ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ልቢ ወለዶ ኣይኰነን ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ልቢ ወለዶ ኣይኰነን  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ልቢ ወለዶ ኣይኰነን

ካብ ክርስቶስ ፍቕሪ ዝፈልየኒ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ቢሉ ክዛረብ እንከሎ ትዕቢተይናን ምኵሕን ዘምስሎ ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል

ዕለት 31 ሕዳር 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጸት ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፥ ኣብ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና ናይ እግዚኣብሔር ናይ ፍቕሪ ሓልዮትን ለውሃትን ብጭቡጥ ከነስተውዕል ዝዕድም ስብከት ከምዝለገሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንፈስ ቅዱስ ክርስቶስ ንኣና ዘለዎ ፍቕሪ ንኸነስተውዕል ከብርሃልናን ልባትና ብጐይታ ንኽፍቀር ፍቓደይና ኰይኑ ክርከብ የሰናድው፡ ቅዱስነቶም ነዚ ዝበሉ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳመይቲ ምንባብ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ምዕ. 8 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 39 ዝተወስደ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ከምዝዀነ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባብ፥ ካብ ክርስቶስ ፍቕሪ ዝፈልየኒ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ቢሉ ክዛረብ እንከሎ ትዕቢተይናን ምኵሕን ዘምስሎ ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል፡

ናይ ኣደ ፍቕሪ

ኣብ ናይ ጐይታ ፍቕሪ ካብ ሰዓርቲ ንላዕሊ ኢና፡ ሓዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጐደና ደማስቆ ብጐይታ ካብ ዝተጸወዓላ ሰዓት ኣትሒዙ፡ ናይ ክርስቶስ ምስጢር ክርድኦን ኣብ ፍቕሪ ክዓብይን ጀመረ፡ እዚ ብርቱዕን ዓቢይን ፍቕሪ እምበር ናይ ሓደ ልበ ወለድ መጐተ ኣይኰነን፡ ኣብ ሰናይን ኽፉእን እዋን ዘሰንዮ ፍቕሪ ምዃኑ የስተውዕል ከምዝበሉ ገሊጸን፥

እዚ ዓይነት ፍቕሪ እዚ እዩ ዝስምዖ ዝነበረ፡ ኣነ ብወገነይ ንጐይታ ክሳዕ ክድዚ የፍቅሮዶ ቢለ ንገዛእ ርእሰይ ክሓትት እግደድ፡ ክፉእ እዋን ከጋጥም እንከሎ፡ ጐይታ ጠንጢኑኒ ኣየፍቅረንን እዩ ዝብልን ካብ ጐይታ ምፍላይ ዝብል ድላይ ክምጻና ነስተውዕ፡ ጳውሎስ ኣብ ዝዀነ ይዅን ኩነት ጐይታ ከምዘይሓድጐ ርግጸይና እዩ ዝነበረ። ኣብ ሕይወቱ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ዘስተውዓለ እዩ ዝነበረ፡ ጳውሎስ ነዚ ኣብ ሰናይን ክፋእን ኵነት ይኹን ናይቲ ፈጺሙ ዘይጥንጥን ፍቕሪ መገዲ እዩ ዘመላኽተና፡

ሕይወት ምእንቲ ካልእ ምስዋዕ

ፍቕሪ ክርስቶስ ይብሉ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና፡ ክትገልጾ ዘይከኣል ዓቢይን መስተንክር እዩ፡

ነኸድሕነና ብኣቦ ዝተላከ፡ ነዚ ተልእዀ’ዚ ብፍቕሪ ፈጸሞ፡ ሕይወት ምእንታይ ሰወአ፡ እቲ ዝዓበየ ፍቕሪ ሕይወትካ ምእንቲ ብጻይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዝብል እዩ፡ ኣዴታት እሞ ንሕሰብ፡ ፍቕሪ ኣደ፡ ምእንቲ ውላዳ ሕይወታ እትህብ፡ ወትሩ ኣብ ሕይወቱ ተሰንዮ፡ ኣብ መከራ እውን እንተዀነ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ እቲ ኣዚዩ ነዓና ቀረባ ዝዀነ ተመክሮ እዩ፡ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ረቂቕ ዘይኰነ ጭቡጥ እዩ፡ ኣነን ንስኻን ፊት ንፊት ዝብል ፍቕሪ፡ …

ንብዓት ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና

ኣብ ናይ ሎሚ ምንባብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 13 ካብ ፍቕዲ 31 ክሳብ 35፥ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ ጭቡጥ ምዅኑ ንኣብነት ብዛዕባ ኢየሩሳሌም ክዛረብ እንከሎ፡ ኢየሩሳሌም ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቃ ክትእክብ ላዕልን ታህትን ትብል፡ ምእካቦም እውን ይሰኣና፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቃ ክትእክቦም ዘይደለየት፡ ግና ኣይኰነላን፡ ትነብዕ

ፍቕሪ ክርስቶስ ንኽትነብዕ ይድርኻ፡ ምእንቲ ነፈሲ ወከፍና ዝፈስስ ንብዓት እዩ፡ ኣብዚ ምንባብ’ዚ ሓልዮትን ቡቕባቔን እግዚኣብሔር ይግለጽ፡ ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ክኹንናን ብዙሕ ከበድቲ ቃላት ክዝንበላ ምኸኣለ ምኽንያት እውን ነይርዎ፡ ከምቶም ጨቓውቲ ክፍቐሩ ዘይምድላይና የሕዝኖ፡ ነዚ ዓይነት ለውሃትን ሓልዮትን ክርስቶስ እዩ ጳውሎስ ዝተረደኦ፡ ወትሩ ዝጽበይን ዕጉስን ፍቕሪ፡ ክሳብ ምክሓድ ብይሁዳ፡ ክሳብ መወዳእታ ንምምላሱ ዝዕገስ፡ ንዅሉ ክሳብ መወዳእታ ንሓጥኣን ክሳብ መወዳእታ ዘፍቅር። ኢየኡስ ክሳብ ክንድዚ ለዋህ ምዃኑ ይርድኣናዶ ይኸውን፡ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ናይ ኣልኣዛር መቓብር ዝነብዕ፡ ንኢየሩሳሌም ሕስብ እሞ ነብል፡

ዝነብዕ ፍቕሪ

ኢየሱስ ምእንታይን ምእንታናን ከምዝነበዕ ነስተውዕልዶ? ገዛእ ርእስና ንሕተት፡ ዘይሃበና እንታይ ኰን ይህሉ? ንሕና ካልእ መገዲ ንሓርይ፡ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ይነብዕ፡ ኣብ ኢየሱስ ናይ ሓልዮት ንብዓት ይኸውን፡ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ጳውሎስ ምስ ክርስቶስ ፍቕሪ ዝሓዞን ክሳብ ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየኒ ሓደ’ኳ የለን ዘበሎን። እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖም ሓቢረን።

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ልቢ ወለዶ ኣይኰነን
31 October 2019, 17:56
ንኩሉ ኣንብብ >