ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ነቲ ናብ ምግባረ ብልሽውና ዝመርሕ ናይ ዓለም መንፈስ ንንጸጐ ር.ሊ.ጳ.፥ ነቲ ናብ ምግባረ ብልሽውና ዝመርሕ ናይ ዓለም መንፈስ ንንጸጐ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ነቲ ናብ ምግባረ ብልሽውና ዝመርሕ ናይ ዓለም መንፈስ ንንጸጐ

ኣብ እግዚኣብሔር ንኽንከውንን ኣብኡ ንኽንተርፍ ነቲ ኣብ እግዚኣብሔር ንምዃንና ዋሕስ ዝዀነ ንመንፈስ ቅዱስ ጸጋኡ ክንሓትት ይግብኣና፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ ኣብ እግዚኣብሔር ምዃንና እንፈልጥ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሎሚ ዕለት 7 ጥሪ ከምቲ ልሙድ ወትሩ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲክን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምቕጻል ቀዳማይ ናይ 2020 ዓ.ም. መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሓንስ ካብ ምዕ. 3 ፍቕዲ 22 ክሳብ ምዕ. 4 ፍቕዲ 6 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም፥ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ምስና ከምዘሎ ዋሕስናን ነቲ ክሳብ ሰናይን ርኹስን ፈሊና ንኸነለልይ ዝሳኣኖም ዝገብር ሕልናኦም ዘዕረቡ ንክንከውን ኣብ ልዕሊ ዝገብር ናይ ዓለም መንፈስ እምነት ከይንገብር ካብ መፍነስ ቅዱስ እዩ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕይወት ክርስትና መንፈስ ቅዱስ ብምስዓብ ኣብ እግዚኣብሔር ምትራፍ እምበር ነቲ ናብ ምግብረ ብልሽውናን ክሳብ ሰናይን ክፋእን ንምልላይ ዝሰኣነካ ሕልናኻ ዘዕርብ መንፈስ ዓለም ምስዓብ ማለት ኣይኰነን፡ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም ወንጌላዊ ዮሓንስ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ እግዚኣብሔር ንበሩ እንክብል ዝሃብዎ ምዕዳን ኣደጊፎም እውን፥

ንብዙሓት ክርስቲያን መንፈስ ቅዱስ ልክዕ ከም ሓደ ተምሳል ርግቢት ከይኑ ዝተረፈ እዩ ዝመስል

ሓደ ኣብ ሓጢኣተይና ከተማታት ድዩ ወይ ኣብ ኢእግዚኣብሔራውያን ኣብ ዝዀና ከተማታት ዝቕመጥ ክኸውን ዝኽእል ይኸውን፡ ኣብ እግዚኣብሔር ዝነብር እንተድኣ ከይኑ ግና፡ ነታ ዝቕመጠላ ከተማ ድሕነት ከብጽሕ ዝከኣሎ ይኸውን፡ ከምቲ ኣብ ግብረ ሓዋርያት እነንብቦ፡ ሓዋርያት ኣብ ሓንቲ ከተማ ምስ በጽሑ ብዮሓንስ ምስ ዝተጠመቑ ማሕበረ ክርስቲያን ይራኸቡ እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ከ ተቐቢልኩም ዶ እንክብሉ ይሓትዎም፡ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ግና ሓደ’ኳ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን፡ ዝብል ንረክብ፡ ሎሚ እውን መንፈስ ቅዱስ ልክዕ ከም ሓደ ተምሳል ርግቢት ኰይኑ ዝተረፎም ክርስቲያን ኣለዉ ቢሎም፡ ኣብ ጐይታ ክትተርፍን ምስኡ ክትከውንን ዝገብር ምዃኑ ኣብ ጐይታ ናይ ምንባር ሓይሊ ምዃኑ ዘይፈልጡ ብዙሓት ክርስቲያን ኣለዉ።

መንፈስ ዓለም ሕልና እዩ ዘዕርብ

እቲ መንፈስ ዓለም ተጻይ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኢየሱስ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራር፥ ሕይወት ክርስትና ኣብ ዓለም ብምዃኑ ንሰዓብቱ ካብ ዓለም ክምንዝዖም ዘይኰነስ ካብቲ ተጻይ መንፈስ ቅዱስ ዝዀነ ናይ ዓለም መንፈስ ክሕልዎም እዩ ንእግዚኣብሔር ኣቡኡ ዝጸለየ፡ መንፈስ ዓለም ሕልናኻ እዩ ዘዕርብ፡ ሰናይን ክፋእን ክሳብ ምፍላይ እትስእን ይገብረካ።

መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ እግዚኣብሔር ናይ ምዃን ውሕስነት እዩ

ኣብ እግዚኣብሔር ንኽንከውንን ኣብኡ ንኽንተርፍ ነቲ ኣብ እግዚኣብሔር ንምዃንና ዋሕስ ዝዀነ ንመንፈስ ቅዱስ ጸጋኡ ክንሓትት ይግብኣና፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ ኣብ እግዚኣብሔር ምዃንና እንፈልጥ፡ መንፈስ ቅዱስ ድዩ ወይ ከኣ ናይ ዓለም መንፈስ ድዩ ዘለና፥ ከመይ ገርና ኢና እንፈልጦ? ቅዱስ ጳውሎስ ንመንፈስ ቅዱስ ኣይተሕዝኑ እንክብሉ ይምዕደና፡ ናብ ናይ ዓለም መንፈስ ከነብል እንኰለና ንመንፈስ ቅዱስ ኢና እነጉህይን፡ ንዝንግዖን፡ …

ሃብቲ ገንዘብ ብምፍሳስ ሓድሽ ዓመት ዘብዕሉ ክርስቲያን

እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ሓጢኣትካ እትእመን እንተድኣ ኰይንካ እቲ ዝኣበስካዮ ካብ እግዚኣብሔር ኣይቀርሕቐካን እዩ፡ ምሕረት ስለ ትሓትት፡ እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ግና ሓጢኣትካ እዩ ዘረስዓካ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን እንታይነት ትርጉም ሓጢኣት የረስዓካ፡ ኣስዒቦም ኣብ ቀረባ መዓልቲ ይብሉ ሓደ ካህን ኣብ ሓንቲ ክርስቲያናዊት ሃገር ዝዀነት መስህብ በጻሕቲ ከተማ ዓድሽ ዓመት ዘብዕሉ ዝነበሩ ክርስቲያን ዘርእይ ዝተቐርጸ ምስሊ ከምዘርኣዮምን፥

ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ሰሊዕካ ሓድሽ ዓመት ከተብዕል፡ ዘሰንብን ዕውሉምነት እዩ ገንዘብካ ተባኽን ድኻም ትዕድግ፡ መንፈስ ዓለም፡ እዚ ሓጢኣት እዩ፡ ምስ በለኒ፡ ኣነ ኸኣ ኣይፋልካ እዚ ሓጢኣት ዘይኰነስ  ካብ ሓጢኣት ዝገደደ ምግባረ ብልሽውና እዩ በልክዎ፡ ሓጢኣት እውን እንተፈጸምካ መንፈስ ቅዱስ ናብ እግዚኣብሔር እዩ ዝመርሓካን ካብቲ ዝወደቕካሉ ንኽትንስእ ሓይሊ ዝዀነካን ዝከላኸለልካን፡ እቲ ናይ ዓለም መንፈስ ግና ናብ ምግባር ብልሽውና እዩ ዝንውንወካ፡ ሰናይን ክፋእን ክሳብ ምፍላዩ ዝሰኣነካ፡ ሰናይ ይዅን ክፋእ ኵሉ ሓደ እዩ፡ ክሳብ ትብል፡

መንፈስ ካብ እግዝኣብሔር ምዃኑ ንኸተለልይ ነቶም መናፍስቲ ምምርማር

ኣብ ኣርጀንቲና እትድረፍ ሓንቲ ኪድ ኪድ ኣብቲ ኵሉ ሓደ ዓይነት ኣብ ዝዀነሉ ኣብቲ ኣብ ዘሎ ታሕቲ ገሃነም ክንራኸብ ኢና  እትብል ደርፊ ኣላ፡ እዚ እቲ መንፈስ ክፍኣት እዩ፡ ንኣኡ መታን ክፋእ ምዃኑ ከይተለልዮ፡ ኣብ ክፋእን ሰናይ ዘሎ ፍልልያት ክሳብ ምልላዩ ዝሰኣነካ ዝገብር፡ ኩሉ ማዕረን ሓደን እዩ ዘብል፡ ኣብ ናይ ዕውሉም ሕይወት ኣብ ዝዀነ ንናይ ዓለም መንፈስ ድየ ወይ ንመንፈስ እግዚኣብሔር እየ ዝስዕብ? ነዚ ከመይ ገይረ እየ ክፈልጦ ዝኽእል፡

