እግዚአብሔር ንነቢይ ናታን ወዲዳዊት ንጉሥ ደኣ እምበር ቤተመቅደስ ዚሃንጽ ንጉሥ ዳዊት ከምዘይኮነ ይገልጸሉ። ብኩሉ ኩሉ ታቦት እግዚአብሔር ኣብ መንጎኦም ክህሉ እንከሎ ቅርበት እግዚአብሔር ስለዝገልጽ ሕዝበ እግዚአብሔር ብምሉእ ሓይሉ ይዝምር ይስዕስዕ ይሕጐስ ይጭድር።
ንሓጐስ ምስትንዓቅ ኣይግድን!
ንጉሥ ዳዊት እንክሕጐስን እንክስዕስዕን ግን በዓልቲ ቤቱ ጓል ሳኦል ሚካል ኣተናዒቃቶ። ኣይትሓፍርን ዲኻ ከም ሓደ ዕዋላ ከምዚ ኢልካ ክብረትካ ገዲፍካ ምስ ሕዝቢ ክትስዕስዕ እውን በለቶ።