ዮሓንስ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳመይቲ መልእኽቱ፡ ‘ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ’ እንክብል ይምዕደና (ዝዀነ ዓይነት ስምዒት ድዩ ፍካሬን ሓሳብ) እንታይ ደኣ ‘እቶም መናፍስቲ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ’ ይብለና፡ ንመናፍስቲ ምምርማር እንታይ ማለት እዩ? እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ዝስምዓካ ስምዒትን ዝመጻካ ፍካረን ሓሳብን ምልላይን ካብ መንፈስ እግዚኣብሔር ድዩ ካብ መንፈስ ዓለም ቢልካ ንምልላዩ ገዛእ ርእስካ ምሕታት እዩ፡

እቲ ዝስምዓኒ ካብ መንፈስ ዓለም ድዩ ወይ ከኣ ካብ መንፈስ እግዚኣብሔር?

… እቲ ውሽጥካ ጽን ዝብሎን ዝስምዓካን ዝመጻካን ፍካሬን ሓሳብን ተለልዮ ዶ፡ ናበይ እዩ ዝመርሓኒ ጐዳእየይ ድዩ መልምዕየ ምባል፡ እዚ ናይ ሕልና መርመራ ይበሃል፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ኣቢልና ኢና መንፈስ ዓለም ድዩ መንፈስ እግዚኣብሔር እነለልይ።

እቲ ኣብ ልቦም ዝኽወን ጽን ዘይብሉን ዘይፈልጡን ብዙሓት ክርስቲያን ኣለዉ

ኣብ ልቦም እንታይ ከምዝኽወን ዘየስተውዕሉ ብዙሓት ዘሕዝኑ ክርስቲያን ኣለዉ፡ ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ቅዱስ ጳውሎስ ኰነ ቅዱስ ዮሓንስ፥ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ  …  እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እንክብሉ ዝምዕዱና፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ልባትና ዝኽወን ንኽንፈልጥ ዘብቅዓና መገዲ እዩ ቢሎም፥

እቲ ዝምዕዶ እምበኣር ቅድሚ ምድቃስኩም ድዩ ፍርቂ መዓልቲ ድዩ ከም ዕለታዊ መነባብራኹም … [ገዛእ ርእስኹም ሕተቱ መዓስ ይጥዕመኵም] … ኣብ ልበይ እንታይ እዩ ዝኽወን ዘሎ ሎሚ? ዝፈጸምክዎን ዝሓሰብክዎን? እቲ ኣብ ልበይ ዝተነቓቕሔ መንፈስ መን እዩ፡ ናይ እግዚኣብሔር ካብ መፍነስ ቅዱስ ድዩ፡ ምስ ጐይታ ንኽራኸብ ዝመርሓኒ፡ ወይ ከኣ እቲ ሰለይ እናበለ እናደዓዓሰን እናጠዓዓመን ካብ ጐይታ ዘርሕቐኒ ቀስ ብቐስ ሸተት እናበለ ዝወስድ ናይ ዓለም መንፈስ ድዩ? መርምሩ!

ልቢ መገዲ ዘይኰነስ ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ስፍራ መታን ክኸውን

ኣብ ጐይታ መታን ንኽንተርፍ ንጐይታ ጸጋኻ ሃበና ቢልና ብመንፈስ ቅዱስ ንጸልይ፡ ኣብ ጐይታ ንኽንከውን መታን፡ እቲ ኣብ ውሽጥና ዝነቓቓሕ ዘሎን ዝኽወንን መታን ከነለልይ፡ ልብና መገዲ ዘይኰነስ ምስ እግዚኣብሔር እንራኸበሉ ስፍራ መታን ክኸውን ንጸልይ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

ር.ሊ.ጳ.፥ ነቲ ናብ ምግባረ ብልሽውና ዝመርሕ ናይ ዓለም መንፈስ ንንጸጐ
07 January 2020, 17:01
ንኩሉ ኣንብብ >